1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 27 February 2012

ዓቢ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቕድስቲ ትበሃል::

ዓቢ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቕድስቲ ትበሃል
ዓቢ ጾም ቅድስቲ ትበሃል።መበገሲ ስሙ ያረዳዊ ክኸውን ከሎ፡ኣርእስተ መዝሙር ርእሰ ጾም ናይ ድጓ መኽፈሊ ኮይኑ ዝቀርብ ስም እዩ።ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትይን ን ኣምላኽ እትውድሰሉን ምስጋና እተቅርበሉን ስርዓት ኣለዋ ከምዚ ንሪኦ ዘለና።በዚ ድማ ስለ ክብረ ሰንበት ስለ እግዚኣብሄር ምሕረት ይዝመር ኣብ ቅዳሴ ግዜ ድማ መጻሕፍቲ ስለ ቅድስና ይስበኹ።
ናይ ዕለቱ ምስባኽ ተሪኢና ከምዚ ይብል፡-
እግዚኣብሔር ግና ሰማያት ገበረ፤
 ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፤
 ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። መዝ 965-6
መዝሙር ዳዊት፡- እግዚኣብሔርሰ ሰማያ ገብረ፤
ኣሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፤
 ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።
Psalms:-“but the LORD made the heavens. Honor and majesty [are] before him: strength and beauty [are] in his sanctuary.” Psalms 96:5-6.
ቅዳሴ፡- ቅ. ኤጲፋንዮስ
ወንጌል ማቴ 7፡16-25።
ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያረድ መዝሙር ፡- ግነዩ ለእግዚኣብሔር ወጸዉኡ ስሙ(ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ስሙ ጸውዑ)
ናይ ቅድሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ
1, 1ይ ተሰሎ 4፡1-13።        ዲያቆን (ሰራዒ ድያቆን
2, 1ይ ጴጥ1፡13 ክሳዕ መፈጸምታ  ዲያቆን( ተሓጋጋዚ ዲያቆን)
3,ግብሪ ሓዋርያት 10፡7-30።    ንፍቅ ካህን( ተሓጋጋዚ ካህን)
5 ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 6፡16-25።
ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ (ዓብይ)
             ቅድስና
ቅዱስ ተባሂሉ ዝምስገን ናይ ቅድስና ምንጪ፡ብ ቅድስና ዝተቀደሰ፡ብቅድስና ዝነብር፡ ቅድስና ባህሪኡ ዝኾነ፡ብቅዱሳን ዝቅደስ ዝምስገን ን በይኑ ፍሉይ ኣኽብሮትን ስግደትን ምስጋናን ዝግበኦ  ቅዱስ ናይ ቅዱሳን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።ብ እስራኤል መዝሙር መጽሓፍ ተሪኢና ኣብየት ካብ ኣማልኽቲ ዝመስለካ መን እዩ።ተባሂሉ ከም ተጻሕፈ>ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ናይ ንጉሳት ንጉስ ኣምላኽ ፡ናይ ልዑላን ልዑል ዝኾነ ኣምላኽ፡ እግዚኦ ኣጋእዝቲ ተባሂሉ ከም እተጽሕፈ ጎይታ ብ ቅድስና ዝተኸበበ ዝወቀበ ኣምላኽ።ምስጋናኡ  ካብ ባዕሉ ዝኾነ ሰማያዊ ንጉስ ቅዱስ እዩ ስሙ። ነዚ ቅዱስ ኣምላኽ ቅድስናኡ ዝፈተለጠ ኣምላኽ  ኢሳይያስ 6፡1-10። ቅዱስ ክብል ስሙ ገለጸ ኢሳይያስ 40፡25።
 ቅዱስ የሓንስ  ንስኻ ጥራሕ ቅዱስ  ኢሎም መላእኽቲ ከም ዘመስግንዎ መስኪሩ ጺሒፉ ንረኽቦ።ራእ 15፡4 ። ሃና እውን ኣብ ጾሎታ  ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን ብምባል ቅድስና ኣምላኽና ፍሉይ ምኻኑ ገለጸት።ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ። ክብል ገለጸ። ዘጸ 28፡41
እዚ ብኣፍ መላእኽቲ ቅዱስ ምኻኑ  ዝተመስከረሉ ዝተነገረሉ በልሳን ሰብ እውን ኩሉ ግዜ ስምካ ይቀደስ ብምባል ይምስገንን ይውደስን።ነብይ ኢሳይያስ እውን ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዝነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ።  ቅዱስ ስመይ ኣርከሱ ኣነ ግን ስለ ቅዱስ ስመይ ኢለ እርሕርሕ ኣለኹ ።በለ ህዝቅኤል 36፡20-21።ስሙ ቅዱስ እዩ ክብል እውን ሉቃስ ገለጸ ሉቃ1፡50። እግዚኣብሔር ኣምላኽ እንበኣር ስሙ ቅዱስ እዩ በዚ ቅዱስ ስሙ ድማ እንዳተመስገነ ይነብር ኣሎ ራእ 4፡8።
እዚ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ዘጸ3፡5። 
ኣብ ክርስቶስ እትነብሩ ፍቁራት ክርስትያናት  ኣሕዋትና  ከምቲ እቲ ዝጸውዓና ቅዱስ ዝኾነ እንበኣር ቅዱሳን ክንከውን ይግብኣና።ከምቲ እቲ ሰራዒ ድያቆን ዘንበበልና እውን ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም “ውን ብዂሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ቅዱሳን ክንከውን ይግባእ።ብዘይ ቅድስና ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ንእግዚኣብሔር ክርእዮ ዝኽእል የለን።ኣብዚ ናይ ጾም ግዜና ብተኻእለ ምስ ስጋና እንዳተቃለስናን ካብ ዝወደቅናዮ እንዳ ተሳእናን ብጾሎት ናብ ኣምላኽ ዎ ኣምላኽ ከም ቃልካ ክነብር ሓግዘኒ እንዳ በልና ክንጓዓዝ  ይግባእ። ስለዚ ብቅድስና ክንመላለስ ይንጽዓር።
 እግዚኣብሔር ብቅዱስ ሂወት ክንነርብ ሓይሉ ይሃበና።

No comments:

Post a Comment