1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 27 December 2012

ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዕግርግር የንጸላልዋ ቤተ ክርስትያን ኤረትራኸ !!!!


ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዕግርግር የንጸላልዋ ቤተ ክርስትያን ኤረትራኸ !!!!

ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ከቢድ ነውጺ ትርከብ።እዚ ነውጺ እዚ ካብ እታ ቤተ ክርስትያን ሓሊፉ ናብ ሃገር ዝፍትን ተርእዮታት ይርኣዩ ኣለዉ።ሎሚ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ወይ ሓንቲ ጥምርትን ስምርትን ቤተ ክርስትያን ክትከውን ኢያ። ወይ ድማ መትሓዚ ዘይብላ መኣዶ ክትከውን ትኽእል ኢያ፡ይብሉ ተዓዘብቲ።
ሎሚ ን ኢትዮጵያውያን ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ቅድመኦም ኣሎ።ንሱ ኸኣ ምቅባል ዘይተርፍ ፓትሪይርክና ኣቡነ መርቆሪዎስ ኢዩ።ብዙሓት እኳ ነዚ ጸቂጦም ተሰርሕሉ፡ስልጣንን ክብረትን ዝደለዩ ወገናት ግን ውህድነት ቤተ ክርስትያን ዘፍርሖም ኢዩ ዝመስሉ።ካብቲ ዘገርም ግን ናይቶም፡ኣምላኽ ቤቱ ኣይሓድጋን እንዳ በሉ ቤት ኣምላኽ ምፍራስ ተጸሚዶም ዘለዉ፡ገለ ጳጳሳትን ማሕበራትን ኢዩ።ኣምላኽ ነታ ቤተ ክርስትያን ብሓድነቱ ይሓሉ።
ኣምላኽ ን ቤቱ ኣይሓድጋን እንዳበልካ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣብ ቤት ኣምላኽ ምስራሕ ግን ርእሰ ጥበራዶ ዋላስ፡ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽ።ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ዝበለ(ኤር7፡12)(ኤር7፡) እንታይ ደኣ ወገናትና ፡ነዚ ቃል ናይዚ ነብይ ዶ ኾን ረሲዖም። ዶ ዋላስ፡ቃል ኣምላኽ ሸለል ኢልካ ምሕላፍ ልማድ ስለ ተወስደ ኢዩ።ኣምላኽ ህጂ እውን ዝብል ፡ናብታ ኣብ ሲሎ ዘላ ዝሓድረላ ስፍራ ብሰሪ ኢከይ ህዝቢ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርኩዋ ጠምቱ ኢዩ ዝብለና።ቃሉ ተኸቲልና ብፍርሓትን ብፍቅሪ ሃይማኖትን ተዘይን ነቢርና ክሓድጋን ከዕንዋን ከም ዝኽእል ጽኑዕ ኢዩ።
ብሓቂ ንዓና ሰላም ዘለዋ ሓያል ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባና ካብቲ ዘገድሰኒ ጉዳይ፡እንተ ደኣ ሃልዩ ጉዳይ ናይዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ኢዩ።ስለምንታይሲ መልክዕና፡ቋንቋና፡እምነትና፡ባህና፡ወዘተረፈ,, ሓደ ዝኾና ህዝቢ ስለ ዝኾና።
ግን ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከምዚ ትርከብ። ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ከ ጽባሕ እንታይ ኢዩ ከጓንፋ!??።ኣቦታትና ክምስሉ ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ ይብሉ።ኤረትራውያን ከም ናይ ኢትዮጵያ ተሓላለኸ ከይ ኮነ ከሎነገርና ክገብሮ ዝግባእ ነገር ተልዩ፡ደው ኢልና።ኣብ ቅድመ መንግስተ ኤረትራ መስቀልና ብምልዓል ደው ክንብሉ ኢዩ።ሕብረተ ሰብ ተዋህዶን ቤተ ክህነቱን ሎሚ ደው ኢሎም ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኤረትራ ናብ መንበሮም ይመለሱ፡ካብ ቤት ማእሰርቲ ይውጽኡ ተዘይ ኢሎም።እዞም 3ይ ፓትሪያርክ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሞይቶም፡ኣብ ኤረትራ ግድን ክዕረ ዘይኽእል ክልተ ኦርቶዶክስ ክህሉ ኢዩ።
እዚ ስርዓት እዚ ምስ ወደቀ እውን እቶም ክንደይ ፈሪሖም ስቅ ኢሎም ዘለዉ ሊቃውንቲ ኦርቶዶክስን ፡ኣብያተ ክርስትያናቶም ፡ክፋናጨላን፡ፋሕፋሕ ክብላን ኢየን።ሰላም ከይንገብር ሎሚ ኣብ ጎድኒ ሓቂ መታን ከይንኸውን።ክንብል ኣምላኽ ቤቱ ኣይሓድጋን ተልና ግን ነፍስና ኢና ነዕሹ ዘሎና።ኣምላኽ ንዝኾነት ቤተይ ዝብላ ናይ ኣምላኽ ስራሕ ምስ ትሰርሕ ጥራሕ ኢዩ።ሎሚ ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኢያ ትርከብ።ሊቃውንታ ብዘይ ጠቅሙ፡ሓርኦም ዘየንቀጹ ክጽረፉን ክዋረዱን፡ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲኖም ቤተ ክርስትያን ስለ ዝመጹ ጥራሕ ተሓዲሶ፡መናፈቃን ክብልዎምን ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።
ካብቲ ዘገርም ክሳዕ ን ጳጳሳት ኣብ ሃገርን ኣብ ውሽጥን ዘለዎ ከይተረፈ በዚ ስም እዚ፡ክሕምዩዎምን ከጸልሙዎምን፡ክጸርፍዎምን ሰብ ተኣማሚኑ ከይመሃር መሳርሒ ድያብሎስ ኮይኖም ከዐንቅፉን ይርኣዩ።በዚ ድማ ኢዩ፡እንሆ ዋላ እቲ ውግዘት ጢሒሱ ፓትሪያርክ ቀቢኡ ዘሎ፡መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ክልተ ተከፊሉ ንርእዮ ዘለና።እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ግን ጽባሕ ከምዚ ህጂ ፡ናይ ኢትዮጵያ ምስ ኮነ ሓደ ከቢድ ሽግር ክፈጥርን።ሰብ ከይእከብ ድማ ዓንቀጽ ኮይኑ ን ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ክመቅላ ኢዩ።እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን እንተስ ብንእስነት እንተስ ብስድነት፡እንተስ ሰኣን ፍልጠት ነዚ ዘሳብሑን፡ነታ ቤተ ክርስትያን ከይትእከብ ካብ ሃደ ናብ ሓደ ዘረባ ዘላኽዑን መንእሰያት ቤተ ክርስትያኖም ጽባሕ ብዓይኖም ክትፈርስ ምስ ረኣዩዋ ክገሃደሎም ኢዩ።
ናይ ቤተ ክርስትያን ሰላም ክመጽእ ተኾይኑ፡ግድን ምስዞም ህጂ ኣስማቶም ዘጸልሙዎም ዘለዉ ቤተ ክህነት ኢዩ ዝርርብ ክካየድ።ህዝቢ እውን ጽልኢ መሪሩዎ ሰላም ክደልን ፡ከም እዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣይፋል ሓድነት ኢዩ ዘድልየና፡ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ኣይትፈላልዩና ክብል ኢዩ።ሽዑስ እዞም ህጂ ክፋእ ዘውርዩ ዘለዉ ኢዩ። ምዕራዩ ክጨንቆም እሞ፡ነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ክንፈልጥ ኣሎና።ህዝቢ እውን ኣብ ሓንቲ ከተማ ነንህድህደን ክናቆታ ዝውዕላ ብጽልኢ ዝዓተኻ ኣብየተ ክርስትያናት እንዳ ፈንፈነን ይኸይድ ኣሎ።ከምኡ እውን ሰንኪ እዚ ነገር እዚ ክንደይ መንእሰያት ሰላም ንባዕላ ዘይብላ ሃይማኖቶም ከመይ ገይራ ሰላም ክትህበና ንኣምና ንስዕባ፡ሰላም ዘይብላኸ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይሓድራ ኢሎም፡ይገድፉዋ ኣለዉ።ይቅጽልልል….
           haymanoteabow@gmail.com

Wednesday 19 December 2012

ቻይና መወዳእታ ዓለም መጺኡ ኢሎም ንዝተዛረቡ ሰባት ትኣስር ኣላ።


ቻይና መወዳእታ ዓለም መጺኡ ኢሎም ንዝተዛረቡ ሰባት ትኣስር ኣላ።
              
ኮሚስታዊት ጸረ እምነታት ክርስትና ዝኾነት ቻይና ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ፡ዕለት 21 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡2012 ናይ ዓለም መጨረሽታ ኢዩ፡ኣዳልዮም ንዝተባህሉ ሰባት ኣስታት (500)ሓሙሽተ ምኢቲ ሰባት ከም ዝኣሰረት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ዝተፈላለዩ  ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡በጥንት ዘመን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝፍለጡ ናይ የማንያን ካላንደር መሰረት  ዝቆጽሩ፡ካብ ሩስያ ክሳዕ ኣመሪካ፡ብብዙሕ ኣሸሓት ዝቁጸሩ፡ ሰባት ኣብዛ ትመጽእ ዘላ ዓርቢ ምጽዓት ዓለም እንዳ ተጸበዩ ኢዮም።
ሃገረ ቻይና  ኣብ ውሽጢ ዘለዉ፡ክርስትያናት ወገናት ን መዓልቲ ምጽኣት ዓለም ብ ሰፊሕ ዘርጊሖም፡ ንዝበለቶም ኣብ ብዘሎ ክፍለ ግዝኣታ ክትኣስር ጀሚራ ኣላ።ብ ናይ ማያን ኣቋጻጽራ 5,125 ዓመታት ዑደት ክጥቅለል ከሎ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ፡ናይ ዓለም መጨረስታ ኢልካ ይእመን።
በዚ መጠንቀቅታ ዝኣምኑ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰባት፡ኣብ ከባቢ ዙርያ ዓለም ፈንጠዝያኦም እንዳ ኣካየዱ ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ዝተባሳጨወት ቻይና ፡ነዚ ነገር እዚ ኣዳልዮም ንዝበለቶም፡ሰዓብቲ ኦልማይቲ ጎድ  ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒላቶም ኣላ።እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ዝመጽእ ዓርቢ ጀሚሩ ን (3)ን መዓልታት ጸሓይ ኣይትወጽእን፡ናይ ኤለትሪክ ብርሃን የሎን ብምባሎም ኢያ ፡ኮሚስታዊት ሃገረ ቻይና ኣሲራቶም ዘላ።መንግስቲ ኮሚንስታዊት ሃገር ቻይና ነዚ ካብ ሕጊ ዝወጸ ፕሮፓጋንዳ ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።ብ ተወሳኺ መንግስተ ቻይና ምጽላይን ምእካብን ከም ዘየፍቅድ ገሊጹ ኣሎ።
እዞም ናይ ማያን ዓለም ፡ተማራመርቲ ስነ ኮኾብ ኢሎም ብዙሓት ሰባት ይትንትኑ፡ሓደ ካብቶም ሰዓብቲ ዝኾኑ ቅድመ ህጂ፡ከም በዓል ይስሓቅ ራቢል ናይ እስራኤል ቀዳማይ ምኒስተር ክመቱ ከለዉ ከም ዝፈለጡዎ ይትንትን፡ከምኡ እውን ንዝሓለፉ ፡ምንቅጥቃጥ መረታት ከም ዝፈለጡዎ ብምልክት ገይሩ የረድእ፡
ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰበ ጥበብ ተባሂሎም ተገሊጾም ዘለዉ፡ን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ልደቱ መጺኦም ዕጣንን ከርበን፡ዘበርከትሉ።ካብቶም ዓሌት ንሶም ኢዮም፡ክብሉ ይትንትኑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡መርበብ ምርምር ጠፈር ኣመሪካ፡እውን መወዳእታ ዓለም ነዛ መዓልቲ እዚኣ ሰይሙዋ ኣሎ።ማእከል ምርምር ናሳ፡ዝብሎ ሓብረታ ፡ካብቲ ናይ ማያን ዘረባ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፡ዓለም ኣብቂዓ ኢያ።ናይ ማያን ዕለት ስለ ተወደአ ዘይኮነስ፡ብዝተረኽበ ሓበሬታ ፡ብምባል ተንቲኑልና ኣሎ።ንሱ ዋላኳ መወዳእታ ናይ ዓለም ነገር ተዘይኮነ፡መወዳእታ ተፈጥሮ ግን ክኸንው ይኽእል ኢዩ፡ድሕሪ ምባል።ትንታነታት ይህብ።
ብኻልእ ወገን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ፡ ምጽኣት ዓለም ከምዚ ክብል ነቶም ብክርስቶስ እንኣምን።ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጠንቂቁና ኣሎ።(ማር13፡32)"ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡መላእኽቲ ሰማይ እንተ ኾኑ እኳ ወይስ ወዲ ዝፈልጣ የልቦን”ብምባል ተፈጥሮ ክፈልጣ ከምዘይኽእል ኣረጋጊጹልና ኣሎ።እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ግን፡ከም ዘይፈልጡ ጥራሕ ደኣልና ጭብጢ ዘለና እንበር፡ዓርቢ ከምዘይኮነት ግን ርግጽነት የብልናን።ስለምንታይ ንሕና እውን ክንፈልጣ ስለ ዘይንኽእል።
መጠቃለሊ እንህቦ ነገር ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰብ ኣፍልጦ መታን ክሓድሮ፡ብዛዕባ መጠረሽታ ዓለም ወስ ክንብል ኢና ከም ፍቃድ ኣምላኽ።ኣምላኽ ንፍቃዱ ዘለሊ ሓይሊ ሂቡ፡ን መንግስቱ ዱልዋት ይግበረና
             ሃይማኖተ ኣቦው
                etiqalsgakone@gmail.com

Thursday 6 December 2012

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕርቅን ሰላም ቤተ ክርስትያን ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።


መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕርቅን ሰላም ቤተ ክርስትያን ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።
                
ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ግርማ ወልደ ጊዮርግሽ 4ይ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣኖም ክምለሱ ከም ዝጸዉዑ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።ፕረሲደንት ግርማ ወልደ ጊዮርግሽ ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ ፡ብምሉእ ክብሮምን መዓርጎምን ናብ ሃገሮም ክምለሱ፡መንበሮም ዱሉው ምዃኑን፡ናብ ስልጣኖም ክምለሱ፡ መንግስቲ ከም ዝድግፍን ብደብዳበ ኣረጋጊጾምሎም፡ኣለዉ፡ኣብቲ  ብዕለት 25/03/05 ግእዝ ዝተጻሕፈ ደብዳበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘረጋግጾ።
እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ግን ዓቃበ መንበር ፓትሪያርክ ኣቡነ ናትናኤል ፡ነቲ ብ ፕረሲደንት ዝተዋህበ መግለጺ “መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን” ኢሎም፡ተቃዊሞሞ ኣለዉ።እዚ ኣዝዩ ኣገራሚ ዝኾነ ኣጋጣሚ።መራሕቲ ሃይማኖት ሰላም ክሕሰሙ ፖሎቲከኛታት ከኣ ሰላምን ፍቅርን ሓድነትን ክናፍቁስ፡”ማይ ግርምቢጥ ንዓቀብ ኢዩ” ይብሉ ተንተንቲ።
ፕረሲደንት ግርማ ነቲ ብ ጠቅላይ ቤተ ክህነት ዝጎነፎም ተቃዉሞ፡”ይቅረታ ኣብ ዘይ ስርሐይ ኣትየ፡ናተይ ናይ ግለይ ሓሳብ ደኣ እንበር ናይ መንግስቲ ኣይኮነን፡ይቅረታ ተጋጊየ፡ካብ ቅልጣፈ ዝተላዕለ ኢዩ፡”ክብሉ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሩዎ ቃለ መጠየቅ ገሊጾም ኣለዉ።ካብ ሓደ ኣቡን ትጽበዮ ትሕትናን ይቅረታን ።ብተወሳኺ እቶም ፕረሲደንት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሩዎ ፡ቃለ መጠየቅ።መንግስቲ ኢዱ ኣብ ሃይማኖት ከም ዘየእቱን፡ከምዘይምልከቶን፡ሲኖዶስ ዝበሎ ከም ዝቅበልን፡እዚ ዝገበሮ ግን ድልየት ናቱ ብሰላም ኩሎም ክነብሩ ንምግላጽ ምኻኑን ገሊኦም፡ ኣለዉ እቶም ፕረሲደንት።
                      
በቲ ኮነ በቲ ግን እዚ ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ሃይማኖት ኢዶም ዘቋማጥዑ ከም ናይ ኤረትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፡ዝበሉ መራሕቲ ዓለምና ዓቢ ይንቨርስቲ ኢዩ።
እዚ ብ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ብጣቅላይ ቤተ ክህነት ተሪር ተቃዉሞ ጎኒፉዎ ዘሎ ብኻልእ ጉዳዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።እቲ ሓበረታ ፡”እዚ ተቃዉሞ መግበሪኦም መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ ዘይኮኑስ፡ስልጣን ዝደለዩ ገለ ወገናት ነቲ ዕርቅን ሰላምን ስለ ዘይደለይዎ ኢዮም” ይብሉ ተዓዘብቲ ካብ ከባቢ ጣቅላይ ቤተ ክህነት።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እኳ ኢዱ ኣውጺኡ ኣሎ፡መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያኸ እስከ ፍቅሪዶ ዋላ ስልጣኖምን ክብሮምን ከቀድሙ ኢዮም።እታ ን (20) ዒስራ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ክልተ ተመቂላ ዝጸንሐት ቤተ ክርስትያንከ ጉዳያ  ኣበይ ኮን ክወድቅ ኢዩ።ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ሓበረታ፡ከም ዝሕብሮ እቶም፡ናይ ክልተ ሲኖዶስ ወገናት፡ብሓደ ጸልዮምን፡ኮፍ ኢሎም እሂን ምሂን ኢሎምን ኣለዉ።እሞኸ ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ።

መንግስ ኤረትራኸ መዓስ ኢዩ ኾን  እዚ ልቦና እዚ ዝርድኦ!!!??።
     ኣምላኽ ቤተ ክርስትያኑ ይሓሉ ኣሜን።
                           haymanoteabow@mail.com

Tuesday 4 December 2012

ሰፊሕ ሪፖርታጅ ብ ዛዕባ ወግዓዊ ምብጻሕ ልኡኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣብ ግብጺ።


ሰፊሕ ሪፖርታጅ ብ ዛዕባ ወግዓዊ ምብጻሕ ልኡኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣብ ግብጺ።
ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ወኪል ቤተ/ክ.ኦ.ተዋህዶ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ እንዳ ተማያየጠ
                      
ሰፊሕ ሪፖርታጅ ወግዓዊ ምብጻሕ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ካብዚ ቀጺልና ነቅርብ።ብዙሓት እንታይ ደኣ ገለ ዘይትብሉ፡ ናይ ደሓን ዶ እውን ዝበልኩም ኣለኹም።ምኽንያት መደንጎይኡ ኣጽፊፍናን ካብ ኣፍ ወከልቲ ረኺብና ከነቅርቦ ስለ ዘለና ኢና።ከምኡ እውን እዚ ሰናይ ብስራት እዚ ዘባህሪሮም ስለ ዘለዉ ፡ብ ኻልእ ተላማሚዶም መታን ክጸንሑ ኢና።ብስንባደ ከይወድቁና ኢና።ህጂ ግን ጆባእ ንብለኩም።
ወኪል ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርጫ ፓትሪያርክ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ፖፕ ኣለክሳንደርያ መበል 118 ቴዎድሮስ 2ይ ንምስታፍ ዝተጋዕዘ  ብብ ጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካን፡ኣውረጳን፡ማእከላይ ምብራቅን፡ኣብቲ ምርጫ ድሕሪ ምስታፉ፡ምስ ወከልትን ፡መራሕትን፡ፓትሪያርክን ኣብያተ ክርስትያናትን ስፍሕ ዝበለ፡መደብ ብምስራዕ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጦንዮስን፡ኣዕሙቅ ኣቢሉ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጡ።
ወኪል ኤረትራዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ፖፕ ቲዎድሮስ 2ይ
እቶም ልኡኻት ምስ ሓድሽ ፖፕ ናይ ኣለክሳንደርያ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ፡ቴዎድሮስ (2ይ)ካልኣይ፡ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ነዚ መዓርግ እዚ እንቋዕ ኣብቀዓኩም ድሕሪ ምባል፡ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ቤተ ክርስትያን ወሪዱዋ ዘሎ፡ከቢድ ኣደራዕን ስፍሕ፡ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቦም፡ዕረፍቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ን ቤተ ክርስትያን ኣዝዩ ዓቢይ ክሳራ ኢዩ።እንተ ኾነ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምርጫ፡ፍቃድ፡ንስኹም ናብዚ ኣገልጊሎት እዚ መጺእኩም ስለ ዘለኹም፡ን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብ ፖፕ ሽኖዳ ዝጸንሐ፡ኣካይዳ ብዘለዎ ናህሪ ክቕጽል፡ጸሎቶምን ምትሕብባሮምን ነታ ቤተ ክርስትያን ከይፍለያ ብምባል ድሕሪ መግለጺ ምሃቦም።
ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ ፡ብወገኖም ኣብ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ወሪዱ ዘሎ፡ከቢድ ኣደራዕ፡ኣብ ርእሲ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን፡ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰት ኣዝዩ፡ከም ዘሕዝኖምን ከም ዘጉሃዮምን፡ኣብ ጸሎቶም ድማ ኩሉ ግዜ ከም ዝዝክርዎምን ብ ጓሂ ገሊጾም።እቲ ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተወስደ ሓደገኛ ፍጻሜን ምግሃስ ሕጊ ቤተ ክርስትያንን ብ ፖፕ ሽኖዳን ብ ኣይን ጥራይ ዘይኮነስ፡ብምሉኣት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ እስክንድርያ ዉጉዝን ኩኑንን ምዃኑ፡ብጀካ ፓትሪያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ዝኾነ ፓትሪያርክ ናይ ኤረትራ ኣፍልጦ ከምዘይህልዎን፡ተቀባሊነት ከም ዘይብሉን ጸቂጦም ቅድስነቶም ብምግላጽ፡ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ግብጺ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎቶም ክዝክራኦም ምዃነን ገሊጾም።
ወከልቲ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ቀጺሎም ዝገበርዎ ርክብ እንተነይሩ ምስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ፓትሪያርክ ኢዩ ነይሩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ናይ ኤረትራ ምስ ፓትሪያርክ ቅዱስ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ

እቲ ወኪል ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ምስ ቅዱስ ፓትሪያርክ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ(his holiness moran mor ignatius zakka I iwas)ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ።ናይ ሶርያ  ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ኣብ ርእሲ ሓውታ ዝኾነት ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን፡ወሪዱ ዘሎ ምግሃስ ሕግን ምእሳር ቅዱስ ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጦንዮስን ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።
ነቶም ቀኖና ቤተ ክርስትያን ጥሒሶም ሓዋርያዊ ሕጊ ሰጊሮም ብሓይሊ ጎነጽ ፓትሪያርክ ኣውሪዶም፡ኣብ ስልጣን ተወጢሖም ዘለዉ፡ዘይሕጋዊ ሰብ ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን፡ብጀካ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ካልእ ከምዘይቅበሉን፡ምስ እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ሃገረ ስብከታት ብቐረባ ክዓዩ ምዃኖም፡ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ ብጸሎትን ሞራልን፡ሓጋዚት ምዃና ቅዱስ ፓትሪያርክ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ ገሊጾም።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ምስ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ
ቅዱስ ፓትሪያርክ ሰንኪ ሕማም ድኻምን ነዊሕ ጉባኤ፡ምግባር ስለ ዘይከኣሉ፡ብሰፍሕ ዝበለ፡መረዳእታ ንምርካብ፡ ን ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ወኪል፡ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት፡ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ፡ድሕሪ ምምዛዞም፡ወኪለ ሃገረ ስብከታት ኣመሪካን ኣውረጳን፡ ስፍሕ ዝበለ ምይይጥን ምስ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ኣካይዱ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ንጹር መትከል ብዝሓየለ ክቕጽሎ ምዃኑን፡ምስ እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር፡ብቐረባ ክሰርሑ ምኻኖም ኣብ ናይ ኦርየንታል ኣብየተ ክርስትያናት ዘለዎም ግደ ተጠቒሞም ብትግሃት ክዓዩ ምዃኖም ገሊጾም።
ቀጺሉ እቲ ልኡኽ ዝገበሮ ርክብ ተነይሩ ምስ ናይ ኣርመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢዩ ነይሩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ኤረትራ ምስ ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ   ሊቀ ጳጳስ ሳቦሕ ሳርኪሲያኒ  

ልኡኽ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምስ ልኡኽ ናይ ኣርመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳስ ሳቦሕ ሳርኪሲያን፡(archi bishops sebouh sarkissian) ተራኺቡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ብሰፊሑ ድሕሪ ምምይያጥ፡ኣብ ሞንጎ እቲ ብብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ጽቡቅ ዝምድና ክምስርትን፡ሓበራዊ ኣገልጊሎት ክምዕብልን ዝርርብ ኣካይዶም።
ኣቐዲም ኣቢሉ እቲ ልኡኽ ምስ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ካርኪን2ይ(H.H.karekin 2nd)ርክብ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝተገብረ ርክብ ተደኣ ነይሩ ድማ ምስ ናይ ማላንካራ ህንዲ ኦርቶዶክስ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ባስሌዎስ ማርቶማ ዲድይሞስ(cathalicos of malankara orthodox church baselios mathoma didymos)ርክብ ኣካይዱ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ባስሌዎስ ማርቶማ ዲድይሞስ 1

ኣብቲ ዝተገብረ ርክብ ፡ብዛዕባ ህልው ኩነታት ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን፡ቅዱስ ፓትሪያርክ እንጦንዮስን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።ብወገኖም እቶም ፓትሪያርክ ምስቲ ዘሎ ራሕቂ፡እቲ ሓበሬታ በጺሕዎም እኳ እንተኾነ፡ከምዚ ብኣካል ተራኺብካ ንጹር ኣፍልጦ ንምርካብ ግን ኣይተኻእለን ጸኒሑ ኢሎም።
በቲ ኮነ በዚ ግን ንሕና እቲ ኩለን ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብየተ ክርስትያናት ወሲደንኦ ዘለዋ፡ዉሳኔ፡ማለት እቶም ብዘይ ቀኖኖናዊ ሕጊ ኣብ መንበር ተቐሚጦም ዘለዉ፡ሰብ ከም ፓትሪያርክ ከም ዘይንፈልጦም፡ብጀካ እቶም ብቀኖናዉን ሓዋርያውን ሕጊ ዝተቀብኡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ኣፍልጦ ከም ዘይንህብን።ብጀካ ምስቲ ብ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ብ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ተፈላጥነት ዝረኸበ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስ ካልኦት ዝኾነ ርክብ ከም ዘይንገብር ነፍልጥ ኢሎም።
ቅድስነቶም ብ ተወሳኺ ኣብ ኩሉ ዝግበር ጸሎታቶም እውን ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝዝክሩ ምዃኖምን፡ካብቲ ሕጋዊ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንዝዘንበለ ኣካል  ግን ምንም ኣፍልጦ ዘይህቡ ምኻኖም ገሊጾም።
ወኪል ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ቀጺሉ ዝገበሮ ርክብ ተነይሩ፡ምስ ናይ ጎረበትና ዝኾነት ሓፍትና ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኢዩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ተ.ዋ.ቤተ, ኤረትራ ምስ ልኡኻት ኢትዮጵያኢት ተ.ዋ.ቤተ,

ኣብቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቅዱስ ሲኖዶስ ልኡኻት ዝተገብረ ርክብ፡ኣብ ፖሎቲካ ከይኣተዉ፡ከም ደቂ ቅዱስ ማርቆስን ፡ደቂ ደምበ ተዋህዶን ከም ኣባላት ናይ ኦሬንታል ኦርቶድክስ  ኣብየተ ክርስትያናት ፡ምኻኖም መጠን፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ክግበሩ ዘለዎም፡ንዕቤትን ምዕባለን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከመይ ገይራ ንቅድሚት ትኸይድ ኣብ ዝብል ዛዕባን፡ብምርድዳእን፡ብምምይያጥን ፡ምእንቲ ሰላም ክልቲአን ጎረባብቲ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ተጊሀን ክጽልያን፡ሓዋርያዊ ሰንሰለታዊ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ተኸቲለን ክኸዳን፡ብ መንፈሳዊ ሕውነት ተመያይጦም።
ልኡክን ወኪል ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ቀጺሉ ዝገበሮ ርክብ ተነይሩ ምስ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ዋና ጸሓፊ ዶግተር ገርግሽ ኣብርሃም ኢዩ ነይሩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ኤረትራ ምስ ዋና  ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት 
ዋና ጸሓፊ ዶግተር ገርግሽ ኣብርሃምን 
ምስ ወኪል ኦሬንታል ኣብየተ ክርስትያናት ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስን።

እቲ ልኡኽ ሃገረ ስብከታት ምስ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ዋና ጸሓፊ ዶግተር ገርግሽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ።ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፡ቅዱስ ፓትሪያርኩ ቀዳማዊ እንጦንዮስን ንዓመታት ካብ ሕብረት ኣብየተ ክርስትያናት ዋላ እኳ እቲ ክሳብ ህጂ ዝተወስደ ስጉምቲታት፡እቲ ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ምምሕዳርን ብ ዓመጽ ዝተሸሙ ፓትሪያርክን፡ኣፍልጦ ኣይሃብ እምበር።
ንሱ ኣኻሊ ኣይኮነን ፓትሪያርክና ፡ካብ መዘናታቶም ፓትሪያርካት ተፈልዮም፡ኣብ መቑሕ ይርከቡ፡ንዓመታት ካብ ቅዱስ ቁርባን ፡ካብ ምስላም መስቀልን፡ካብ ጉስነት ሕዝቢ ተኸልኪሎም፡ኣብ ከቢድ ስጋዊ ሕማምን ጸገምን፡እና ሃለዉ፡ብናይ ሕብረት ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ትርር ዝበለ ክውሰድ ብዘይምኽኣሉ ቅረታኡ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፎ ዶግተር ገርግሽ ብ ወገኖም።ንሕና እቲ ዝጸንሓና ርክባት ዉሱንን ብጽሑፍን ጥራይ ብምንባሩ፡ በየን ኣቢልካ እቲ ርክብ ይካየድ ኣዝዩ ዉሱን ኣፍልጦ ኢዩ ጸኒሑና።ህጂ ግን ጉዳይ ፓትሪያርክ ቀዳማይ እንጦንዮስ ብስፍሕ ዝበለ ክንዓየሉን።ብዛዕባኦም እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጉባኤ ኦሬንታል ዝግበረሉ፡እዋን ዝህልወኩም ኣበርክቶን ግደን ዓቢይ ኣፍደገ ተኸፊቱልና ኣሎ ኢሎም።ርክብና ድማ ቀጻሊ ክከውን ተላብዮም።
እቲ ልኡኽ ኣብ ኩሉ ናይ ኦሬንታል ኣብየተ ክርስትያናት ሕብረት ክሳተፍን፡ህልዉነት ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ከረጋግጹን እውን ብተወሳኺ ሓቲቱ።
ብዛዕባ ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጦንስዮ ዝቐረበ ክስን፡ንሶም ዝሃቡዎ መልስን ከምኡ እውን ይግባይ ዝበሉሉ ምሉእ ዶኮሜንትን ድማ ተረኪቡ።
ካብኡ ብምቅጻል ዝተገብረ ርክብ ተነይሩ ድማ ምስ ናይ ግሪኽን ፈረንሳይን ኦርቶዶክስ ተወካሊ ኢዩ።

እቲ ወኪል ምስ ናይ ፈረንሳይ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ፡ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ስፍሕ ዝበለ ዝርርብ ኣካይዱ።ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ድማ ምሉእ መግለጺ ሂቡ።ብዛዕባ ኦርቶዶክሳውት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሰፊሕን ብሩሕን መረዳእታ ከም ዝህልዎም ብምግባር ምስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ እውን ምሉእ መግለጺ ብ መሃብ ጽቡቅ መብርሂ ሂቡ።
ካብኡ ቀጺሉ ድማ ዝገበሮ ርክብ ምስ ናይ ሮማ ካተሊክ ቤተ ክርስትያን ወኪል ኢዩ።
ልኡኽ  ሃገረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ምስ ልኡኻት ካቴሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ

እቲ ዝተገብረ ድማ ሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ጽቡቅ ገይሩ ኣረዲኡ ሰፊሕ መብርህን መግለጽን ድማ ኣቅሪቡ።ጽቡቅን ኣፍልጦ ከም ዝህልዎም ድማ ገይሩ።
ካብኡ ቀጺሉ  ዝተገብረ ርክብ ተነይሩ ምስ ናይ ቢዛንታይን ኦርቶዶክስ ወከልቲ ኢዩ ነይሩ።

ልኡኽ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ምስ ናይ ቢዛንታይን ኦርቶዶክስ

እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ፡ልኡኽ ፡ሃገረ ስብከታት ኣብቲ ዝገበሮ ርክብ፡ምስ ፕሮ/ኦሬንት ፕረሲደንት ፕሮፌሶር ጆሃን ማርተ ተራኺቡ ።ብዛዕባ ኩነታት ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራን፡ፓትሪያርካ ቀዳማይ እንጦንዮስን ዘለዎም ከቢድ ፈተናን ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ።
ፕሮፌሶር ጆሃን ብ ወገኖም፡እቲ ኩነታት ብቐረባ ከም ዝፈልጡዎን፡እቲ ኣብ ርእሲ ፓትሪያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተፈጺሙ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ቤተ ጽሕፈቶም ኣዝዩ ዝቃወሞን ዝኾንኖን ምኳኑ ድሕሪ  ምግላጽ፡ኣብ ቀጻሊ፡ምስቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ብኹሉ ነገራት ተሓባቢሮም ክሰርሑ ምኻኖም ሓቢሮም።

ካብኡ ቀጺሉ ዝተገብረ ርክብ ተነይሩ ድማ ምስ ናይ ግብጺ ምስዮን ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ።
ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ,ኤረትራ  ምስ ናይ ግብጺ ምስዮን ኣብ ኣፍሪቃ

እቲ ልኡኽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ምስ በቲ ብብጹእ ኣቡነ ጳውሎስን እተመርሑ፡ኣፍሪቃውያን ካህናት ተራኺቡ ተመያይጡን፡ናይ ኦርቶዶክስ ኣብየተ ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዝዩ እናሰፍሐ ይኸይድ ብምህላዉ፡ብዙሓት ከሓድያን ናብ እምነት ኣብ ምምላስ ይርከቡ።
እቲ ልኡኽ ብ ወገኑ፡ካህናትን ዲያቆናትን ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን ስለ ዝኾነ፡ኣብ ከባቢኦም ተቐቢሎም ኣብ ኣገልግለቶም ክተሓባበሩዎምን ብዘድሊ ኩሉ ድማ መንፈሳዊነቶም ዓቂቦም ክነብሩ ምትሕብባር ክግበረሎም ለበዋን ምሕጽንታን ኣቕሪቡ።”ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ንስጉምቱ ግና እግዚኣብሔር ኢዩ ዜቃንዓ፡(ምሳሌ16፡9)።
እግዚኣብሄር ሃይማኖትናን  ኣቦታትናን ይባርኽ።
 haymanoteabow@gmail.com