1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 3 March 2012

3ይቲ ሰንበት ናይ ኣርብዓ ጾም ምኩ`ራብ ትበሃል።

3ይቲ ሰንበት ናይ ኣርብዓ ጾም ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል።
ናይዚ ሰንበት እዚ ዕለት ስያመ ምኩ`ራብ ትበሃል።መድሓኒና ኣብ ናይ ኣይሁድ ምኩ`ራብ ተረኺቡ ንዝተኣስሩ ናጽነት ንዝሞቱ ሂወት ፡ንዝተጠቅዑ ድማ ናጽነት ብምእዋጅ ንኹሉ ዓመተ ምሕረት ብምምሃሩ ብትምህርቱ ከም ተደነቁ ይንገር።ስያመኡ ናይ ቅዱስ ያረድ እዩ።መድሓኒና ኣብ ምኩ`ራብ ዝገበሮም ነገራት እንዳ ገለጸ ብምዝማሩ ድማ እዩ ዕለተ ምኩ`ራብ ዝተባህለ።

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትእይርቶሙ ለእለ ይትኣይሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻእኩዎን በጾምን ለነፍሰየ

መዝሙር 68፡9።

ን ቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ።

ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ እውን ኣባይ ወደቀ።

እናበኸኹ ንነፍሰይ ብ ጾም ኣሕሳእክዋ

ሰባት እውን ጸረፉኒ

መዝሙር 69፡9። ኣብ መዝሙር ዳዊት ኩሉ ግዜ ኣብ ትግርኛ ሓደ ቁጽሪ ይቅድም ምስ ምዃኑ እዩ፡ እንበር ሓደ እዩ እቲ ምዕራፍን ጥቅስን።

ቦአ ኢየሱስ በምኩ`ራብ ኣይሁድ

የሱስ ናብ ናይ ኣይሁድ ምኩ`ራብ ከደ

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት

1, ቆላ 2፡16 ክሳብ ፍጻመ  /////// //////ዲያቆን

2,ያዕ2፡14 ክሳዕ መፈጸምታ ////////    ተሓጋጋዚ ዲያቆን

ግብሪ ሓዋርያት 10፡1-9። //////////////// ተሓጋጋዚ ካህን

ወንጌለ የሓንስ 2፡12 ክሳዕ መወዳእታ ///////////  ካህን

ቅዳሴ (ነአኩ`ተከ) ናይ መድሓኒና

ምኩ`ራብ  ካብ ቤተ መቅደስ ብዙሕ ይፍለ ኣብ ብሉይ ኪዳን።ቤተ-መቅደስ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ኢዮሩሳለም ወጻኢ ኣይስራሕን ነበረ።ምኩ`ራብ ግን ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ክትሰርሕ ይፍቀድ ነይሩ።እዚ ምኩ`ራብ ድማ ከም መምሃሪ ሕግን ፡መምሃሪ ቃል ኣምላኽን ይጥቀምሉ ነበሩ። በዚ ዕለት ድማ እዩ ቅዱስ ያረድ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ምቅደስ ዘይኮነስ ኣብ ምኩ`ራብ ኣትዩ ከም ዝመሃረ ንምንጻር ምኩራብ ኢሉ ፈልዩ ገሊጹ  ዘሎ።

ግእዝ ፡- ቦአ ኢየሱስ በምኩ`ራብ ኣይሁድ ወመሓረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋት አበድር እመከዋት አነ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምህረት ኢትግበሩ ቤተ አቡየ ቤተ ምስያጥ ቤተይሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ ቦአ ምኩ`ራቦም ልገሠጾሙ ያርምሙ አንብሩ ምሂሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕሙ ነገሩ መሳዕስኦ ኣፈሁ።ይብለና ግእዝ

 የሱስ ናብ ምኩራብ ኣትዩ ቃለ ሃይማኖት ኣስተምሃረ።ንሰንበት ጎይትኣ ንምሕረት ኣቦኣ ኣነ እየ። ን ቤት ኣቦይ ቤተ ንግዲ ኣይትግበሩዎ ቤት ጾሎት ቤተይ እዩ ።(በለ)።እንዳመሃረ ወንጌለ መንግስቲ ይሰብኽ፡ኣብ  ህዝቢ ድማ ንብዘሎ ደዌ ንብዘሎ ሕማም እንዳፈወሰ ይዘውር ነበረ ኢሉ ከም ዝዘመሮ ቅዱስ ያረድ ኣብቲ ኣይሁድ ንከንቱ ውዳሴን ርኣዩለይን ዝቆሙሉ ክርስቶስ ከም ዝሰበኸ ወንጌላዊ ሉቃስ ገሊጹ ንረኽቦ።የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ።፲፭ - ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።፲፮ - ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ።

ኬንብብውን ተንስኤ።፲፯ - መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡፲፰ - ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡፲፱ - ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።፳ - ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ።- ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ።፳፪ - ኲሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፡ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን? ከኣ ይብሉ ነበሩ።ሉቃስ 4፡14-23።

ኣብ ቅዳሴ  ዝንበብ ወንጌል ኣብ ቤተ መቅደስ ንዝተፈጸሙ ናይ ንግዲ ስራሕ ከም ዘሕዘኖ ክገልጽ ከሎ።ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡ እውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።፲፫ - ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።፲፬ - ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዝሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።፲፭ - ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዑርን ንዂሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ።

፲፮ - ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።፲፯ - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘክሩ።፲፰ - ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ? ኢሎም መለሱሉ።፲፱ - የሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ ብዛዕባ ብዛዕባ ቤተ መቅድሰ ሰብነቱ ከም ዝተዛረበ ይነግረና ይቅጽል ,,,።
haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment