1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 30 January 2012

መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ እዩ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ፡ ንጸሎትውን ንቕሑ" (1 ጴጥ 4፡7)

መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ እዩ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ፡ ንጸሎትውን ንቕሑ" (1 ጴጥ 4፡7) ለም ክትሓልፍ ትህወኽ ኣላ፡ ኣህዛብን ኩሉ ኣብኣ ዘሎን ድማ ምስኣ። ካብቲ ቀንዲ ምልክት ምጽኣት ወዲ ሰብ ማለት ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንበኣር ቅድም ቅልውላው እዩ። ይብሎ ኣብ ማቴዎስ24፡8 ዝበሎ ተልዩ ቀዳመይቲ ምልክት ቅልውላው እዩ። ቅድመኡ ግን ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኣብ ኩሉ ምድሪ ክኸውን እዩ እዩ ዝበለ። እሞ ናይ ብሓቂ ዘስተውዕል ልብን ምድሃን ዝመረጸ ሂወትን እንድሕሪ ሃልዩናስ ነዛ ዘመስ ነስተውዕላዶ ንህሉ። ዓለምና ከም ሎሚ ዘይማዕበለትን ዝብላዕን ዝስተን ዘይጎደለን ክንሱስ ሃብቲ ኣብ ትሕቲ ዉሑዳት ኣትዩ፡ድኽነትን ጢመትን ክዝንብን ኣብ ገለ ሃገራትሲ ከም እኒ ሶማል ሰባት ከም ቆጽሊ ክረግፉ፡ ንርኢ ግን ወዮ ሰዓት ግዲ ኾይኑ ኣኺሉስ ነዚ ዘስተዎኣለሉ የለን።
ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ ቤተ/መንግስተ ሃሊፉስ ኣብ ቤት ኣምላክ ሰላም የለን ጽልእን ካሕድን ድልየት ስልጣንን  ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዛይዱ ምትእሚማን ጎዲሉ ፍቅሪ ዛሕቲሉ ኩሉ ኽፋእ በዚሑ።ስለምንታይ ኮን እዩ እዚ ኹሉ፡ብፍላይ ልቢ ምጥራር ክርስትያናት ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሮ ይዛይድ ኣሎ።ክርስትያናት ክፋረዱን ፡ክትሓረረቁን ይውዕሉ ኣለዉ።በቃ ኩሉ ኩሉ ነገር! ታሪኽ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ግዜ፡ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ንግድ፡ ስልጣኔ፡ ቴክኖሎጂ፡ ሃብቲ፡ ዝና፡ ኰታ ኩሉ ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ይህወኽ ኣሎ። ዓለም ክትሓልፍ እያ፡ ኩሉ ክብረታ ድማ ምሳኣ!!!።ግን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ምንቅትቃጥ መረትን ኲናትን ዝተራእየሉ ዘበን እዩ ነይሩ ሃገራት ጃፓንን ከምኣ ዝበላን ብ ሓደ ካብ ዓይነታት ምንቅጥቃጥ መረኢት ዝተናወጻሉ፡ክ ኸውን ከሎ ከም በዓል እኒ ኢታሊ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ገለ ከተማታት ክኸስራ ከለዋ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ድማ ኣብ ሃገረ ኢታሊ ኣስታት 5 ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ምንቅጥቃት መሬት ተኻይዱ።
እቶም ን ዓለምና ከነዕርያ ኢና ክንሃንጻ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝምኽሑ ነበሩ ስነ-ፍልጠታውያን ዓለምና እውን ህጅስ ተዳኺሞም ዓለም ኣብቂዓ እያ ድሕሪ ህጂ ኣብኣ ምንባር ክሳራ ጥራሕ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ይርከቡ። ኣብዚ ናይ ኣምላኽ ቃል ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ህዳ ኢልና ተንቢብና እውን ዋዘማ ምብቃዐ ዓለም ከም ዝኣተና እዩ ዝበርሃልካ።መጽሓፍ ቅዱስ ክኾኑ እዮም ኢሉ ተዛረበሎም ጽሑፋት በብሓደ ይፍጸሙ ኣለዉ። እዚ ንባዕሉ ነቲ ኣብ መጽሃፍ ቅዱስ ዘሎ ሚዛን ርትዓዊ ይገብሮ። ስለዚ ኸኣ ምስጢር ልቢ ኣምላኽ ዝሓዘለ ክቡር መጽሓፍ እዩ እንዳተባህለ ይእመንን ሰብ ይምርሃሉን ይርከብ ።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሓት ትንቢታት ኣለዉ በዚ እውን መጽሓፍ ሂወት ዝኾነ መጽሃፍ ቅዱስ መጽሓፍቲ ትንቢታት ዘጣቀለ  እዩ።መጽሓፍ ትንቢት ክንሱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢት ዝፈልጡዎን ዝርድኡዎን ግና፡ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ከመይሲ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ።  ምኽንያቱ ንሱ  ማእከል ኩሉ ምኽሪ ኣምላኽ። እዛ ሎሚ ንሕና ደቂ ሰባት ናትና መሲላትና ከም ድላይና ፊዕ ንብለላ ዘሎና ዓለም፡ ዋና ኣለዋ። ኣብቲ ንሱ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን ግዜን ድማ ሓደ ግዜ ከተብቅዕ እያ። እሞ እቲ  ዓለም እተብቅዓሉ ግዜ መኣስ እዩ ንዚብል ሕቶ ኸኣ፡ እቲ በዓል ስልጣን ብዝተዛረቦ ትንቢታዊ ቃላት ጌርና ጥራይ ኢና ክንምልሶ እንኽእል።
ንሱ ኸኣ ብሕያውነቱ፡ ነቲ ብሉጽ ምኽሩ ምእንቲ ከግህድ፡ ኣብ ኣጋ እቲ ዓለም እተብቅዓሉ ዳሕራይ ግዝያት፡ ዝቕልቀሉ ተርእዮታትከምቲ ቅድም ኢልና ዝጠቀስናዮ ኣብ ማቴዎስ ዝጠቀስናዮ  ገሊጹልና ኣሎ። እታ ዝዓበየት ምልክትን ምሳሌን እትኾነና ተርእዮ፡ እታ ብኦም በለስ ተመሲላ ዘላ "ሃገር እስራኤል" እያ። እስራኤል ናይ ዳሕራይ ግዜ ምልክት እያ። ናይ ምኽሪ ኣምላኽ ምሳሌ ኸኣ እያ። መጽሓፍ ቅዱስና ግና፡ ንኦም በለስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ - ምስክር ብኸልተ ወይ ብሰለስተ ስለ ዝጸንዕ - ካልኦት ምልክታት እውን ሂቡና እዩ። እዞም ምልክታት እዚኣቶም ድማ፡ ተስፋና ከሐድሱ፡ ራእይና ከድምቑ፡ ሃንቀውታና ከዕብዩ፡ ምስቁርቋርናውን ከጉድሉ መታን ኢሉ ኣምላኽ ዝሃበና ኣገደስቲ ምልክታት እዮም። ሎሚ ፖለቲካ ዓለም ብፍጻሜታት ማእከላይ ምብራቕ እዩ ዝዝወር እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝረሓቕና ኣይኮንና። ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዓለም ምብራቓውን ምዕራባውን ደምበ ተባሂላ ናብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ነይራ፡  ዝሑል ኩናት ድሕሪ ምብቓዑ ግና ሎሚ፡ ኣቓልቦ ዓለም ብሓንቲ ጉዳይ እዩ ተባሒቱ ዘሎ። ኩለን መንግስታት ዓለም ድማ ነዛ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ እየን ሓይለን፡ ገንዘበንን ግዜአንን ዘጥፍኣ ዘለዋ፡ እዚ ድማ ንግብረ ሽበራ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ግብረ ሽበራ ድማ ዘይሩ ዘይሩ ምስ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ድማ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ንእስራኤል ንምጥፋእ ዝዓለመ ኰይኑ ኢና  ንረኽቦ።
በዚ ይኹን በቲ ግና ክንግረም ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ፡ እስራኤል፡ ዒራቕ፡ ኢራን፡ ሶርያ፡ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ዳሕሮት ግዝያት ቀንዲ ዛዕባ ዓለም ከም ዝኾኑ እዩ ዝነግረና። ክንዮኡ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቤተ/ክርስትያን ኣምላኽውን ይዛረብ እዩ። ግደ ሓቂ፡ ቤተ/ክርስትያን ክርስቶስ ማእከል ምስጢር ኣምላኽ እያ። ስለዚ ኩሉ ነገር ምስ ቤተ/ክርስትያን ክርስቶስ እዩ ዝተኣሳሰር። ናይ ዓለምና ግብረ ሽበረታት ቀንዲ ካብ ሕንጻታቶምን ዊዲቶምን ድማ ን ቤተ/ክርስትያንን መራሕታን ካብ ገጽ ዓለም ምድምሳስ እዩ።ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ጥራሕ ተሪኢና ግብረ ሽበራውያን ካብቲ ቅድም ዝገብሩዎ ነበሩ ሕልፍ ብዝበለ ኣብ ማእከል ኣብያተ ክርስትያን ቦምባታት ብምቅባርን  ቡምባታት ብምውርዋርን ከዕንዉ ኢና ሪኢና።ብዙሓት ግብረሽበራውያን ን ክርስትና ካብ ምብራቃዊ ዓለም ክድምሲስዎ ምዃኖም ርግጸኛታት ኮይኖም ይፍክሩ ኣለዉ፡ተስፋና ግን ኣብኡ እዩ እሞ ከይሓድገና ዶ ከምኡ ተኾይኑ ግን በቲ ዝተዳለወልና ክንሓልፍ ኢና። ካብቲ ዘገርም ኩሎም ኣንጻር ክርስትያን ዝኾኑ ባእታት ስሙራትን ነንሕድሕዶም  ብዙሕ ዘይታናኸፉን ዘይጻላልኡን ምዃኖም እዩ ፡ቀዳማይ ዕላማኦም ድማ ን መጽሓፍ ቅዱስን ኣመንቱን ካብ  ገጽ ዓለም ምጥፋእ እዩ። 2011 ዓመተ ምሕረት ግብጺ ናይጀርያ ዒራቅ ወዘተ ካብተን ህልቂታት ክርስትያናት ዘእንገዳ ሃገራት እየን ነረን። ኣብ ናይጀርያ ክርስትያናት ብ ኣረማውያን ብሓዊ ከም ዕንጸይቲ ክቃጸሉ ዝርኣናሉ ህሞት ክከውን ከሎ ኣብ ከም ግብጺ ድማ ብ ታንክታት ኣብ ጽርግያ ዝተጨፍለቅሉን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናቶም ብቦምባ ዝጠፍእሉን ከም ኣባጊዕ ኣብ ፈቀዶ በረኻ ተሓሪዶም ዝጸንሑልን ህሞት እዩ ነይሩ።2012 ግን እንታይ ከተእንግድ እያ ክንጽበ ኢና።ምምጻእ እቲ መሲህ ድያ ከተእንግድ ወይሲ ከም ዝሓለፋ ዓመታት ብ መከራ እያ ክትውዳእ ወይ እውን ምሕረት ኣምላክ ዝነገሰላ እያ ክትከውን  ኣምላክ ሒዝዎ ዘሎ ንሕና ግን ክሳዕ ዝፍጸም እንታይ ክኸውን እዩ ዘይንፈልጠሉን ክኸውን እዩ።
ካብቲ ዘገርም ግን ኣቶም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኢና በሃልቲ ክርስትያናት ነንሕድሕድና  ኣብ ምጽላእን ምትህልላኽን ምእታውና እዩ። እቲ መገዲ የሱስ ክርስቶስ እዩ ኣብኡ ከለኻ፡ኩልኻ ዕላማኻ ንመንግስተ ሰማይ ክንሱ፡ ግን ጽልእን ካሕድን ምፍልላይን ምረኣዩ ድማ ሰጣን ክርስትያናት ነቲ ኣብ ልዕለኦም ዝግበር መጥቃዕቲታት ብሕብረት ከይጽልይሉን ከይቃወምዎን ዝገበሮ ዊዲት እዩ።ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ዘይ ምስማር ክርስይትያናት ፡ብ ኣስላምን ኮሚኒስትን ከም ዝድምሰሱ ገይሩዎም እዩ። ኣምሰይኡ ድማ ሰኣን ሰላም ዝገብራ ኦርተደክስን ካተሊክን ኣመንቲ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ዝኾኑ ትርኳውያንን፡ሶርያውያንን፡ዮርዳኖሳውያንን፡ሊባኖስውያንን  ግብጻውያንን ግዳይ ኮይኖም እዮም። ትርኪ ብምልእታ ናብ ምስልና ክትቅ ሽሕ ሰዓብቲ ተዋህዶ ተሰይፎም እዮም።እንተ ኾነ እቶም ኣርኣያ ሰላም ክኾኑ ዝግባኦም መራሕቲ ክርስትና ህጂ እውን ሰላም ገሮም ንሓንቲ ስምርቲ ክርስትና ኣብ ክንዲ ዝዓዩ ብ ዘይጠቅሙን ሂወት ዘይህቡን ስነ ሓሳባት ክማጎቱን ግዜኦም ከባኽኑ ይርኣዩ።
ኣስታት 2000 ዝኣኽሉ ጥራሕ ብክርስቶስ ዝፍለጡ ማሕበራት ኣብ ዓለምና ይርከቡ ምኽንያት መመስረቲኦምን መፋላለይኦም ንድማ ብዘይካ ረብሓስ ዋላ ሓንቲ ነጥቢ ኣይትረኽበሉ።ቃል ኣምላኽ ንሓንቲ ቤተ/ክርስትያን ክሳዕኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዂሉ ኣይትእመንዎ።፪ - ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ።፫ - የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 1ይ ዮሓንስ4፡1-3 ።2ይ መልእኽቲ የውሓንስ 1፡7-8።ከም ዝበለና ን መንፈስ ሓቅን መንፈስ ስሕተትን ከመይ ገርና ከነለልዮም ከም ዝግባኣና ፍሉጥ እዩ።ስለዚ ንሓንቲ ቤተ/ክርስትያን የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ከም ዝመጸ እንዳኣመንት  ሓዲግካያ ሃይማኖት ክትቅይር ብጣዕሚ ማዕሮ ክንደይ ህዉኽ ዘበን በጺሕና ከም ዘለና ዘተንብህ  ድማ እዩ።
ዋላ ሓንቲ ዝፈላሊ ናይ እምነት ነገር ዘይብልካ፡ ብማንካ ዶ ንብላዕ ብ ኢድና ዝዓይነቱ ኣዘራርባ፡ ብ ማንካ ስለ ዝበለ ምስኡ ኣይሓብርን ኢልካ ናትካ ጉጅለ ሒዝካ ክትፍለን ኣብ ርእሰኡ ክፋእ ከተዝንብን ዘህዝን እዩ።በዚ ኮነ በቲ ግን ጸበባ ክርስትያናት ዝመጸሉ ሰዓት ይኣክል ኣሎ። ኣወ ሰዓት ዘማቲ ዝዘምተሉ ሰኦኣት ዓማጺ ዝዕምጸሉ። ነዛ ቀሪባ ዘላ ሰዓት ስጋኻ ቀጺዕካ ምስኡ ንሓዋሩ ኣብ ሕቅፈኡ ምንባር ዝመስልዎ የለን።ስለዚ ክርስትያናት ኩላትና ነዛ ሰዓት ሰላም እትመጸና ዘላ ብግርህና ክንጸንሓ ኣይግባኣናን፡ እንታይ ደኣ ን ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተኣሚና ናይ ህልኽ ታሪኽ ኣጥፊእና  ምስ ኣምላኽ ተዓሪቅና ነቲ ብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ተነቢሩልና ዘሎ ማህደር ኣምላኽ ንምውራስ ክንጎዪ ኣለና። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ።፲፪ - እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።፲፫ - ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።፲፬ - ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዝሐጽቡ ብጹኣን እዮም።፲፭ - እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦታትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዂሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።፲፮ - ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።፲፯ - እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይብል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።ራእይ22፡11-17።            
                          እግዚኣብሄር ዘስተውዕል ልቢ ይሃበና!::

        


No comments:

Post a Comment