1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 30 August 2012

ይኣክል ምትላልል ምድህላል መንእሰይ ኦርቶዶክስ ኣስተውዕል!!!!


ይኣክል ምትላልል ምድህላል መንእሰይ ኦርቶዶክስ ኣስተውዕል!!!!
ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ስዊዘርላንድ ባዝል ብ ዊዲት ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኣስመራ ብ መሪሕነት እተወገዘ ኣቡነ ማርቆስ ፡ብ ትእዛዝ እተወገዘ ይፍታሀ ዲመጥሮስ።ዝተመርሐን ካብ ኩላቶም ካህናት እቶም ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ባንደራሒዞም ዝወዓሉ ካህናት መንግስተ ኤረትራ ዘዋፈሮም ፡ካብ ሓቂ ሓሶት፡ ካብ ሂወት ፡ሞት፡ካብ ን ኣምላኽ ምግልጋል ን ንጉስ ምግላጋል ብዝመረጹ፡ ካብ ኤረትራስ መንግስተ ሰማይ ትትረፈና ኢሎም።ዓዶም በጺሖም ንኽመጹ ጥራሕ፡ ብዝመሓሉ ገለ ዑሱባት ን ተዋህዶ ምስ መንግስቲ ወዲቦም ሃይማኖት ንምፍርስ ብ ዶላር ተታሊሎም ዝተመሓሓሉ ዉሉደ ክህነት ዘለዎም፡ሽም ናይቶም  ስለምንታይ ሃይማኖትን ፖሎቲካን ዘይፋላለ ኢሎም ፡ስለምንታይ ከ ተዋህዶ ብ ተወገዘ ጳጳስ ትምራሕ ኢሎም ዝመከቱ ንምህዳድን ካብ ህዝቢ ንምንጻልን ዊዲት ተፋሒሱ ክትግበር ኣብ ምድላው ኣሎ።እዞም፡-
1,ተዋህዶ ሃይማኖት ጥንቲ ክትድፈር የብላን፡መንግስተ ኤረትራ ካብ ሃይማኖት ተዋህዶ ኢድካ ኣውጽእ።
2,ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብ ሂወቶም ከለዉ ናይ ክህነት መዓርጎም ክሰዓር ኣይግበኦን፡ካብ ፓትሪያርክነት ክወርዱ ኣይግባእን።  ፓትሪያርክ ብዘይ ዓንቀጽ 93፡ መንግስቲ ጸሊእዎ ኢልካ ኣይወርድን።
3, ፓትሪያርክ ከሎ ብ ሂወቱ ፓትሪያርክ ኣይሽየምን፡ክልተ ሽሕ ዝገበረ ሕጊ ኦርቶዶክስ ክቅየር የብሉን።
4,ተዋህዶ ብ ተወገዙ ጳጳሳትን ተወገዘ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ክመሓደር የብሉን።
7,ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ብሕማም ዝሳቀዩ ዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ሕክምና ክረኽቡ ኣለዎም፡ ካብ ማእሰርቲ እውን ክልቀቁ ኣለዎም ፡
8,ተዋህዶ ጅሆ መንግስቲ ተታሒዛ ክትነብር ኣይግባእን ወዘተ ዝብል ካልእ ብዙሕ ሕቶታትን ንዘለዎም  ካህናትን ድያቆናትን ስሞና  ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ንምንጻል መንግስተ ኤረትራ ዝኽተሎ  ረቂቅ ስጉምቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  እቶም፡ እተወገዙ ኣባ ማርቆስ ብ መንግስተ ኤረትራ ተላኢኾም ናብ ስዊዘርላንድ ክመጽኡ ምዃኖም ምንጭታትና ካብ ኣፍ እቶም ሃይማኖተኛ እዮም  ኢልካ ክትግምቶም ዘይትኽእል ኣቡን ነበር ተረኺቡ  ኣሎ።
ካብዞም ኣብ ዓንኬል ጸለመ ዝተሓጽዩ ምኻነይ ዝመጸኒ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ ኮይኑ  ግን ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ ኣስተውዕል መንእሰይ ኦርቶዶክሳዊ፡ እቲ ሕቶና ሕቶ ሃይማኖት እዩ።ንዝኾነ ናይ ሃይማኖት ሽግር ኣሎኒ ዝብል ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ኣደ ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ቀሪብና መልሲ ክንህብ ዱሉዋት ኢና።ተጥፊእና ክንሕተት ድሉዋት ኢና።እንተ ንሶም ግን ዓለም ፈሊጣቶምሲ ተሰጊጎም እዮም።ካብ ኩሉ ጉባኤታት።እዚኦም ግን ትማሊ ኣብ ስዊዝ ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይ ፖሎቲካ ብምእታው ባንደራ ሒዞም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ክብሉ ዝወዓሉ ሸጋግጥ ዝዓጠቁ  ኣቕሽቲ፡ሎሚ  ክዳን ቀሺ ገይሮም ከታልልኹም ግዜ ኣይትሃቡዎም ።
 ኣስተውዕል መንእሰይ !!!!
1 .እዞም ዝመጽኡ ዘሎዉ ኣቡን ኣባ ማርቆስ ብሽም ቅዱስ ሲኖዶስ ኤረትራ ዘይመሓሉ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ክዛረቡ ሕጊ ተዋህዶ ኣየፍቅድን፡ዘይምልከቶም ከሎ ግን ረብሓ ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖትና ኣትዮም ይርብሹ ይርከቡ። ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ብ ኤረትራውያን ጳጳሳት ደኣ እንበር ብ ኢትዮጵያዊ ጳጳስ እሞ ድማ ብስም ሲኖዶስ ኤረትራ ዘይመሓለ ክትምራሕ ኣይግባእን። ስለዚ  ጳጳስ ነበር ኣባ ማርቆስ ፍጹም ቤተ ክርስትያን ከምሓድር ኣብ ኤረትር ኣይፍቀዶምን ንሶም እውን ነዚ ኣርጊጾም ይፈልጥዎ እዮም።እንዳፈለጡ ግን ህዝቢ ንምትላል ይሰርሒ ይርከቡ።
2,ዝኾነ ጳጳስ ብ ፓትሪያርክ  ደው ክብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን ከም ዝብሎ።ቀኖና ጋንግራ 325-381 ዓ/ም ቀኖና3 ፡ኣባ ማርቆስ ዉጉዝ  እዮም።ኣቡነ እንጠንዮስ ብፉሉይ ካብ ዘውገዙዎም ጳጳሳት ነበር ሓደ እዮም።ስለዚ ኣንኳን መስቀል ከሳልሙ ናብ መዓርጎም ናይ ምምላስ መሰል እኳ የብሎምን።
3, ብ መሰረት ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣባ ማርቆስ ኤጲስ ቆጶስ ክኸውን ጳጳስ ኤረትራ ክኸውን ኣይፍቀዶን እዩ። ዓንቀጽ 78፡ሀ ብዝብሎ መሰረት ኣባ ማርቆስ ኤጲስ ቆጶስ ዘብቆ መምዘኒ የብሉን።ሕጊ ኦርቶዶክስ ብ ትውልዱ በደኡን ኣቡኡን ኤረትራዊ ዝኾነ እንዳ በለ ኣባ ማርቆስ ግን በዲኦም ይኹን ኣደኦም ኢትዮጵያዊ ደኣ እንበር ኤረትራዊ ስለ ዘይኮኑ ፍጹም ኩልኩል  እዮም።ጳጳስ ብ ሲኖዶስ ኤረትራ ተመሪጾም እውን ኣይተሸሙን። መንግስቲ ኤርትራ ግን ስለ ረብሓኡ ናብ ኤረትራ የእትይዎም።
4,ኣባ ማርቆስ ክሳዕ ህጂ ን ዓንቀጽ 82፡ሀ ሲዒሮም ሓደ ጳጳስ ብዘይፍቃድ ፓትሪያርክ መንበሩ ሓዲጉ ክንቀሳቀስ ኣይፍቀድን ዝብል ብምስዓር ብዘይ ፍቃድ ኣቡነ እንጠንዮስ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኤረትራ እንሆ ኣብ ኣውሮጳ ን ደቂ ተዋህዶ ኤረትራውያን ደም ንምፍሳስ ካብ መንግስተ ኤረትራ ትእዛዝ ወሲዶም ፡ላዕልን ታሕትን ይብሉ!፡በዚ ትእዛዝ ፓትሪያርክ ብምጥሓሶም የውግዞም  እዩ።
5,ጳጳስ ነበር ኣባ ማርቆስ ነቲ ዝኾነ ይኹን ጳጳስ ብዘይፍቃድን ኣፍልጦን ፓትሪያርክ  ዝኾነ ይዕበ ይንኣስ ስራሕ ቤተ ክርስትያን ክሰርሕ ኣይክእልን ፡ኣብ ሃገረ ስብከቱ ዝሰርሖ ስርሓት ብምልኡ ብ ኣፍልጦ ሊቀ ጳጳስ  ጥራይ ይኹን ዝብል (2000) ክልተ ሽሕ ዝገበረ ስርዓት ተዋህዶ ን ፖሎቲከኛታት ከሕጉሱ ብምጥሓስ ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ዘይፈልጥዎ ኣብ ምግባር ይርከቡ።
6,ዝኾነ ካህን ኮነ ጳጳስ ነቲ ዝሸሞ ጳጳስ ወይ ፓትሪያርክ ንዒቁ ብ ገዛእ ሥልጣኑ ምምሕዳር ዝምስርት ብንስሓ ክሳዕ ዝምለስ ዉጉዝ እዩ ከም ዝበሎ ኣባ ማርቆስ ዉጉዝ እዮም።ከጥምቁ ከቁርቡ፡ከነስሑ ናይ ካህን ስራሕ ከይሰርሕ ኩልኩል እዮም።ቀኖና 17 ስርዓትን ሕግን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ብዝብሎ መሰረት።
7,ዝኾነ ኣብ መዓርግ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ካብ ዓጻዊ ኆኆት (ዓጻዊ ማዕጾ)ክሳዕ ጳጳስ፡ ገበኑ ብ ሠለስተ መሰኻኽር እንተዘይ ተረጋጊጹ እንተዘይ ኣሚኑሉን፡ገበነኛ ተባሂሉ ኣይከልከል ዝብል ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፡ቀኖና (ኣትናቴዎስ 53) ብምስዓር፡ስለምንታይ ተወጊዝኩም ከለኹም ትቅድሱ ስለምንታይ ከ ምስ መንግስቲ ኮንኩም ሃይማኖት ተፍርሱ ጥራሕ ስለ ዝበልና።ንሕና ዘይንኣምነሉ መሰኻኽር ኣቅሪቦም ዘይስዕርሉን፡ (ተሓድሶ )እዮም ኢሎም ከጸልሙ ተዳልዮም ከምዘለዉ ከይሓፈሩ ሓቢሮም ኣለው።እዚ  ብምባል ካህን ዘይገብሮ ጸለመ ብምክያድ ብሓሶት ኣስማትና ኣብ ምጽላምን ምጽራፍን ክስዕ ን ኣቡነ መቃርዮስ “ወያነ እዩ “ኢሎም ብ ሓሶት ብምምስካሮም ካብ መዓርጎም ዘስዕሮም እዩ።ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣበሳ ዓንቀጽ 76 ቃል ኣዋዲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ብዝብሎ መሰረት ን ባዕሎም ዝኣምኑልና ክንሶም ሎሚ ግን ነዚ ሕቶ እዚ ስለ ዘልዓልና ህዝቢ ድማ ክፈልጦ ስለ ዝጀመረ ኣርእስቲ ንምቅያር፡”ተሓድሶ ኢሉ ብምጽራፉን ፍጹም ካብ መዓርጉ ስዑር እዩ።
8,ብሓይሊ፡ብተንኮል፡ብ ኣድማ፡ብ ህያብ ፡ብገዛእትን ስበ ስልጣን ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳስ (ፓትሪያርክ) ካብ መዓርግ ስልጣኑ ሥስዓር ።ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስትያን ይፈለ፡ብ ኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን።ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቁ፡ኣነ ንጴጥሮስ ስሞኦን ጠንቃሊ ከም ዘርሓቅክዎን ብ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝፈለኽዎን፡ይፈለ፡ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ5፡172-185  ብዝብሎ መሰረት ብ ዓለም ምሉእ ኦርቶዶክሳውያን ዝተሰጎገን ዝተወገዙን ኣቡን ነበር ኣባ ማርቆስ፡ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያናት ዝፈለዩዎን ኣብ ተዋህዶ ኣንኳን ክምድሩን፡ ከገልግልን ወዮ ህዝብና ሕጊ ስለ ዘይፈልጥ የታልሉ ኣለዉ እንበር ፍጹም ከም ኣርዮስ እዮም ክርኣዩ ዘለዎም ከም እዚ መጽሓፍና  ዝብለና ዘሎ። ሰዓቢ ተወገዘን ብ ሰበስልጣን ተሓጊዙ ዝመጸን ኣባ ደስቆሮስ ስለዝኾኑ። ኣባ ማርቆስ ፍጹም መዓርገ ክህነት የብሎምን።
እቲ ናይ ሃይማኖትና መጽሓፍ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ።መን ደኣ እዩ ካብ ተዋህዶ ወጺኡ ዘሎ። ኣባ ማርቆስ ግን መሳኽን ኤረትራውያን ገርሀኛ ልቢ ህዝቢ ንምዝራፍን ንምስራቅን፡ ፡ጎይተቶም ዝለኣኹዎም ንምግባርን ክዋናጨፉ ኣብ ኣጋ እርጋኖም ይርከቡ።እቲ ኮይኑ እቲ ግን ኣባ ማርቆስ፡ምስ ኣባላት ጸጠታ ኤረትራ ኮይኖም ኣብ ምጥፋእ እቶም ኣርባዕተ ካህናት ኦርቶዶክስ  ዘወገ ምሁራን መሪገታ ይትባረክ በርሀ ዘለዎም ኣብ ምጥፈኦም ዝተሳተፉን ብ ገበን ዝልለዩን ኣቡን እዮም።እንሆ ድማ ነቶም ካብ ኣፍ ገበል ዝመሎቅና ዉሉደ ክህነት እግሪ እግርና ብምስዓብ ካብ ህዝቢ ከነጽሉና፡ህዝቢ የእምሮኡ ክምዝመዘሉ ይኽእል እዩ ኢሎም  ዝመረጹዎ ኣርእስታት ንህዝቢ ከዕሽዉ የእጋሮም ናብ ስዊዝ የምርሓ ኣለዋ።
ህዝቢ ኦርቶዶክስ እንበኣር ሎሚ ነዚ ን ህዝቢ ተዋህዶ ንምፍላስን ዕሸላት ን ዓቢ ዘለና ደቅኻ ንምህዳንን ይብገስ ኣሎ እሞ ተለዓል መክቶ።ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ ኤረትራ ዘይመሐለ ፍጹም ክዛረብ ኣይግባእን።ብ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ዝተወገዘ ኣብን ክንደይ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስትያንክ ኽህጭች እዩ።ኣይፋል ደኣ በል፡ፓትሪያርክ ዘለዎም ክንደይ ካህናት ንስቃይ ኣሕሊፎም ዝሃቡ  እሞ ድማ ኢትዮጵያዊ ኣቡን ሎሚ ደው ኢልኩም ተሰሚዕኩም።ንሕና ዘይኮነስ ሓቅን ርትዕን፡ኣምላኽን ቤተ ክርስትያኑን ክፈርድኹም እዮም።
 ኣብ ኤረትራ ዘለዋ ኣድባራት፡ ኣብ ኤረትራ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት  ኣብ ኤረትራ ዘሎ ታቦታት ሎሚ  ሓቂ ክትምስክሩን፡ኣይፋልኩምን ኣይንደልን ያኣክል ምትላል ክትብሉን ይጽበያኹም ።እንተ ንሕና ግን ሃይማኖት ወይ ሞት ኢልና  ኣለና።ንዝኾነ ብስም ክርስቶስ ዝመጸና ፈተና ድማ ክንጸውር ፡ክንስዕሮ፡ ሎሚ ጽባሕ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ምኻና ደጊምና ን ኣምላኽ ቃል ንኣትወሉ።።ንስኻትኩም ግን ከምቲ ቅዱስ ሙሴ ዝበሎ ካብ ኣኼባ እዞም ዓማጽያን ረሓቂ ይብለኹም ኣለኹ።እወ ብ መዓቶም ከይትጠፍኡስ ካብ ኣኼይበኦም ርሓቁ።( ዘኁ 16፡26)።።ዳዊት 2:12:ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹምድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም። ኤርምያስ 51:6:ብሰሪ ዓመጻኣ ኸይትጠፍኡስ፡ ካብ ባቢሎን ህደሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኺፈድያ እዩ። 
ይትባረኽ ስሙ ለእግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ፡ኩሉ ሰዓት ።
              haymanoteabow@gmail.com

1 comment:

  1. we r comming dont worry we will there as soon as possibble

    ReplyDelete