1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 11 September 2011

ንኹሉኹም ኣመንቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤት/ክርስትያን፡ ናብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ እንቃዕ ኣብጸሓኩም። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።


ንኹሉኹም ኣመንቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤት/ክርስትያን፡ ናብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ እንቃዕ ኣብጸሓኩም። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።
ሰላም ናይ ኣብ ሰላም ናይ ወልድ ሰላም ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩሉኹም ይኹን ኩቡራት ህዝቢ ክርስቲያን ኣብ ዘዘለኹሞ  ሰናይ ምንዮትና ብምግላጽ እንቋዕ ናብ ርእሰ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ጸሓና ብምባል ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ቤተ/ክርስቲያና ኣብ ከቢድ ነውጽን ሽግርን ምክፊፋልን ኣትያትሉ ኣብ ዘለ ሰዓት ይበዓል ብምህላዉ ዝስመዓና ቅረታ እኳ እንተ ኣሎ ግን እቲ ንቅድስቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ዘይሓድጋ ኣምላኽ ቅዱስ ማርቆስ ወንጀላዊ ስለ ዘሎ ግን እዚ ኹሉ ታሪኽ ኮይኑ ከም ዝሓልፍን  ኣብዚ ህጂ ሰዓት ወገን ቤተ/ክርስትያን ክንዲ ምኻን ምስ ፖለቲከኛታት ኤረትራ ኮይኖም ን ቤተ/ክርስቲያና ሃደሽ ደሽ ኣብ ምባል ዝዋስኡ ጸለዉ  ጸረ ተዋህዶ መንእሰያት ድማ ኣጥቢቃ ብምኹናን ናብ ልቦም ክምለሱ ንጽውዕ።
ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ከባቢ ዕስራ ዓመት ገይራ ትርከብ ናይ ገዛእ ርእሳ ፓትሪያርክ ገይራ ካብ ትምራሕ ።እንተኾነ ብሰንኪ ስንፍና ኣገልገልታ ን ፖለቲከኛታት ተሸይጣ ፓትሪያርካ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣብ ማእሰርቲ  እናተሳቀዩ፡ናይ ሕክምናን ካሊእ መሰላትን ተነፊጉዎም ኣብ ገዛ እና ተሳቀዩ ትበዓል ብምህላዋ ድማ ሓዘን ይስመዓና ፡ቅዱስ የውሃንስ ጻድቅ ናይ ምሕረትን ሰላምን፡መታለልትን ጠበርትን ዝሰዓሩሉ ኣዋጅ ክእውጀልና ዲማ  ብ ተስፋ ኣምላኽ ንጽበ።
ቅዱስ የውሃንስ ሎሚ ዓመት  ዳርጋ ፍልይ ዝበለት እውን እያ። ብዘሕዝን ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲና  ከም ኣብ ተኣምረ ማርያም ዝበሉ ቅዱሳን መጻሕፍቲና ፡ካብ ውጉዝ ዝርከብ በረኸት መርገም እዩ እና ተባህለ።ብተወገዙ ጳጳስ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ብዝመጹ ፓትሪያርክ እና ተመርሐትን ዲያቆናታን ካህናታን ፈሪሖም ንኽነብሩ ክብሮም ሸይጦም ንዓስበ  ስጋ ክግዝኡን መሳርሒ   ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ኣብ ዝኾኑሉ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ እቲ ሩኹስ መንፈስ  ተወጢሑላ ትበዓል ብምህላዋ ድማ ዝስመዓና ፍሉይ ነገር እዩ።
 ቤተ/ክርስትያን ዋላ እኳ ኩላትና ኣይንኹን እንበር ንረብሓን ንኽንነብር ንስልጣንን ክንብል ንቤተ/ክርስትያን ጠሊምናያን ሸጥናያን ኣለና። እወ ቤተ/ክርስትያን  ን መንግስተ ኤረትራ ተሸይጣ ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ኣፎም ዓቢሶም ዝኸዱላ ፡ፖለቲከኛታት ዝጭፍሩላ ክትከውን ተፈሪዳ ኣላ። ፍርዲ ደቂ ሰብ እኳ ከምዚ እንተኾነ ፍርዲ ኣምላኽ ግን ቤተ/ክርስትያን ትጽበ ኣላ!!!!።ኣምላኽ ድማ ክምልስ ስለ ዝኾነ ዝምልስ ኣምላኽ እውን ስለ ነምልኽ ፍጹም ተስፋ ኣይንቆርጽን።
ዘሕዝን  ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ሎሚ ዘበን ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ክፋእ፡ናይ ሎሚ ዘበን ዘምጸኦም ዘመናውያን ፡ሽዩጣት መንእሰያት፡ ከም ንዕዘቦም ዘለና ረብሓኦምን ጠቅሞምን እንበር ብዛዕባ እዛ ቅድስተ ቤተ/ክርስቲያንሲ ሕማም ዘለዎም ኣይመስሉን።ከም ንዕዘቦ ዘለና እውን ፡ክንደይ ኣቦታቶም ቅዱሳን ኣቦው ካብን ናብን ኣስመራን ካሊእ ቦታታን ከይንቃሳቀሱን ተኸልኪሎም ኣብ ፈቀዶ ቤት/ማእሰርቲታት ምዕጢርን ዊዓን ካርሸሊታት ማይ ስርዋን በደበራት ፖሊስ ኣስመራን እና ተሳቀዩ። ከለዉ ነዚ ኢደ በዛ ዝኾኑ ብሓሶት ፓትሪያርክ እየ ኢሎም ኮፍ ኢሎም ዘለዉ፡ ዉጉዝ ኣቡነ ደስቆሮስ  ክንዲ ዋእ ዓገብ ኣቱም ኣቦ ትጸድፉ ኣለኹም ክንዲ ምባል ።ብህልኽን ዓደይ ዓድኻን ። ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣይግባእን ዕልዋ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ንዝበሉ ሽሞም እና ኣጸለሙ ቦታ ፖለቲከኛታት ብምትካእ ፡ናይቶም ኣብ  ካርሸሊታት ዝበልዩ ዘለዉ ድምጺ ቅዳሴ ተሓሪምዎም መነኮሳትን ካህናትን  ከም ዘይፈለጡ ብምኻን።ምስቶም ኣብ ምጥፋእን ምጭዋይን ኣገልገልቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ዝዋስኡ ዘለዉ፡ ኣቡነ ደስቆሮስን  ኣረሜናዊ ይፍታሀ ዲመጥሮስን ብምኻን ዝግበርዎ ዘለዉ ምትሕቢባርን ታሪኽ ጽባሕ ክሓቶም ምኻኑ ኣብ ሰማይ ዲማ ክሕተቱ ከም ዝኾኑ ብጥብቂ ከነብርሃሎም ንፈቱ እሱ ጥራሕ ዘይኮነ ዘድሊ ስጉምቲ ክውሰድ ምኻኑ ዲማ ከነተንብሃልኩም ንደሊ።
ኣብ መጠቃለሊ እንብሎ ግን ፡ህጂ እውን ቤተ/ክርስትያን ትፈርስ ኣላ።ቤተ/ክርስትያን ትዓኑ ኣላ፡ ቤተ/ክርስትያን ትፈርስ ኣላ። ኣብ ወጻኢ ዘለኹም መንእሰያት ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለና ክትሕጉዙና ብጥብቂ ንጽወዓኩም ፡እዚ ኸኣ ከም ኣብ ናጻ ቦታ ዘለኹም መሰረት ኩሉ ዘለኩም ምስሕሓብ ንዘጋም ገዲፍኩም ኣብ ናጻ ምውጻኣ ናይዛ ቤተ/ክርስትያን ከተድህቡ ኣጥቢቅና እና ጸዋዕና ከምቲ ክርስቶስ ቤተይሲ ቤት/ኣምላኽ ትበሃል ንስኹም ግን በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩማ ኢሉ ንኹሎም ነቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ጉሑፉ ዘውጸኦም ፡ንሕና እውን ኣብዚ መዓልቲ እዚ ነቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ዘይከውኒነታዊ ነገራት ዝሰርሑን፡ ን ቤተ/ክርስትያን ሸይጦማ ናብ ናይ ንግዲ ቦታ ቀይሮም መዛረቢ ጋኖት ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እውን ታሪኽና ከነበርክት መዓልቲ ይሓተና ኣሎ።ብ መዓቶም ከይንጠፍእ ካብ ድንኳን እዞም ሕሱማት ሰባት ብምርሓቅ ንቅጠዐ ኣምላኽ ከነዝሕሎ ኣምላኽ ባዕሉ ይጽወዓና ኣሎ።
 ይትባረክ ስሙ ለእግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ኩሉ ሰዓት
እግዚኣብሄር ሃገርናን ደብሪታትና ፡ከምኡ እውን ቅድስቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ይባርኽ፡ጾራን ጸላእታን የርሕቀላ።
ምምሕዳር ሃይማኖት ኣቦው መስከረም ሓደ።


No comments:

Post a Comment