1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 31 October 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 4ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 4ይ ክፋል።

ዘይተረድኦም ገሊኦም ሰባት ነታ በኹሪ ወዳ እትብል ቃል (ሉቃ2፡7) (ማቴ1፡25) በኹሪ ማለት ሓደ ካብ ኣሕዋቱ ኢዩ ኢሎም ይምስክሩሉ።
ብ መሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕብራውያን ዘሎ ሰበይትኻ እትብል ቃል እታ ዮሴፍ ብዛዕባ ማርያም ዝተባህለት፡(ማቴ20)።ብ መሠረት ኣብ መጽሓፍ ዕብራውያን ዘሎ ሰበይትኻ እትብል ቃል ብሓፈሻኡ ን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተባህለትሉ (ማቴ1፡24)
3ይ- ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን,,” (ማቴ1፡25) እትብል ቃል ከምኡ ኸኣ “ከይትራኸቡ ብ መንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት”(ማቴ1፡18)
4ይ,እቲ ን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ”ኣሕዋትካ”ዝብል ቃል ዝሓዘ ጥቕስታት፡ኣብነት ፡(ማቴ 12፡46-50) ፡(ዮሃ2፡12) (ማቴ13፡54-56)፡ (ማር 6፡3)፡ (ግብ1፡14) ፡ገላ 1፡19)። ብፍቃድ ኣምላኽ ኣብቲ ኣቦና ሽኖዳ ዝጸሓፍዎ ምሉስ እዩ።
            በዂሪ ወዳ
ኣስተውዕል፡- እቲ በዂሪ ወዳ፡ ክብል ከሎ ንሱ እቲ መጀመርታ ዝተወልደ ወዳ ንምባል ደልዩ እዩ።ነዛ ቃል እዚኣ ብ ቛንቛ እንግሊዝ እንተ ደኣ ተርጉምናያ( ferst born ) ትኸውን፡መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንትርጉም በዂሪ ብብሩህ የፍልጦ።እቲ ቀንዲ ጸገም ሰባት ነቲ ቦክር ጽሑፍ ዝኾነ እብሪ ኣንታይ ይብል ኣሎ ስለ ዘይፍልጡ እዩ።ሰበይቲ ዝብል ን ኸመይ ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ እዮም ይህቡዋ ነይሮም እብራውያን።ባህሎም ከ ከመይ እዩ ነይሩ፡ማለት ህጽይቲ መሮኣት ኣብዝብል ምስቲ ባህሊ ብዝተኣሳሰር እዩ ዝተጻሕፈ።እቲ ኣምላኻዊ ምግላጽ ቅድመ ናይ ክህነት ኣሮን ምምስራት ፡ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡እግዚኣብሔር ድማ ን ሙሴ፡ኣብ ደቂ እስራኤል ማኅጸን ዝኸፈተ ኩሉ፡ሰቡን እንስሳኡን ፡ንሱ ናተይ ኢዩ፡እሞ ኩሉ በዂሪ ንኣይ ቀድሶ ኢሉ ተዛረቦ።”(ዘጽ. 13።1-2)።
ዝኾነ ማኅጸን ዝኸፈተ፡ብድሕረኡ ካልእ ዉላድ ይወልድ ኣይወለድ ፡ን ኣምላኽ ዝተቀደሰ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ ቦክሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ ማለት እዩ፡ሰብ እንተ ኮይኑ ወይ ካብ ንብረቱን እንስሳኡን፡(ምእንቲ በዂሮም ክኸውን!!)ኣቦኡ ብድሕረኡ ምእንቲ ን ኣምላኽ ክዉስንዎ፡ካልእ ክሳዕ ዝዉለደሉ ኣይጽበይን ኢዩ ነይሩ።
እቲ ዝዉለድ ን እግዚኣብሔር ዝተቀደሰ ይኸውን፡ካብ ኣሕዋቱ ዝዓበየ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ማኅጸን ስለ ዝፈትሐ ኢዩ።በዚ ኸኣ እቲ በዂሪ ወዲ (እንኮ) ሓደ ንሱ ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።የሱስ እውን ማህጸን ንሱ መጀመርታ ስለ ዝኸፈተ እዩ ቦኽሪ ዝተባህለ እንበር ብድሕረኡ ቆልዑ ስለ ተወልዱ ኣይኮነን።
ልክዕ ከምዚ ኸኣ ኢዩ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ፡ንሱ በዂሪ ወዳ ኢዩ፡ንሱ ኸኣ እቲ እንኮ ወዳ ኢዩ፡ነዚ ኸኣ ቅዱስ ጅሮም ብምስክር ከምዚ ዝስዕብ በለ፡”ነብሲ ወከፍ እቲ እንኮ ዉላድ በዂሪ ኢዩ።ግን ነብሲ ወከፍ በኹ`ሪ እቲ እንኮ ዉላድ ኣይኮነን።” እቲ በዂሪ ዝብል መግለጺ ብድሕሪኡ ካልኦት ከም ዝተወልዱ ኣየመልክትን ኢዩ።የግዳስ እቲ ካልእ ዝቅድሞ ዘይብሉ ማለት ኢዩ።
ስለዚ ሰባት ቦኽሪ ወደይ፡ሓደ ወደይ ኢሎም ክዛረቡ እውን ሰሚዕና ንኸውን ኢና።ቦኽረይ ንሱ እዩ ብድሕረኡ ዘይወለድኩ ክብሉ ውን ሰሚዕና ንኸውን ኢና።ኣብ መርዓ ተሪኢና ኣቦታትና ዋህስ ክተኽሉ ከለዉ፡ እንዳ ጓል ወድኹም ኣንታይ እዩ ክብልዎም ከለዉ ቦኽሪ ኢዩ  ክብሉ ሰሚዕኩም ትኾኑ።እዚ ብድሕረኡ ኣሕዋት ይሃልዉዎ ኣይሃልዉዎ ዝወሃብ እዩ።ኤረትራውያን ብዙሕ ምስ ባህሊ እብራውያን ዝከይድ ኣሎና እዩ።ህጂ እዚ ኣጸዋውዓ ቦኽሪ ወዳ ዝብል ዘሎ ድማ የሱስ ክርስቶስ ቦኽሪ ምዃኑ ንኸብር ደልዩ ኢዩ።ነዛ ቦኽሪ ተዘይ ይጠቅሳ ነይሩ እውን መማህራን ገለ ኣበር መውጽኡላ ነይሮም ግን እዚ ብጥበብ ኣምላኽ እዩ ዝተባህለ።
 ስለዚ ኸኣ ንበዂሪ እንስሳ፡ካብ ወዲ ወርሒ በጅኦም ይቕበል ነይሩ፡(ዘሁ18፡16-17) በዂሪ ንጹሃት እንስሳ ኸኣ ንኣምላኽ መሥዋእቲ ይቐርቡ ነበሩ።ክሳብ ብድሕሪኦም ዉሉድ ዝዉለድ ይጽበዩ ኣይነበሩን።ዋላ እኳ ብድሕሪኡ ኣይወለድ ንሱሲ በዂሪ ኢዩ፡ምኽንያቱ ከፋቲ ማኅጸን ስለ ዝኾነ።
በዚ ኸምዚ እምበኣር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ (ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ቦዂሪ ወዳ መጠን) ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ን ኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕረብሉ፡(ብድሕሪ ምዉላዳ ኣብ መዓልቲ ምንጻሃ)ኣብ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡-“ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡መዓልታትት ምንጸሆም ምስ መልአ”፡(ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር እተባህለ ኸኣ፡ክልተ ባረቶ ወይ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ክህቡ፡ኣብ ቅድመ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክቑምዎም ናብ ኢየሩሳለም ወሰድዎ።”(ሉቃ2፡22-24)።
ንሱ ትራሕ ዘይኮነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈለጣን ኢሉ ደኣ ስቅ በለ እንበር፡ፈለጣ ኣይበለን።(ማቴ1፡25) ድሕሪ ኣይፈለጣን ፈለጣ ዝብል ቃል ክሳዕ ዘይረኸብና ግድን ኢና ብጽሑፍ ክንከይድ ብባዕላዊ ነገር ክንከይድን ክንፈርድን ኣይግባእን ግምት ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣይሰርሕን ኢዩ።ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ( 1ይቆሮ4፡6) ተኣንቢብና ከምዚ ክብል ምዒዱና ኣሎ “ኣሕዋተየ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ንጉድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሓስቡ,,,,,” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ።ስለዚ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከንይኸይድ ቃል ኣምላኽ ይዛረበና ።ስለዝስ ከም ክርስትያን ተጻሕፈ ጥራሕ ተንቢብና ሰናይ ኢዩ።ይቅጽል,,,,,,,ናብ 5ይ ክፋል.,,,,,
            haymanoteabow@gmail.com

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ኣሎ ዶ!! ??



 ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት  ኣሎ ዶ!! ??
ፍቁር ሓወይ እዚ ዘለናዮ ዘበን ምልክታት መወዳእታ ዘበን ዝርኣየሉ፡ዓለምና ናብ ፍጻመ ትጓዓዘሉ፡ምጽኣት እቲ መሲሕ ክርስቶስ እንጽበየሉ።(ማቴ24፡6-8)(ማር13፡7-8)(ማቴ24፡14)ንሱ ብስልጣንን ብግርማን ክመጸና እንጽበየሉ እዋን  በጺሕና ከም ዘለና ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ።እሞኸ ተቀሪብካ ዶ ኣለኻ?።(ሉቃ9፡26)
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይበለና፡(ራእ20፡15)”ዝኾነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ድማ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበየ”።እሞኸ ክቡር ሓወይ ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉዶ ኣሎ??!!።ክርስቶስ ምስ መጸ ከምኡ እውን ዕድመና ኣኺሉ  ድዩ ዋላ ብ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ምስ ገዓዝና ስምና ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተዘየለ ጭንቂ ክኸውን ኢዩ።እዛ ነገር እዚኣ ካብቲ ኩሉ ሻዕ ተተሓሳስበኒ ነገር እያ።ኣስማቶም ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ከይተጻሕፈ ዝጸንሑ ሰባት፡እቶም ኣየር እንዳ ነቀለት ኣየር ትከት ዘይብሎም ሰባት ይመስሉ።እሞኸ ትኣየር ትመጽእ ኣላ፡ቦታ ንምሓዝ ትከት ቆሪጽካ ዶ።
ኣብ (ራእ20፡12) “ምዉታት ድማ፡ዓበይትን ናእሽቱን፡ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ።መጻሕፍቲዉን ተገንጸሉ።ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት ኢዩ።እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ ከከም ግብሮም ተፈርዱ”።ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን ሓወይ ግብረይን ግብርኻንሲ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ከመይ ኮን ይኸውን!!።ብሓቂ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብምስትውዓልዶ ንማላለስ ኣሎና።ኣምላኽ በቶም ንገብሮም መዓልታዊ ሂወትናን ሓሳብናን ዝጉሂ ተኾይኑ እቲ መጽሓፍ ሂወት ምስ ተገንጸለ፡ግብርና ክፉእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋንን ኮይኑ ተጸኒሑ፡ከም ግብርና ክንፍደ ኢና።እሞኸ ብግብርኻ ን ኣምላኽ ተኽብሮዶ፡ከተኽብሮ ኸ ሓሲብካ ዶ ትፈልጥ ??።ብ ክርስቶስ ከ ብኣውራኡ ጋና ኣማኒ ዲኻ ??!!።ን ኣምላኽ ከተኽብሮ ዝወሰድካዮም ስጉምቲታት እንታይ ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት ን ኣምላኽ ምኽባር ሂወቶም ን ኣምላኽ ከይሃቡ፡ገንዘብ ን ቤት ኣምላኽ ምሃብ ከም ስራሕ ወይ ድማ ኣበርክቶ ዝቆጽሩዎ መሊኦም እዮም።ግን ኣምላኽ ቀዳምነት ዘድልዮ ካባና ገንዘብና ዘይኮነስ ሂወትና ኢዩ።እምበኣር ሎሚ ብ ልዉጥ ሂወት ክትነብር ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ክጽሕፎ ጎይታ ይጽወዓካ ኣሎ።ግን ክንደይ መዓልቲ ኮን ኢና ዘይልዉጥ ሂወት እንዳነበርና፡ ክርስትያናት ኢና እንዳበልና መንፈሳውያን ኢና እንዳበልና ንጻዊዒት ኣምላኽ ጸማም እዝኒ ሂብናዮ ንኸይድ ዘለና!!!!።(ሮሜ 2፡12-13) (ገላ5፡21)
 ናይቲ ሕያዋይ ኣምላኽና ቃል ከምዚ ይብል።(ዕብራውያን3፡8) “ከምቲ ብ ነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ ልብኹም ኣይተትርሩ”(ዕብ 3።15)እሞኸ ክሳዕ መዓስ ኢና ልብና ኣትሪርና ክንከይድ።ነየነይቲ ሂወት ኢና ኸ ካብ ኣምላኽ ርሒቅና ንነብረላ።ዘይ ኣኽለና ክሳድካ ምትራር (ዘዳ10፡16)ከምቲ (ኤር29፡13)”ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ ፡ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም”ይብለና። እሞኸ ን ኣምላኽ ከይንረኽቦ ዝዓግተና ዘሎ ሓይልስ እንታይ ኮን ይኸውን?!፡ነዚ መጋራጃ እዚ ግን ሎሚ ኣብ እግሪ ጎይታ ኣብታ ዘለናያ ተንበርኪኽና ጎይታ ምሕረት ግበረለይ ኣነ ገበነኛ ኢየ ምሓረኒ ንበል።ንነሳሕ ድሕሪ ንስሓ ድማ ኣምላኽ ከም ዝሓደገልና ብምሉእ ልብና ንእመን ።ካብ ሽዑ ን ሂወትና ከም ስድራ ኣምላኽ ብምውሳድ ኣብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ቤት ኣምላኽ እንዳ ተማላለስና ፡ዘለና ጾርን፡!!ሰኸምን ንዕኡ እንዳ ሃበና ዱሉዋት ንኹን።
ምርጫኻ ሎሚ እንበኣር የሱስ ክርስቶስ በዓል ናዝረት ይኹን።(ህዝ33፡11)”ኣነ ህያው እየ፡ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ረሲእ ካብ መገዱ ኽምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ብ ሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን ኢዩ።ኣቱም ቤት እስራኤል፡ስለምንታይ እትሞቱ፡ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ተመለሱ,,,”ይብል እግዚኣብሄር ።ኣይፋል ተልና ግን ክንጠፍእ ኢና “፡ኣይፋልኩምን ተዘይ ተነሳሕኩምሲ፡ኩላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡እብለኩም ኣለኹ”።(ሉቃ13፡5)( ዘዳ8፡20) እንበኣር ኣይትዶንጊ ነዛ ዘላትካ ሰዓት ናይ ዕርቅን ንስሓን ሰዓት ግበራ።(ራእ1፡7)”እንሆ ብደበና ይመጽእ ኣሎ።ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ ኢዮም፡ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪዉን ኪበኽዩሉ ኢዮም”።እወ ኣሜን።
                ኣምላኽ ይደግፈና
              ሓውኻ ቀሺ-ሙሴ
           from etiqalsgakone blogs,http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/blog-post_30.html
                     haymanoteabow@gmail.com

Monday 29 October 2012

ዜና ምርጫ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኣለክሳንደርያ።

                                                    ሓድሽ ዜና
ዜና ምርጫ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኣለክሳንደርያ።
  
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን (coptic) ኣለክሳንደርያ፡ መን ፖፕ ኣለክሳንደርያ ተካኢ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ይኹን ፡ኣብ ዝብል ምርጫ ፓትሪያርክ ።
እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣቦታት ተመሪጾም ኣለዉ።

ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን

1ይ,.ኣቡነ ራፋኤል
2ይ,ኣቡነ  ታዋድሮስ
3ይ,ኣቦና ራፋኤል ኣቫ ሚና

ክኾኑ ከለዉ።ኣብ ዝመጽእ ድሕሪ ጸሎት ንእሽቶ ህጻን መጺኡ፡ብዕጫ ካብተን ሰለስተ ዕጫ ሓንቲ ከልዕል ኢዩ።ኣብታ ተላዕለት ስሙ ዝተረኽበ ድማ ንሱ ፓትሪያርክ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ብምኻን መንበር ቅዱስ ማርቆስ ብምርካብ ፖፕ ክኸውን እዩ።
ኣምላኽ ነታ ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትያን ይሓሉ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰናይ ብስራት የስምዓና።

             ሃይማኖተ ኣቦው
             haymanoteabow@gmail.com
The Final three papal candidates announced

The final three candidates for the see of St. Mark have been voted for today and the counting concluded this afternoon. In a very organised voting procedure with over 98% worldwide representation of all Coptic Orthodox Christians, the final three names were announced as being Bishop Raphael, Bishop Tawadros and Father Raphael Ava Mina.
The final stage, the 'altar choosing' will take place on 4 November, when a blindfolded child will select the name of the church's next pope from a clear box containing three names on three slips of paper.
1. Bishop Raphael: Auxiliary bishop of central Cairo and Heliopolis, a former aide to the late Pope Shenouda III, and a member of the Coptic Church's Holy Synod. Born in Cairo in 1954 and a graduate of Ain Shams University's medical faculty, Raphael was ordained bishop in June 1997.
2. Father Raphael Ava Mina: A monk at Alexandria's St. Mina Monastery (Mar Mina). Born in Cairo in 1942, Father Raphael has a law degree from Ain Shams University.
3. Bishop Tawadros: Auxiliary bishop for Beheira, and auxiliary to ِArchbishop Pachomios (who is currently serving as acting Pope). A member of the Holy Synod, Tawadros was born in 1952 and studied pharmaceutical sciences at Alexandria University. He was ordained bishop in 1997.
Trys paskutiniai popiežiaus kandidatai paskelbė
Trys paskutiniai kandidatai St Mark buvo balsuojama šiandien ir skaičiavimas sudarė šią popietę. Labai organizuoto balsavimo procedūrą su daugiau nei 98% visame pasaulyje atstovauti visų koptų krikščionių stačiatikių, galutiniai trys vardai buvo paskelbta kaip vyskupas Rafaelis, vyskupas Tawadros ir Tėvas Rafaelis Ava Mina.
Baigiamasis etapas, altorius, pasirenkant "vyks lapkričio 4 d., Kai užrištomis akimis vaikas pasirinkti kitą bažnyčios popiežiaus vardą iš aiškiai dėžutėje, kurioje yra trys vardai tris popieriaus skiaučių.
1. Vyskupas Rafaelis: Vyskupas pagalbininkas Kairo centriniame ir Heliopolis, buvęs padėjėjas velionio popiežiaus Shenouda III ir Koptų Bažnyčios šventasis Sinodas nario. Gimė Kaire 1954 ir Ain Shams universiteto Medicinos fakulteto absolventas, Rafaelis buvo įšventintas vyskupu 1997 m. Birželio mėn.

2. Tėvas Rafaelis Ava Mina: Aleksandrijos St Mina vienuolynas (Mar Mina) vienuolis. , Gimęs 1942 m. Kaire, Tėvas Rafaelis Ain Shams universitete baigė Teisės fakultetą.

3. Vyskupas Tawadros: vyskupo pagalbininko Beheira ir pagalbiniai arkivyskupui Pachomios (kuris šiuo metu tarnauja kaip veikimo popiežiaus).Šventosios Sinodo narys, Tawadros gimė 1952 metais ir studijavo Aleksandrijos universiteto farmacijos mokslus. Jis buvo įšventintas vyskupu 1997 m.

Friday 26 October 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 3ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 3ይ ክፋል።

እዚኣ እቲ መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ ሓይሊ ልዑል ከጽልለኪ ኢዩ”።ስለዚ ኸኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ፡ወዲ ኣምላኽ ክበሃል ኢዩ።”(ሉቃ1፡35)።ዝበላ።እዚኣ እታ ኤልሳበጥ ከምዚ ዝስዕብ እናበለት ዘኽበረታ፡እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረላ ቃል ክፍጸም ኢዩ እሞ፡እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ፡’’(ሉቃ1፡45)።እታ ኩሉ ወለዶ ብጽእቲ ዝብልዋ..ቅድስቲ ምባላ ከሕፍረካን ቅድስቲ ኢልካ ከይትጽወዐ ክትጣራጠርን ዓገብ,,!።
እታ “ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ”እትብል ቃል ከኣ ብ መልኣኽ ገብርኤል ፡ብቅድስቲ ኤልሳበጥ ተባህለታ ፡እዚ ማለት ንሳ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዓለም ብርኽቲ ንኽትከውን ዝተሸለመት ኢያ።ምኽንያቱ ሓንቲ’እውን ትኹን ካብአን ካብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ተሠጋዉነት ኣምላኽ ዝረኸበቶ ክብሪ ቅድስና ኣይረኸበትን።
ንሰንሲ እቲ ካብኣ ዝወሰዶ ስጋ ክርስቶስ ደኣ በሊዐን ሂወት ይረኽባን ንረክብን።ስለምንታይ ንሕና ኣብ እምነትና ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ካብ ስገኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሰደ ኢልና ንምህር።እቲ ን ወስዶ ስጋ እውን እቲ ካብኣ ዝተወስደ ስጋ ደኣ እዩ።
ኣምላኽ ንዕኣስ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዓለም ከም ዝመረጻ ኣይንጣራጠርን ኢና።ከመይ ባዕሉ ብ መልኣኹ ስለ ተዛረበና።ካብቲ ምስኣ ዘሎ ጠባያት ሓንቲ ‘ውን ትኹን ማዕረኣ የላን፡ኣይነበረትን ፡ማዕረኣ እውን ከምኣ ሰብ ምስአ ኣይተረኽበትን።ኣብ ቅዳሴ ባህርያቆስ ኣብ እንብሎ እውን ከምተን ኣዋልድ እብራውያን ክሳድኪ ኣይትረርክን ብምባል ንዘለዋ ትሕትናን መንፈሳውነትን ንገልጾ ገልጻ።
ኣብዚ ኢዩ እምበኣር ፍሉዩነት ልዕልናን ዕብየትን ደረጃን ግርማኣን ዝተገልጸ፡ስለዚ ኸኣ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ዝመጸትሉ እዋን “ደበና”ክብል ዝሰመያ(ኢሳ19፡1)።
ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣፍልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነበሮም ብምዃኑ ነቲ ተዋህዶ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ማርያም እትህቦ ኣገላልጻ፡በቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብ ገበራ ጥራሕ ዝፈልጡዋ ምስ ተነበበሎም ተዋህዶ ከም ዝተሰሓሓተት ገይሮም ብምርዳእ ዝጠራጠሩን ሃይማኖት ዝቅይሩን መሊኦም እዮም እስከ ንርኣዮ እቲ ብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ልዕሊ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝጽዋዕ ኣስማት።
ኣምላኽ ብ ተሰጋውነቱ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለ ዝሰፈረ፡ቤተ ክርስትያን “ካልኣይቲ ሰማይ”ኢላ ትጽውዓ።ከምኡ እውን መንበረ ታቦት ወይ ከኣ”ናይ ሙሴ ጽላት ኢላ ትጽውዓ።
ኣምላኽ ኣብኣ ስለ ዝሰፈረ ኸኣ፡ ቤተ ክርስትያን ከተማ ኣምላኽ ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ መዝሙር ጽዮን ዝተባህለ፡ ኣንቲ ከተማ ኣምላኽ ፡ብዛዕባኺ ክቡር ነገር ተዘርበ”ብዛዕባ ጽዮን ድማ እዝን እትን ካብኣ ተወሊዶም ፡ክበሃል ኢዩ፡እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ከጽንዓ ኢዩ።”(መዝ87፡3,5)
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ንነፍሱ ብ ደመና ስለ ዝመሰላ፡እዚ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራ ስለ ዝኾነ (ዮሃ6፡58)ስለዚ ኸኣ ቤተ ክርስትያን “መሶበ ወርቅ እንተመና ኢላ ትሰምያ።ወዘተ,,
ካብቲ ኣገዳሲ ቤተ ክርስትያን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እተኽብራ ምኽንያት፡መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ስለ ዝወረደን ን ኣምላኽ ስለ ዝወለደትን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ስለ ዝወረደን ን ኣምላኽ ስለ ዝወለደትን፡ንኹሉ ግዜ ድንግል ስለ ዝኾነትን ስለ ቅድስንኣን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ ስለ ዝመስከረን ጎይታ ባዕሉ ስለ ዘኽበራን ኢዩ።ከምኡ ኸኣ ቤተ ክርስትያን ስለ እቲ ተኣምራታትን ቅዱስ ምግላጽን ተኽብራ።
እዚ ኣኽብሮት እዚ ከኣ ኣብ ስርዓትና ንትግብሮ።ኣብቲ ንገብሮ ዜማታትን እውን ንገልጾ።
ጰንጤ ኮኑ ሉተርያን (ከኒሻ)ማሕበራት ነደና ማርያም ብድንግልነኣ ኣይኣምኑን።እዚ ዘርኢ ድማ ብዘይ ጭብጢ ሰብ ከም ዝኹኑ ዝርኢ ሓደ ዓቢ ጸገሞም እዩ።(ሉቃ6፡35)(ዮሃ7፡24)ቀጻልነት ድንግልና ኣደና ማርያም ኣይኣምኑንን።እዚ ጉዳይ እዚ ቅድመና ነበሩ መማህራን ኣቦታትና ካብ ካልኣይ ክሳዕ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ዝተዛረቡሉን ኢዩ።ከም እኒ ቅዱስ ኤረነዮስ(ጅሮም) ብ 383 ዓ/ምሕረት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ እዚ፡ንደገፍ ቀጻልነት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ኣንጻር ሃልፌርዮስ ዝተባህለ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ።ኩሉ እቲ ፕሮቲስታንት ዝምስክሩዎ ርእይቶታት ካብቲ እዚ ሰብኣይ ዝሃቦ ርእይቶ ኣይፍለን እዩ።ይቅጽል።።ናብ 4ይ ክፋል,,
from blog http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/3-135-145.html
        haymanotrabow@gmail.com

Wednesday 24 October 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 2ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 2ይ ክፋል።

ብ ተወሳኺ እውን እታ እታ”ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ እትብል ቃል ኣብቲ ኤልሳበጥ ሰላም ዝበለትላ ተደጊማ ንረኽባ፡ ንምስትውዓል እውን ኣብቲ ሥርዓት ኣዘራርባ መልኣኽ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ካብቲ ምስ ዘካርያስ ካህን ዝነበረ ኣዘራርባ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።ሉቃ1፡13)።
ጴንጤ ኮነ ከኒሻ፡- ንሕና ነደና ማርያም እንህቦ መጸውዒ ብጣዕሚ እዮም ዝጽየፉዎ።ኣብነት ንሶም ነደና ማርያም በፍጹም ኣደና ኣይብሉን።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ኣደነታ ንኹሉ ኣስማት ክርስቶስ ይምልከት።ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ተደኣ ኮይኑ ኣደ ኣምላኽ ኢልካ ምጽዋዕ ስለምንታይ ገበን ይቆጽርዎን ይቃወሙዎን ካብቲ ኣገሪሙ ዘሎ እዩ።
ክርስቶስ ብርሃን ካብ ኮነ(ዮሃ1፡9)(ዮሃ8፡12) ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ብርሃን ተባሂላ ክትጽዋዕ ብ ኸመይ  ዘይቅበሉዎ።
ክርስቶስ ቅዱስ እዩ፡(ሉቃ1፡35) ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ቅዱስ ትኸውን።
ንሱ መድሓኒ ካብ ኮነ ፡(ሉቃ2፡11) ንሳ ኣደና ድማ ኣደ መድሓኒ ትኸውን።
ክርስቶስ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ (ዮሃ1፡1)(ራእ9፡)(ዮሃ20፡28) ስለዚ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ወላዲተ ኣምላኽ ትኸውን።
ምስናይ እዚ ኩሉ ግን ከኒሻ ኮነ ብሓፈሻ ከምኡ እውን ጰንጤ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን በዚ ኣስማት እዚ ጸዊዖማ ኣይፈልጡን።በዚ ጥቅስታት ተመርኪስና ወላዲት ኣምላኽ ተብልናያ እዮም እንበኣር ኣብ ምኽሳስና ዝውዕሉን ፡ዝፈርዱን ነተን ዘይደልደላ ነፍሳት (ምሳ 14፡25)
ከምቲ ኤልሳቤጥ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝበለታ፡”ኣደ ጎይታይ”(ሉቃ1፡43_። ጎይታ ስለ ዝኾነ፡ ኣደ ጎይታ ትኸውን ፡ኤልሳበጥ  ነዚ ተረዲኣ እያ ከምኡ ዝበለት።በዚ ድማ ኣደ ኣማኑኤል ትኸውን(ማቴ 1፡23)ከምኡ ኸኣ ኣደ እቲ እተሰገወ ቃል ኢያ።(ዮሃ1፡14)።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ ካብ ኮነት፡ብ መንፈሳውነት ኣደ ኩሎም ቅዱሳን እያ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ከሎ፡፡ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ን ፍቁሩ ቅዱስ ዮሃንስ ፡”እንሆት ኣዴኻ “ዝበሎ እኹል ኢዩ።(ዮሃ19፡27)።ነዚ ኣቱም ደቀይ እናበለ ዝዛረበና ሓዋርያ ዮሃንስ ኣደኡ ካብ ኮነት(1ይ ዮሃ2፡1) ን ዓና ንኹላትና  ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ከይትኾነሉ ዝኽልክል ጽሑፍ ካበይ መጸ።ነቲ ኣቦና እንብሎ ዮሃንስ ኣደኡ ክንሳስ ከመይ ገይሩኸ ይኸውን “ሓፍትና “ ምባል።እታ  ኣደ ክርስቶስ ነቲ ብስም የሱስ ኣሚኑ ዉልድነት ዝረኸበ ሰብ፡ሓብቱ ክትከውን ካብቲ ዘይብቑዕን ዘይቅቡልን ተዋቃዕን ኣዘራርባ እዩ!።
ፕሮቲስታንት ብሓፈሻ ፍጹም ቅድስቲ ማርያም ኣይቅብሉን።እዚ ናብ ካልእ ይወስደና (ራእ 12፡13)  (ራእ 12፡17) ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ቦታ ቅድስናን ክብርን ከተውጽእ ምፍታን ተንልእኾ ናይዘ ገበል ምስራሕ ጥራሕ እዩ ዝኸውን።ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ክርስቶስ መድሓኒ ዝወለደትልና ክብሪ ደኣ ይግበኣ እንበር ኣሰር እቲ ገበል ክንቁጠዓ ኣይግባእን።(ራእ 12፡13)።
እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዞም ኣሕዋትና ን መጽሓፍ ቅድስ ከይተረድኡ ብስሚዒት ጥራሕ ነቲ ቅዱሳን ሃዋርያት ዝጥቀምሉ ነበሩ ኣገላልጻን ርድኢትን ባዕሎም ኩሉ ግዜ ስለ ዝቅይሩዎን ን ነፍሶም ልዕሊ ሃዋርያት ገይሮም ስለ ዝሰርዑን እዩ።ሃዋርያት ግን ከምዚ ኢሎም ይጽውዑ ነይሮም።ሮሜ1፡7 ኣብ ሮሜ ን ዘለኹም ጽዉዓትን ቅዱስንን ፍቁራት,,,(ሮሜ15፡25-26) (ሮሜ15፡30-32) (ሮሜ16፡15) ብሉይ ኪዳን ስለ ዘይቅበሉ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዘሎ እዚ ያክል እዩ።ሃዋርያት ነቶም ከም ፍቃድ ኣምላኽ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ቅዱሳን ኢሎም ይጽውዕዎም ነበሩ።ነገረ ጰንጤን ዓባይ ከኒሻን  ግን ነዚ ኣይወሓጠሎምን ።እሞኸ ሃዋርያት ነቶም ብጸቶም ቅዱሳን ኢሎም ይጽውዑ ካብ ነበሩ ነታ ብ መላእኽቲ ዝተመስከረላ፡ ቅድስነኣ ኣምላኽ መስኪሩ ክኸብረላ ዝፈተወ “ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ዝተባህለላ ኣደና ደኣሞ ስለምንታይ እዩ፡ ቅድስቲ  ዝብል መጸውዒ ዝኸልእዋ።ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለ ዝበልናያ ድማ ዝኸሱና።ንሕናስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኢና እንብል ዘለና።ሃዋርያት ዝበልዎ ድማ ንብል ኣሊና።ርኣዩ እንበኣር መን እዩ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ።
እቲ ን ኣደ ክርስቶስ ዘየኽብር፡ንክርስቶስ ኢዩ ዘየኽብር።ኣደ ምኽባር ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ቃል ትእዛዝ ኢዩ።(ኤፌ6፡2) (ዘጽ20፡12) (ዘዳ5፡16) ስለዚ ነታ ኣደና ኣደ ክርስቶስን ኣደ ሃዋርያትን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይነኽብራን ዶ?።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢልካ ምጽዋዕካ ትእዛዝ ምፍጻም ዶ ኣይኮነን።ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል,,,,,,,,።
              ካብ ወብሳይት http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/2_24.html
                 haymanoteabow@gmail.com

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 1ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 1ይ ክፋል።

ኣብዚ ዘበን እዚ ገለ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደና ዘነኣእሱን ዘቛናጽቡን ገለ ኸኣ ብ ኣንጻሩ ናብ ደረጃ ኣምላኽ ዘሰጋገሩዋ ክሳዕ 4ይቲ ኣካል ስላሴ እያ ዝብሉ ሰባት ክንሰምዕ ከለና ብጣዕሚ እዩ፡ ዝገርመና ን መሳኽን ልቢ ገርሀኛታትን ስለ ዘስሕቱ ድማ ካብ ትምህርቲ ሃዋርያት ዝጸሓፉልና ክንምልሰሎም ንግደድ።እዚ ርእይቶ እዚ ኣብቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ዘውጽእዎ መጽሓፍ ተመርኪሱን ካብኡ ዝተወስደን እዩ።ገለ ካብኡ እውን ሓሳብና ኣለዎ።እዚ ርእይቶ እዚ ን ሰባት ሓቂ ነገር ንምምሃር ደኣ እንበር ነቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምሲልካ ነቲ ሓደ ከም ሓሳዊ ንምቅራብ ኣይኮነን ታይ ደኣ እቲ ሓቂ ሰብ ክፈልጦ።
እስከ በቶም ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕማቅ ኣመለኻኽታ ዘለዎም  ሓይልታት ወስ ክንብል።ገለ ገለ ሰባት ወይ ማሕበራት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣየኽብሩን ከምቲ ንሕና እንብሎ ድማ ጸልይልና ኣይብሉን፡ከም ቅራፍ እንቋቁሖ ድማ ይምልስልዋ፡”ንሳስ ከምታ ብድሕሪ እቲ ህያው ካብኣ ምስ ወጸ ቁምነገር ዘይብላን ቅራፍ እንቃቕሖ ኢያ፡”ይብልዋ።ዘሕዝን ኣበሃህላ እዩ።
ገሊኦም ከኣ “ሓፍትና” ይብልዋ፡ ብድፍረት፡እዚ ቃል እዚ ኣብዞም ሓደሽቲ እምነታት ከም እኒ ኩለን ማሕበራት ጰንጤ ልሙድ ኣበሃህላ እዩ።
3.ገሊኦም ከኣ ምስታ ኣብ ኤርምያስ7፡18) ኤርምያስ 44፡17-25።ተገሊጻ ዘላ ጣዖት ብምምስሳል ንኽብሪ ኣደና ማርያም መዓዝኑ ብጥዋይን ፡ነቲ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስተ ድንግል ማርያም  ብምጥዋይን ፡ተዋህዶ ነዛ ኣብ ኤርምያስ ተጠቂሳ ዘላ እዮም።መስዋእቲ ዘቅርቡላ ብምባል ን ገለ ገርሂ ልቦም የዕሽዉ።
4,ብዘሕፍርን ድማ ብድሕሪ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ምስ ዮሴፍ ጸራባይ ከም በዓልቲ ቤቱ ተቀሚጣ ከምኡ እውን በዓልቲ ቤቱ ን የሰፍ እያ፡ካብ የሰፍ ቆልዑ ወሊዳ ፡መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕዋት ኢየሱስ ዝብል ኣሎ ይብሉ።
5,ከምኡ ኸኣ ንሶም ነቲ ቤተ ክርስትያን እትህባ መጸውዒ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይጽዉዑዋን።
6.ን ዘይምኽባራን ተቓዉሞን ንምግላጽ፡ኣብ ክንዲ ከምቲ መልኣኽ ዘበሰራ ብ “ምልእቲ ጸጋ “ኢሎም ዝጽዕውዕዋ፡ትርጉሙ ቀይሮም”ዝተጸገወት” ይብልዋ።እረ ገሊኦምስ እቲ ዝተጸገወት እኳ ኣይብልዎን።
7.ኣብ ክንዲ ፡ወላዲተ ኣምላኽ” (ሲኦቶክስ)ዝብልዋ፡ ኣደ ኢየሱስ ኢሎም ይጽውዕዋ።
ንሕና ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ብፍቅርን ሓጎስን ብዘይ ምጥርጣርን ነኽብራ፡እዚ ድማ ዝግብኣ ስለ ዝኾነት እዩ።ነዚ ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ጥራሕ ኣኻሊ እዩ፡ ንሱ ድማ ርሑቅ ከይከድና እታ “ሽንሆ ካብ ህጂ ኩሎም ወለዶታት ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም።”(ሉቃ፡1፡48)። “ኩሎም ወለዶታት”እትብል ቃል፡እቲ ካብ ልደት ጀሚሩ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዝቕጽል ኣኽብሮት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ሃይማኖታዊ መምርሒ፡ከም ዝኾነ ዘመልክት ኢዩ።
ከምኡ እውን ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹዎ ዘሎ፡እቲ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዝበለታ ኢዩ።)ንሳ ዕድመ ዝደፍአት፡ክንዲ ኣደኣ ትኸውን ኢያ ነይራ) “ኣደ ጎይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡እዚ ካበይ ኮነለይ?፡እንሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ህጻን ተሳራሰረ።”ኣብዚ ድምጺ እቲ ኣብ ከርስኺ ዘሎ ህጻን ምስ ሰምዐ ዘይኮነት ትብላ ዘላስ “ድምጺ ሰለምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ህጻን ተሰራሰረ ኢያ ዝበለታ።(ሉቃ1፡33-44)። ኤልሳቤጥ ሰልምታ ኣደና ማርያም ብምስማዕ ጥራሕ ብ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡(ሉቃ1፡41).. ድምጺ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምስማዕ ጥራይ መንፈስ ቅዱስ ክመልኣ ከሎ ካብቲ ዘገርም ዕብየት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢዩ።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰባት ጥራሕ ኣይኮነትን ክብሪ ረኺባ።ካብቶም ኣብ ቅድመ ገጽ ኣምላክ ዝቀርቡን ኣብ ቅድመኡ ዝለኣኹን መላእኽቲ እውን እንበር፡እዚ ከኣ እቲ  ገብሪኤል መልኣኽ ሰላም ኣብ ዝበለላ ተጋሂዱ ንረኽቦ።”እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፡ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡እግዚኣብሄር ምሳኺ ኢዩ እሞ፡ባህ ይበልኪ፡ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ።”(ሉቃ1፡28_። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ “እትብል ቃል ካብ ኩለን ኣደና ቅድስቲ ማርያም ከም እትኸብር ብግልጺ የብርህ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,ናብ 2ይ ክፋል።
ካብ ወብሳይት ቃል ስጋ ኮነ ተወስደ http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/10/1.html
                                          haymanoteabow@gmail.com

Saturday 6 October 2012

2ይ ክፋል ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።


2ይ ክፋል ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
       ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
እንበኣር ኩላትና እንጸድቅ በቲ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ምሕረትን በጃ ምሕላፍን፡ምእማንን ምቅባልን  ንዕኡ ካብ ኮነስ ንምንታይ እንዱንጊ።ህጂ ብድድ ኢልና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ክንምድብ ኣለና፡ ጎይታ ምስኡ ክትዕረቅ ከም ሰባት ብዙሕ ሽማግለ  ዘድልዮ ኣምላኽ ኣይኮነን። ርሑቅ ከይከድካ ኣብታ ዘለካያ ኮንካ ዎ ኣምላኽ ምሕረት ግበረለይ ዘግሃኹኻ ዘበን ይኣክል ፡ን ሓጢኣት ክምልኮ ድማ ሓይሊ ሃበኒ በሎ፡ ኢዮብ 8:5:ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡ ነቲ ዂሉዚኽእልውን ሕረት እንተ ለሚንካዮ ክሓድገልካ ድሉው እዩ።
በጃኻ  ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ኣይቅበልንን ኣይትበል።ከምኡ ምባል ን ኣምላኽ ከም ጨካን ገርካ ምሕሳብ እዩ።ስለዚ ፍቁር ሓወይ ገበንካ ኣይትኸውል ንገሮ ነቲ ለዋህ ኣምላኽ፡ ምሳሌ 28:13:ገበኑ ዚኽውዎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። ነዛ ሓጻር ዕድመና ሰላም ዘለዎ ሂወት ዘይንነብር።ብዙሓት  ሰባት ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓርኪ ጻድቃን ጥራሕ ገይሮም ብምርኣዮም፡ በቃ ሓጢኣተኛ እንድየ ድሕሪ ህጂ ኣምላኽ ኣይቅበለንን እዩ ኢሎም ተስፋ ይቆርጹ። እዚ ግን ናይ ጌጋ ገይጋ እዩ ኣምላኽ ዓርኪ ሓጥኣን ኮላይ እዩ።እዝስ ን ኣምላኽ ከም ምጽራፍ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ምሕረት ምንዓቅን ምቁንጻብን ደኣ ይቁጸር ።
ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጡፉኣት ክደሊ እዩ ዝመጸ ማቴዎስ 18፡10-14።ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።፲፩ - ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡፲፪ - እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ክደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን ?፲፫ - እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዝሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።፲፬ - ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ክጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
ፍቁር ሓወይ ዋላ ኣነን ንስኻን ብዙሕ ሓጢኣት ተገበርና ብንስሓ ክንምለስ ደኣ እንበር ክንጠፍእ እቲ ዝሞተልና ኣይደልን እዩ።መድሓኒና ፡ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ ድማ እዩ ኣብ መስቀል ዝወዓለልና።ነዚ ክፈልጡ ስለ ዘይከኣሉ ድማ እዮም፡ ነቲ ምሕረት ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም ፈሪሳውያን ንሓጥኣን ይቅበል ምስኣቶም እውን ይበልዕ ኢሎም ዝተገረሙ ሊቃስ15፡17።ዘገርም ነገርሲ ኣነን ንስኻን እዚ ኹሉ በዲልና ግን ብምላስናስ ዝገበርናዮ ኩሉ ተረሲዑ፡ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ይኸውን እዚ እውን ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍቅሪ  መግለጺ እዩ።ንሱስ ንሓኪም ሕሙማት ደኣ እንበር ጥዑያት ኣየድልዩዎን፡ ደኣ ተዛረበ።ን ሓጥኣን ደኣ እንበር ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እዩ ዝበለ ዘገርም ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛታት ሉቃስ5፡30።
 ዘገርም ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ከይተረዳና ዋእ መራሒ ሃይማኖት ተባሂሉስ፡ <<መራሒ መንግስቲ ተባሂሉስ >>፡<<ምስ መንዩ ዘዕልል ዘሎ>>  ፈኪሽ ዘይረዚን ምስ ዝስሕቆን ዘዕሊሎን ዘይርድኦ ፡ምባልና።  ዋላ ንብዙሓት ሰባት እውን ዋእ ክብረቱ ዘይሕሉ እዩ ወደይ ፡ኣታ ክብረትካ ዘይትሕሉ ዋእ፡ፈኪስ እኻ ንብል ግን፡ግን ሰብ ክብሪ ኣምላክ ክሕሉ ደኣ ክጥንቀቅ ኣለዎ እንበር ክብሩስ ክሓስባ እኳ የብሉን።ክብርና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡እሞ ናቱ ክብሪ ክሓስር ከሎ ጥራሕ ክስመዓና ይግበኦ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሂወት ዝረሳዕና ብዙሓት ኢና።ንሱ ምድራዊ ኣገልግለቱ ናይቲ መድሓኒና ምስ ሓጥኣን የሕሊፉዎ ።
እዚኦም ኩሎም ጎዶሎታት ኣይኮነን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ኣብ መረት  ኣብ ዝነበረን ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ፍጹም ምስ ጻድቃን ፈላጣት መጻሕፍቲ ውሩያት መማህራን መዘምራን ኣይከደን፡ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ካብኦም ዘይደሊ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡እቶም ንዕኡ ዘድልዩዎ እቶም ብሰብ ድርቡያት፡ንዑቃት ፍንፉናት፡ ርጉጻት ዝነበሩ ሰባት ጥራሕ ስለነበሩ እዩ።
እንበኣር እቶም ኣገልገልቱ ኢና እንብል እውን ነዚ ግብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ኣለና።ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸብር እየ ከይበለ ነፍሱ ብምሕሳር ኣብዛ ምድሪ ኣገልጊሉ። ዘገርም ነገር ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንሕና ሰባት እንሓስቦ ዘይምኻኑ እዩ።ከም ናቱ ለዋህነትን ፍቅርንስ ኣብዛ መረት የለን።ነዚ ክገልጽ ደልዩ ድማ እዩ ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቂ ፍቅሪ ን ወልድ ካብ መንበርሩ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጸሖ ዝበለ።
ስለዚ ምናልባሽ ኣብ ምፍላጥ ኣምላክ ገይጋ ርድኢት ሒዝና ከይንህሉ ክንሓስብ ኣለና።መልክዕ ኣምላኽ ከምቲ ሰባት ዘርድኡና ኣይኮነን፡ከምቲ ሰባት ዝምህሩና እውን ኣይኮነን፡ፍጹም ፍሉይ በእምሮ ክብጻሕ ዘይኽእል እዩ።ብኹሉ ነገራቱ ብኹሉ  ን ኣምላኽ ክሳዕ ህጂ ደቂ ሰባት ክበጽህዎን ክፈልጥዎን ኣይከኣሉን ዘለዉ።እንበኣር ንሱ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ ህያው ክርስቶስ ከም ቃሉ ክትነብር ይኹሕኩሕ ኣሎ ፡ እሞ ነቲ ዝሞተ ህያው ዝገብር ክርስቶስ ጻውዒቱ ሸለል ኣይትበል።እንሆ ንሱ ኣብ ኣፍደገ ልብኻ ኮይኑ በዚ ቃል እዚ ይኹሕኩሐካ ኣሎ፡ በጃኻ ኣይትእበዮ ምሳኻ ክድረር ራእይ ዮሐንስ 3፡20 እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል ኣለኹ።ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ፡ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ክድረር እየ፡ንሱ እውን ምሳይ ፡በጃኽ ሕራይ በሎ ተኣዘዝ !! ይቅጽል,,,,,,,,,,,,።
haymanoteabow@gmail.com