1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 18 November 2012

2ይ ክፋል ኣይረሳዕናዮምን!!!..።


2ይ ክፋል ኣይረሳዕናዮምን!!!..።
                                         
                          ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
እዚ ጽሑፍ እዚ ነቶም ኣብ ዕለት 19/11/2012 ዝተኣስሩ (3)ሰለስተ ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ፡ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽ፡ዝተኣስሩሉ ዕለት መዘከርታ ብምግባር ኣይረሳዕናዮምን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ  ጽሑፍ ኢዩ።
ናይ ኤረትራ ጳጳሳት ኣቦኦም ን መንግስቲ ብምሃብ ኢዮም ነቲ ጉዕዞ ቀጺሎሞ፡ዋላኳ ክምክትዎ ተፈተኑ ካብ መውቀስቲ ሕልና ግን ከምዘየዕርፉ ጥርጥር የብልናን።እንሆ ድማ ህያው ኣብነት፡ብጹእ ኣቡነ ማቴዎስ ስቓይ ንምዕራፍ ኢዮም።መውቀስቲ ሕልና በዚሕዎም፡ገዝኦም ዓጽዩም ካብ ማይን መግብን ተከልኪሎም ፡ሞት ብምምራጽ ነዛ ዓለም ተሰናበቱዋ።ክንዲ ከም ወዮ  ካብ ምምታትሲ ምፍታት ዝተባህለ፡ክንዲ ነቲ ዘይቅዱስ ሲኖዶስ ፈቲሕካ ፡ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሕላፍ ነዚ ተመሪጹ።እዚ እውን ዘይጽላእ ምርጫ ኢዩ።ህጂ እውን ንዝተረፉ ንብሎም  ተልዩ፡ ህጂ እውን ግዜ እንሆ ደው ኢልኩም ተቃወሙ ኢዩ።ተዘየለ ንጹህ ደም ኣሕሊፍካ ሂብካ ዝግበር ጾምን ጸሎትን ኣበይ ከይበጽሕ። ንሪኦ ኸኣ ኣለና።ውጺኢቱ።
ንክርስትያናት ን ሞት ኣሕሊፋ እትህብ።ኣቦኣ ሸይጣ ትነብር ቤተ ክርስትያን።ከም ወዮ በዓለገሲ ኣቡኡ ጸሪፉ ይድረር ተባህለ ኣቦኦ እንዳ ኣኽፍአት ምጽወታ ፈርዖን እትጽበ ቤተ ክርስትያን።እንበር ከ ነዚኦም ስዒብካስ ብሓቂ መንግስተ ኣምላኽ ክትኣቱ ትኽእል ማለት ዲዩ፡ንጹህ ደም ኣሕሊፎም ዝህቡ።ዩሁዳ እኳ ብዝገበሮ ዝተጣዕሰ ንሶም ግን ክሳዕ ህጂ ንሓጥያቶም የዕፍሩዎ ኣለዉ።
ቁሩብሲ ካብ ሕሉፍ ገይጋታቶም ኣይመሃሩን ዶ??!!።ሰብ ሎምስ ፈሊጡና ኢዩ ኸ፡ ኣይብሉን ዶ??።ዶ ዋላስ ከምቲ ቀደም ሰብ ብዓሽኡ ዝተጠቀምሉ፡እዮም ክስቶ እዚ ኢዩ ክስቶ ከምዚ ኢዩ ኢሎም ስለ ዘጸለሙ ጥራሕ ህዝቢ ዝስዕቦም መሲልዎም ኢዩ።ናይ በዓል ቡልጋርያ እሞ ካልኦት ኦርቶዶክሳውያን ዘጓፈን ምምቃል ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ኸ ምኽንያት መምጺኢኡ ፡ካብዚ ናቶም ዝንእስ ተመሳሳሊ ምኻኑ ይፈልጡ ዶ።እቶም ካህናት ኮነ ድያቆናት ኢና ዝብሉኸ ከምዚ እንዳገበሩ መን ክስዕቦም ኢዩ፡ዝሓስቡ።ወሸለለ እዚ ስርዓት ገለ ተዝኸውን ኩሉ ምኾስ ገይሩ ከም ዝሃድኖም ንፈልጥ ኢና።
ሰብ ስለ ዘጸለምካ ኣይኮነን ትዕወት ክርስቶስ ምስ እትሕዝ ጥራሕ ኢዩ።ክርስቶስ ከኣ ዓርኪ ዓማጽያን ከም ዘይኮነ ምስ መንበር መላገጽቲ ሕብረት ከምዘይብሉ ንፈልጥ ኢና።(መዝ94፡20)(1ይ ዮሓ1፡6) (1ይቆሮ10፡6)እሞኸ ክሳዕ መዓስ ኢዩኸ ክቅጽል ሓሶት !!??።
እንበኣር ተሓቢኡ ዝሕባእ ገበን ከምዘየለ ክንሕብሮም ንደሊ፡ከምቲ ታሪኽ ነፍሰ ገዳይ ዘርዓ ያዕቆብ ድሕሪ (600 )ሽዱሽተ ሚኢቲ ዓመታት ተላዒሉ ።ነቶም ንጹህ ደም ዘሕለፉ ነቅ ነቅ ኣቢልዎም ዘሎ፡ናይ ሎሚ ፍጻመ ኸኣ ይስነድ ስለ ዘሎ፡ይሃልዉ ኣይሃልዉ እዞም ሰባት ገበርቲ እከይ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድሪ ዕረፍቲ የብሎምን ኢዮም።ድሮ እኳ ከም መልክዕ መጽሓፍ ብ ኣባ ተወልደብርሃን ዓምደ መስቀል ንሓደ ካህን ዝሃቡዎ ሕድሪ ይጽሓፍ ብምህላዉ ፡ን ኤልዛቤል ብ ፍኒስቲራ ዘጽድፍ ወለዶ ይመጽእ ከም ዘሎ ክፈልጡ ይግባእ።
ሎሚ ዓንቲ ደቂ ቀሺ ገብረመድህን ገብረ ገርግሽ፡ደቂ ዶግተር ፍጹም ገብረ ንጉስ፡ደቂ ዘወገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ፡ብዘይ ወለዶም ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክዝክሩዋ ኢዮም።ንዕኦም ቀሊል፡ ከም ዘይኮነ ንፈልጥ ኢና። ወላዲ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምኻኑ ስለ ንፈልጥ።ከምኦም ዝበሉ ወለዶም ሒዞምዎም ክኸዱ ከለዉ። ከም ዝስምዖም ንፈልጥ ኢና፡ግን ክርስትያን ምዃን እዚ ስለ ዝኾነ ብ መከራ ከም ዘይስንብዱ ተስፋ ንገብር።እዞም ብእርጋን ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኮኑ እዞም ሰብ ንምትላል ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ፡ሰበስልጣን መንግስተ ኤረትራ ኹኑ፡ስማውያን ካህናትን፡ ፖሎቲከኛታት ግን ደቂ እዞም ክቡራት ኣቦይ ኣበይ ኣሎ?።ኢሎም ተሓቲቶምኹም ኣብ መጻኢት ኤረትራስ እንታይ ኮን ክትምልሱ ኢኹም።ዶ ዋላስ ክሳዕ ሬሳ ትኾኑ ኣብ ስደት ክትነብሩ ኢኹም።
እዞም መስቀል ኣቐሚጥኩም ብረት ሓዙ ኢልኩሞም ዘለኹም፡ከ ዶቆም  ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ተሓቲቶምኹም እንታይ ኢልኩም ኢኹም ኮን ክትምለሱ??!!።እንበር ገለ ጳጳሳትን ካህናትን ድያቆናትን። ዓለማውያን ፖሎቲከኛትት ጸረ ኦርቶዶክስ ዝበልኹም ነገር ክትገብሩ ክትብሉ ኣብ ከመይ ዝበለ፡ደም ትኣትዉ ከም ዘለኹም ክትፈልጡ ይግባእ።ኣብ ከመይ ዝበለ ታኸላ ትኣትዉ ከም ዘለኹም ክስቆረኩም ይግባእ።
ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ ካብ ዝእሰሩ ጥራሕ፡ ኣስታት (1800)ዝኾኑ ካህናትን ድያቆናትን ካብ መንፈሳዊ ኣገልጊለቶም ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኤረትራ ብ መገዲ ይፍታሀ ዲመጥሮስ  ገይሩ ዝገብሮ ዘሎ፡ምብትታን ምንባር ስለ ዝኸልኦም፡ ናብ ስደት ፋሕ ኢሎም ኣለዉ።ካብኦም ዕስራን ኣርባዕተን (24) ዝኾኑ ካህናት፡(18) ድያቆናት፡ ብጽኑዕ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ከይረግጹ ዝተኸልከሉ ፡ክኾኑ ከለዉ፡(7) ሸውዓተ መነኮሳት ድማ ካብ ኣስመራ ከይወጹ ተኣጊዶም ኣለዉ።ካብኦም ብሰንኪ እቲ ግፍዒ መንግስቲ ኤረትራ ዝገበሮ፡ ዝኸበዶም፡(50) ሓሙሳ ሰራሕተኛታት ዝለዓለ መንብረ ፓትሪያርክ፡(5) ሓሙሽተ ሰረሕተኛታት ሃገረ ስብከት፡(10) ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ንኡስ ሃገረ ስብከት።(36)ሳላሳን ሽድሽተን ዝኾኑ ገደማውያን ኣቦታት፡መነኮሳት(ፈለስቲ) (7) ሸውዓተ ዝኾና ደናግል መነኮሳት፡ብጠቅለላ 1715 ዝኾኑ ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልቲ።ብ ሰንኪ መንግስቲ ኤረትራ ፈቐዶ ሃገራት ዓልም ብስደት ፋሕ ክብሉ ከለዉ፡ሓደ ካህን ኣብ ሲና ሂወቱ ክሓልፍ ከሎ፡ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድማ ሓሙሽተ ዲያቆናትን ሓደ ካህንን  ሂወቶም ሲኢኖም ኣለዉ።ኣስታት (1400 )ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ዝኾኑ ድማ መስቀሎም ተሓዲጎም ብግደታ ኣንጻር መዓርጎም ብረት ክዓጥቁ ወተሃደራት ገይሩዎም ይርከብ።ብጠቅለላ እንበኣር ልዕሊ (3415) ዝኾኑ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከራትን ፋሕ ብትን ኢሎም ይርከቡ።
ተዋህዶ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ቅርሲታታን ይውረስ፡ኣድባራታ ይድፈር፡ሃብታን ንብረታን ይዝመት፡ሊቃውንታ ይእሰሩን ይንጋላትዑን፡ ኣለዉ ዘሕዝን ግን እዚ ኩይኑ እንዳ ሃለወ ።ገለ ብረብሓ ሕልናኦም ዝሸጡ ሰባት፡ኤረትራ ጽቡቅ ኣላ፡ኣብ ኤረትራ ሽግር የለን።መንግስተ ኤረትራ ጽቡቅ ይመርሓና ኣሎ ዝብሉ ሰባት ክትሰምዕ ክሳዕ ክንደይ ሰብ ሰይጡኑ ፡ከም ዘሎ ዘርኢ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ።እንተ እዞም ቅዱሳን ኣቦታትና ግን ከምቲ ዓለምን ሰጣንን ዝሓስቡዎ፡ዘይኮኑ ካብ ኣገልጊሎቶም ደው ኢሎም ኢዮም ዘለዉ፡ከይተኣሰሩ ብስብከት ከገልጊሉ ከለዉ፡ምስ ተኣሰሩ ድማ፡ ኣብኡ ብጸሎት የገልግሉና ኣለዉ።
ንቅድመና ንዝህቢ ኤረትራ ንብሎ ተሎ ግን ፡ነዚ ዝግበር ዘሎ ኤረትራ ናብ መቃብር ኩሉ ናይ ምግባር መስርሕ ብ ጸሎትን ብዘለዎ ዓቅሚ ናብ ኣምላኽ እንዳ ቀረበ ክቃወሞ ኣለዎ።ከምኡ እውን ህዝቢ ኤረትራ ን መንግስተ ኤረትራ እሱራት ክፈትሕ ክጽውዖ ኣለዎ።መንግስተ ኤረትራ ተኣሰሩ ቅዱስ ፓትሪያርክን፡ካህናትን ፡ከምኡ እውን ኩሎም እሱራት፡ክፈትሕ ክጽውዕ ይግባእ።ስቅ ተልና ግን ንዕኦም ረድአት ካብ ኣምላኽ ክመጾም ኢዩ ንሕና እዞም ከይንዛረብ ፡ዕራ ኣባና ኣይበጽሐን ኢልና ስቅ ኢልና ዘለና ግን ክንጠፍእ ኢና።(ኣስተር4፡14) ኣምላኽ ማእሰርቶም  ይብተኽ።ሞቆሖም ድማ ይስበር።እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም፡(መዝ146፡7) ኣሜን።

No comments:

Post a Comment