1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 1 October 2011

ጋና ስለ ስሙስ!!!!!።



       ጋና ስለ ስሙስ!!!!!።
ጋና ክዋረድ ድሉው እየ ስለስሙስ
ብሓዊ ይቃጻል ሰብነተይ ይልመስ
ክስዕብየ ኣሰሩ ጋናዩ ትቅልስ
ምስ ሕልቅነት መናፍስቲ ዕርዲታቶም ክድምስስ
                      ዱሉው እየ ዘለኩ ንሽሙ ክዋረድ
                     ኣይምለስን ንድሕሪት ይምጻእ ዘሎ ት ዝገድድ
                     ጥራሕ ስሙ ይኽበር ክሉ ንኽብሩ ይስገድ
ዝመጸ ይምጻእ ትኣሎ ዝበሃል
ቅዱሳን ኣብነተይ እዮም ፍጹም ነይደሃል
ጥራሕ ኣብ ኩሉ ትብጻሕ እታ ናቱ ወንጌል
ኢየሱስ መድሓኒ ምኻኑ ኩሉ ሰብ ይቀበል
ክብሪ ይሃብ ንዕኡ ንስሙ ድፍእ ይበል
ንእመን ወ ኩሉ ንሱ ጥራሕ ምኻኑ ሂወት ዝዕድል
                                ምሒለ እንድየ ኣነ ንስሙ
                               ብሽግር ክሓልፍ ከምቶም ዝቀደሙ
                                ስለ ሓጥያተይ እኳ ንሱ ተሃሪሙ
                              ኣነ ግዳይ መን እየ ሽመይ ተጸለሙ
                              ክሓልፍ ብመከራ ኣለኒ ከም ዝቀደሙ
ብእኡ እዩ እቲ ሰማያዊ ምድሓን
መልእኽቲ ዕርቂ ሂቡ ዝገበረና ክንድሕን
ንሱ እዩ ትመገዲ ንዕኡ ጥራሕ ንእመን
ብዘይክኡ የለን ፍጹም ኣብ ምድሪ ዝእመን
የለን እወ መሓሪ ከምኡ ንሂወት ዝውንን
ዘክረኒ ኢየሱሰይ ምሳኻ ክኸውን
                           ብደሙ ዓረቀና ነበርና ተጻሊእና
                          ኣብ ቀረና መገዲ ተሰቂሉስ ናብቲ ከተማ የእትዩና
                          ንበይኑ እዩ ኢየሱስ ዘይብሉ መዘና
                           ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ናይ ሰማያት ዋና
                          ክበር ንበይንኻ ንበሎ ብሓባር ኩልና
ምስ መን ኢየ እሞ ከመሳሲለካ
ሞርሖ ሂወት ዘለካ በይኒኻ
ኣነስ ንዓኻ ተፈሊጠ ትኣኽለኒ ኢኻ ንስኻ
ክንዲ ኩሉ ክትከውን ኣብ መስቀል ዝወዓልካ
መንዩ እሞ ዝፈልየኒ ጎይታይ ካብ ፍቅሪኻ
ሞት እውን ተኾነ መከራ ሰቅልትኻ
ኣነስ ኣይፍለን ትሕሸኒ ንስኻ
                               ጋና ሕጸ እዩ ይመጽእ ኣሎ መከራ
                              ኣነ ግን ኣይፈርሕን ኣይህቦንየ ፈዓራ
                        ድሕሪ ስቃይ ከም ተዕርፍ ስለዝፈልጥ ንፈተነ ሲዒራ
                               ጥራሕ ሓግዘኒ ንኹላ ክጸራ
                               የሩብ በዓል ክስመ ንኹሉ ጣኦት ክብሎ ባራ
                                 ልሳናት ኢየሱስ ኢለን ጥራሕ ክዝምራ
                                  ንኹሉ ዝገብረኦ ብሽሙ ጥራሕ ክገብራ
ጋና ኣይጀመርኩን  ኣሎኒ ብድሕሪት
ኣየዕርፍን ከይረኣኹዋ ሽም ኢየሱሰይ ቅድሚት
ን ሰረቅቲ ክብሪ ከይሰራዕኩዎም ድሕሪት
ቀጻሊ እዩ ኲናተይ  ኣብ ኩሉ ሓሶታት
ውንጌል እዩ ቋንቋይ ዘረከቡኒ ሃወርያት
ወንጌል እዩ ዕላማይ ዝሓለፉሉ ሰማእታት
ወንጌል እዩ ስብከተይ ዝሰበኽዎ ቅዱሳን ጻድቃናት
                                    ጋና ድሉው እየ ክጸውር መስቀሉ
                                    ኣብ ኩሉ እና ዘርኩ ክሰብኮ ንቃሉ
                                 ጥራሕ ይኽበረለይ ይንበረለይ ልዕል ኢሉ
                                 ኩላቶም ፍጡራት ሃሌ ሉያ ይበሉ
                             ኩሉ ኣብ ቅድመኡ ይስገድ ንሱ እዩ ልዕሊ ኩሉ
                                ስለ ዝኾነ ኸኣዩ ንበይኑ ኣብ መስቀል ዊዒሉ
                               ስለ  ሓጢኣት  እዛ ዓለም እወ በይኑ ተሰቂሉ
ነዚ ዝገበረለይ ዘይውዳእ ምሕረት
ከመይ ገይረ ይሰርዖ ኣነ ምስ ፍጡራት
እዝይሲ ይርሓቅ ካባይ ይትረፈኒ ንዘበናት
ብዘይከኡ የለን እዩ ፈጺሙ ትድሕነት
 መንግስተ ኣምላኽ ምእታው የለን ነፍሲ ንዕኡ ዘይተቀበልት
ስሙ ይኽበረለይ ትጎይታ ኩሉ ፍጥረታት
                            እቶም ጸላእቲ ጽድቂ ብዙሕ እንተ በሉ
                            ሃወርያት በዚ እዮም ሓሊፎም እዚ እናተባህሉ
                            ጋና ክሰብኮ እየ ንቃሉ ኣብ ኩሉ
                             ክነግሮም እየ ንሰባት ንዕኡ  ክቅበሉ
                            ይንባሕ ትጸላኢ  ሑሕ ይበል ዓው ኢሉ
                             ኣይሓልፍንዩ ካብኡ ንሱ  እዩቲ ሓይሉ
ታዓቅሙ ጸለመ እያ ከም ታዝገበራ ኣብ ጎይታይ
ከመይ ደኣሞ ክገድፈኒ ዝጸበል ከይረኸበ ንዓይ
ኣነስ መሪጸ እየ ውርደት ንሱ እዩ ረብሓይ
ካብ ምስ ዓለም መቂሩኒ ዝሰቀይ ንዳሕራይ
ይሕሸኒ ህጂ ትሽግር ከዕርፍ ንዳሕራይ
ኣኽሊል ዓወት ክቅበል ደድሕሪ ቅዱሳን ኣቦታተይ
ንስዩ ድልየተይ ንሱዩ ሃረርታይ
                     ለቱ ስብሓት
           ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ኣገልጋሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን።
                               

                                               

No comments:

Post a Comment