1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 3 March 2012

3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ ምኩ`ራብ ::


3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ ምኩ`ራብ
ስለዚ እዚ ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስትያና ፡ኣብ ሂወትና ኣብ  ኣገልግሎትና፡ እንገብሮ ዘለና ፍቃድ ኣምላኽ ድዩ ኢልና ንሕሰብ።ፓትሪያርክ ኣብ ገዛ ዓጺኻ ምስ  ዓመጽቲ ብምውጋን ኣብ መንበር መላገጽቲ ተቀሚጥካ ንውግዘት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓሲምካ እትገብሮ ኣገልግሎትሲ ይሰምርዶ!!!??።ንጻድቅ ምእንቲ ኽግፋዕ ኢልካ ምስ ክፉእ ሰብ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኮነን ይብለና ቃል ኣምላኽ፡ ምሳሌ18፡5 ናይ ሎሚ ንብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስን ሰዓብቶምን መታን ክግፍዑ ኢልካ ምስ ይፍታሀን ሰዓብቱን ምውጋን እንበኣር ሰናይ ከምዘይኮነ ምፍላጥ ኣሎና።ከምዚ እንዳገበርና እንገብሮ ጾም  ድራማ ምስ ምካኑ ካብ ኣምላኽ ቁጥዐ ደኣ እንበር ምሕረትሲ ኣየምጽእን በፍጹም!!! ።

ስለምንታይ ንሰብ ከነዕሽዎ ንኽእል ኢና እቲ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ግን ኣፍና ዘይኮነስ ውሽጥና እዩ ዝፈልጠና።  ብ ዓቢኡ ቃል ኣምላኽ ዝበሎስ ካብ መስዋእትስ ምእዛዝ ይፈቱ ዶ ኣይኮነን ዝብሉ።እንበኣር ኣይትሓሱ ትብል ካብ ዓሰርተ ትእዛዛት እያ እሞ ኣይንንዓቃ ደኣ ንተኣዘዛ።መሳኻክር ሓሶት ተዘይኮና ንጠቅምና ጥራሕ እዩ ዘጸኣት 20፡16።ብሓቂ ድማ ነቶም ብዘይ ሕግን ስርዓትን ዝማላለሱ ገስጽዎም ከም እተባህለ ክንግስጾምን ደኣ እንበር መሳርሒ ናታቶም ብምኻን ን ቤት ኣምላኽ ክንሕምስ ኣይግብኣናን።

ሎሚ እንበኣር ከምቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ቅነኣት ቤት ኣቦኡ በሊዕዎ ብምትንሳእ ቤተ መቅደስ ዝደንኮለ ኣብ እቲ ቤተ መቅደስና ንዝርከብ ኩሉ ብሓንሳ ሓቢርና ብምልዓል  ነቶም ኣብ ሂወትናን ኣብ ሂወት ቤት መቅደስናን ተቐሚጦም ዘለዉ ጊሒጥና ከነውጽኦም ምስ ጎይታና ቃል እንኣትወሉ ዕለት እዩ። ነዛ ደገ ወንጌል ብምኻን ን 2000 ዓመታት ቃለ ወንጌል ዘበሰረት ቤተ ክርስትያን ኣይነማስና ኣምላኽ ከየማስነና።ሓደ እኳ ነዛ ቤተ መቅደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ።1ይ ቆሮንንቶስ 3፡17።ስለዚ ግዜ ከይወሰድና ካበይ ከም ዝወደቅና ንዘክር እሞ ንነሳሕ ራእ 2፡5።ኣበይ ኣለና ቤተ ክርስትያና ኸ ኣበይ ኣላ ኣብ ኣምላኽ እትርአ ቤተ መቅደስዶ ዋላስ ን ኣምላኽ እተቆጥዕ በዓቲ ጎሓሉትን  መሸቀጥን ኮይና ኣላ ብምስትውዓል ብ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ንቅረብ ደጊምና ድማ ነቲ ትማሊ ዝገበርናዮ ጌይጋ ኣይንድገሞ ።

haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment