1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 28 September 2011

መንዩ ተዋህዶ!!!???::


                   
   
          መንዩ ተዋህዶ!!!???::
መንዩ ተዋህዶ መንዩ ከ ኦርተደክስ
እቲ ቤተ/ክርስትያን እናፈረስት ስቅ ዝብልዶ ዋላስ
እቲ ደው ኢሉ ዝንሀለ ዝቃለስ
ውጻእ ዝብሎ ዘሎ ነዚ ጭዋ ቤት/ኣምላክ ዝሕምስ
ወይሲ እቲ ዝገብሮ ዘይፈልጥ ምስ ሓዉ ዚቃለስ
ኣብ ጸለመ ተዋፊሩ ዘሎ ዝሓደሮ እቲ ርኹስ
ምንባር ሓቂ ዝፈንፈነ ብኽልተ እግሩ ዝሕንክስ
እስከ መልሲ ሃቡ መን ኣሎ ዝምልስ

                      እቲ እንትርፎ ከብዱ ዘይዓጅቦ ሃይማኖት
                     ጥራሕ ክብረት እንበር ን ዕቤታ ዘይጥምት
                     ኣብ ናይ ጸለመ ዓለም ንበይኑ ዝህውትት
                     ተባህሎ ዝደግም  ናይ ሄሮዶስ ጫጩት
                        ነሓዉ ኣጥፊኡ ዝደሊ ክብሕት
                       ብዓይኒ ቅንኢ ንሓዉ ዝጥምት
 መንዩ ተዋህዶ
እቲ ንሓጥያት ምጥባው ዝለመደ
 ደርፊ ፖለቲካ ክሰምዕ ዝመረጸ ዝሓንገደ
ዓይኑ የዕዊሩ ዝኸይድ ዘሎ ተዋህዶ ሕጋ ተሓግሒጉ እናኸደ
ነቶም ዝጣበቁላ ብዘይወዓልዎ እናፈረደ
ኣብ ምሕሓይ ደቂ ኣምላኽ ዝንሀለ ተጸምደ
እዝይሲ ጸረ ተዋህዶ እዩ፡ክፋኣ ዝለመደ
                                 መንዩ ግን ተዋህዶ፡
                          እቲ ንይምሰል ዝኸይድ ተኸዲኑ ነጸላ
                        ዘጣቅዕ ዝውዕል ቤተ/ክርስትያን እና ፈረስት እንከላ
                         ሕርኽራኽ ኣብ ቤት/ኣምላኽ  ን ወጌል ሓበላ
                         ኣብ ምእላም ዝሓድር ናይ ጥፈኣት ታኸላ
                         ኣርእስቲ እናቀያየረ ዝነብር ዘሎ ሸንኮለል ዘብላ
                         እዙይሲ ፍጹም ተዋህዶ ኣይኮነን ናታ ቡቅላ
                         ከም ዘይኮነ ኸኣ  ጽባህ ክትምስክር እያ ባዕላ
መንዩ ተዋህዶ?
እቲ መከራ ዝጸግብ ዘሎ በቶም ቀረቡኡ
ሽግር ዝጸግብ ዘሎ ከም እንጠንዮስ ኣቡኡ
ብሓሰውቲ ዝጽልም ዘሎ በቶም ዝዓለዉ ካብኡ
እዝይሲ ይመስል እንሆ ብፍርኡ
ኣሰር ናይ ቅዱሳን እንሀ ኣሰሩ ኣብ ሕቆኡ
ወላዲት ኣምላኽ ከኣ ኣላ ኣብ የማኑ ኣብ ጥቅኡ
                             እቲ ትማሊ ዝንእዱዎ ነቡሩ ሊቅና እነበሉ
                              ን ኦዝያን  እንተተማጎቶ ኣይግባኣካን ኢሉ
                           እንሆዉ ማሕበር ዓላውያን ሓድሽ ሽም የውጽእሉ
                             ገልያድ ስለ ዘይፈርሐ ተመከቶ ደው ኢሉ
                          ክሰጉዎ ይፍክሩ ካብታ ዝመስረታ ባዕሉ
                       ንሶምሲ ኢብሉ ኣለዎ ፈጣሪ ግን ከይክሪኦን እዩ ስቅ ኢሉ
መንዩ ተዋህዶ??
እቲ ካብ ኣምልኾ ኦርተደክስ ዚዘንበለ
ተዋህዶ እኮ ብ ወልድ ዋህድ እያ ትልለ
ከመይ ገሩ ደኣ ተዋህዶ ይብለኒ ነዚ ዘይተቀበለ
ንመን ንምትላል ሃይማኖተኛ እና መሰለ
ንግብሪ ቅዱሳን ከፍርስ እና ወዓለ
ተዋህዶ እኮ ብግብሪ እዩ ዝልለ
ካብ ማሕበር ተወገዙ ብርሑቅ ዝፍለ
                                ቅዱሳን ዝሓለፉ ንኽብሪ እዛ ወንጌል
                        ንሱ ግን  ኣብ ጽውጽዋይ ይውዕል ሂወት ከይቅበል
                               ተሓተቶ ከይምልስ ኣብ ሸንኮለል ዝውዕል
                    እዙይሲ ኣይተዋህዶን  ቀው ኢሉ ደኣ የስተብህል
                   ንትምህርቲ ቅዱስ ቀርሎስ ካብ ኣበየ ምቅባል
                          ንፈርሃሉ ዘሪኡ ከይጠፍእ ፈታሪ ይቅረ ይበል
መሰረት ሃወርያት ገዲፉ ባዕላውነት ዝመረጸ
ንትምህርቲ ቅዱስ ኣትናቲዎስ ዝዓንቀጸ
ንማዕዳ መማህራኑ ከይሰምዕ ዘቅበጸ
 ጸላኢ ክርስቶስ ብሓሶት ተበጽበጸ
ደሓን ክፈልጣ እዩ ፍረኡ ምስ ነቀጸ
                                 ለቱ ስብሓት
                         ቀሺ ሙሴ ሺሻይ. ኣውረጳ

No comments:

Post a Comment