1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 3 March 2012

2ይ ክፋል ዓቢ ጾም ምኩራብ ፍቁራት የሕዋትና ::




  2ይ  ክፋል ዓቢ ጾም ምኩራብ
ፍቁራት የሕዋትና

ካብዚ ዝተነበልና ሎሚ እንታይ ተማሂርና የሱስ ክርስቶስ ሎሚ ኸ ን ዓና እንታይ ኮን ይበለና ይህሉ ን ቤተ መቅደስና ርእዩ።እወ ንኣምላኽ ነምልኽ ህዝቢ ከም ምዃና መጠን ን ኣምላኽ ዘሕጉሶን ዘግህዮን እንታይ እዩ ኢልና ክንምርምር ሰናይ ነገር እዩ። ናይ ኣይሁድ ቤተ መቅደስ ቤተይሲ ቤት ኣምላክ ትበሃል ንስኹም ግን በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩማ ኢልዎም ንዓና ኸ !!!!????። እስከ ናብ ቤተ መቅደስና እሞ ብህድኣት ዘላቶ ሂወት ንፈትሽ መቸስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝብለና እቲ ገበኑ ዝናዘዘሉ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ይረክብ እቲ ዝኽውል ግን ኣይሰልጦን ይበለና። እሞ ኸ ቤት ጾሎትና ንኣምላኽ ተብህግ ዶ ኮይና ኣላ እያ???።ካብ ንግድን ኢ መጽሃፍ ቅዱሳዊ ሂወትን ናጻ ዶ ትኸውን መታን ምሕረት ክንረክብ ብፍቅርን ትዕግስትን ምስትውዓል  ክህልወና ይግባእ።

ቤተ ጾሎትና እውን ወዮ ደኣ ብርኡይ ከምዚ ናይ ኣይሁድ ኣይኮነትን እንበር በዓቲ ጎሓሉት ኮይና ከም ዘላ።እቲ ምስኪን እንዳተጸቀጠ ዝሓድረላ፡ እቲ ሓሳዊ ድማ ናእዳ ረኺቡ ኮፍ ኢሉ ዘጋይጸላ ምድራዊት ድንኳን ተቀይራ መልክዓ ተቀይሩ ከም ዘሎ እንሪኦ ዘለና እዩ።ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝበዝሑ ሳማእታት ዘለዋ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እያ ነይራ። ብብዝሒ ሰማእታት ድማ ተዋህዶ መዳርግቲ የብላን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ ኣብ ኣለክ ሳንደርያ ልዕሊ 3000 ሰለስተ ሽሕ ሰማእታት ከም ዘወፈየት ስለ ቃለ ክርስቶስ ታሪኽ ቤተ ክርስትያና ዘዘንትዎ እዩ።

ሎሚ ግን እዞም ንስለ ክብርና ንስለ ርኣዩለይ ንስለ  ሰብ ክፈትወኒ ንስለ ክነብር እንነብር ኣገልገልቲ በዓል ኣባ በእንተ ከርሱ ኣባ በዓል በእንተ ርእሱ ኣባ በእንተ ልብሱ ካብ እንመጽእ ሰማያዊ ስርሓ ዘንጊዓ፡ን ዓለማዊ ገዛኢ ብገዛእ ደቃ የሕሊፋ ንሞት እትህብ ፡ፓትሪያርካ ሓይራ ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ኣቀሚጣ ዓረብያ ፖሎቲከኛታት  ብምኻን እትርከብ  !!!፡ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ።እታ ምኽንያት ሰላምን ቅሳነት ዕረፍትን ምጽንናዕን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ሰላም ምስኣንን ምኽንያት ዕንቅፋትን ኮይና ትርከብ።

እዚ ድማ እታ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነት በዲላስ እቶም ነቲ ናይ ሕድሪ ሞጓሰ ክንሕሉ ተጻዋዕና ኣገልገልቲ መኽሊትና ዓቢጥና ደድሕሪ  ፍትወት ስልጥንን ፡ፍቅረ ምንባርን ፡ገንዘብን ዞኽዞኽ ክንብል ስለ ዝኻኣልና ኢና። ክሳዕ ህጂ ኣብ መረት ይኹን ኣብ ሰማይ ካብ ዘላ ናይ ኣምላኽ ቤተ ክርስትያን ጭዋ ዝርእሳ ሓደ ዘይኣማኒ ዘማሓድራ ላዕለዋይ ኣዛዚኣ ዘይኣሚኒ ዝኾነ ብዘይካ ቤተ ክርስትያን ኦርተደክስ ኤረትራ ካሊእ የለን። ዘይኣማኒ ካብ ኮነ  ራሳ ድማ ካብ ቤተ ሸቀጥ ዝገደደ እቲ ርእሲ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ዘይነብረላ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ኣየጸግምን።ኣብዚ ከነዋዳድረን ከለና ድማ እታ ኣብ ኣይሁድ ነበረት ቤተ መቅደስ ክትሓይሽ ትኽእል እያ።ንሳስ ሸቀት ደኣ ይግበረላ ነበረ እንበር ኣመሓደርታን ኣቦታታንሲ እቶም ሊቃነ ካህናት ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ደኣ ነበሩ፡ናትና ግን ገዲዱ ካብ ኩሉ ኣይተረፈናን ንኹሉ እንዳገበርና ድማ ክንዲ ብንስሓ ምምላስ ከም ኣይሁድ ብትዕቢት ተነፊሕና ኣብ ምብትታን ንርከብ ፡ብ ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ እትምራሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለምን ኣምላኽን ድራማ ኣብ ምክያድ ትርከብ እዛ ንሕና ፈራሓት ፈተውቲ ስጋና ዝደቃ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን  ጥራሕ እያ።

ከምቲ ጎይታና ዝበሎ ድማ ጎይታይ ጎይታይ ምባል ዘይኮነ ዘጽድቅሲ ጎይታና ዝፈትዎ ተገርካ ጥራሕ እዩ።ሎሚ ግን ንሕና ካብዚ ተጨዊና ኣብ ህልኽን ኣብ ቅርሕንትን ንርከብ ዘገርም ግን ስለምንታይ ንጸውም !!!???፡ ስለምንታይ ንቅድስ!!!???፡ ስለምንታይ ንቆርብ!!!??? ዘይንፈልጥ ዲና ኮይናስ ዋላስ ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ነቲ ቃሉ ተላማሚድናዮ ፈጸምቲ ትንቢተ ሞት ስለ ዝኾና እዩ።ኣቦና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕማም እንዳ ተሳቀዩ፡ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ቤተ ማእሰርቲ እንዳ ተሳቀዩ፡ ኣቦታትና መነኮሳት ቁርባን ተሓሪሞም ኣብ በረኻታት እንዳበለዩ ፡ክንደይ ቅዱሳን ካህናትና ተወለዱሉ መረት ተኸልኪሎም ኣብ ባዕዲ ሃገር ኣብ ስደት እንዳነብዑ ብናፍቆት ወላዲት ሃገሮምን እንዳተሳቀዩ ንሕና ግን ምስ ዓለም ኮንፈደረሽን ተኣታቲና ነሕዋትና ክንፈርድ ከነጸልም እንዳወዓልና ንገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ክሕጎሱልናስ  ከመይ ገሩ እዩ ኣምላኽ ኮን መስዋእትና ክቅበሎ !!!???።

ከመይ ገሩ እዩ ኣምላኽ ንጾምና ክቅበሎ።ቃል ኣምላኽ መባእካ ቅድመ ምቅራብካ ምስ ሓውካ ተዓረቅ ድሓር ድማ ከድካ ምስ ሓውኻ ተዓረቅ ፡ተዘየለ ግን መባእካ ንፈራዲ የሕሊፉ ከይህበካ ዶ ኣይኮነን ዝብል???፡ እሞ ኸ ካብ ዝለዓለ ጳጳስ ክሳዕ ዝተሓተ ኣማኒ ንሰብ እንዳ ኣቀየምና ምስ ቅዱስ ኣቦና ተጻሊእና ከለና ብሓሶት ሽሞም ብምርሳሕ የሕሊፍና ሂብናስ ብሓቂ ድዩ ጾሎትና ክቅበል????፡ እሞ ኸ ተዋህዶ ዲና  ዋላስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እንነርብ ልብሰ ህዝበ ክርስትያን ተኸደና ከሓድያን ወይሲ ኣምሰሉ ሂወት ገሮም ን ህዝቢ ኣምላኽ ንምዕሻው ዝተዓጠቅና ጸረ ኣምላኽ ????፡ ሎሚ ምስ መን እዩ መደብና ፈሊጥና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ኣለና ተዝየለ ግን ሴፍ ንኸንቱ ኣይዕጠቅን፡ ኣምላኽ ከኣ በቶም ስለ ፍቅሩ ሂወቶም ዝወፈዩ ስቅ ኣይብልን እዩ።እቲ ኣብ የሩሳለም ቤተይሲ ቤተ ጾሎት ትበሃል ንስኹም ግን በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩማ ቤተ ሸቀጥ ገበርኩማ ዝበለ ጎይታ ጉሒፉ ከየውጽኣና ከሎ ተተመለስና ሰናይ እዩ !።

ቃል ኣምላኽ ማቴዎስ ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣለና ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም ንኣብርሃምሲ ካብዘን ኣእማን ከም እዚአ ዉሉድ ኬተንስኣሉ ን ኣምላኽ ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ ካብ ህጂ እኳ ማሕጸ  ናብቲ ጉንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ።እምበኣርሲ ጽቡቅ ዘይፈሪ ፍረ ዘበለ ኩሉ ኦም ይቁረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ ከም ተባህለ ጽቡቅ ዘይንፈሪ ነቲ ጽቡቅ መሐንኮሊ ተኾይና  ካብቲ ጉንዲ ዝኾነ ክርስቶስ ተቆሪጽና ናብ እቶን ሓዊ ክንድርበ ምኻና ንፍለጥ ።ማቴዎስ 3፡9-10።ማቴዎስ 7፡19።እንበኣር ፍቃድ ኣምላኽ ዝገብር ደኣ እንበር ኩሉ ጎይታይ ጎይታይ ዝብል መንግስተ ሰማይት ዝኣቱ ከም ዘይኮነ ባዕሉ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ተዛሪቡ ኣሎ ።ማቴዎስ 7፡21-23። ይቅጽል,,,,,,::

No comments:

Post a Comment