1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 5 April 2012

ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ!!!?????::ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ!!!?????::




ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ!!!?????
Wednesday, 04 April 2012 09:08 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
እቲ ብዮፍታሄ ዝምራሕ ምምሕዳር ጳጳሳት-ኤርትራ ብዕለት 21/11/2011 ዓ.ም (ቁጽሪ መዝገብ 3-92/5785/2011) "ካቶሊክ ዝሓረድዎ ሥጋ ከይትበልዑ” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ከምዝዘርግሐ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትሕዝቶ ናይዚ ሓደገኛ  ዘዋሪ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉባኤ ካህናት ብዕለት 3/30/2012 ተጋቢኡ፣ ነቲ ጉዳይ ብእምነት፣ ብጸሎትን ብኽውንነትን ርእዩ ተላዚብሉ። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ሕዝበ-ክርስቲያን ነባሪ ባእሲ ንምትካልን ዘየድሊ ምትህልላኽን ምትፍናንን ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተዘርግሐ፣ ብትሕዝቶኡ ይኹን ዕላምኡ ፈጺሙ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘይውክል ናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምዃኑ ንኹሎም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ሕዝበ-ክርስቲያን ንሕብር።

ብተወሳኺ እቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ምምሕዳር መንግሥቲ ንኡስ ዞባታትን ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍለ ሰራዊት 13ን ብቕዳሕ ከም ዝተዘርግሐ ብዕሊ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ካብ መጀመርታ “መንግሥቲ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን” ዝብል ተሪር መንፈሳዊ መርገጺ ቅዱስ ፓትርያርክናን ንጹር መርገጺ ሃገረ ስብከትናን ዚጻረር ኮይኑ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ሊቃውንቲ ሰዓብቶም ተሓይሮም፥ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብሓደ መንፈሳዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ጭዋ ሰብ ኣቶ ዮፍታሄን ብከቢድ ጸቕጢ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ብትእዛዝ ምምሕዳር ዞባታትን ብምክትታል ክፍለ ሰራዊትን ጅሆ ተታሒዛ፥ ኣብ ዓዘቕቲ ማእሰርትን ዕንወትን ወዲቓ ከም ዘላ ዘረድእ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ።

እተን ኣብ “ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰርሓ” ተጠቒሰን ዘለዋ ዓድታት ከኣ “ማይን ሑጻን መታርፍቲ” ከም ዝበሃል፥ እቲ ዝተዘርግሐ ናይ ጽልኢ ደብዳበ፥ ፈጺሙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መልእኽቲ ከም ዘይኮነ ተረዲኦም፥ ብድሕሪ ሕጂውን ይዕበ ይንኣስ፥ ዝኾነ ጊዝያዊ ጸገም እንተ ኣጋጠመ በቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁ ለባማትን ወራዙት ዓበይቲ-ዓድን ተመሪሖም ጸገሞም ብመንፈሳዊ ልዝብ ክፈትሑን ብሰላም ክነብሩን ደኣ እምበር ድራር መጣቖስቲ ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብረቂቕ ውዲት ሰይጣን ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣዳም “ቃየልን ኣቤልን” ሞት ከም ዝኣተወ ቅዱስ ጽሑፍ ዝመዝገቦ ሓቂ ኢዩ (ዘፍ 4፡1)። ስለዚ እምበኣር “እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ እዩ” ንሕና ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገራትን እንነብር ሕዝበ ክርስቲያን፥ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ድማ ንሓድሕድና ተፋቒርና ንኣምላኽ ከነስምርን ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ። እኳድኣ ክውገዝን ክኽልከልን ዘለዎ ነገር እንተ ኣልዩስ፣ እቶም ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምርሑ ዝተወገዙ ጳጳሳት ዝባረኽዎ ጥራይ እዩ ጽዩፍን ክብላዕ ዘይግብኦን። ስለምንታይሲ፣  ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተወገዙ ጳጳሳት ስለዝኾኑ።

ልዑል እግዚኣብሔር ሠናይ ክንገብርን ብሰላም ክነብርን ጸጋ የብዝሓልና!
ኣምላኽ
 ንህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ-ኤርትራ
03/30/2012 ኣ.ፈ
  ( ፳፩ መጋቢት ፳፻፬ ዓ.ም)

እዚ መግለጺ እዚ መግለጺ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝዘርግሖ ኮይኑ ሚዛኑ ዝሓለወን  ኣብ ምክቢባርን ልቦናን ዝተመርኮሰ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ። ንሕና እውን ከም ኣቦው ገሪሙና እዩ ::ቀንዩ ስለምንታይ ሲ እቶም ትማሊ ኣብ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሓኒ ኣለምን ካተሊካውያን ዓዲ ቀይሕ ከይዶም ምስ ምሉኣት ቤተ ክህነት  ከይዶም ዝቅዱስን ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ከይዶም ዝቅድሱን ነበሩ ክሳዕ ዝባረኹን ኣቡነ ቀርሎስ ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኽበ። ንሕና ዲና ሓድሽ ሃይማኖት ኣምጺእና ወይስ ንሶም እዮም ካተሊካውያን ቀይሮም!? እንታይ እዩ ተረኺቡ ሓድሽ ነገር።ስለምንታይ ከ ሓደ ኣቡን ነዚ መግለጺ እዚ ንበይኑ ተፈልዩ ክውስን ክኢሉ??።ብሓቂ ድዩ ኸ ብ ኢድ ኣቡን ተጻሒፉ።

ክሳዕ ኣቡናት ዝኣኽሉ ክንድዚ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣምላኽን ከታልሉን ከዐስዉን ይፍትኑ ተልዮም ሃይማኖት ኣብ መረት ዘለዎ ሚዛን ከፍክሶ ይኽእል እዩ። ምስ ካተሊካውያን ፍልልይ ኣለና ግን ስጋ ካተሊኽ ኣይትብልዑስ ካብ መኣስ ደኣ፡ብ መጀመርታ ቀዳማይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ኣቡነ ፍሊጶስ ዝኾነ ስጋ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኢልና ሓሪድና ክንበልዕ ኣፍቂዶምልና እዮም።እዚኦም ደኣ እሞ ን ትእዛዝ ቀደማዊ ፓትሪያርክና ን በይኖም ምስ ጀነራላት ብምምኽኻር  ከፍርስዎ ኣቡነ ቀርሎስ ንምንታይ ነዚ ስጉምቲ እዚ ክውስዱ ዝኸኣሉስ እንታይ እዩ??።

ካብቲ ዘገርም ድማ  ቅዳሕ ናብ ክፍለ ሰራዊታት ክስደድ ርኢና ዘገምር እዩ!!!!!???። ክፍለ ሰራዊትስ እንታይ ኣምጽኦ ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ምምሕዳርከ እንታይ ኣምጽኦ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ናታ ምምሕዳር ኣለዋ ።ካብኡ ሓለፈስ እሞ ድማ ኣብ ልምዓት የሕዋትና እዮም ዝብል ቅጽል ድማ ሰሚዕና!!!??? ።ዞም ኣቦ ተጸሊሎምዶ ወይሲ ዓብዮም ነዚ ኹሉ።ቤተ ክርስትያን ኣብ ልምዓትን ፖሎቲካን እንታይ ክትገብር መጺኣ???፡ ኣየ ተዋህዶ !!!  መጣቆስትን ሓሰውትን ን ረብሓኦም ዝነብሩን ሰባት ዝኸብሩላ ሃይማኖት ኮይና ተሪፋ በቃ ፡ እዚ ኹሉ ግን ብ መንግስቲ ኤረትራ ተወደ ዕዮ ገዛ ምኻኑ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ!!። መንግስቲ ኤረትራ ድማ ነዚ ስጉምቲ እዚ ክወስድ ዝመረጸ ኣብ ምርጫ ኣቡነ ደስቆሮስ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጥንዮስ እዮም ብ ሂወት ከለዉ ፓትሪያርክ ኣይምረጽን ኢላ ነቲ ብ መንግስቲ ኤረትራ ተዋህባ ዕድመ ስለ ተሓሰመት እዩ።ሕርር ኢሉ  ቤት ጽሕፈር ፕረሲደንት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤረትራን ነዚ ስጉምቲ እዚ ክወስድ ክኢሉ በቶም ኩሉ ግዜ ብምእዛዝ ዝፍለጡ ኣቡነ ቀርሎስ ክስራሕ ተገይሩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ቫቲካን ን ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ከም ቅዱስ ድሮ ምቅባላ ነቶም ን ተዋህዶ ጨውዮም ምፍራሳ ዝለመዱ ሰበስልጣን መንግስተ ኤረትራ ሓደ ዓቢ ኣብነት እዩ።በዚ ድማ እዩ ኣብቲ ጉባኤ ኣሕዋት ኦርተደክሳውያንን ካተሊካውያንን ኣብ ቫቲካን ተገብረ ነቶም ብዓመጽ ናብ ስልጣን ዝመጹ ኣቡነ ደስቆሮስ  ንስኻ መራሒ ተዋህዶ ኣይኮንካን ብምባል ምስ ኦርየንታል ኮይና ብምብራራ እዩ።ኣንጸርጺሮት ነዚ ክገብሩ ክኢሎም መሳኽን። ከምቲ ኣብ ዓለም ወኪል ኦርተደክስ ብምኻን ን ተዋህዶ ወኪሉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ዝበሎ ድማ ፡ስጋ ክብላዕ ዘይግብኦ ናይቶም ተወገዙ ንህዝቢ ዘታልሉ ዘለዉ ምስ ፖሎቲከኛታት ኮይኖም ጳጳስት ኤረትራ ደኣ እንበር ካተሊኻውያን ዝሓረዱዎ ስጋ ኣይኮነን።

ኣቡነ ቀርሎስ ከም ዝፍለጥ ኣብ ምውራድ ፓትሪያርክ  ኣቡነ እንጠንዮስ ን (6) ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብዮም ከብቅዑ ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳይያስ  ብ ሃዘሞ ገሩ ንቅድመ መገዱ  ናብ ዓዲ ቀይሕ ብምኻድ ብዝገበሮ ዝርርብ ነቶም ኣጆኹም እንዳበሉ ኣብ ሓዊ ዘእተዉዎም ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኣብኦም ብምጥላም  ነቲ ኣይፍርምን እዚ ጉጉይ እዩ፡ውግዘት ኣይጥህስን ኢሎም ኣይፍርምን ኢሎም ተሓሲሞሞ ነበሩ ምውራድ ፓትሪያርክ ን ትእዛዝ ፕረሲደንት ብምኽባር ንትእዛዝ ኣምላኽ ድማ ብምንዓቅ  ኣብ ምቅባእ እቶም መንግስቲ ብሓይሊ ጠበንጃ ኮፍ ዘበሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ተረኽቡ፡ንሶም ክማብርኹዎም ተገብረ ድማ ኮነይ ኢልካ ንሶም ተቃዋሚ ብምኻኖም ጽባሕ ንዝመጽእ ብ ሓባር ገበኛታት ንምግባር ኣብ ባርኾት ከም ዘሳተፎም ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝፍለጥ እዩ።

ብሓፈሻ ዝበሃል ግን ሃይማኖት  ክዳን ኣይኮነን ዝቃያየር ትማሊ ኣይፋል ትብል ነርካ ሎሚ ረብሓ ምስ ረኸብካ እወ ክትብል ኣይግባእን ስለዚ መንእሰያት ስለ ሃይማኖትና መስቀልና ኣልዒልና ነቲ ነቦታትና ኣብ ዘይሓሰቡዎ ሓጢኣት ብምፍሪራሕ ዘእትዎም ዘሎ ስርዓት ፕረሲደንት ኢሳያስ ክንቃወሞ ይግባእ።ተኣቢና ግን ተዋህዶ ቅርሲ ጥራሕ ኮይና ክትነብር ምካና ክንፈልጥ ይግባእ።ዘሎ ፍልልይ ኣጽቢብና ዘሎና ንእሽቶ ናይ ስድራቤት ነግር ይጽነሓለይ ኢልና ነዚ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ብስምረት ክንቃወሞ ይግባእ።

ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ይባርኽ፡ነቶም መናወጽታን መፍረስታን ድማ ናብ ልቦም መሊሱ ኣብ ቅኑዕ ኣገልግሎት ይምለሶም ኣሜን።

ሃይማኖተ ኣቦው

haymanoteabow@gmail.com


No comments:

Post a Comment