1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 18 November 2012

መን ኢዩ ኣብዩ !!!??።


                    መን ኢዩ ኣብዩ !!!??።
                                                 
መን ኢዩ ኣብዩ ንሕና ዲና ፈጣሪ
ዝኹሉ ዝወርደና ዘሎ ኩሉ ነውሪ
ረሳና ኣብ በረኻ ተደርብዩ ብዘይ ቀብሪ
ንሕና ዲና ኣቢና ንጻዋዒት ፈጣሪ
መን ኢዩ ዝኣቢ ዘሎ መን ኣሎ ሓባሪ
ንጸሎት ገርናዮ ነውሪ

መን ኢዩ ኣብዩ
መን ኢዩ ኣብዩ ካብ ኩሉ ተሪፍና
ብሃይማኖት ብሃገር ጥዕይ መራሒ ስኢና
ሓጥያት ድዩ መርገም እዚ ኹሉ በጺሑና
ኣነ እኮ ገሪሙኒ ዝነገርና
ፍቅሪና ሃዲሙ በሪሱ ሓድነትና
ገሊእና ንቅልድ ገሊእና እንዳ ተሳቀና
ክርክር ኢልና ንስሕቅ እንዳ በኸየ ሓውና
ንሱ ድዩ ኣብዩ ዋላ ንሕና ልቢ ከሊኡና

መን ኢዩ ኣብዩ
ሓቂ ካብ የእምሮና ርሒቁ
ዝረኣየና ምንባርና ዘይፈቱ ስሒቁ
የእምሮና ካብ ን ኣምላኽ ድምጺ ፖሎቲካ ናፊቁ
ቤት ጸሎት ሪኢናዮ ናይ ዝሓመቁ
መንፈስ ኣምላኽ ካብ ዙርያ ኤረትራዊ ርሒቁ
ቤት ኣምላኽ ተገዲፉ ኣምላኽ ተናዒቁ
ምጻእ ጸሊ ተበልካዮም ክርክር ኢሎም ዝስሕቁ
መንፈስ ርኹስ ዝሰረሮም ሲኦል ዝናፈቁ
መን ኢዩ ኣብዩ ዝሓስብ ዶ ተሳኢኒ ኣዳቂቁ


መን ኢዩ ኣብዩ
ንሕና ዲና እዚ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም
ገንዘብ ገርናዮ ኣምላኽ መሪጽና ንጸላም
እኳ ኣይንመሃርን ህጂኸ እንታይ ኢና ክንደግም
ኲናት ኮይኑ ታሪኽና   ከም ማይ ዛርዩ ደም
ከም ሰብ ኣርሆ ናብ ታሕቲ ክሳዕ ንሰጥም
ብዘይ ኣምላኽሲ እሞ የኽትም ዲዩ እዚ ጸገም
ኣስተውዕል መን እሰይ ኣብ ባዶ ኣይትሕለም
ኣምላኽ ዘይብሉ ዓወትሲ ፍለጥ ምዃኑ ደኣ ጸላም
ታሪኽ እንዳወቀስካ ረሳሕ ታሪኽ ኣይትድገም
 ቅድመ ኩሉ ፈጣሪኻ ኣቀድም
ግን መን ኢዩ ኣብዩ ንሕና ከይንልብም

መን ኢዩ ኣብዩ
መን ኢዩ ኣብዩ ሰንበት ናብ ቤት ኣምላኽ ገዲፍናዮ
ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽሲ መን እዩ እሞ ዝኣልዮ
ምስ ኣረግኩ እየ ዝመጸካ ህጂ ኣይደልየካን ኢልናዮ
ቤት ኣምላኽ ምምጻእ ናይ ኣረጊት ገርናዮ
ብ መጠን መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ሂወትና ንርኣዮ
ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽሲ እሞ ንኽእል ኢና ክንኣልዮ
ኣየ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ዝመጽእ ለውጥስ ዓይነይ ኣይርኣዮ
ዳግማይ ስቅያት ሰጣን ዘሰነዮ

መን ኢዩ ግን ኣብዩ
መን ኢዩ ኣብዩ ልቢ ከሊኡና
ካብ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ኣኼባ ከንግሃ ኣዴታትና
ካብ ናብ ቤት ጸሎት ናብ ፖሎቲካ ከቀድሙ ኣጓብዝና
ክብሉ ትልሂት ካብ ቤት ኣምላኽ ይሕሸና
ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ ግን ምሕረት ክመጸና
ፈጣሪ እንዳ ተቀየመ በካይዳና
መባእን ዕሽርን ሰሪቅና እንዳ ኸድና
ንፈልጥ ዶ ንኸውን ን ኣምላኽ ነቀይሞ ከምዘለና
መን ኢዩ ግን ኣብዩ ክሳዕ ክንድዚ ዓሺና !

መን ኢዩ ኣብዩ
መን ኢዩ ኣብዩ ንሕና ዲና ኣምላኽ
መን ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ ዘሕንኽ
ጽድቂ ኣብዩ ንሓጥያት ዝሓይኽ
ብ ዘይ ኣምላኽ ክዕወት ኢየ ኢሉ ኮንቱ ዝሃልኽ
እንዳ ባር ዝመረጸ ዝመስሎ ቤት ኣምላኽ ዘሕንኽ
ዝጽበዮ ዘሎ ኣብ ሰማይ ብሓዊ ክመክኽ

ኩሉ ንገብሮ ካብ ኣምላኽ ሸፊትና
ዋላ ተዘመድና ዋላ ተወለድና
ዋላ ተሃብተምና እንተ  ሓዝና
ንፍለጥ ከምዘይ ንልእኽ ወሊድና
ነስተውዕል ከም ዘይንበልዕ ሩፍ ኢልና
ዓቢ ቤተ ትምህርቲ ኢዩ ነስተውዕል ወለድና
ወሊዶም ይበልዑ ዶ ኣለዉ ልገዐና
ንዓና ኸኣ ይመጽእ ኢዩ ዘሎ ዝገደደ ስቃይና
ግን መን ኢዩ ኣብዩ ክንድዚ ዓሽና
ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ክንነብር ተኾኒና
     ሰንበት ክንዲ ጸሎተ ቅዳሴ ክስመዕ ደርፊ እዝኒና

ን ቃል ኪዳን መሸቀጢ ገርናዮ
ን ገንዘብ ኣምላኽ ሰሪዕናዮ
ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓራም ቆጺርናዮ
ንሰንበት መዓልቲ መስተ ቆጽርናዮ
ከመይ ገርና ኢና ንሓስብ ንምሕረት ክንርእዮ
ኣየ ነዚ መጻኢናስ ኣይንርኣዮ
ፈጣሪ ግን ኣይኮነን ንሕና ኢና ኣቢናዮ
ኣይንጽልን ዓቅሚ የብልካን ኢኻ ኢልናዮ
ከምዛ ሓይሊ ዘለና ነገርና ነዕርዮ
ኣምላኽ ግን ኣይኮነን ኣብዩ ንሕና ኢና ኣቢናዮ
ቤትካ ምኻድ ናይ ሰነፋት ኢዩ ኢልናዮ
ከመይ ክኽውን ኢዩ መጻኢና ግን ደሓን ሓቢርና ንርእዮ
ክንደይ ጽቡቅ ከይኸውን ኣምላኽ ዝተፈልዮ
       ቀሺ/ ሙሴ ሽሻይ


 haymanoteabow@gmailcom







                              


No comments:

Post a Comment