1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 3 February 2012

ዓመጻት አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብቀሲስ ፕሮፈሰር ኣትናቴዎስ ገብረአብ፡

ዓመጻት  አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብቀሲስ ፕሮፈሰር ኣትናቴዎስ ገብረአብ::
ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ።
ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩባህ ይብለኒ።ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ
330 .. ብሓዋርያዊ ስብከት ቅዱስ ፍሬምናጦስ (ኣቡነ ሰላማ፡ ኣባ ከሳቴብርሃን
) ብወግዒ ዝተመስረተት፡ በጃካ እግዚኣብሔር ካልእ ናይ ደገ ምድራዊ ረዳእን ተጣባቕን ዘይብላ፡ ጥንታዊትን፡ ሉዓላዊትን ዝኾነት በዅሪ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እያ።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናታ ፍሉይ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራን ናይ ገዛእ ርእሳ ፊደላትን ዘለዋ ሃብታም ታሪኽ፥ ዘደንቑ ገዳማት ኣድባራትን፥ ብዋጋ ዘይሽነን ቅርስታት፥ ማእለያ ዘይብሎም ብራናዊ ጽሑፋትን ዓቂባ ዝጸንሐት ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብ ታሪኽህዝቢ ኤርትራ ድማ መንፈሳዊ፥ ባህላዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባዊ፥ ሥነ ፍልጠታውን ሃብታም ኣበርክቶን ሰፊሕ ተሳትፎን ጸኒሑዋን ኣለዋን።
ብተወሳኺ፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስቲ ኣብ ብመበል ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ብሰላም ናብ ኤርትራ ዝኣተወ እምነት እስልምና፥ ከምኡውን ምስታ ብመጀመርታ ብ
1853 .. ኣብ ሔቦ ዝተመስረተት ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥
ከምኡውን ምስታ ብ
1873 .ፈ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተመስረተት ቀዳመይቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብሓባራዊ ምክብባር፡ ብፍቕርን ስምምዕን ተላዚባ ትነብር ዘላ ኣደ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እያ። ብአደነታውን ናይ አደ ክብራ፡ ብጀካ እዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት፡ብህዝቢ ኤርትራ እናተኸብረት ከምዝጸንሔት ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ አይመስለንን።እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ብሐፈሻዊ አገላልጻ ናይ ኩሎም መግዛእትታት ተጽዕኖን ግዳይን ኮይና ኣይትፈልጥን ንምባል ኣይኮነን። ንአብነት፡ መግዛእቲ ጥልያን ንዓኣ ናይ መግዛእታዊ ዕላምኡ መሳርሒ ንምግባር ዘይፈንቀሎ እምኒ ከምዘይነበረ ከም አብነት ምጥቃስ አኻሊ እዩ ::ይኹን እምበር፡ ዳርጋ ከም ፍርቂ ሕብረተ
-ሰብ ኤርትራ መጠን፡ ኣመንታን ሰዓብታን ዘይተሳተፍዎ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ታሪኽ ሃገረ
ኤርትራ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።ዋላኳ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ገለ ውሑዳት መራሕቲ ብናይ ውልቆም ውሳኔ ስማን ታሪኻን ዘንቅፍ ፍጻመ እንተ ገበሩ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ዓገብ ዝበሉን ብሰፊሑ ዝተቓወሙን ሰዓብታ ቃል ውጹዕ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ምዃኖም ዝካሓድኣይኮነን።ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተረኤናውን፡ ከምቲ ኹሉ ካልእ ክፋላት ሕዝቢ፡ ብዓሰርተታ አሽሓት ዝቑጸሩ ክቡራት ደቃንብአማእት ዝቑጸሩ ውሉደ ክህነትን ስለ ናጽነት በጃ ሓሊፎም እዮም። ክልቲኤን ውድባት ክሰምራን ክፋቐራን መራሕታ መዚዛ ክሳብ ሜዳ ብምኻድ ኣብ ጉባኤ ዕርቂ ኳዜንን ካልእ ቦታታት ከበሳን ብምኹላል ዘይሕለል ጻዕሪ አካይዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊላ እያ።ነቲ ኣብ ሽዕብን ካልእ ቦታታት ሃገርናን ብወተሃደራት ደርጊ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግፍዒ ርእያ ክምዘይረአየት ስቕ አይበለትን። ኣፋ ከፊታኣብ ኣድባባይ ንመራሕቲ ደርጊ ብምድሪ ፍርዲ፡ ብሰማይ ኵነኔ ኣሎኩም
! ኢላ ከም ዘውገዘት ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።እንተኾነ ግን፡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ኵለን ሃይማኖታትን መንፈሳውያንማሕበራትን ዘለዎ ኣረኣእያ ግጉይን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። መሰረት ናይዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ ድማ ካብቲ
አምላኽ ዝበሃልብፍጹም የሎን
! ዝብል ጓና ፍልስፍና ክሕደት ዝተበገስ እዩ። ሱሩ ድማ ካብቲ ሃይማኖት ንሰፊሕ ህዝቢ ዘልምስ ሓሽሽ እዩ! ዝብል ናይ ማርክሳዊ ኣረሜናዊ ፍልስፍና ዝቐድሖ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ንምትካል ነዊሕ ጸረ
-ሃይማኖት መገዲ ሒዙ ተጓዒዙእዩ።እዚ ውድብዚ፡ ነቲ ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻ ሕብረተ
-ሰብና ጨሪሱ ንምሕካኽን፡ ብባዕዳዊ ፍልስፋና ክሕደት ንምቕያርን ዘካየዶ ናይነዊሕ ጊዜ አዕናዊ ምንቅስቓስ መሪር ዝኾነ ፍሬታቱ ሎሚ ብጋህዲ ዝረአ ሓቂ ኮይኑ አሎ። አብ ኤርትራ ሃይማኖተ
-አልቦ ሕብረተ-ሰብንምትካል ካብ ዝገበሮ ዘመተታት ንምጥቃስ፡ ንኹሎም ተጋደልቲ፡ ክርስቲያንን አስላምን ብዘይ አፈላላይ ፡ሃይማኖታዊ እምነቶም ክብረቶምን ብምግሃስ ብመገዲ ፖለቲካዊ ትምህርትን ናይ ካድር ስልጠናታትን ሕማቕ ኣተሓሳስባ ንምስራጽ ዘካየዶ ናይ ነዊሕ እዋንዘመተ ሓደ መርኣያ እዩ።ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ግን
ምስ እግዚኣብሔር ተቓሊሱ ዝተሳዕረ እምበር ዝሰዓረስ የልቦን! ካብ ዝብል መሰረታዊ ሓቂተበጊሳ እዚ ጸረ
-ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ምስ ጊዜ ዝልወጥን ዘይብሱል ዕሸላዊ ሓሳብ እዩ ብማለት ብትዕግስትን ትዕዝብትን ትከታተሎ
ነበረት። እዚ አተሓሳስባ ካብ ዊንታ ዘነቐለ ዘይኮነስ፡ አብ ዘመንና ዝተፈጸመ ታሪኽ ከይተረፈውን ዘረጋገጾ ትዕዝብቲ እዩ።ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ እቶም ንኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝተጻረሩ መንግስታትን ስርዓታትን ኩሎም ሓፊሮምን ተሳዒሮምን እዮም። ንኣብነት ነቲ ብጸረ
ሃይማኖትነቱ ዝልለ ሰውራ ጥቅምቲ 1917 ሶቭየት ሕብረት እንተረአና፤ ካብ አበጋግሶኡ ጀሚሩ፡ ንሃይማኖታዊን መንፈሳዊውርሻ ሩስያ ንምድምሳስ ዋና ዕላማኡ ነይሩ። ነዚ አብ ግብሪ ንምትርጓም ከአ፡ ብፍላይ ንምጽናት ኦርቶዶክስ ቤተ
-ክርስያትያን፡ ከም ቀንዲዕማሙ ጌሩ ተንቀሳቐሰ። አብተን ናይ
70 ዓመታት ሓጸርቲ ዕድሜኡ፡ 600 ጳጳሳት፡ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካህናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩአመንቲ ከምዘሕቀቐ ናይ ትማሊ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። አሰር እምነት ንምጥፋእ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ አብያተ ክርስትያናትከምዘፍረሰን፡ ናይ እንዳማቱ ንብረት መንዚዑ ንጥቕሙ ከምዘውዓሎን ይፍለጥ። ግን አብ መወዳእታ፡ መኒኦም ጠጠው ኢሎም? ሶቭየትሕብረት ምስቲ ዝመሽመሸ አዕናዊ ፍልስፍናኡ ናብ ጎሓፍ ታሪኽ ክድርበ እንከሎ፡ እምነት ግን ከምዚ ናይ ሎሚ ክሳብ መወዳእታዓለምውን ክዕምብብ እዩ።ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ወግዓዊ መርገጺኣ፡ ነጻነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኾነ፡ ብደገፍ ሓይሊ እግዚኣብሔር፥ ብጸሎትኩሎም ሃይማኖታት፥ ብንብዓት ኣዴታት፥ ብግፍዒ ውጹዓት፥ ብጉልበት መንእሰያት፡ ብተወፋይነት ስዉኣት፡ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጥንወጻእን ዝነበረ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ትርዳእ።ብድሕሪ ነጻነት፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ነዊሕ ጊዜያት ብሃጼ ሃይለ ሥላሴ ዝተአወጀ
ሃገር ናይ ኩሉ ፡ሃይማኖት ናይ ግሊ!ዝብል፡ ማሕበራውነት ትሕዝቶ እምነታት ዝጻረር ጭርሖ ከም ናቱ ሓሳብ ገይሩ ምስ ዘርግሐ፡ ንማሕበራዊን ሃገራውን ረብሓን ሕድሕዳዊምክብባር ዝዕድም አፋፍኖት ስለዘምሰለ፡ ዕቃቤታት እንዳሃለዋ ግን ኣይተቓወመቶን።
እንተኾነ ግና መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሜላን ተንኮልን ናብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ኢዱ ከእቱ ጊዜአይወሰደሉን። ነዚ ከም ቅዉም ፖሊሲኡ ገይሩ ክሰርሓሉውን ድሕር ኣይበለን። ከም ውጽኢት ናይዚ ሓደገኛ ፖሊሲ ድማ ነዚ ዘሎናዮንብዓይንታትና እንርእዮን ሕሱም ኩነታት ወለደ።ኣብ
1997 .. ጊዜ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋምውን መራሒ ሃገር (ፕረዚደንት) ነቲ አቀዋውማ ሕብረተ-ሰብና፡ ባህልናን፡ ሃይማኖታዊስርዓትናን ድሕሪ ደጊም ቦታ ከምዘይህልዎ ንምሕባር፡ ብድፍረት፡
ብስም ስዉኣት ክምሕል! ንዝብል ሓረግ ብምእታዉ፡ እዚ ባዕዲ ቃለ-
መሓላ መሰል ሃይማኖትን ሃገራዊ ክብረትን ዝጻረር ብምዃኑ ኣይተሓጎሰትሉን።
ካብ
1996 ንነዊሕ ጊዜያት አብ ዝተፈላለያ ቀጽሪ አብያተ ክርስትያናት ብገለ ባእታታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ንብረታት አብያተክርስትያናት ምንዳድ ዘመተታት አብ ዝተካየደሉ እዋናት፡ መንግሥቲ እዚ ጉዳይ ከምዘይምልከቶ ገጹ ጠውዩ ይርኢን የተባብዖን ነበረ።
አብ መወዳእታ ናይዚ ዘመተ ብ
2000 ... ብድፍኢት ሃይማኖታዊ ጉዳያት አብ አስመራ ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ማርያምን ቅድስት
ሥላሴን ዘጋጠመ ምንዳድ መጽሓፍ ቅዱስን ምዕናው ንብረት ቤተ ክርስቲያንን ክጥቀስ ይከአል።
ደድሕሪ ናጻነት ኤርትራ፡ ካብ መጀመርያ ዕድሜኡ ጀሚሩ አንጻር ሃይማኖት ምስልምና፡
ጸረ ግብረ-ሽበራውያን ዝብል ስም ብምጥቃንሰፊሕ ናይ ምእሳር ዘመተ አካይዱ። ቑጽሮም ኣዝዩ ብዙሓት አመንቲ ሃይማኖት ድማ ኣሰሮም ክሳብዛ መዓልቲ እዚአ አበይ ከምዝአተዉአይተፈልጠን።ብዕለት
17 ወርሒ 52002 .. ዝባኑ ቀሊዑ፡ ነተን ብንኡሳን ሃይማኖታትዝፍለጣ ኩለን እምነታት ድሕሪ ምዕጻዉ፡
ንመብዛሕትኦም መራሕተንን አመንተንን ከም አራዊት እናሃደነ በማእት ናብ ዘሰክሕን ብኢሰብኣዊ ኣተሕሕዛ ዝፍለጣ ወተሃደራውያንኣብያተ ማእሰርቲ ደርቢይዎም ይርከብ።ከምኡውን አብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን፡ ሰብ ብገርሁ ኣዳሂልሉ ዝፈጸሞ ዓመጽ፡ ካብ ሕዳር
2004 .. ጀሚሩ ኸኣ ብቅሉዕ
ጸረ እቲ ጥንታዊ ኃይማኖት ወጢንዎ ዝጸንሐ ናይ ዕንወት መደብ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ነቶም ንዝግበር ዓመጽ ዓገብ ኪብሉ ይኽእሉእዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ኣዕይንቲ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት አቦታት ካህናት አርዩ ናብ ማሕዩር ምስ ኣእተዎም፡ እኔሄ በዛ ወርሒእዚኣ ሻሙናይ ዓመቶም አበይ ከምዘለዉን ገበኖም እንታይ ምዃኑ ከይተነግሮምን ሃለዋቶም ጠፊኡ ይርከብ።
አብ መወዳእታ መበል
2005 .. 3ይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ ማዕርጎም ብጎነጽ ድሕሪ ምውራድ፡
አብ መጀመርታ አዋርሕ
2006 .. አብ ማሕይሩ አእትዮዎም። እዞም ሎሚ ሻድሻይ ዓመቶም ተሓይሮም ለይትን ቀትርን ዝሕለዉ
ዘሎዉ ኣቦ፡ አብ ልዕሊ ወዲ
86 ዓመት ምዃኖም፡ ምንም ናይ ጥዕና ክንክን ተሓሪሞም ብረድኤት እግዚኣብሔር ድኣ ብህይወት ይነብሩ
ኣለዉ እምበር ብምኽሪዚ ማንም ቆጽሊ ዘይንበረሉ ስልጣን ብሓይሉ ዝመንዝዐ ስርዓት ንሞት ኣሕሊፎም ሂቦሞም እዮም እንተተባህለ
ጨሪሱ ምግናን አይኮነን። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ አንጦንዮስ ኣሰር ኣቦታቶም ቅዱሳን ሰማእታት ቤተክርስትያን ብምስዓብ ክሳብ ሞትእሙን ብምዃኖም ኣብ ርእሲ እቲ ሰማያዊ ኣኽሊል ብሕዝቢ ኤርትራ
ውን ንወለዶታት ኪዝከር ዝነብር ታሪኽ ይገድፉልና ኣሎዉ።መዘካኸሪ ንክኸውንውን እዚ ገበን እዚ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ
-ክርስትያን ሓበሻ ኣብዚ ሓጺር ዘመን ንኻልኣይ ጊዜ ዝተፈጸመ ገበንእዩ።
ኣቡነ ቴዎፍሎስ ፡ ካልኣይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ከመይ ብደርግ ከም ዝተቐትሉ ንሕሰብ። ብ
1976 .. ወርሒ ግንቦት ካብ ስልጣንኣውሪዱ መቝሑዎም። ድሕሪ ብኣረሜናዊ መንገዲ ንእቡነ ቴዎፍሎስ ምቕታሉ ኸኣ ንሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሓዲሽፓትርያርክ ንክሓርዩ ኣገዲዱ ንኣባ ተኸለ ሃይማኖት
ሳልሳይ ፓትርያርክ ንኽኮኑ ኣገዲዱ ኣቕቢኡዎም ። ኣብዚ ክሕተታ ዝግብኤን ክልተ
ዓበይቲ ሕቶታት ኣለዋ። ገበን ኣቡነ ቴዎፍሎስ እንታይ እዩ ነይሩ
?እምበኣርከስ፡ ብዓይኒ ደርጋውያን ከም ገበን ዝተራእያ እዘን ዝስዕባ ተባዕ ስጉምትታትትን መርገጺታትን ኣቡነ ቴዎፍሎስ ነበራ።
ቀዳማይ፡ ነቶም ብግፍዒ፡ ብዘይ ፍርዲን ብጃምላን ዝተቐትሉ
60 ሰብ-ስልጣናት ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ዓገብ ማለቶም እዩ።
ካልአይ፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ብደርግ ምስተቐትሉ ካብ ደርጋውያን ፍቓድ ከይሓተቱ ፍትሓት ገይሮምሎም።
ሳልሳይ፡ ቤተ ክርስትያን ካብ መንግስቲ ክትፍለይ ኣለዋ ንዝብል እምነት ደርጋውያን ተጠቒሞም፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሓሙሽተ ጳጳሳት ሸይሞም።
ራብዓይ፡ ነቲ ጸረ
ሃይማኖታዊ ዝኾነ ስርዓት መሳርሒ ክገብርዎም ከምዘይክእሉ ስለዝተረድኦም ከሕቅቕዎም ወሲኖም።
ሕቶ፡ ኤረ ንምዃኑ ንኣቦናን ፓትርያርክናን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ሃዋርያዊ ስልጣኖም ከልግሶምን ከእስሮምን ይኽእላእየን ተባሂለን ዝተኣልማ ክስታት እንታይ እየን?ቀዳማይ፡ ንአቶ ኢሳይያስ አፈወርቂ እቶም ኣዕይንቲ ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት ካህናት ኣብ
2004 .. ወርሒ ሕዳር ትሃዲኖምብዘይ ናይ ዝኾነ ገበን ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲን ክእሰሩ ከለዉ፡ ኣቦና ስለቶም ካህናት ንመራሕ ሓገር ዓገብ ስለዝበሉ እዩ። እታ ዝተዛረብዋቃሎም ከኣ እዚኣ እያ፡ እዞም ብመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ካህናት ዝተኣሰሩሉ ገበን እንተልዩሞ ገበኖም ንመንግስትን ሕጊ
ሃገርን ዝምልከት እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክፍረዱ ይግባእ። ገቢሮሞ ዝበሃል ገበን እንተ ሃልዩ፡ እሞ ኸእ እቲ ጉዳይ ንቤተክርስትያን ዝምልከት እንተ ኾዩኑ፡ ግን ይፈትሑ። ቤተ ክርስትያን ባዕላ ድማ ነቲ ጉዳይ ትርኣዮ ስለዝበሉ እዩ።
ካልአይ፡ እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ዝውሕዙሞ ኣብ መንፈሳዊ ማእዲ ቤተ ክርስትያኖም ስለዝተሳተፉ፡ብመንግስቲ ተስጕጎም ሽሞምን ዘይሽሞምን ንዘተውሃቦም መንእሰያት ኣውጊዝኩም ነቲ ቤተ ክርስትያን ዕጽዉዎ ዝብል ትእዛዝምስተዋህቦም፡ ኣቦና ዝሃቡዎ መልሲ ስለ ዘቖጥዖም እዩ። እቲ ዝሃቡዎ መልሲኸ እንታይ ዝብል እዩ ነይሩ
ኣነ ቤተ ክርስትያን ክኸፍትእምበር ንክዓጽው ኣይምሓልኩን። ሎም ኣይዓጽው፡ ጽባሕ ኣይዓጽው። ቤተ ክርስትያን መማህራን ሂባ ደኣ ትሕግዞም እምበር፡ ደቃስኣይትሰጕግን ዝብል መልሲ ስለ ዝሃቡ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣነ ኣግልጋሊ ቤተ ክርስትያን እምበር ተለኣኣኺ መንግስቲ ኣይኮንኩን ኢዮምኢሎም።
ሳልሳይ፡ ስልጣን ኣቶ ዮፍታሄ ወዲ ቐሺ ዲሜጥሮስ ዘይሕጋዊን ንምዕምጻጽ
/ንምቍጽጻር ቤተ ክርስትያን ዝተመዘዘ ፖለቲካዊ ብዓል-ስልጣን ከምዝኾነን፡ ብዘይ ድልየት ቤተክርስትያን መንግስቲ ዘምጽኦ ሰብ ስለዝኾነ ካብ ሕንትሽትሽ ቤተ ክርስትያን ከወጽእ ኣለዎስለዝበሉ እዩ።። እዚ ድማ ብኣግኡ ብጹእ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ እውን፡ መንግስቲ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ከእትው ምስረኣይዎ ንመራሕ ሃገር ኤርትራ ዝተዛረቡዎ ስክፍታን ትንቢታዊ ዝኾነ ቃልን ዘቃልሕ፡
ኣታትየና እምበርኣይትተሓንገረና ዝብል ቃል እዩ ነይሩ። ብትብዓት ንዝተዛረቡዎ ቃል ድማ ብጹእ ኣቦና ቅድመ
16 ዓመት ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ናብ ስደቶም ድማ ከምርሑ ተገዲዶም። ብጹእ ኣቡነ ኣንጦንዮስውን ዝበሉዎ ንሱ እዩ።
ራብዓይ፡ አብ ኤርትራ ፍትሒ ንኽህልው ስለዝተዛረቡ እዩ።
ሎሚ እምበኣርከስ ልዕሊ
200 ዝኾኑ ካህናትን መነኮሳትን ኣብ ትሕቲ ቀይድን ማእሰርትን መንግስቲ ኤርትራ ይሳቐዩ ኣለዉ።3000 ዝኾኑ ካህናትን ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ብሓይሊ አብ ግዱድ ውትህድርና ተዓስኪሮም ይጭነቑ ኣለዉ። አማእትውን ካብዚስ ስደትይሕሸና ብምባል ናብ ስደቶም አምሪሖም እዮም። እዚ ኸአ ኮነ ኢልካ ነቲ ንኣማእቲ ዓመታት ብገዛእቲ ባዕዳውያን መንግስታትክሳዕክ ንድዚ ዝይተደፍረ ጥንታዊ ኃይማኖት ንምብራስ ዓሊሙ ዝትግበር ዘሎ አዕናዊ ፕሊሲኡ እዩ።መእባ(ሙዳየ-ምጽዋት) ናይ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብፍላይ ካብ 2009 ጀሚሩ፡ ብልኡኻቱን ብሓለዋ ወተሃደራትን ተኣኪቡ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ይእከብ አሎ።ቅርሲታት ገዳማት ኤርትራ ተዘሚቱ እዩ።ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኤምባሲ ሃገረ ኤርትራን ዕሱባት ልኡኻትን ጌሩ ካብ2005 ጀሚሩዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎን ጸለመን ክስታትን ምብትታን ምእመናንን ኣየቋረጸን። ነዚ ዘመተዚ አብ ምሉእ አውሮጳን ካልእ ክፍልታትዓለምን ይቕጽል አሎ።ኣብ ልዕሊ ውፉይ ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ መራሒና ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ስዉርን ግሁድን ተጻብኦታት ብምዝርጋሕ ኣብ
መንፈሳዊ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ መንጎ ምእመናን ባእስን ሕንፍሽፍሽን ከእቱ ለይትን መዓልትን ይጽዕር አሎ።ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ምእመናን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኤርትራ ከይዶም ከይቅበሩን ጸሎተ ፍትሓት ከይግበረሎምንሃይማኖታዊ ጉዳያት ተኸታቲሉ ይኽልክሎም።ንካህናትን ዲያቆናትን ድማ ምስ ስድራ ቤቶምን ደቆምን ከይተኣኻኸቡን ንሃገሮም ከይኣትዉን ኣጽኒዑ ሃገራዊ መሰሎም ክኸልኦምይርከብ።
እዚ ክብል እንከሎኹ ሓደ ዓቢ ሓቂ ነስተውዕል፡፡ ኩለን እምነታት ኤርትራ
- ኦርቶዶክስ፡ ሃይማኖት ምስልምና፡ ካቶሊካዊት ቤተ_ክርስትያን፡ ኩለን ከኒሻዊን፡ ካልኦት እምነታትብዘይ አፈላላይ ንነዊሕ እዋን ናይዚ ስርዓት ግዳያት ኮይነን ጸኒሔን እየን። እዚ አብሥልጣን ዝርከብ ወንጀለኛ ስርዓት፡ ብዝኾነ መምዘኒ፡ ንዝኾነት እምነት ዘይሓድግ፡ ናይ ኩለን እምነታት ዋና ጸላኢ ምዃኑ ንማንምዝተስወረውን አይኮነን።ግን ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና፡
(2 ቆሮ. 49-18) “ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ
ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጎግ፡ ድርቡያት ግና ኣይኮንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።እምበኣርከስ፡ ዝኸበርኩም ስለ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዓጢቕኩም ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም፡ ብዘይሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን፡ ጾታውን ፍልልያት አብዚ ቦታ እዚ ተአኪብኩም ዘለኹም ወኪላት ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሓብራትን፡ ናይሃይሞኖት መራሕቲን፡ ምሁራትን፡ ከም ካህን ኦርቶዶክስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣገደስቲ ዝብለን ነጥብታት የቕርብ።መሰል እምነት ቀዳመይቲ መሰል ተባሂላ ትጽዋዕ። ንምንታይከ ከምዚ ትእምነት ናይ ሕሊና ጉዳይ ስለዝኾነት። ኩለን ካልኦት
መሰላት
 ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምእካብ... ወዘተ - ካብ ሕሊና ወጻኢ ዝፍጸማ፡ ብዓይኒውን ዝረአያ ግሁዳት መሰላት እየን።ሕልና ደቅ ሰብ ዝመሕደሪኣ መሰል እምነት ግን ብቐዳምነት ስትርቲ፡ ድሒራ ግን ግህድቲ ትኸውን። መሰል እምነት ከይሃለወእምበኣርከስ፡ ዝኾነ ካልእ መሰል ክህልው አይክእልን። እዛ መሰል እዚኣ ማንም ሰብ ወይ ሓይሊ ከም ትኳቦ ዘይህበካ፡ ማንም ሰብ ወይሓይሊ ኽአ ከሕድገካ ዘይክእል፡ ምስ ምስትንፋስ እትመሳሰል ተፈጥሮአዊ መሰል ከምዝኾነ ቤተ ክርስትያን ትአምን።
እምበኣርከስ፡ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ዘኽብር ህዝብን ሃገርን፡ ወትሩ ብሰላምን ቅሳነትን በረኸትን እዩ ዝነብር እሞ፡ ኣብ ኤርትራ ድማክብሪ ኣምላኽ፥ ነጻ መሰል ሃይማኖታትን፥ መሰል ደቂ ሰባትን ክኽበር ይጽውዕ።በብጊዜኡ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓቅን ፍትሕን እንተ ሰሚሩን ተፋቒሩን ጊዜ ዘምጽኦ ጊዜ ከም ዝወስዶ ምንም ዘጠራጥር ከም ዘይኮነ የረጋግጽ።ሕብረት፡ መሰረት ናይ ኩሉ ዓወት ብምዃኑ፡ ኩሉ ኣብዚ ጉባኤዚ ዝግበር ምርድዳኣትን ውሳኔታትን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ምፍልላይ ናይ ሃይማኖት፥ ዓሌት፥ ሕብሪ፥ ጾታን ቦታን ዘይብሉ፥ ፍቕርን ሰላምን ዘስፍን ንዕቤትን ምዕባለን ዘውሕስ ክኸውን እላቦ።
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂውን እግዚኣብሔር ኣብ ዝመደቦ ጊዜን ሰዓትን ንኣምላኽ ዝፈርሑ፥ ብሕግን ፍትሕንዝመርሑ፥መሰል ሃይማኖትን መሰል ደቂ ሰባትን ዘኽብሩ፥ ዕርቅን ሓቅን ዘቐድሙ፡ ክቡራትን ለባማትን መራሕቲ፡ እግዚኣብሔር ከምዘተንስእ እምነትን ናይ መዓልታዊ ጸሎት ቤተክርስትያን ምዃኑ አዘኻኽር።
እግዚኣብሔር ናይ ተስፋ ጊዜ የርእየና።እግዚኣብሔር ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም፡ ራሕዋን ቅሳነትን የምጽአሉ።
እግዚኣብሔር ነዚ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ አደራዕ ይቐንጥጠሉ።፡ ምስትውዓልን፡ምክእአልን ይሃብኩም።
እግዚኣብሔር ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ይባር
!ምስ ኩለን ጎረባብታ ድማ ብስኒትን ብፍቕርን የንብራ። አሜን።
እዚ መደረ እዚ በቦና ፕሮፈስር ቀሺ ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ተዋህበ መግለጺ ኣብ ኼይባ እዩ። ምን  ብስራት.ኮም ዝተወስደ እዩ።___________________________________________________________________________
እዚ መደረ
’ዚ ብካህን ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ ኣብ ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክኸውን ከሎ፡ ከም’ቲ አብ ቅድሚ’ቲ ጉባኤን ኣብ
መድረኽን ዘብርሁዎ፡ ናይ ውልቆም ርእይቶታት እምበር ንዝኾነ ባእታ ዝውክል አይኮነን።

No comments:

Post a Comment