1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 15 September 2011

ቃል ኪዳን።


                                  ቃል  ኪዳን።

ተመዚኖም መዛኑ መጽሓፍ ቅዱስ ክመጹ ዘይክእልሉ ምኽንያት እግዚአብሔርን ሰብን ዝሓስብዎን ዝዛረብዎን ማዕረ ክኸውን ዘይክእል ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እቲ ምንታይ ፈጣርን ተፈጣርን ክልተ ነንበይኖም ዛዕባታት እዮም። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ንብሎ ዘሎና ሰማያዊ ክብሪ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ንረኽቦ።

ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ፣ ኣብ ወንጌል ማቴ. 193-9 ፈሪሳውያን ድማሰብኣይሲ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ይኽእል እዩ፧እናበሉ ክፍትንዎ ናብኡ መጹ፣ መሊሱ ድማ በሎም። እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፣ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሐድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑዚብል' ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።

ንሳቶም ከኣ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ መፍቲሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ክፈትሓ ዝኣዘዘ በልዎ። ኢየሱስ ድማሙሴስ ብሰንኪ ትሪ ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም። ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን በሎም። ኣነ ግና እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእ ዘእቱ ይዝሙ፣ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ'ውን ይዝሙ እብለኩም ኣሎኹ። በቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበረሉ ዘመን ማለትንሰበይቲ መፍትሒኣ ሂብካ ዝፋነወሉ ዝነበረ ጊዜ፣ እዚ ዚስዕብ ኃጢኣት ይፍጸም ነበረ።

ካብቶም ሽዑ ዝጻመዱ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ንኽፋትሑ ዝፈቕድ ሕጊ ኣይነበረን ባዕሉ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውንካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን እናበለ ኣስሚርሉ እዩ። እዚ እናኾነ ግና ብሰንኪ ትሪ ልቡሰብኣይ ንሰበይቱ እንተጸልኣ ክሳዳ ዓምጺጹ ክቐትል ጀመረ።ሰበይቲ'ውን ብወገና ብሰንኪ ትሪ ልባንሰብኣይ እንተጸልኣቶ ኣብቲ ዚምገቦ ሕብስቲ፣ ኣብ ዚሰትዮ ጽዋእ መርዚ፣ ስሚ፣ ሓሞት እናሓወሰት ኣጎምዲዳ ትቐትሎ ነበረት። እዚ ገበን እዚ ምስቲ ኣብ ዓሠርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ተሠሪዑ ዘሎኣይትቕተልዝብል ሕጊ ይጻረር ኣይቃዶን ድማ እዩ፣ በዚ መጠን ንፍትወት ሥጋ ብምባል ዝመጸ ስስዐ ዝጠፍእ ሕይወት በዝኀ፣ ነዚ ዝተዓዘበ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ነቲ ዝባድም ዝነበረ ትንፋስ መዕገቲ ኪኸውን ዚኽእልመፍቲሒኣ ሂቡ ክሰዳ ይኽእል እዩዝብል ምኽሪ ሂቡ በዚ ድማ እቶም ተሪር ልቢ ዝውንኑ ዝነበሩ ሰባት ሰፈሉ። መዐገሲ ረኸቡ ካብቲ ኣበሳኦም ድማ ዘሓሉ።

ንሰብ ኣይውዕሎን ኣይትበሎ ኣይትውዓሎ ደኣ በሎ ዚብል ብሂል” “ነዚ ሓቅነት እዚ ይምስክረልና፣ እዚ ዝኣክል ክብሪ ከሎ ምስኡ ድማ ናይ እግዚአብሔር በረኸት ደረቱ እንተዝበልካ ዝወርደካ ዓስቢ ኃጢኣት ቀሊል ኣይኮነን እዚ ማለት ቃል ኪዳን ሰማያዊ ርዝነት እናሃለዎ፣ በቲ ዘመን ኣውኀዞ፣ ጸሊኡኒ፣ ጸሊአዮ፣ እናበልካ ትእዛዝ እግዚአብሔር ምፍራስ ኣብ ቅድሚኡ መለሳ ብኣወንታ፣ ብኣሉታ ኣምሳያ ብንጽሕና ብኃጢኣት ኣቕሪቡ ዘወግዝ ጸሊም በደል እዩ።ካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን ዝብሎ ድማ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣዳም ካልአይቲ ክፈጥረሉ ከሎ ካብ ፍንጫሕ መሰንገሊኡ ሓንቲ እምበር ብዙኃት መሰንገለታት ኣይወሰደን፣ እምበኣር ኵሉ ኣብ ኢዱ ከሎ ክሠርሖ'ውን ዘይጽግሞ ምዃኑ ብዙኃት ሔዋናት ክገብረሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። ንሔዋን'ውን ብዙኃት ኣዳማት ምገበረላ። ግና እዚ ነገር እዚ እግዚአብሔር ስለዝረስዖ ዘይኮነስ፣ ሕጉን ሥርዓቱን ስለዘይኮነ እዩ። ስለዚ ንሳቶም ዝኣትውዎ ቃል ኪዳን ከኣ ኣብ ልቦም ብንጽሕና ዝተሓጽረ ነበረ። ኣዴና ሔዋን ብዲያብሎስ ተሓቢላ ኣብ ኃጢኣት ምስ ወደቐት። ኣቦና ኣዳም'ውን ጸልኣ ንሳ ከምዘስሓተቶ'ውን ኣመኻነየ። እግዚአብሔር ግና ዳግማይ ነዚ ዚስዕብ ምኅፅንታ ኣቕረበሉኣዳም ኣዳም ሕጂ'ውን ካብቲ ዝቐደመ ዝገደደ ከይትዕሹ ተጠንቀቕ እቲ መድኃኒ ካብ ዘርኣ እዩ ዚውለድበሎ። በዚ ድማ ካብ ኵራኡ ዝሓለ ክሕብሕባ'ውን ጀመረ። ዘፍ.320

መሰንገሌኻ ወዲእካ መሰንገለ እንዳማትካ ምቕጻጽ እግዚአብሔር ፍቓዱ ኮይኑ ከቶ ኣይፈልጥን ሚል 210 ምስናይ እዚ ኪዳን ከም ክዳን ዝበሊ ኣይኮነን። ኪዳን ኣብ ጽላት ልብታትና ተጻሒፉ ንናይ ቅድስና ናብራ ሰኒዱ ንሕሰምናን ውርደትናን ሰቲሩ ንዘንት ዕለት ዚነብር እዩ :: ብፍቕሪ ይሕደስ እቲ ክጸንዕ ክሳዕ ፍጻሜ ይዕገሥ።ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ንሠናይ ከኣ ኀዝዎ።

ኣብ ንሓድሕድኩም ምውቕ ፍቕሪ ኣኅዋት ይሃሉኹም ንሓድሕድኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ። ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ ብመንፈስ ዝተቓጸልኩም ኩኑ ንእግዚአብሔር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሓጐሱ ብጸበባ ተዓገሡ ከየቋረጽኩም ጸሎት ኣዘውትሩ። ንሓድሕድኩም ተሰማሚዕኩም ንበሩ ምስቶም ትሑት ናብራ ዘለዎም ሕዉሳት ኩኑ እምበር ኣይትተዓበዩ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትመክሑ።

ሮሜ 129-18 እቲ ዝተቐደሰ ሰብ ንፍቕሪ ኣኅዋት ክሳዕ ክንድዚ የፍቅራን ይገልጻን ይነብረላን። ላዛ ፍቕሪ መቐረቱ ብልሳን ቅዱሳን እግዚአብሔር ክንገር ከሎና ንስለ ምስማዕ ወይ ጊዚያዊ መስተርሆት ሓንጐል ጥራይ ኣይኮነን። ወትሩ ዕለት ማዕረ እቲ መታን ክንነብር ብምሕሳብና እንምገቦ እንጌራን እኽለማይን፣ ቃል እግዚአብሔር'ውን ክንምገቦ ይግባእ። ተመጊብና ድማ ሠላሳ፣ ስሳ፣ ሚእቲ፣ ሠናይ ፍረ ክንፈሪ እግዚአብሔር ዝሕጐሰሉ ሠናይ ኵነታት ክንፈጥር ዓለማዊ እምበር ዳግማዊ ኣይንግበሮ፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን'ውን ነዚ ሰማያዊ ማሕላ ከተምሕል ከላ ያታ፣ ባህሊ፣ ልማድ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ሕጊ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ ሰነፈ፣ ሰነፈት፣ ሓመመ፣ ሓመመት፣ መኸነ፣ መኸነት፣ ሓመቐ፣ ሓመቐት ኢልኩም ኣይትጋደፉ ንምባል ዝተገብረ እዩ።

ካብ ብሂል ኣቡነ ሺኖዳ ምስ እንዕዘብ መሠረት ጽንዓት ቃል ኪዳን ንዝኾነ ፍቕሪ ምስ መለለይ ሥጋ ዝኾነ ፍትወት ከወዳድሩ ከለዉፍቕሪ ለጋስ እያ፣ እንተፍትወት ግና ተቐባሊት እያዝበልዎ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ምስ እንዕዘቦ ጸዋር፣ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ዚሓሊ፣ እንካ እምበር ብባህሪኡ ሃባ ዘይልማዱ እዩ። ፍትወት ድማ ከምቲ ተራእዩ ዝጠፍእ ትኪ ይመስል። ንእዋኑ እንተዘይኮይኑ ቀጻልነት ዘየረጋገጸ፣ መናው፣ ንረብሓ ዝቐርበካ፣ ዝደለዮ ምስ ረኸበ ዝርሕቀካ እዩ፣ እዚ ማለት እታ ተባሃጊት ዕንባባ ጽጌሬዳ እኳ እሾኽ ኣብ ማእከላ ከምዘለዋ ዝርስዕ ብሓፈሻ ፍትወት ሥጋኡ ከርዊ ዚነብር ማለት እዩ።

እዚ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ብኽብሪ ቃል ኪዳን ትርጉምን ንምብራህ ዝተባህለ እዩ ሐዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮማ ኣብ ዝጸሓፎእዚ ምሥጢር ዓቢይ እዩ። ምእንቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር ዓያሹ ኣይትኹኑኤፌ. 517-32 “ሰበይቲ ምርካብ ሠናይ ምርካብ እዩ እዚ ከኣ ካብ እግዚአብሔር ሞገስ ምርካብ ማለት እዩምሳ. 1822 እዚ ማለት ቃል ኪዳና እተኽብር ንባዕላ ብርኽቲ ብምዃና ዘርኣ እተባርኸ፣ እቶም ካብኣ ዚፈርዩ፣ እንሆ ውሉድ ውህበት እግዚአብሔር እዮም እተባህለሉ ጸጋ ብመገዳ ይርከብ።

መዝ. 1273 ስለዚ ንሠናይ ንቀመጠሉ፣ ንእምነት ነጽልለሉ፣ ንተስፋ ንኅደረሉ፣ ንፍቕሪ ድማ ንንበረሉ። በዚ ድማ ንነፍስና ዕረፍቲ ክንረኽበላ ኢና። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ ንጽንዓት ቃል ኪዳን ውሕስነት ዚህቡ ንኡሳን ኣርእስቲ ኣብ ኃሙሽተ ነጥብታት ከፊልና ክንርእዮም እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸጋ ጥበቡ ይደግፈና።

1. ኅብረት ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፣ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ። ማቴ 196 “እንሆ ኣኅዋት ብሓደ ኃቢሮም ክነብሩስ ክንደይ ሠናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ። መዝ 1331 ኣብቲ ብኅብረት ምንባር ሠናይን ጥዑምን ክርከብ ዚኽእል በየናይ መገዲ እዩ፧ ነዞም ጠጥዑሙን ሠሠናዩን ዝሓስቡ ኣእምሮ ክህሉ ዝገብርዎ ኵነታትከ ኣየኖት እዮም፧ ነዘን ጽምዲ ሕቶ ክንምልስ ከሎና እቲ እንህቦ ምላሽ ካብ ገዛእ ርእስና ዝጅምር ኃላፍነታዊ ሓቂ ኪህልዎ ይግባእ። ፈለማ ናብራና መታን ክምቅር እንወስዶ ስጉምቲ፣ ፍትወት ንአይ ስምዑኒ ምባል ቀቢርና፣ ነቲ ምሳና ዝኃበረ ኣካል ክንሰምዖን፣ ክንርድኦን፣ ከነስተብህሎን፣ ኣብ ሕይወቱ ሓገዝቲ ኪኾኑ ዚኽእሉ ባእታታት ህላውነቶም ምርግጋጽ ወሳንነቱ ኣዝዩ ዓቢይ እዩ። ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ክገብሮ ዚኽእል ነገር ዘይዕዉት ወፈራ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ። ከምቲ ኵልና እንፈልጦ፣ ኣብዛ ሓጻር ዘመን ሕይወትና ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ርግኣት፣ ሓጐስ፣ ኮታስ ኵሎም እቶም ኣብ ሠናይን ጥዑምን ዚምደቡ ጠባያት ከስተማቕር ሃረር እናበለ ዘይምነ ሰብ የልቦን። እዞም ክጥቀሱ ዝጸንሑ ውጽኢት ጥዑም ኩነት ኣእምሮ ዘውሕስ ኣካል ድማ ባዕሉ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ተጠቃሚ ሰብ እዩ። ገዛእ ርእሱ ዘይፈቱን ዘይከናኸንን ሰብ ንኻልኦት ኣርኣያ ኪኸውን ዘሎ ካዕበት መስገደል ጸገማት ኣዝዩ ርሒብ እዩ።

ኣብዚ ኂዝናዮ ዘሎና ንኡስ ኣርእስቲኅብረትድማ ክንኃብረሎም ዚግባእ ዛዕባታት ምዕባይ፣ ንኸይንኃብር ዚዕንቅጹና ገጸ ባህርያት ከኣ ጫሌዳ ከይፈጠሩ ምእላዮም ኣገዳሲ ውሳነ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ ካልኣይ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶ እቲ ንሠናይን፣ ጥዑምን፣ ንመስተርሆትን፣ ንቕሳነትን ኣኅዋት ኣኅቢሩ ከንብር ዚኽእል ኣእምሮ ብኸመይ ይምዕብል: ኢልና'ውን ዘይሓሰብና ኣይኮናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ንብዘሎ ሥነፍጥረት ክፈጥር ከሎ ይኹን ይብል ነበረ። ኣብ ሰብ በጺሑ ግና እግዚኣብሔር ብመልክዑ ገይሩ ሰብ ፈጠረ፣ ዘፍ. 1:27 ድኅሪ ምፍጣሩ'ውን እንተ ረኣና ኅብረት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ስለዝነበረ ንብዘሎ ፍጥረት ክገዝእ ሥልጣን ሃቦ። ዘፍ. 128-31 እቲ ንኅብረት ዘርኡ ክሓስብ ዚኽእል ኣእምሮ ሰፊሕ ኪኸውን ድማ መደቦ፣ ወዲ ሰብ ብመልክዕ እግዚአብሔር ስለዝተፈጥረ ከኣ ዝዓበየ ብልጫ ኣለዎ፣ ሰላም ክሰፍን ካብ እግዚአብሔር ኃይሊ ልዑል ዝተቐበለ ድማ እዩ፣ እዚ ኅብረት እዚ ሠናይን ጥዑምን ከኣ ኣብዚ ልዙብ ውህበት እግዚአብሔር ኣእምሮ ክቱት እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ዝበሎንስኻ እንተዘይትፈቅድ ክህሉ ዚኽእል ነገር ኣይምሃለወን፣ ንስኻ እንተ ዘይትፈጥሮ፣ ክነብር ዚኽእል ሓደ ነገር እኳ ኣይምሃለወን። ጥበ1125”
2.
ምክብባርሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ፣ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ከኣ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።” 1ቆሮ. 1226 ሓድሕዳዊ ምክብባር መሠረት ጽኑዕ ቃል ኪዳን እዩ።ሓደ ሰብ ልኡኽ ፍቕሪ እየ፣ ኢሉ ምስ ዚኣምንን ዚርዳእን ንዓይ ምባል ይገድፎኣባ ሙሳ ናይ መንእሰያት ጳጳስ ኣብ ግብጺ ዝበልዎ ኃይለ ቃል እዩ። ስለዚ እቲ ክብረት ንብሎ ዘሎና መንፈሳዊ ወፍሪ ኣብቲ መጻምድና ምስ እንውፍዮ ክብሪ መጠን ነፍሰ ክብሪ ንረክብ። ምኽንያቱ እቲ ክቡር ሰብ መጠን ነፍሱ ገይሩ እዩ ንሰብ ዘኽብር። ኣብ መንጎ ክልተ ተጻመድቲ ኪህሉ ዝግብኦ ምክብባር ብደጋዊ ሓገዝ ዝተደገፈ ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ኩነተ-ኣእምሮ ናይቶም ሓደ ኣካል እዩ ዚፍጠር። ወነንቲ ክብሮም ባዕላቶም መታን ኪኾኑ ድማ ኣብ መንጎኦም መንፈሳዊ ኃላፍነት ዝዓሰሎ ምክብባር ኪህሉ ናይ ምድግጋፍ ባህሪ ከማዕብሉ ኣገዳሲ ረቋሒ እዩ። ሓደ ምሳሌ ንተዓዘብ ከም ልማድ ኅብረት ሰብ ገጠራት ሃገርና ንመንበሪ ተባሂሉ ዚሥራሕህድሞብብዙኅ ምድግጋፍ ዚሥራሕ ናሕሲ ዘለዎ ሕንጻ እዩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ ቀጺሉ ዚንጸፍ ሓርከም ዚስከም ገመል ኣሎ። እዚ ገመል ዚበሃል ካብቲ ዓንዲ ማእከል ቅጥን ዝበለን ዝፈኾሰን እዩ፣ ካብኡ ቀጺሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓርከም ዚበሃል ኣዕጫው ኣብ ልዕሊ እቲ ገመል ምስቲ መናድቕ ተዋሲቡ ይርከብ። መብዛኅትኡ ጊዜ ሓርከም ካብ ቆልቋል ይዳሎ ብኽብደቱ ድማ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ዓንዲ ማእከልን ገመልን ኣዝዩ ዝፎኾሰ እዩ፣ ስለዚ እቲ ዝኸበደ ነቲ ዝፈኾሰ ይፆሮ እቲ ዝፈኾሰ ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኸበደ ብሥርዓት ተነጺፉ መዕቐሊ ሐነጽቱ ይኸውን። እዚ ምስላ እዚ ሓድሕድ ምክብባርን ምጽውዋርን የመልክት፣ ጋብላ ቅዱሳት ጽሑፋትና ብዛዕባ ምክብባርን ዘይነጽፍ ፍቕርን እንታይ ይብል፧እዚ ምሥጢር እዚ ዓሚቚ እዩ። ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተክርስቲያንን እምስሎ ኣሎኹ፣ ስለዚ ነፍስ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ። ሰበይቲ'ውን ንሰብኣያ ተኽብሮ። ኤፌ. 532-33”
3.
ምጽውዋርብዝተረፈ ኣኅዋተየ፣ ብፈጣሪ ክርስቶስ ብጽንዓት ኃይሉን በርትዑ ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምኩም ምእንቲ ክትክእሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ብምሉእ ልበሱ።ኤፌ. 610-11 እዚ ዘየዳግም ስምዕታ ዘመልክቶ ቅውምነገር እምበኣር ዝኾነ ክርስቲያናዊ ውልድነት ዘለዎ ሰብ ክመጾ ንዝኽእል ኣዕናዊ ፈተና ወይ ድማ ውዲት ጸላኢ ሠናያት ከበርዕነሉ ዚኽእል እቲ ኣጽዋር ጽድቂ ዝብል ቅጽል ስያመ ዝኀዘ ጾም፣ ጸሎት ስግደት ምጽዋት እዩ።

እቲ ምንታይ ከምቲ ንኵናት ዚወፍር ወተሃደር ብዘይጠበንጃን ሰናድርን ዘይከይድ። ንሕና ሕዝቢ እግዚአብሔር'ውን ብመጠኑ ኣብ መሥርሕ ጽንዓት ቃል ኪዳን ብዝያዳ ድማ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ግጥምና ምስቲ መንፈሳዊ ኪደት ከላሕልሕ ዝህቅን ዲያብሎስን ሠራዊቱን እዩ። ነታ ንሱ ዝሰልጠነላ ዓለም ገለ ወራዙት ከምዚ ክብሉ ዘፍኣሙላ ዓለም ጐዶሎ እያ ብህግቲ ክነሳ ትዕድለካ ኵሉ ኣለዎ ኣበሳ፣ ዕንባባ ጽጌሬዳ እኳ እታ ትፍቶ እሾኽ ኣለዋ ኣብ ነብሳ።መጋጥምትኻ ከይፈለጥትካ እትጻወቶ ጸወታ ንስዕረት ዘቃልዕ ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነንከመይ ቅልስና ምስሕልቅነትን ሥልጣናትን ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዘመኃደሩ ገዛእቲ ዓለምን ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማያት ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነንኤፌ. 612 እምበኣር ነቲ ከማና ብኡፍታ ኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ክንቃለስ ኣይኮነን። ነጋሪት ነፍሳትኩም ኣድኅኑ ዝተደሰቐ፣ እቲ ቅልስሲ ነቲ ኣብ ሰባት ኃዲሩ ዝዋግኣና ዘሎ እኩይ ምስዓር እዩ። ስለዚ ጠንቂ ዘይምስምማዕ ሰብ ቃል ኪዳን ንዝኸውን ዘሎ ከኣ ንኡስ ኣርእስቲምጽውዋር ዘይምህላው እዩ።ምንጩ ድማ ጸላኢ ሠናያት ዝኣለሞም ተንኮላት ምዃኖም ዘይምፍላጥ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ክህሉ ዝኽእል መንፈሳዊ ፍቕሪ ንሰይጣን ቀታሊ እዩ።

ንሱ ድማ እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ብዝሓስቡሉን፣ ብዝሰማምዕሉን ደረጃ፣ እቶም ፍረ ብርኮም ቅዱሳን ውሉድ ክኾኑሎም እዮም። ምስጋና እግዚአብሔር ድማ ኣብቶም ሕፃናት ዕጽፍን ድርብን ኮይኑ ኪወርድ ይርአ ኣሎ።ምእንቲ ነቲ ተቓዋሚኻ ጸላእን ገፋዕን ከተሕፍሮ ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቆልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ. 82 “ጸላኢ ሠናያት እምበኣር ዕጻኡ ካባ ኅፍረት ምጕልባብ ኮይኑ ምርኣይ ጻማ ምጽውዋር ምዃኑ ክርሳዕ ኣይግባእን። ስለዚ መንፈሳዊ ጕዕዞና ብዋልታ ምጽውዋር ዝተደርዐ ዘይክማህ ዕርዲ ኪኸውን ኪኖ ትምኒት ብተግባር ንነብረሉ።

4. ግሉጽነትሓቂ ዚሓብእ መከራ የምጽእ፣ ብዕሽነት ዚዛረብ ድማ ይወድቕ። ዘረባ ጻድቕ ሕይወት ይፍልፍል፣ እኩይ ሰብ ግና ነቲ ዓመጽ ብጽቡቕ ቃላት ይኽውል። ጽልኢ ቖየቛ የልዕል፣ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።ምሳ.1010-12ነቲ ከጋጥም ዝኽእል በደል፣ ሕነ ንስሓ፣ ምኽንያት ይማስሓጌርካ ከም ብሓድሽ ገበንካ ምዕባይን ፍሩይ ኮይኑ ዝርአ ምግባርን ምስ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻም ይዳረግ እዩ። ስለዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ክንዲ ብማዕዶ ንዕዘቦ ናባናዝተወርወረ ኃደጋ ምዃኑ ፈሊጥና ብግህዶ ክንዋሥኣሉን ክንኣልዮን ከነርኅቆን ግዴታ ኣሎና። ባዕላትና ንዝፈጸምናዮ ኅልፍን ትርፍን ሸፈነ ጌጋታት ካልኦት ክገልሁልና ምጽባይና ኣውሎ ንፋስ ጠጠው ኣቢልና ብስፍሪ ሚዛን ክንመዝኖ ምፍታን እዩ። ከም ደም ስኒ ንውሽጠ ውሽጢ ምውሕሓጥና ድማ ንዝያዳ ዓወት ይዕድመና። ምስናይ እዚ ንእግዚአብሔር ብጸሎት ክንምኅፀኖ ከሎና ብእምነት ምስ እንገብሮ፣ ነቲ ዓይነ ልቡናና ሸፊኑ ዝጸንሐ ሓበላ ኣበሳ በርቊቊና ክንምሕዎ ክንክእል ኢና። እዚ ክብሃል ከሎ ነቲ ብግልጺ እንዛረቦ ብልዙብን ህዱእን ኣተሓሳስባ ከነሠንዮ ይግባእ። ምኽንያቱሓባእ ቍስሉ ሓባእ ፈውሱስለዝኾነ። ነቲ ወትሩ ልብና ዘድምየና ኵነታት ብምርድዳእ ክንፍውሶ ጻውዒት እግዚአብሔር ኣሎና። ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ኃይለ ቃልፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎዝተባህለ ብንጽሕና ልብን ምዕሩይ ሕሊናን ንዝመኃደር መንፈሳዊ ናብራ ይውክል፣ ኵሉ ጊዜ ፍቕሪ ብዝዓብየሉ መጠን፣ ረጽሚ'ውን ኣሎስለዚ ካብ ፍቕሪ ሓጐስ ጥራይ ዝጽበ ሰብ እንተሎ ካብቲ ቃንዛ ዝምጥዎ ጸጋ እዩ ዝጐድሎእዚ ማለት ፍቕሪ በጃ ኣበሳ ንምዃና ዘይኮነ፣ ፍቕሪ ነቲ ክበዝኅ ዝነበሮ ኣበሳ ከተውሕዶ ትኽእለሉ ሥልጣን ከም ዘለዋ ዘነጽር እዩ። ስለዚ ኣብ ፍቕሪ ምንባር ንዝያዳ ግሉጽነት የሰስን። 
5.
ኣጠቓቕማ ጊዜብጾትን ኣዕሩኽን ኵሉ ጊዜ ስምምዕ እዮም ።ካብ ናይ ክልቲኦም ግና ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ስምምዕ ይበልጽ። ሢራክ 4023” ዝበዝኅ እዋን ኣጠቓቕማ ጊዜ ኣብ ግምት ዘእቱ ሰብ ዕዉት ዕላማ ዘለዎ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ብቑዕ ሥራሕ፣ ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ክወሐሐድ ስለዝመርጽ፣ ኣብ ጊዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ካብቲ ካልእ ሰብ ፍልይ የብሎ። ንኣጠቓቕማ ጊዜ ከም ንኡስ ኣርእስቲ ክንኅዘሉ ዝመረጽናሉ ምኽንያት ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ብሰንኪ ኣጠቓቕማ ጊዜ ብዙኅ ዘይምስምማዕ ክፍጠር ንቡር ስለዝኾነ እዩ። ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ንጸሎት ዚኸውን ጊዜ ክጠልብ ከሎ፣ እቲ ብጻዩ ድማ ንኻልእ መዓላ ዘውዕሎ ጊዜ ይጠልብ፣ ኣብ መንጎ እዚ ጸላኢ ሠናያት ዘሳወሮ ድጉል ኃጢኣት ንኽግሃድ ጊዜ ኣይወስድን። ነዚ ንምግታእ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይመክርንጸሎት ዚኸውን ጊዜ ምእንቲ ክትረኽቡ ኢልኩም ንውሱን እዋን ብስምምዕ ክልቴኹም ዝገበርክምዎ እንተዘይኮይኑ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ መውስቦ ግቡኡ ኣይኽልኣዮ።

ንነፍስኹም ብዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ከይፍትነኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ምኽሪ እምበር ከምትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘሎኹ። 1ቆሮ. 75-6 “እዚ ኪብሃል ከሎ ብሰሪ ዘይእርኑብ ኣጠቓቕማ ጊዜ ዝመጽእ ሃጓፋት ኣዝዩ ርሒብ ይኸውን ፣እቲ ምንታይከመይ ርግኦ እንተሓቖንካ ልኻይ የውጽእ፣ ኣፍንጫ እንተወቓዕካ ደም የውጽእ። ከምኡ ኸኣ ኩራ እንተቐስቀስካ ባእሲ ተልዕል። ምሳ. 3033’’

ስለዚ ሕዝቢ እግዚአብሔር እቲ ክንኮኖ ዝግብኣና፣ ክንከውን ዝተርፈና ጕዕዞ ንውኅ ዝበለ እዩ። ከምኡ እናኾነ ግና ጸጋ እግዚአብሔር ካዕበት ዘይሰፍሮ ምውዳቕ መጽዓን ዘይድርቶ ፍልጠት ደቂ ሰባት ዘይዳረጎ እዩ እሞነቲ እግዚአብሔር ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ። እምነ መሠረት ቃል ኪዳን ተነቢሩልና' ሓደ ምስ ሓንቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ሰበይቲ ናይ ሰብኣያ፣ ሰብኣይ ድማ ናይ በዓልቲ ቤቱ ሥጋ ሓድሕዶም ክመልኩ መኺሩ ሐዋርያ ጳውሎስ እቲ እግዚአብሔር ዚሾሞ ትልሚ ቐደም ሓዲስ፣ ሓደ ኣካል ኪኾኑ ቤት ኣቦኦም ኃዲጎም፣ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከም ነፍሱ የፍቅራ።

(1ቆሮ.71-6) ጥርጥር የብሉን። ትእዛዛት ክርስትና ናይ ሕይወት ዘመንና መፋቐሪ እምበር ኣይኮነን ተራ ንብረትና ኪኖ ስምዒታዊ ፍቕርና ይኹን መንፈሳዊ (ማቴ.199) እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሔዋን ክፈጥራ ካብ ሽክና ኣዳም ኣይወሰዳን፣ ካብ መሓውሩ'ውን ኣይሰልዓን፣ ካብ ርእሱ መታን ከይትወጽእ ልዕሊኡ፣ ካብ እግሩ መታን ከይትቑጸር ባርያኡ፣ ሕውነቶም ከረጋግጹ ፈጢርዋ ካብ መሰንገሊኡ፣ እቶም ክልተ ይኹኑ ሓደ ሥጋ ሓደ ጥምረት እምነት ውሕደት ኣተሓሳስባ ፍቕሮም ኣብ ዘለዎ ክርስቶስ ኣሎ። በዓልቤታ ንጸጋ እቲ መጀመርታ ዝፈጠሮም ተባዕታይን ኣንስታይን ኣቋረኖም።
(ዘፍ 127 ማቴ. 194) ኣይትኹን ሰብ ዘይንደሊ ልቢ፣ ቅልስ ዘለዓለም ክንረኽበሉ ዓስቢ (ማር.106) መንፈስ ቅዱስ ዝወረዳ ናይ ክርስቲያን ስድራ መለኮታዊ ዕላማ ዘመኃድራ እቶም ጻማ ኣብራኾም ክስመዩ ማዕከን ፍቕሪ ቤቶም ማንታ ቤተክርስቲያን እያ።
እትምህሮም ፍርሃት ፈጣሪ ውህበት እቲ ኵሉ ዚኽእል እዮም፣ ነገሥታት ናይታ መዓልቲ ናይ ኣእዳው ተግባራት ንኽብሪ ስሙ ቀደስቲ ንዅሉ ንተዓዘቦ፣ ክፉእ ገዲፍና ንሠናይ ንስዓቦ፣ ዓቐን ዘይርከቦ ባሕሪ፣ ምሕረቱ መምዘኒ እመት ወዲቑሉስ ኣይምትሮን ስድሪ፣ ስለዚ ሠሪሕና ብኣምሳል ክብሩ ኣብታ ሪሙ ክንስመ መዋርስቱ ክንኮኖ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዘራእቲ ኅርያ ክብሩ ንኽግለጽ ክንጽዋዕ ኣርኣያ ስብሓት ስብሓት ነቲ ልዑል በሉ እግዚአብሔር ከጋጥም ከሎ ንዕዮኡ እዚ ተሪፉ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። በዚ ድማ ከምቶም ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር ዝነብሩ ዕዉታት ንነገራት ከምዝኸውን ዝገብርዎ ናታቶም በረኸት ከነልዕል ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ትጽውዓና ኣላ:: ይቅጽል,,,,,,,,,,,,.
                                                           ስብሓት ለእግዚአብሔር ልዑል ::

No comments:

Post a Comment