1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 7 December 2011

ኣኸባ ቤተ/ክህነት ኣውረጳ ኣብ ስዊዝ ኣሸሓት ህዝቢ ብተሳተፎ ተዛዚሙ::



     ኣኸባ ቤተ/ክህነት ኣውረጳ ኣብ ስዊዝ ኣሸሓት ህዝቢ      ብተሳተፎ ተዛዚሙ::
 ካህናት ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ን መጀመርታ ግዜ ካብ ዝኾነ ይኹን ጽልዋ ብዘይ ተጽዕኖን ጸቅጥን ፖሎቲካውያን መራሕቲ ባዕሎም ብባዕሎም ብምውዳብ ኣኸይባ ኣካይዶም እዚ ኣዝዩ መሳጥን ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎን ኣኸይባ ስዊስ ከተማ ዙሪክ፡ካብ ተፋላለየ ክፍልታት ዓለም ዓለም ዝመጹ ካህናት ብተዓዛብነትን ብኣባልነትን ተሳቲፎም።
ኣኸይባ ዙሪክ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣውረጳ ኣብያተ ክርስትያናት ፍልይ ዝገብሮ ተነይሩ፡ ዘይ ብቆንስላትን ኢምባሲታትን ኤረትራ  ተወደበን ዘይዝወርን መንፈሳዊ ኣኸባ ምንባሩ እዩ።ጉባኤ ተኻይዱ፡ ቅዳሰ ተኻይዱ ኣስተምህሮ ተገይሩ፡ ብ ኣቡነ መቃርዮስ ንህዝቢ መግለጽን ናይ ሕቶን መልስን መድረኽን ብሓፈሻ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ተኻይዱ።
ብ ህዝቢ ኣድናቆት ዝረኸበን  ባህ ዘብል ኣኸባ ብምንባሩ 4 ኣርባዕተ ካህናት ድማ ኣባሪኹ።እዚ ነቲ ብይፍታሀ ዝምራሕ እተ ወገዘ ቤተ/ክርስትያን ኣባ ደስቆሮስ  ከቢድ ሕማም ርእሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ሓበረታ  ኣረዲኡ፡:
                                         እግዚኣብሄር ን ሃገርና ኤረትራ ይባርኽ።


No comments:

Post a Comment