1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 20 March 2012

ፖፕ ሽኖዳ እቲ ድሙቅ ኮኾብ !!!!


     ፖፕ ሽኖዳ እቲ ድሙቅ ኮኾብ !!!!
ብጹእ ወቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣለክሳንደርያ ፓፕ ሽኖዳ ሳልሳይ መበል 117 ፖፕ ኣለክሳንደርያ ካብ ዛ ዓለም ናብ ሰማየ ሰማያት ግዒዞም።ፖፕ ሽኖዳ ኩሉ ሰናይ እዮም ነሮም።ንሶም ዝበርህ ሽምዓ ብምኻን ን ቤተ ክርስትያን ብርሃን ዓዲሎም፡ንሶም ድሙቅ ኾኾብ ኣብዚ ጸልማት ብስስዕቲ ዝተመልአ ዓለም ነሮም።።ፖፕ ሽኖዳ ሳልሳይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዓለም እቶም ፍሉይ ምዕባለን ትንሳኤን ዝገበሩ።ካብ ቅድመኦም ዝነበሩ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ዝበዝሐ መጽሓፍቲ ዝጸሓፉን።ከይ ሰልከዩ ኣብ ማእከል እቶም  ካብ ሰጣን ዘይንእሱ ምስራውያን ኣኽረርቲ ምስልምና እምነቶም ብምጽናዕ ተዋህዶነት እንታይ እዩ ዘርኣዩ ኣቦ እዮም ነሮም።
ፖፕ ሽኖዳ ናይ ዘበና ኾኾብ ሃወርያ ክበሃሉ ንዕኦም ዝበቅዕ ኮይኑ ኣይስመዓካን በቃ ኣምላኽ ጥራሕ  ነይሩ ካብኦም ንላዕሊ። ፖፕ ሽኖዳ መምህር ፍቅሪ ዘይኮነስ ንባዕሎም ፍቅሪ እዮም ነሮም።ንሶም መነኮስ፡ፕሮፈሰር፡ካህን፡ ፓትሪያርክ ፡ፖፕ፡መካቲ፡ሓያል ኣማኒ ፡ ተስፋ ዘይቆርጹ ቅዱስ ኣቦ ነሮም፡መምህር ሰላም፡ትሑት፡ፈቃር። ምፍላይ እዚ ጸሊም ኮኾብ እንበኣር  ኣብ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩላተን የሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት  ዝህልዎ ጽልዋ ከቢድ ክኸውን ክኽእል እዩ። ፖፕ ሽኖዳ ብዝገበሩዎ ናይ ነላዊ ትጉህ ባህሪ ን ቤተ ክርስትያን ኣለክሳንደርያ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ን ቤተ ክርስትያን ኤረትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ዝላ ንቅድሚት ኮይኑ ጸኒሑ።ብፍላይ ን ኤረትራ ምፍላይ ፖፕ ሽኖዳ ከምቲ ህልውናኦም ዓቢ ዝኾነ ምፍላዮም ድማ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከቢድ ክኸውን እዩ።
ፖፕ ሽኖዳ እቲ ኣምላኽ ብግልጺ ዝጥቀመሉ ሰብ ምዃኑ ግብጻውያን ኣስላም ክሳዕ ዝምስክሩ ገሩዎም እዮም።ብ ሰንኪ ትጉህ መገዲ ፖፕ ሽኖዳ  ኣሸሓት ኣስላም ናብ ተዋህዶ ተቀይሮም እዮም።በቃ ፖፕ ሽኖዳ እዚ እዮም ነርካ ክትገልጽ ምፍታን ዘይክኣል እዮም።ስለምንታይሲ እቲ ሓደ ጎድኒ ፖፕ ሽኖዳ ክትገልጽ ከለኻ ካብቲ ዝገለጽካዮ ንላዕሊ ድማ ካልእ ፍሉይ ዝኾነ ናቶም ተግብራን  ሃወርያዊ ስራሕን ይመጸካ ስለ ከምዚ ፖፕ ሽኖዳ ብልክዕ ከም ምኽሪ ኣምላኽ ብዘይ ጉድለት ዝተማላለሱ ኣብ ዘበና እንኮ ሃወርያ እዮም ነሮም ኢኻ ትብል።ፖፕ ሽኖዳ ሂወቶም ነገሮም በቃ ትውክልቶም የሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ነሩ።ስለ ኸምኡ ድማ እዩ።ፕረሲደንት ኣመሪካ እንታይ ክንሕግዘኩም ምስ በሎም ንሕና ኣይንዛረብን የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝዛረብ ኢሎም መልሲ ዝሃቡ።1ይ ጴጥሮስ 2፡22-23።
ፖፕ ሽኖዳ ንዕቤት ቤተ ክርስትያን ዘይገበሩዎ  ሰናይ ነገር የለን።ከምቲ ዓንተቦይ ዝገለጽናዮ ግን ን ታሪኾም ክንትንትን ዓቅሚ እኳ ተዘይብልና ግን ካብ ባህሪ ብጭልፋ፡ልዕሊ 145 መጻሕፍቲ ጽሒፎም።ኣብ ዘበኖም ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ መንፈሳዊ ኮሎጅ ከፊቶም፡ኣብ ተፈላለያ ሃገራት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ደቡብ ኣመሪካ፡ኣፍሪቃ፡ ኣውረጳ፡ኢስያን ርሑቅ ምብራቅ ክሳዕ ኣብ ቻይና ቤተ ክርስትያን ከፊቶም።ፖፕ ሽኖዳ እምነት ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እንታይ ምኻኑ ኣብ ዓለም ክፍለጥን ክስፍሕፋሕን ብዘይ መጠን ኣበርኪቶም።ህዝቢ መታን ክመሃር ዲማ ክሳዕ ረድዮን ተለብጅንን ከፊቶም። ፖፕ ሽኖዳ ፍጹም ፖሎቲካ ተንኪፎም ኣይፈልጡን።ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ብ ፖሎቲካ ክጣላቃያ ከለዋ ናይ ኣለክሳንደርያ ቤተ ክርስትያን ግን መስዋእቲ ብምክፋል ኣውጺኦማ እዮም።
ሎሚ እንበኣር እቲ ድሙቅ ብርሃን ተሰዊሩ ኣሎ።ኣምላኽ ከምኡ ዝምድማቁ ብርሃን ክህበና ድማ ጸሎትና ክኸውን ይግባእ።እቲ ድሙቅ ኮኾብ ንዓና ክሕሸና ተዝጸንሕ ሰናይ ነሩ ግን ከምቲ ንሕና ነፍቅሮ ኣምላኽ ከኣ ኣፍቂሩዎ።ከምቲ ንሕና ንደልዮ ኣምላኽ ከኣ ደልዩዎ፡ከምቲ ንሕና ንሃርፎ ኣምላኽ ሃሪፍዎ ከዕርፎ ደልዩ።ሞት ጻድቅ ኣብ ቅድሚ እጊዚኣብሄር ኩቡር እዩ።ግን እቲ ድሙቅ ብርሃን ፖፕ ሽኖዳ ምስ ከደ ናብ ሰማያትሲ ኩሎም ቅዱሳን ብ መጽሙር ከም ዝቅበሉዎ በእምሮኻ ክትቀርጾ ኣየጸግምን።እቲ ድሙቅ ኮኾብ ፖፕ ሽኖዳ እንበኣር ክመጸና ኣይክእልን እዩ።ንሕና ክንከዶ እንበር።ስለዚ ልብና ብሓዘን ከኸብዶ ዘይኮነስ ሓለፍነት ተሰሚዑና ነቲ ብጹእ ወቅዱስ ዝሓለፉሉ ሃይማኖት ንምጽናዕ ክን ቃለስ ኣለና።
  ኦ እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ ኣቡነ ሽኖዳ።
                                  haymanoteabow@gmail.com
መተሓሳሰቢ ንዝኾነ ብዛዕባ ኣቡነ ሽኖዳ ዘለኩም መልእኽቲ በዚ ኣድረስ እዚ ተሰዲድኩምልና ክንዝርግሖ ድሉዋት ኢና።በረከቶም ኣይፈለየና።
http://www.copticchurch.net/      
                             

          

No comments:

Post a Comment