1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 27 December 2012

ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዕግርግር የንጸላልዋ ቤተ ክርስትያን ኤረትራኸ !!!!


ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዕግርግር የንጸላልዋ ቤተ ክርስትያን ኤረትራኸ !!!!

ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ከቢድ ነውጺ ትርከብ።እዚ ነውጺ እዚ ካብ እታ ቤተ ክርስትያን ሓሊፉ ናብ ሃገር ዝፍትን ተርእዮታት ይርኣዩ ኣለዉ።ሎሚ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ወይ ሓንቲ ጥምርትን ስምርትን ቤተ ክርስትያን ክትከውን ኢያ። ወይ ድማ መትሓዚ ዘይብላ መኣዶ ክትከውን ትኽእል ኢያ፡ይብሉ ተዓዘብቲ።
ሎሚ ን ኢትዮጵያውያን ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ቅድመኦም ኣሎ።ንሱ ኸኣ ምቅባል ዘይተርፍ ፓትሪይርክና ኣቡነ መርቆሪዎስ ኢዩ።ብዙሓት እኳ ነዚ ጸቂጦም ተሰርሕሉ፡ስልጣንን ክብረትን ዝደለዩ ወገናት ግን ውህድነት ቤተ ክርስትያን ዘፍርሖም ኢዩ ዝመስሉ።ካብቲ ዘገርም ግን ናይቶም፡ኣምላኽ ቤቱ ኣይሓድጋን እንዳ በሉ ቤት ኣምላኽ ምፍራስ ተጸሚዶም ዘለዉ፡ገለ ጳጳሳትን ማሕበራትን ኢዩ።ኣምላኽ ነታ ቤተ ክርስትያን ብሓድነቱ ይሓሉ።
ኣምላኽ ን ቤቱ ኣይሓድጋን እንዳበልካ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣብ ቤት ኣምላኽ ምስራሕ ግን ርእሰ ጥበራዶ ዋላስ፡ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽ።ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ዝበለ(ኤር7፡12)(ኤር7፡) እንታይ ደኣ ወገናትና ፡ነዚ ቃል ናይዚ ነብይ ዶ ኾን ረሲዖም። ዶ ዋላስ፡ቃል ኣምላኽ ሸለል ኢልካ ምሕላፍ ልማድ ስለ ተወስደ ኢዩ።ኣምላኽ ህጂ እውን ዝብል ፡ናብታ ኣብ ሲሎ ዘላ ዝሓድረላ ስፍራ ብሰሪ ኢከይ ህዝቢ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርኩዋ ጠምቱ ኢዩ ዝብለና።ቃሉ ተኸቲልና ብፍርሓትን ብፍቅሪ ሃይማኖትን ተዘይን ነቢርና ክሓድጋን ከዕንዋን ከም ዝኽእል ጽኑዕ ኢዩ።
ብሓቂ ንዓና ሰላም ዘለዋ ሓያል ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባና ካብቲ ዘገድሰኒ ጉዳይ፡እንተ ደኣ ሃልዩ ጉዳይ ናይዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ኢዩ።ስለምንታይሲ መልክዕና፡ቋንቋና፡እምነትና፡ባህና፡ወዘተረፈ,, ሓደ ዝኾና ህዝቢ ስለ ዝኾና።
ግን ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከምዚ ትርከብ። ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ከ ጽባሕ እንታይ ኢዩ ከጓንፋ!??።ኣቦታትና ክምስሉ ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ ይብሉ።ኤረትራውያን ከም ናይ ኢትዮጵያ ተሓላለኸ ከይ ኮነ ከሎነገርና ክገብሮ ዝግባእ ነገር ተልዩ፡ደው ኢልና።ኣብ ቅድመ መንግስተ ኤረትራ መስቀልና ብምልዓል ደው ክንብሉ ኢዩ።ሕብረተ ሰብ ተዋህዶን ቤተ ክህነቱን ሎሚ ደው ኢሎም ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኤረትራ ናብ መንበሮም ይመለሱ፡ካብ ቤት ማእሰርቲ ይውጽኡ ተዘይ ኢሎም።እዞም 3ይ ፓትሪያርክ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሞይቶም፡ኣብ ኤረትራ ግድን ክዕረ ዘይኽእል ክልተ ኦርቶዶክስ ክህሉ ኢዩ።
እዚ ስርዓት እዚ ምስ ወደቀ እውን እቶም ክንደይ ፈሪሖም ስቅ ኢሎም ዘለዉ ሊቃውንቲ ኦርቶዶክስን ፡ኣብያተ ክርስትያናቶም ፡ክፋናጨላን፡ፋሕፋሕ ክብላን ኢየን።ሰላም ከይንገብር ሎሚ ኣብ ጎድኒ ሓቂ መታን ከይንኸውን።ክንብል ኣምላኽ ቤቱ ኣይሓድጋን ተልና ግን ነፍስና ኢና ነዕሹ ዘሎና።ኣምላኽ ንዝኾነት ቤተይ ዝብላ ናይ ኣምላኽ ስራሕ ምስ ትሰርሕ ጥራሕ ኢዩ።ሎሚ ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኢያ ትርከብ።ሊቃውንታ ብዘይ ጠቅሙ፡ሓርኦም ዘየንቀጹ ክጽረፉን ክዋረዱን፡ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲኖም ቤተ ክርስትያን ስለ ዝመጹ ጥራሕ ተሓዲሶ፡መናፈቃን ክብልዎምን ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።
ካብቲ ዘገርም ክሳዕ ን ጳጳሳት ኣብ ሃገርን ኣብ ውሽጥን ዘለዎ ከይተረፈ በዚ ስም እዚ፡ክሕምዩዎምን ከጸልሙዎምን፡ክጸርፍዎምን ሰብ ተኣማሚኑ ከይመሃር መሳርሒ ድያብሎስ ኮይኖም ከዐንቅፉን ይርኣዩ።በዚ ድማ ኢዩ፡እንሆ ዋላ እቲ ውግዘት ጢሒሱ ፓትሪያርክ ቀቢኡ ዘሎ፡መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ክልተ ተከፊሉ ንርእዮ ዘለና።እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ግን ጽባሕ ከምዚ ህጂ ፡ናይ ኢትዮጵያ ምስ ኮነ ሓደ ከቢድ ሽግር ክፈጥርን።ሰብ ከይእከብ ድማ ዓንቀጽ ኮይኑ ን ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ክመቅላ ኢዩ።እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን እንተስ ብንእስነት እንተስ ብስድነት፡እንተስ ሰኣን ፍልጠት ነዚ ዘሳብሑን፡ነታ ቤተ ክርስትያን ከይትእከብ ካብ ሃደ ናብ ሓደ ዘረባ ዘላኽዑን መንእሰያት ቤተ ክርስትያኖም ጽባሕ ብዓይኖም ክትፈርስ ምስ ረኣዩዋ ክገሃደሎም ኢዩ።
ናይ ቤተ ክርስትያን ሰላም ክመጽእ ተኾይኑ፡ግድን ምስዞም ህጂ ኣስማቶም ዘጸልሙዎም ዘለዉ ቤተ ክህነት ኢዩ ዝርርብ ክካየድ።ህዝቢ እውን ጽልኢ መሪሩዎ ሰላም ክደልን ፡ከም እዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣይፋል ሓድነት ኢዩ ዘድልየና፡ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ኣይትፈላልዩና ክብል ኢዩ።ሽዑስ እዞም ህጂ ክፋእ ዘውርዩ ዘለዉ ኢዩ። ምዕራዩ ክጨንቆም እሞ፡ነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ክንፈልጥ ኣሎና።ህዝቢ እውን ኣብ ሓንቲ ከተማ ነንህድህደን ክናቆታ ዝውዕላ ብጽልኢ ዝዓተኻ ኣብየተ ክርስትያናት እንዳ ፈንፈነን ይኸይድ ኣሎ።ከምኡ እውን ሰንኪ እዚ ነገር እዚ ክንደይ መንእሰያት ሰላም ንባዕላ ዘይብላ ሃይማኖቶም ከመይ ገይራ ሰላም ክትህበና ንኣምና ንስዕባ፡ሰላም ዘይብላኸ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይሓድራ ኢሎም፡ይገድፉዋ ኣለዉ።ይቅጽልልል….
           haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment