1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 23 March 2013

4ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ


4ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ

ከምኡ እውን ቤተ ክርስትያን እንዳ ተመላለስካ ንሰብ ኣቀይምካ ከለኻስ ፡ሰጣን ዶ ብኣኻ ንግዲ የካይድ ኣየሎን።በቲ ሓደ ወገን እኮ ንሰጣን ኢኻ ተገልግል ዘለኻ።እዚ ነገር እዚ እንበኣር ፡ቃል ኣምላኽ ዝብለና ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፡ናብ ሲሎ ኪዱ እሞ፡ብሰሪ እከይ ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ ይብለና።(ኤር7፡12)ሎሚ ኩሉ እከይ ግብርና ደው ኣቢልና ብምጽዊዋርን ብፍቅርን፡ብንስሓ ክንምለስ ኣለና።ዘቀይምናዮም ተልዮም እውን ደዊልና ድዩ ብኣካል ይቅረታ ክንሓቶም ኣለና።
 ክርስትና ትርጉሙ ከምኡ እዩ ጸላእትኻ ምፍቃር።እቲ ወንጌል ኢሉ ከዝይም ከሎ እቲ ካህን ደው ኢልና ንሰምዖ፡ን ባህሊ ዲዩ ኣሚና ዶ ኣይኮናን ኢና ።እንታይ ዲዩ ዝብል ንሱ፡(ሉቃ6፡35)ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ።ክትፍደዩ ኸይተጸበኹም ኣለቅሑ።እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ ኢዩ እሞ፡ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ፡ዉሉድ እቲ ልዑል’ውን ክትኾኑ ኢኹም”ዶ ኣይኮናን ዝብለና።እሞኸ ንዝጸልኡናዶ ነፍቅር።ምፍቃርሲ ይትረፈና፡ካብኡ ሓሊፍና ደኣ ሎሚ እንካ ማስ ምድያ ኣሎ ኣብኡ ዶ ኣይኮናን ኢና ሽሞም ከም ሽጉርቲ ክንቅርዲዶ ንውዕል።እዚ ፍረና ኢዩ።እቲ ብፍረኦም ከተለልይዎም ኢኹም ዝብል ድማ ንኹሉ ኢዩ።
ስለዚ ጾም ምስ ፍቅሪ ኢያ።(ሉቃ6፡27) ሎሚ እዚ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ዝብል ብ ንጸላእትኹም ጽልኡ ብዝብል ተቀይሩ ኢዩ።ነቲ ዘየፍቅር መንፈስ ካብ ልብኻ ተዘይ ደንኲልካዮ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኣምላኽ ክባርኸካ ኢልካ ኣይትሕሰብ።ስለምንታይሲ ንኽልተ ንጉስ ክግዛእ ዝክእል የሎን።(ማቴ6፡24)(ሉቃ16፡13)ክርስቲያን ኢየ እውን ኣይትበል። ክንምለስ ተዘይ ኪኢልናን ነቶም ምሕረት ኣብ ህዝብና ከይመጽእ ሰላም ኣብ ቤተ ክርስትያና ከይወርድ ከልኪሎም ዘለዉ ተዘይደንኲልናን፡ ከምቶም ናይ ሲሎ ህዝቢ ኤርምያስ ነዚ ስለ ዝበለ ዝተቆጥዕዎ፡ምስዚ ጽሑፍ ክንታረኽ ተፈቲናን፡ካብ ኣምላኽ ዝመጸና ክንዲ በረኸት መርገም ጥራሕ ኢዩ፡መምሃሪ ኣህዛብ ድማ ክንከውን ኢና።(ኤር26፡8-9)
እንገብሮም ኣገልግሎታትን ስብከታትን መዛሙርን ንምድሓን ዲና ዋላስ ንህልኽ ንሻራ፡ንምፍልላይ፡ን ረብሓ ኢዩ እስከ ነፍሲ ወከፍ ሰስራሕ ኢዱ ይገምግም።ብሓቂ ድማ ከምዚ ንጾሞ፡ ሓቀኛ ጾዎምንቲ ተንኸውን ካልእ ምኾነ።ግን ምሕራም ስጋ ስለ ዝኾነ ክንዲ ምሕረት ሞትን ስደትን ኲናትን ጥራሕ ደኣ ይወልድ ኣሎ።ኣዴታትና ማይ ክልምና በረኻ ተወፊረን ንርእየንዶ ኣይነበርናን ኢና።ጠልቂየን ክመጻ።ንሕና ግን ውሽጥና ነቂጹ፡ንሃገርናን ህዝብናን ክንዲ ምድሓን ን መከራን ንብኽያትን ንናፍቆትን ኮይና ኣለና።
  ከምኡ እውን ብ ካልኣይ መገዲ ነታ ቤተ መቅደስ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ልብና እውን፡ብሓሶት።ብጽልኢ፡ብቅርሕንቲ፡ብትዕቢት፡ብጸለመ፡ብፍርዲ፡ብዝሙት፡ብፍቅረንዋይ፡ ከነማስና ኣይግባእን።ክርስቶስ ኣብ ልብኻ ክሓድር ተኾይኑ፡ን ኣብ ልብኻ ዘለዉ ቤት ጽሕፈታት ግብረ ስጋ ዕጸዎም፡ደንኩሎም ኣይፋሉን ግን ብሽም ዝሓለፉ ቅዱሳንን ሃይማኖትን እንዳተመካሕካ ኣብ ባዶ ፍረ ግብሪ ዘይብሉ ሂወት ምንባር ኣብታ ንደልያ ዓዲ ኣየእትወናን ኢዩ።ርእሰ ጥበራ ድማ ኢዩ(ማቴ3፡9) (ዮሃ8፡44)
እንበኣር ኣምላኽ ዘይቅበሎም ኣብ ልብኻ ዘለዉ ቤት ጽሕፈታት ሰጣን ዕጸዎም።ትሕትና ተዓጢቅካ ነቲ ናይ ትዕቢት ቤት ጽሕፈት ዓጺኻ ደንኲሎ፡ንጽልኢ ደንኪልካ፡ፍቅሪ ተዓጢቅካ ኣይኮነን ግን ብዳግማይ ምጽኣቱ ክፈርደካን ኢዩ።(ሮሜ2፡27)እዛ ልብኻ ማሕደረይ ክትከውን ዝግባእ ማሕደር ስኽራን ፡ማሕደር ሓሶት፡ማሕደር ሻራ፡ማሕደር ጽልኢ ፡ማሕደር ህልኽ፡ወዘተረፈ ገርካያ ኢሉ፡ካብ መንግስቱ ክሰጎካ ከም ዝኾነ ክትፈልጥ ይግባእ።
ንምኻኑ ጾም ማለት እኮ በኣስተንትኖት ህይወትና ምስ ቃል ኣምላኽ ብምንጽጻር ናበይ ንኸይድ ኣለና።ኣበይ ኣለና፡ ምስ መን ኣለና።ብሓቂ ዶ ኣብ ኣምላኽ ኣለና ኢና ነፍስና ንግምግመሉ ኢዩ።ምናልባሽ ብዙሕ ግዜ ጾምና ጸሊና ስለምንታይ ኣምላኽ ዘይሰሞዓና ንብል ንኸውን እንተኾነ፡ ብ መዓልቲ ጾምሲ ተግባርና ዶ ኣይኮናን ንገብር።(ኢሳ 58፡3)ዝኹሉ ህልኽን ቅርሕንትን ኣብ ማእከል ቤተ ክርስትያን ንገብሮ ኣምሰያ ዘይምጻምና ዶ ኣይኮነን ኢዩ።ክንዲ ክንዓርቅ ከነባእስ።ክንዲ ሓጥያትና ዘኪርና ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ንበኪ፡ክስቶ እኮ ከምዚ ኢዩ፡እንዳበልና ክንፈርድን ስም ሰብ ከነጸልምን እንዳወዓልና ተግባርናዶ ኣይኮናን ንገብር።(ሉቃስ18፡9-14)እዚ ኣምሰያ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ናይ ናይ ኣምላኽ ቤት ጽሕፈታት ክንዓጽዎ ብዘይ ምኽኣልና ኢዩ።ንልብና ከነጽርዮ ብዘይ ምኽኣልና ኢዩ።
ስለዚሲ መገድና ተዘይ ኣማሓይሽና እታ መንግስቲ ካባና ክትውሰድ ፡ፍረኣ ንዚፈሪ ህዝቢ’ውን ክትወሃብ ኢያ።(ማቴ21፡18)እሞኸ ከመይ ሎ ልብና፡ከመይ ኣሎ ህይወትና ካብ ስጋን ውጽኢቱን ዲና ተኸልኪልና ዘለና ዋላስ ፡ካብ ኩሉ ኣምላኽ ዘይፈትዎን ዘይብህጎን ኢና ጾምና ዘለና።ሓቀኛ ጾምዶ ጾምና ኣለና።ዋላስ ንጾም ከም ልምድን ባህልን ኢና ንርእዮ። ዋላስ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ንምቅባል ብእምነት ኢና ንነብረሉ።በዓል መን ኢዮም ነጊሶም ዘለዉ ኣምላኽ ዘይፈትዎም ፡ኣብ ልብና፡ኣብ ቤት ጾሎትና ሎሚ ከይደንጎና ንደንኩሎም።ብቕብልቲ ግዜ ሰማዕኩኻ ብ መዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ይብል ኢዩ እሞ፡እንሆ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ ኢያ፡እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ ኢያ(2ይቆሮ6፡2)

2 comments:

  1. Good morning how are you?

    My name is Emilio, I am a Spanish boy and I live in a town near to Madrid. I am a very interested person in knowing things so different as the culture, the way of life of the inhabitants of our planet, the fauna, the flora, and the landscapes of all the countries of the world etc. in summary, I am a person that enjoys traveling, learning and respecting people's diversity from all over the world.

    I would love to travel and meet in person all the aspects above mentioned, but unfortunately as this is very expensive and my purchasing power is quite small, so I devised a way to travel with the imagination in every corner of our planet. A few years ago I started a collection of used stamps because trough them, you can see pictures about fauna, flora, monuments, landscapes etc. from all the countries. As every day is more and more difficult to get stamps, some years ago I started a new collection in order to get traditional letters addressed to me in which my goal was to get at least 1 letter from each country in the world. This modest goal is feasible to reach in the most part of countries, but unfortunately it’s impossible to achieve in other various territories for several reasons, either because they are countries at war, either because they are countries with extreme poverty or because for whatever reason the postal system is not functioning properly.

    For all this I would ask you one small favor:
    Would you be so kind as to send me a letter by traditional mail from Eritrea? I understand perfectly that you think that your blog is not the appropriate place to ask this, and even, is very probably that you ignore my letter, but I would call your attention to the difficulty involved in getting a letter from that country, and also I don’t know anyone neither where to write in Eritrea in order to increase my collection. a letter for me is like a little souvenir, like if I have had visited that territory with my imagination and at same time, the arrival of the letters from a country is a sign of peace and normality and an original way to promote a country in the world. My postal address is the following one:

    Emilio Fernandez Esteban
    Avenida Juan de la Cierva, 44
    28902 Getafe (Madrid)
    Spain

    If you wish, you can visit my blog www.cartasenmibuzon.blogspot.com where you can see the pictures of all the letters that I have received from whole World.

    Finally I would like to thank the attention given to this letter, and whether you can help me or not, I send my best wishes for peace, health and happiness for you, your family and all your dear beings.

    Yours Sincerely

    Emilio Fernandez

    ReplyDelete
  2. Thnk You For Your Comment Mister Emilio Fernandez ,God Is Love.act 16:31 - And they said, Have faith in the Lord Jesus, and you and your family will have salvation.

    ReplyDelete