መዶሻ ኢየሱስ ክንደይ ዘየድከመት!!!
ከመይለ ኺገብሮ ንድሕሪት ክትምት
ምስቶም ዝኸሓዱ ን ቤቱ ክዘምት
ንደቁ ክፈርዶም ምስ ወንጌል ክማጎት
ኢይፈልጥ እንድየ ፍጹም ከምዘይዕወት
መደሻ ኢየሱስ ክንደይ ዘየድከመት
ከዕርፍ ጽባሕሲ ምስኦም ደኣ ህጂ ምማት
ናይ ሎሚ ገዲፍካ ንጽባሕ ምጥማት
ክድያቦ ድየ ክወጾ ነዚ በራኽ ጎቦ
ድንጉር ዝመልኦ ሽግር ዝኸበቦ
ኣብ ጸበባ ሓያል ተጻራሪ ዘኽበቦ
ህጅውንዶ ከድሐርሕር ከምቲ ናይ ዓንተቦ
ህጅስ ኪኸይድ እየ ንጳውሎስ ከርክቦ
ከመይለ ክውዕሎ ምስቶም ዝኸሓዱ
ን ኣምላኽ ገዲፎም ነቡካድነጾር ዝሰገዱ
ን ቅዱስ ኣቦኦም ዕዳጋ ዘውርዱ
ንሓዎም ብቅንኢ ንሕልፈት ዝፈርዱ
ኣብ ሓሶት ደው ኢሎም ዝመረጹ ክቅልዱ
ኣነ ኪኸይድ እየ ኣብ መስቀሉ ክውዕል
ምስቶም ዘይሰገዱ ብሓዊ ክቃጸል
ጥፍኣትዶ ክሓፍስ ኮይነ ንስጋይ ክብል
መሪጸ እየ ሎምስ ንዕኡ ክመስል
ይትረፈኒ ክመልሰኒ ንድሕሪት ዝብል
ወዮ ብዙሕ ጸርፊ ይዓርብ ይወግሕ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ ቀለድቲ መቃልሕ
ዓቅሊ ጽበት ሓሶት ክንዲ ወንጌል ምንባሕ
መግበይ ገይሮየየ ጥራሕ ኣምላክ ይርባሕ
ንሱዩ ምስክረይ ጽሩይ ድየ ረሳሕ
ዓቅሚ የብለይን ብኡኡ እየ ዝምካሕ
ኣይጭነቅን ኣነስ ክትፈርድያ እኮ ጽባሕ
ክንደሻዕ ክህከ መስቀሉ ከይስከም
ንሓቂ ክዓብጣ ከይኣቱ ናብ ጸገም
ህጅስ ረሓቁለይ ሓይሊታት ናይ ጸላም
ኢየሱስ ፈቲሑኒ እዩ ገይሩለይ ናይ ሓርነት ማሕተም
ይኣክል ትሑሉፍ ናይ ዓለም ገልጠምጠም
ክኸይድ ክሓብር ምስቶም ዘስመርዎ
ኣብ ቅድሚ ነጋዉስ ዝተኣመኑዎ
ንኽብርኻ ካብ ንሰግድ ንሙት ዝበሉዎ
ኣብ ናይ ገዛ ጸልማት ዘለዉ ዘስምርዎ
ክሳዕ ክንደይ እየ ነፍሰይ ከዕሽዎ
ክነብር ብጥበራ ምግባር ጎዲልዎ
ይሰግራ ዶ እሞ ነዛ ዘላ ኣብ ቅድመይ
ይሳገሮዶ ነዚ ባሕሪ ይኣቱ ከንኣነይ
ፈርዖን ከየርክበኒ እና በልኩ ዕንይንይ
ኣብኡ ከይቀዝፉኒ ዘይኮንካ ኢሉ ባርያይ
ኢለ እና ሓሰብኩስ ኣይወዳኩን ምራቀይ
ሰጊረዮ ነዙይሲ ኣለኒ ካልኣይ
ንድሕሪትዶ ክምለስ ክዕልል ምስቶም ዝነወሩ
ንሓቂ ከይሪኡ ዓይኖም ዝዓወሩ
ነሕዋቶም ሰዊኦም ምስ ዓለም ዝሓበሩ
ናይ ላዕሊ ገዲፎም ናይ ምድሪ ዝገብሩ
ወላዲኦም ጸሪፎም ዝመረጹ ክኸብሩ
ኣይደልን ኣነሲ ፈጺመ ብስሩ
ክምለስ ዶ ብስጋ እንተጠዓመኒ
ንጸጋም ገዲፈ ነቲ ዝጸወዓኒ
እወ እወ ክብል ኩሉ ዝበሉኒ
ዝሓይሽ ኣየናይ ምርጫ ኣለኒ
ግን ከ ንኹሉ ከማልእ ከይገፍሓኒ
ኣብ ሰማይ ክሕጎስ ስቃይ ህጂ ይሕሸኒ
ከም ቅዱስን ኣግናጥዮስ ነናብስ ዋላ ይሃቡኒ
ሎምስ ምርጫይ ገረየ ንሱ ይሕሸኒ
በቃ ዓለም ህጅስ ዘይከውን ንድሕሪት
መሪጸየ ኢየሱስ ዝዕድለኒ ሂወት
ብስቃይ ኣብዛ መሪት ኣብ ሰማይ ግን መስተርሆት
ንኹሉ ከም ሓጎስ ጸርፊ ደቂ ጠላሚት
ምርጫ ኣናንያ ኣዛርያ ወ ምሳኤል
ካብ ትእዛዝ ንጉስ ኣብ ሓዊ ምቅጻል
ግብሪ ቅዱሳን ከምዚ እዩ ኣብ ትሉዑል ምውካል
ምስራሕ ከም ዝሰርሕዎ ካብ በኣፍካ ቅዱሳን ምባል
ምርጫይ ከምዚ እዩ ኣብ ትሉዑል ምውካል
ነቲ ኣምላኽ ዝመረቆስ እንታዋይ ይረግሞ
ኣምላኽ ሓይሊ ዝሃቦስ መንዩ ኸ ዝገጥሞ
ንሶም ግን ክረግመሎም በልዓም ዓዲሞሞ
መረቀ ደኣ በልዓም ኩሉ ክጅሳዕ ዝገርሞ
ባረኾም ንሕዝቢ ኣምላኽ 2 ክልተ ግዜ ደገሞ
ለቱ ስብሓት
ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ኣገልጋሊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን
No comments:
Post a Comment