1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 4 February 2012

2ይ ክፋል ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።

       2ይ ክፋል ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
እንበኣር ኩላትና እንጸድቅ በቲ ብእየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍን፡ምእማን ንዕኡን ካብ ኮነስ ንምንታይ ንድንጊ።ህጂ ብድድ ኢልና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ክንምድብ ኣለና፡ ነዛ ሓጻር ዕድመና ሰላም ዘለዎ ሂወት ዘይንነብር።ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ዓርኪ ጻድቃን ጥራሕ ገይሮም ምርኣዮም፡ በቃ ሓጢኣተና እንድየ ድሕሪ ህጂ ኣምላኽ ኣይቅበለንን እዩ ኢሎም ተስፋ ይቆርጹ። እዚ ግን ናይ ጌጋ ገጋ እዩ ኣምላኽ ዓርኪ ሓጥኣን ኮላይ እዩ።እዝስ ን ኣምላኽ ከም ምጽራፍ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ምሕረት ምንዓቅን ምቁንጻብን ይቁጸር እዩ፡
ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጡፉኣት ክደሊ እዩ ዝመጸ ማቴዎስ 18፡10-14።ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።፲፩ - ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡፲፪ - እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን ?፲፫ - እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።፲፬ - ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ክጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።
ፍቁር ሓወይ ዋላ ኣነን ንስኻን ብዙሕ ሓጢኣት ተገበርና ብንስሓ ክንምለስ ደኣ እንበር ክንጠፍእ ኣይደልን እዩ፡መድሓኒና ፡ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ ድማ እዩ ኣብ መስቀል ዝወዓለልና።ነዚ ክፈልጡ ስለ ዘይከአኣሉ ድማ እዮም ነቲ ምሕረት ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም ፈሪሳውያን ንሓጥኣን ይቅበል ምስኣቶም እውን ይበልዕ ዝበሉ ሊቃስ15፡17።ዘገርም ነገርሲ ኣነን ንስኻን ብምላስናስ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ይኸውን እዚ እውን ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍቅሪ  መግለጺ እዩ።ንሱስ ንሓኪም ሕሙማት ደኣ እንበር ጥዑያት ኣየድልዩዎን፡ ደኣ ተዛረበ።ን ሓጥኣን ደኣ እንበር ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እዩ ዝበለ ዘገርም ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛታት ሉቃስ5፡30።

 ዘገርም ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ከይተረዳና ዋእ መራሒ ሃይማኖት ተባሂሉስ፡ <<መራሒ መንግስቲ ተባሂሉስ >>፡<<ምስ መንዩ ዘዕልል ዘሎ>> ምባልና  ዋላ ንብዙሓት ሰባት እውን ዋእ ክብረቱ ዘይሕሉ እዩ ወደይ ኣታ ክብረትካ ዘይትሕሉ ዋእ፡ፈኪስ እኻ ንብል ግን ናይ የሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሂወት ዝረሳዕና ብዙሓት ኢና።ንሱ ምድራዊ ኣገልግለቱ ናይቲ መድሓኒና ምስ ሓጥኣን የሕሊፉዎ ።

እዚኦም ኩሎም ጎዶሎታት ኣይኮነን የሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ኣብ መረት  ኣብ ዝነበረን ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ፍጹም ምስ ጻድቃን ፈላጣት መጻሕፍቲ ውሩያት መማህራን መዘምራን ኣይከደን፡ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ካብኦም ዘይደሊ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡
እቶም ንዕኡ ዘድልዩዎ እቶም ብሰብ ድርቡያት፡ንዑቃት ፍንፉናት፡ ርጉጻት ዝነበሩ ሰባት ጥራሕ ስለነበሩ እዩ።እንበኣር እቶም ኣገልገልቱ ኢና እንብል እውን ነዚ ግብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ኣለና።የሱስ ክርስቶስ ክኸብር እየ ከይበለ ነፍሱ ብምሕሳር ኣብዛ ምድሪ ኣገልጊሉ። ዘገርም ነገር የሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንሕና ሰባት እንሓስቦ ዘይምኻኑ እዩ።ከም ናቱ ለዋህነትን ፍቅርንስ ኣብዛ መረት የለን።ነዚ ክገልጽ ደልዩ ድማ እዩ ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቅ ፍቅሪ ን ወልድ ካብ መንበርሩ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጸሖ ዝበለ።
ስለዚ ምናልባሽ ኣብ ምፍላጥ ኣምላኽ መልክዑ ገጊናዮ ከይንህሉ ኣምላኽ መልክዑ ከምቲ ሰባት ዘረዱኡናን ዝምህሩናን ዘይኮነስ  ፍጹም ፍሉይን በእምሮ ዘይብጻሕን እዩ።ብኹሉ ነገራቱ ብኹሉ ንኣምላኽ ክሳዕ ህጂ ደቂ ሰባት ክበጽህዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,.

No comments:

Post a Comment