1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 17 November 2012

ኣቡነ ማክሲም ዓሪፎም፡ ሽግር እታ ቤተክርስቲያን ከ ይዓርፍ ዶ ይኸውን??


ብ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ኣቡነ ማክሲም ዓሪፎም፡ ሽግር እታ ቤተክርስቲያን ከ ይዓርፍ ዶ ይኸውን??

ፓትርያርክ ዘሃገረ ቡልጋርያ ቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ኣብ መበል ንሚእትስ ክልተ ጐደል ዓመት ዕድሚኦም፡ ማለት ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።
ብ1989 ድሕሪ ዘጋጠመ ውድቀተ ኮሚንስታዊ ስርዓት፡ ኣብ ሃገረ ቡልጋርያ ዝተመርጸ ሓድሽ መንግስቲ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ዘመነ ኮሚኒዝም ዝነበሩ መራሕቲ እንኮላይ ነቶም ቅዱስ ኣቦ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝገበሮ ፈተነ ነታ ቤተክርስቲያን ኣብ ክልተ መቒልዋ ነበረ። ከምውጽኢቱ ድማ እታ ቤተክርስቲያን፡ ደገፍቲ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ብዝኾኑ ደገፍቲ ኣቡነ ማክሲምን፡ ደገፍቲ መንግስቲ ብዝኾኑ መንግስትና ዝሃበና በሃልትን፡ ኣብ ክልተ ተመቒላ ምንባራ ይፍለጥ። ከቢድ ውጥረትን ዕርግርግር ዝሰፈና ቤተክርስቲያንን ኮይና ከምዝነበረትውን ይዝንቶ።
እታ ናብ ክልተ ዝተመቕለት ቤተክርስቲያን ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ክልተ ሲኖዶስ ተመቒላ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ማክሲም ዝዓመጸ ጉጅለ ቤተክህነት ልዕሊ 30% ሰዓብቲ ምእመናንን ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ቤተክህነትን ክነብርዎ ከለዉ፡ እቲ ዝበዝሐ ምእመንን ቤተክህነትን ግን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ኮይኑ ሃዋርያዊ ማዕርግ ከይደፈረን ከይበተኸን እምነቱ ቀጸለ።  
እንተኾነ እዚ ጽዩፍ ምፍልላይ እዚ ብ2010 ኣብቂዑ፡ እቲ ተነጻሊ ኮይኑ ዝነበረ ጉጅለ ድማ ሲኖዶሱ ኣፍሪሱ ኣብቲ ሃዋርያዊ መስርዕ ከምዝሰመረ ገለጸ። እታ ናይ ዕርቂ ዝቖመት ኮሚተ፡ ኣቡነ ማክሲም ምስ ኮሚንስታዊ ስርዓት ዝኾነ ምትሕብባር ከምዘይነበሮም፡ ይኹን እምበር 15 ጳጳሳት ግን ምስቲ ዝነበረ ኮሚንስታዊ ስርዓት ምትሕብባር ከምዝነበሮም ድሕሪ ምርግጋጽ ካብ ስልጣኖም ከምዝስጐጉ ድሕሪ ምግባር እዩ፡ ኣቦነት ናይ ቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ብፓትርያርክነት ክቕጽል ዝተወሰነ።
እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ፡ ምንም እኳ ዝለዓለ ጽልዋ ዝነበሮ ስልጣን እንተነበሮም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ግን ኢድ ከምዘይጸንሖም እዩ ዝፍለጥ። ኦርቶዶክሳዊ እምነት ኣብ ሃገረ ቡልጋርያ እቲ ዝዓበየ እምነት ኮይኑ፡ ካብቶም ክንዲ ዕጽፊ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝምብዝሖም ህዝቢ፡ (7.4 ሚልዮን ህዝቢ) እቶም 80 ሚእታዊት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ምዃኖም ድማ እዩ ዝፍለጥ።
ካብ ዕለት 4 ሓምለ 1971 ኣትሒዞም  ዛጊት ን42 ዓመታት ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ቡልጋርያ ዝመርሑ ቅዱስ ኣቡነ ማክሲም፡ ካብ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ን24 ሰዓታት ሕክምናዊ ረድኤት እናተገብረሎም እዮም ክነብሩ ጸኒሖም።

No comments:

Post a Comment