1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 2 February 2012

እግዚኦ መሃረነ ክርስቶስ !!!!

               እግዚኦ መሃረነ ክርስቶስ !!!!
ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ዓለም ለኸ ኦርየንታል ኣብያተክርስትያናት  እያ። እንተ ኾነ እዛ  ቤተ/ክርስትያን እዚኣ  ድሕሪ ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጥንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ኤረትራ  መራሒኣ ምእሳሮምሲ፡ኢደ ቤዛ ፖሎቲካኮይናቶ ዘላ ከይኣክል። መዓልታዊ በቶም ሕድሪ ብጹእ ወቕዱስ ቀደማዊ እንጥንዮስ ኣቦም ዝጠለሙ፡ገለ ውሉደ ክህነት፡ ዘስደምሙ ፍጻመታት ይፍጸሙ ኣለዉ።ኣብ ክንዲ ሕድሪ ዝተኣስሩ ቅዱስ ፓትሪያርካ  ኣጽኒዖም ንህዝቦም ብ  ጾምን ጾሎትን መሪሖም ነታ ሃይማኖት ከም ሃይማኖት ኮይና ክትቅጽል ዝመርሑን ዘካይዱንሲ ብ ደገ ነታ ቤተ/ክርስትያን  መልክዓ ዘባላሹ ስርሓት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።ስለምንታይ ግን ነዚ ተመሪጹ ፡እቶም መሳርሒ ዝኾኑ ዘለዉ ወገናት ከ ዕላማኦም እንታይ እዩ ይፈልጡዶ??።ን ሎሚ ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ግን ብዛዕባ እቶም ብ ማሕላ ን ሃይማኖት ከገልግሉ ብብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ጵጵስና ተቀብኡ እሞ ናብ ሃገረ ኢታሊ ተመዲቦም ዝነበሩ ክንሶም ምስ መንግስተ ኤረትራ ብምሽራኽ ግን ናብ ኣመሪካ ዝተመደቡ፡ ኣብ ሃገረ ኢታሊ ኣባ ምሕጹን ተባሂሎም ዘገልግሉ ነበሩ መነኩሰ እዮም።
ኣቡነ ሽኖዳ ናይቲ ዝገብሩዎ ግላዊ ነገሮምሲ ደሓን ኣምላኽ ይሕተቶም፡ ህጂ ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ግን ብሽም ሃይማኖት ዝገብሩዎ ዘለዉ ቀይደበትኽ መገዶም እዩ።ናይ ዕዳጋ ዕግርግርሲ ን ለይባ ይጥዕሞ ከም ዝበሃል ኣቡነ ሽኖዳ ብዝል ስም ተቀቢኦም ፡ንዝቀብእዎም ኣቦኦም ጠሊሞም፡ ምስ መንግስቲ ኢሂን ምሂን ይብሉ ጸኒሖም ።ህጂ ድማ ዘይ ግብረ ሽኖዳ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ዓለማዊ ከይትብሎም ትፈርሕ ፡ን ኣምላኽ ኣኽሊል ቅዱሳን ገሮም ኣብ ርእሶም ፡ትዝገብሩዎ ዘለዉ ምንቕሲቓሳት ግን ዘይ ኦርተደክሳዊ ኣካይዳን ስጉምትታን ትርኢ።
ኣብ ኤረትራ ዘሎ መንበረ ፓትሪያርክ ዘይሕጋዊ ስለ ዝኾነ ቐይደበተኽ ኮንካ ክትነብር ኣለካ ማለት ኣይኮነን።እቲ ወዲ ተዋህዶ እየ ኢሉ ስለ ተዋህዶ ዝሓልን ዝሓስብን ነታ ቤተ/ክርስትያን ከመይ ገራ ትህነጽን ትሕሎን ደኣ ክሓስብ ኣለዎ እንበር ከምዚ ንሪኦ ዘለናስ ሰናይ ኣይኮነን። ብዘይ ፍቃድ እቲ ዝመርሖ ዘሎ ሲኖዶስ ሓደ ጳጳስ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክቅመጥ የብሉን ይብል ስርዓተ ቤተ/ክርስትያና። ኣቡነ ሽኖዳ ድማ ነቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ሲኖዶስ ከም ሕጋዊ ሲኖዶስ ወሲዶም ክሳዕ ዝተላእኩ ተኣዚዞም ክኸዱ ነሩዎም።ካብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስተ ማርያም ዝመጸና ሓበረታ ከም ዘመልክቶ ኣቡነ ሺኖዳ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዘለዎም ተደጋጋሚ መልእኽቲ ከም ዝመጾምን ፡ኣቶ ይፍታሀ ብ ወገኑ  መፍተት ደቂ እንጠንዮስ ፡ ኣደዳ በዓል ሊቀካህናት ገብረሚካኤል ከይንኸውን እንበር ንገብሮ ጠፊኡና ኣብዩ ምምጻእ ኢሉ ከማርር ከም ዝሰምዕዎ ምንጪታትና ይሕብሩ። እንተ በቲ እንተ በቲ ግን ኣቡነ ሽኖዳ ወይ ነቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ሲኖዶስ በዚን በትን ተቃዊመዮ ኣለኹ ኢሎም ፡ብጭብጢ ብምቅራብ ምስ ብጾቶም ክጽንበሩ ነሩዎም ወይ ድማ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ምምሕዳር ይፍታሀ ክጽንበሩ ነሩዎም፡ካብኡ ሓለፈ ግን ንናቶም ታሪኽ ኣዋሪዱ ክብሪ ቤተ/ክርስትያና እውን ዘናኣእስ እዩ።
ኣቡነ ሽኖዶ ከም ኣብ ሃገረ ኣውረጳ ዝነበሩ መጠን ጵጵስና ምስ ወሰዱ እውን ናብቲ ተመዲቦምሉ ነበሩ ፡ሃገረ ስብከቶም እዮም ክኸዱ ነሩዎም፡እንተኾነ  ብሽርሒ ናብ ኣመሪካ ከም ዝጥወዩ ሰሪሖም ህጂ ኸኣ ኣብ  ኣመሪካ ስርዓት ቤተ/ክርስትያን ከፍርሱን ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ክበታትኑን ክትሪኦም ከለኻ ይገርመካ፡ ኣቡነ ሺኖዳ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ቀንዲ 7 ምስጢራተ ቤተ/ክርስትያና ዝኾነ ምስጢረ ክህነት እውን መፋተዊ ኣብ ምግባር ተሸሚሞ ከም ዘለዉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።ከም ኣብነት፡ ኣባ ተስፋማርያም እንዳተባህለ ኣብ ኤረትራ መነኩስየ እየ ኢሉ ዝዛወር ነበረን ኣብ ኣመሪካ ከይዱ ቆቢዑ ደርቢዩ፡ ዝተመርዓወን፡ ማንካ ፖሎቲካ ኮይኑ ሆ ዝብል ዘሎ፡  ኣባ ተስፋማርያም ነበር ሳምኤል ኣርኣያ ፡ነቲ ኣብ ቤተ/ክርስትያና ምስጢረ ክህነት ሓደ ካብቶም ዘይድገሙ ምስጢራት እዩ። ዝብል ብምልዋጥ  ነቲ ዲቁና ሓሊፉ ኣባ ተስፋማርያም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነብር ነበረ እሞ ፡ምንኩስና ጠንጢኑ ኸኣ ዝተመሮኣወ ኣባ ተስፋማርያም ፡መዓርገ ዲቁና ሂቦም መቅደስ ክኣቱ ምግባሮም እዩ።ኣባ ተስፋማርያም ብሓፈሽኡ ስእሉ ምስ መጸና ካብ ኤረትራ ክንዝርግሖ ኢና።ይመንኩስ ይቀሽሽ ኣኳ ምርጫኡ ተኾነ ግን ካለኣይ ክትሸይም ዘይግቡኡን ንስርዓት ቤተ/ክርስትያና ከም ስርዓት ሰብ ብደገ ክርአ ገሩ መልክዕ ቤተ/ክርስትያና ዘባላሹ ሕማቅ ውሳነ እዩ።
ኣባ ሽኖዳ በዝን ወዲ ከምዝን ዝገብሩዎ ዘለዉ ከይኣክል ድማ እንሀዉ ን ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ጠንጢኖም ከምዚ ኣብ ፎቶ ትሪእዎ ዘለኹም ኣብ ናይ ዓለም ብዝነስ ጢሒሎም፡። ኣሳንፈረይ ይብሉ ኣለዉ።ስለምንታይ ግን ዝኹሉ፡ እንሀዉ ድማ ተጻሕፈሎም ተደጋጋሚ መልእኽትታት (4 )ኣርባዕተ ዓመት ምሉእ ብምሽፋት ግሪን ካርድ መንበሪ ኣብ ኣመሪካ ብምውጻእ ይነብሩ፡ዘገርም እዩ። ብስርዓት ቤተ/ክርስትያና ድማ ሓደ ጳጳስ ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ኣይቅመጥን እዩ፡እሞኸ መወዳእታ ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ። ዘሕዙኑኻ ግን እቶም ደድሕሪ ዝኾብለለ ጳጳስ ኮብሊሎም ዘለዉ ገለ ዉሉደ ክህነት ኣመሪካ እዩ።እቲ ህዝብስ ሰኣን ፍልጠቱ እቶም መስቀል ዝሓዙ ንውትህድሪና የሱስ ክርስቶስ ተጸውዑ ግን ከ ወተሃደራት ሰልያታት መንግስቲ ክኾኑ ዝመረጹ ገለ ኣቅሽትን ዲያቆናትን ከ ን መጻኢት ኣደኦም ቤተ/ክርስትያን ይብድልዋ ከም ዘለዉስ ይፈልጡዶ ይህልዉ።
ወዮ ደኣ ኣቡነ ሽኖዳ ጳጳስ ስለ ዝኾኑ ንዛረበሎም ኣለና እንበር፡ ኣብ ዓለም ዘይተገብረ ን ቤተ።ክርስትያን ናይ ግሊ ቤተ/ክርስትያን ኢሎም ብምውጻእ ፡በቲ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ምምሕዳር ኣቡነ ደስቆትሮስ ኣይንግዘእን ፡ሕጋዊ ኣይኮነን እንዳበሉ በቲ ኸኣ ን ኣቡነ እንጥእንዮስ እንዳተቃወሙ፡ ገንዘብ ዕሽርን መባእን ህዝቢ ኣብ ጅቦኦም ኣብ ምእራይ ተዋፈሩ ከም በዓል ቀሺ ታደሰ ዝበሉ፡ ናይ ልደታማርያም ኢታልያ ብዙሓት እዮም። ሓጥያትና ግዲ በዚሑስ እቶም ዘይተሰርሐን ዘይተገብረን ዝገብሩስ ፡ ፈንዩልና።እንሆ ኸኣ ኣብ ጾሎት ክሓልፍ ዝግበኦ ግዝየና ንዕኦም ክንእርም ግዜየንና ይብላዕ።ንሕና ነቶም ደድሕሪኦም እትስዕቡ ግን እትገብሩዎ ዘለኹም ፈሊጥኩም ፡ን ቤተ/ክርስትያን ካብ ምብዳል ክትቁጠቡ እንዳ ተላበወት ሃይማኖተ ኣቦው ኣምላኽ ይቕረ ይበለልኩም ብምባል፡ ዘስተውዕል ልብን የእምሮን ኣምላኽ ክህበኩም ናብ ልብኩም ድማ ክትምለሱ ዘላዋ ምንዮት ትገልጽ።
                      ሃይማኖተ ኣቦው 

No comments:

Post a Comment