1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 6 July 2013

መንግስቲ ኤርትራ ህጂ እውን ንምፍራስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ምስጢራዊ ግንባር ኣዋዲዱ !!!።

መንግስቲ ኤርትራ ህጂ እውን ንምፍራስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ምስጢራዊ ግንባር ኣዋዲዱ !!!።

መንግስቲ ኤርትራ ህጂ እውን ንምፍራስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘለዎ ፕላን ይቅጽሎ ኣሎ።ዘለዎ ፕላን ንምትግባር ሓድሽ ውጥን ኣዊጺኡ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ዝመጸና እሙን ሓበሬታ የመልክት ።እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ድሕነት ኣቢሉ ዝመጸና ሓበሬታ ቅድሚ ህጂ እውን ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ካብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን  ብዝብሉ ደብዳቤታት  መልእኽቲታት ተመሳሳሊ መጺኡና ኢዩ። ተኾነ፡ጋና ስለዘይተኣማመና ከነቃልሖ ኣይደለናን እቲ ዝመጸ ግን ጸሚቅና ብ ከምዚ ከነቅርቦ ደስ ይብለና።
መንግስተ ኤርትራ ን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘለዎ ናይ ምፍራስ መደብ ንምትግባርን ህዝቢ ብሕብረት ንኸይሓትት ንምግሚማዕን ።ኣብ ደገ ተፈጢሩ ዘሎ ሕቶ ሃይማኖት ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ጳጳሳት ምትብባዕ ፈጢሩሎም ክቃወሙ ስለዝጀመሩን ነቲ ብሕብረት ዝጓዓዝ ዘሎ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ንምፍራስ “ኣድማዒ “ ዝበሎ ሕንጻጽ ንምትግባር ዕሱባት ካህናትን ድያቆናትን የናዲ ከም ዘሎን ክሳዕ ህጂ ኣብ ከም በዓል ስዊዘርላንድ ኣብ ጀርመን ዓዲ እንግሊዝ ዝኣመሰላ ሃገራት ዛጊት ሰሊጡዎ ከም ዘሎን ዝመጸና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ክሳዕ ህጂ ኣስማት እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ክልኣኣኹ ብውሽጣ ውሽጢ ተተሓሒዞም ዘለዉ ሰባት በጺሑና ይርከብ ኣስማቶም ብዘይካ ሽም ሓደ ጳጳስ ንኻልእ ንግዝይኡ ሃይማኖተ ኣቦው ክትዕቅቦ መሪጻ ከም ዘላን ኣብ ግዝይኡ ግን ንህዝቢ ከም ትሕብርን ተፍልጥ።
ብተወሳኺ እዞም ህጂ ብእልቢ ዶላራትን ተታሊሎም ዘለዉ ምስጢራውያን ዕሱባት መራሕቲ ሃይማኖት።ዕላማኦም ንሕና ተቃወምቲ ኣይኮና ደገፍቲ።መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ ቅኑዕ ኣይኮነን በቲ እንዳበሉ ግን ኣስዕብ ኣቢሎም ግን ኣይምልከተናን እዚ ፖሎቲካ ኢዩ ።ኢሎም እንዳጎስጎሱ ሰባት ንምልማስን ሰብ ደፊሩ ንስርዓት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከይቃወም ከየተረድኦም  ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ምውዓልን።
ስርሖም ካብ ዝጅምሩ ኣስታት 7 ወርሒ ገይሮም ኣለዉ።ካብኣቶም ድማ ክሳዕ ገለ ኣባላት እቲ ን ፓትሪያርክነት ኣቡነ ደስቆሮስ ኣይንቅበልን ኢሎም ምስ ሰሜን ኣመሪካ ወጊኖም ዝነበሩ ምዃኖምን ስሙም ይሕብር።ገለ ድማ ካብኣቶም ካብ  እቶም ኣብ ጀርመን ዝርከብ ጳጳስ ክሳዕ ብምስጢር ኣብ ገዛውቲ ከይዶም በቶም ኣብዚ ሕንጻጽ እዚ ዝተዋፈሩ ሰባት ነቶም ኣብ ጀርመን ቅድመ ህጂ ዝነበሩ እሞ ናብ ጓሽ ባርካ ተቀይሮም ዘለዉ ጳጳስ  ኣቡነ ኣትናትዎስ ከይተረድኦም ብምትላል  ክህነት ዝወሰዱን ኢዮም።
ንሶም ኣብ ጎስጓሶም  ንሕና ምስ ኩሉ ኣይኮናን ኩሎም ጉጉያት ኢዮም።ሰሜን ኣመሪካ ን ሃይማኖት ይቅይሩዋ ኢዮም ዘለዉ።ኢሎም ከም ማእከላይ ደጋፊ ሓቂ ነቲ ብሰሜን ኣመሪካ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ካልእ ሃይማኖት ክፈጥሩ ደልዮም ኢሎም እንዳ ገለጹ በቲ ኸኣ ይፍታሀ ተጋግዩ ኢዩ ኢሎም ይዛረቡ።
ቀንዲ ነቲ ብሰሜን ኣምሪካ ተፈጢሩ ዘሎ ዘስግኦ ሕብረት ንምብቲታንን  ህዝቢ ንምክፍፋልን ከም ዝጣራጠርን ነቲ ተሪሩ ብቁጽሪ እንዳበዝሐ ክሳዕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ን መንግስቲ ኣስጊኡዎ ዘሎ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ሃደሽደሽ ኣቢልካ ከም ዝፈርስ ምግባርን ኢዩ።ነዚ ከሳልጡ ዝተወደቡን ኢዮም።

*ኣብ ዘረብኦም ኩሉ ግዜ ታርጌት ክገብሩዎም ከም ሕንጻጽ ተዋህብዎም ቀዳማይ ዓላማ ን ኣቡነ መቃርዮስን ሊቀ ካህነት ገብረሚካኤል የውሃንስ ካልእ ኣስማቶም መጺኡና ዘሎ ተሰማዕነት ኣለዎም ዝበልዎም ካህናትን ድያቆንናትን የጠቃልል።
እዛ ተመዚዛ ዘላ ጉጅለ ምስ ይፍታሀ ርክብ ከም ዘይብላን ብቀጠታ ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ኣባላት ጸጠታን  ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ብ መገዲ ኣቡነ ማርቆስ  ኮይና ስርሓ ብ መገዲ ጳጳስ ኣባ ማርቆስ  ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ክፍሊ ጸጠታ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ምርካብ ኢዩ።እተወገዙ ባዕላዊ ፓትሪያርክ ኣቡነ ደስቆሮስ ነዚ ፍጹም ኣይፈልጥዎን።ነዚ ምስጢር ኢዚ ብዘይካ 2 ኻህንን ኣባ ማርቆስን ሰበስልጣን መንግስተ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ክፍሊ ጸጠታ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ሃገራዊ ድሕነትን የማነ ገብርኣብን ዝፈልጦ የሎን።
ምኹብላል ኣባ ማርቆስ ኣብ ኢሮጳ እንበኣር ኮነይ ኢልካ 3ይ ፓርቲ ንምምስራት  ብፕላን ቤት ጽሕፈት  ፕረሲደንት ዝተሓንጸጸ ኢዩ።እዚ ደርሆ ፋሕጢራ ትረኽቦ ፡ኣባ ማርቆስን ዕሱባት ሰዓብቶምን ምስ ኣቡነ ደስቆሮስ ርክብ ከም ዘይብሎምን፡ኣምሲልካ ልቢ ህዝቢ ብምስራቅ ነቲ ተሪሩ ክቃወም ጀሚሩ ዘሎ ሃገረ ስብከት ኣምሪካ ተቀባልነቱ ንምህሳስ በዚ ወዲ ከምዚ ድማ ሕቶ ሃይማኖት ምልማስ ኢዩ ምጽዓር ኢዩ።
          ካብተን ተዋህባ ዕዮ ገዛታት ።
1ይ.ኣብ ትገብሮም ጎስጓሳት ን ኣቡነ መቃርዮስን ሊቀ ካህናት ገብረሚካኤል ካብ ህዝቢ ንምንጻል ሓድሽ ሃይማኖት ክምስርቱ ከም ዝደለዩ ገርካ ብትምህርትን ብዕላልን ምጉስጓስ።ን ተዋህዶ ክቅይርዋ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገርካ ደቂ ንህዝቢ ምእማን።ካብቲ ክበሃል ዘለዎ።
ሀ.ኣደና ማርያም ሓጥያተኛ ኢያ ይብሉ ኢልካ ኣብ ልዕለኦም ጸለመ ምስንዛር።
ለ.ስላሴ ኣይኣምኑን ምባል ሰብ ከይስዕቦም ምጉስጓስ ኣብ መወዓዊዒ ዝብልዎም ምዝርጋሕ።

2ይ.እታ ቀንዲ ዕውቲ  ኣድማዒት ስራሕ፡-ኣብ ኣኼባ እቲ ብ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ኣውረጳን ኣመሪካን ብምርካብ  ደጋፊኦም መሲልካ ኣብ ኣኼባ ፋሕ ከም ዝብል ምግባርን ፡ኩሉ ግዜ ሓሳባት ዝኸፋፍሉ ገርካ ግርጭት ምፍጣርን ካህናት ተኣኪቦም ኣብ ሓደ ነጥቢ መታን ከይበጽሑ ዝዘርግ ሓሳብን ሓልዮት ዝተሓወሶ ዝመስል ጥበብ ብምጥቃምን ምብታን ከም ዘይሰማምዑ ገርካ ብምዝራግ ፋሕ ምባልን ።እቶም ካህናት ውሽጦም ከም ዘይትኣማመኑ ምግባርን።
3ይ,ሀ.ን ኣቡነ መቃርዮስ ተኺኢልካ ገይጋ ትምህርቲ ከም ዝምህሩ ብ ግልጺ ዘይኮነ ብውሽጣውሽጢ ምውዳብ።
ለ.ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ኣቡነ መቃርዮስ ብ ሲኖዶስ ኤርትራ ስለዘይምሓሉ ኣባል ሲኖዶስ ኤርትራ ኣይኮኑን ዝኾነ ውሳኔ ንሶም ኣይህቡን ኢልካ እቲ ሃገረ ስብከት ነንሕድሕዱ ከም ዝባላዕን ከም ዝናቆትን ምግባር።ርእሲ ከምዘይብሉ ገርካ ብምትራፍ ሰብ ጸር ጸር ኢሉ ንሱ ፋሕፋሕ ከም ዝብልን ንሱ ብንሱ ደኣ ምስ ኣባ ደስቆሮስ ጉጅለ ይፍታሀ ይሕሸና ኢሎም ክሳዕ ኣንጸርጺሮም ከም ዝምለሱ ምግባር።
4ይ, ካብ ኩሉ ናጻ ኢና ዝብል ሃገረ ስብከት ከም ዘሎ ገርካ 3ይ ፓርቲ ምምስራት ሓድነት ቤተ ክርስትያን ምፍራስ።እዚ 3ይ ፓርቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ ገለ ጳጳሳት እውን እንተተኻኢሉ 4ይ ፓርቲ ክምስረት ኢዩ ክሳዕ ንሱ ዝምስረት ንዕኡ ዘገልግል ጳጳስ ዝምልመል ግን በዚ 3ይ ቆይሙ ዘሎ ፓርቲ ገርካ ህዝቢ ምክፍፋል።4ይ ፓርቲ ክሳዕ ህጂ መን ኢዩ ጳጳስ ከመይ ገይሩ ንህዝቢ ይፈላልን ይገማምዕን ዝተዋህቦ ስትራተጂ ኣይበጽሓናን።እዚ 3ይ ፓርቲ እዚ ን መንግስተ ኤርትራ ወይ ድማ ን ምምሕዳር ይፍታሀ ዝቃወም ገርካ ብምቅራብ። ብጾሎት ኢዩ ዝፍታሕ ስቅ ንበል ን ኣምላኽ ንግደፎ ኢልካ ህዝቢ መሰሉን ጉቡኡን ከይሓትትን ግዝይኡ ኣብ ሸንኮለል ከም ዘሕልፎን ምግባር።ቀንዲ ዓላማኡ ድማ ን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣምሪካ ምፍራስ ኢዩ።እዚ 3ይ ኣካል ኣብ ምፍራስ እዚ ብ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ኣውረጳን ተዘይ ተዓዊቱ።4ይ ፓርቲ ክፍትን ኢዩ።
5ይ,እዞም ሰለስተ ጊጅለታት ነንሕድሕዶም ከም ዝባልዑ ገርካ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ረሲዖም ኣብ ነንሕድሕዶም ከም ዝባልዑ ገርካ ዓይኒ ህዝቢ ናብ ካልእ ጉዳይ ምጥምዛዝን ን መንግስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝገብሮ ዘሎ ከይሓተቱ።ንብረት ቤተ ክርስቲያን ከም ቅርሲ ናብ ሃገረ ቻይና ከም ዝግዕዙ ምግባር።ሰባት ናይ ቻይና ትምህርቲ ከም ዝምህሩ ገርካ ባህልን ኣተሓሳስባን ጫይናውያን ምትእቲታው።ነዚ ክቃወሙ ንዝጀመሩ ድማ ዋእ ታይ ገደሰኒ ኢልና እንበር በዓል ቀሺ ክስቶ ደኣ መዓስ ብ ሃይማኖት ይሓብሩና ኮይኖም እንዳበልካ ሰብ ከም ዘይታኣማመን ምፍጣር።ዝዓበየ ነገር ኣብ ውሽጢ ኮንካ ምስራሕ።
6ይ, ሓይልን ሓድነትን እታ ቤተ ክርስቲያን መታን ክመውት።ብተኻእለ ናይ ግሊ ኣብያተ ክርስቲያናት ተተፈንጪሎም ካህናት ንኽኸፍቱ ብ ኢደ ዙር ምትብባዕ።
እዚ ካብቲ ዝመጸና (3) ሰለስተ ደብዳቤታት ኮይኑ።ኣዋጺእና ዘቅረብናዮ ኢዩ።
መንግስቲ ኤረትራ ቅድመ ህጂ እውን ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝሰደዶ ጳጳስ ኣቡነ ሽኖዳ ዝበሃሉ ኤርትራዊ ጳጳስ ምስኡ ርክብ ከም ዘይብሉ ኣምሲሉ።ኣብ ኣመሪካ ዑቅባ ከም ዝሓቱ ብምግባር።ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብር ህዝቢ ከም ዝከፋፈል ገይሩ ኢዩ።ህጂ ድማ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝረኸቦ ዓወት ንምድጋምን ነቲ ኣብ ኣውረጳ ዝኸሰሮ ንምክሕሓስን ን ኢትዮጵያዊ ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስ ሰዲዱ ህዝቢ ንምክፍፋል።ምስ ይፍታሀ ርክብ ከም ዘይብሎም ኣምሲሉ ን ተዋህዶ ንምፍራስ ተበጊሱ ኣሎ።ህዝቢ ተዋህዶ እንበኣር ንቃሕ።ብ ተወሳኺ ዝመጸና ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ኣብዚ ዕዮ እዚ ዝሳተፉ ገለ ናይ ኢትዮጵያ ፈለስቲ ኣብ ኢሮፕ ዝነብሩ ተጠቂሶም ይርከቡ።
ሓፈሻዊ ንብሎ ህዝቢ ተዋህዶ ንንቃሕ።ኣስማቶም ድማ ከም ፍቃዱ ኣብ ዝቅጽል ከም ኩነታቱ ከም ነቅርቦ ንሕብር።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቶም ን ቤተ ክርስቲያን ካብ መርዓዊኣ ክርስቶስ ክጨውዩዋ ዝሕሉኑ ዘለዉ ተዃሉ የድሕናን ይሰውራን ኣሜን።ንዕኦም ከኣ ናብ ልቦም ይምለሶም።
             ኣምላኽ ኦርቶዶክስ ይባርኽ ኣሜን።
                  06/07/2013   

                 ሃይማኖተ ኣበው።