1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 30 November 2011

መንፈሳዊ ወብ ሳይት እውን ዶ ይሕሱ!!!!!!።

            መንፈሳዊ ወብ ሳይት እውን ዶ ይሕሱ!!!!!!።
ኣነ ኣብ ከባቢ ሚላኖ እየ ዝነብር እዚ ኣብ ኦፍሻል ወብሳይት መንበረ ፓትሪያርክ ተጻባቢቁ ወጹ ዘሎ ዜና ድማ ብዓይነይ እየ ርእየዮ ።ዕለት 18/04/2010 እዩ። ኣብቲ ብህግድፍ ዝምራሕ ቤተ/ክርስትያን ቅዳሴ እንዳ ተኻየደ ከሎ ካብ ስእሊ ናይ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደም ዛርዩ። እዚ ደም ምስ ተራእየ ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ኣገልገልቲ ነዚ ሪኤን ንዝሰንበዳ ኣደታት ስቅ ክብላ ከም ዝነገሩወን ኣየን እተን ኣቡ ዝነበራ ኣደታት ዝዛረባ ሰበይቲ ኣቦይ ቀሺ በየነ ከም እትብሎ።ዋእ እንታይ ኮይና እዛ ስእሊ ደም ትዛሪ ኣላ ተበልኩ ስቅ በሊ ኢሎምኒ እያ ትብል።እዚ ስቅበላ ተባሂለን ኣደታት ክርሳዕ ዝተሓስበ ነገር ግን  ፡ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ሩስያዊ ቀሺ ምስ መጹ ደም ካብ ስእሊ ጸረር ክብሉ ምስ ረኣዩ ብስንባደ እንታይ ተረኺቡ ብምባል ነቶም ናይ ኤረትራ ቀሺ ጸዊዖም ነፍሶም ክምርምሩ እዮም ተዛሪቦምም። ቀጺሎም ድማ ነቶ ኣቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት እዚ ናይ ሎሚ ኣዝዩ ዘፍርሕን ዘሰንብድን እዩ፡ ከምዚ ሪኢና ኣይንፈልጥን ፡ምናልባሽ ካብ ስእሊ ኣደና ማርያም ከምዚ ደም ምፍሳሱ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ኤረትራውያን ናብ ፓትሪያርኮም ክምለሱን ምስ ብጾቶም ሰላም ክገብሩን ዲማ ምዒዶምን ቤተ/ክርስትያኖም ክገድፍሎም ኣዚዞም።በዚ ተዳፋፊኡ ድማ እዩ ነቲ ኩሉ ግዜ ዝወሃብ መጠንቀቅታ ቤተ/ክርስትያን ሩስያ ናብ ጽርግያ ከይወጸ ንምሽፋን ካብ ህዝቢ ገንዘብ ኣዋጽኡ እንዳተባህለ ብግዴታ ቤተ/ክርስትያን ቀይሮም ዘለዉ።ነዚ ነገር እዚ ፖሎቲካዊ ሓሶት ዘይኮነ መታን ክትፈልጡ ነዚ ወብሳይት ኣዚ ጠዊቅኩም ክትፈልጡ ትኽእሉ።ኣርእስቲ እቲ ጽሑፍ እውን ስለምንታይ ኣደና ማርያም ደም ነቢዓ ደኣ ይብል ነበረ። በፍጹም ድማ ሞትሮፖሊታን ምስ ኣመንቲ ኤረትራውያን ኮይኖም ብኣንኩሮ ኣይተዓዘቡዎን http://www.youtube.com/watch?feature=related&v=VK231zHTRCU&gl=IT።http://www.google.it/#q=milano+perche+la+madonna+piangeva&hl=it&prmd=imvns&ei=qI7WTvL4EcPJsgaurPWYDg&start=10&sa=N&bav=on.2,or.r_gc.r_pw.,cf.osb&fp=636b39331a910b16&biw=1366&bih= http://www.youtube.com/watch?v=VK231zHTRCU // http://www.youtube.com/watch?v=ZOr5CmpNSzk // http://www.google.it/#q=milano+perche+la+madonna+piangeva&hl=it&prmd=imvns&ei=qI7WTvL4EcPJsgaurPWYDg&start=10&sa=N&bav=on.2,or.r_gc.r_pw.,cf.osb&fp=636b39331a910b16&biw=1366&bih=642  ወጽዩ ኣሎ። ነዛ ካብ የዒንቲ ዝፈሰሰ ደም ነዚ ግን እታ ብ ይፍታሀን ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ዝውንንዋ ልሳነ ፕረሲደንት ኢይሳይያስ ዝኾነት ወብሳይት ግን ካብ ስእሊ ቅብኣ ዘይት ፈሲሱ ኢላ እያ ገሊጻቶ። ዘገርም እዩ ኣብ ኣስመራ ን ደም ካልኣይሽሙ ግዲ ኮይኑ እንበር ።ብኸምዚ ምቅራባ ብልቢ እንዳ ሓዘና ማዕሮ ክንደይ ኢና ነፍስና ከነዕሹን ንሰባት ከነታልልን መሪጽና ዘለና ንብል።ቅዱይ ቅብኢ ካብ ስእሊ ድንግል ውሒዙ ቅዱይ ቅብኢ ካብ ኣዒንቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥዕለ ኣድኃኖ ውኂዙ ኣብ ከተማ ሚላኖ/ኢጣልያ ቪያ ሳንግረጎርዮ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኒኮላይ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብቲ ዝተፈቕደሎም ግዜ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ቅዳሴ ኣናቀደሱ ከለው ካብ ሥዕለ ኣድኃኖ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱይ ቅብኢ ውኂዙ። ነዚ ዘደንቕ ተኣምር መትረፓሊትን ሊቀ ጳጳስ ኤቮሉጊ ጳጳስ ኣቦንድዩ ምስ ቤተ ክህነትን አመንትን ኤርትራውያን ኮይኖም ብተመስጦን ብኣንክሮን ተዓዚቦምዎ ፣፣ እዚ 10/08/2002 .. (18/04/2010 ..) ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ናይ ኤርትራውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝተገብረ ተኣምር ብማዕከናት ዜና ተለቪዥናትን ጋዜጣታትን መርበብ ሓበሬታን ሬድዮን እናተቃልሐ ይርከብ ፣፣ ብኣሽሐት ዚቍጸሩ ሕዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢጣልያን ኤውሮጳን ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ይበጽሑ ስለ ዘለው'ውን እቲ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝቢ ክፉት ኮይኑ አሎ ፣፣ 4 ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁእ ወቅዱስ አቡን ዲዮስቆሮስ ነዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብታሕስስ 2008 ባሪኾም አብ ሚላኖ ቀዲሶም ምንባሮም'ውን ድማ ይዝከር ፣፣ርኣዩ በሉ። http://www.lisantewahdo.org/news/metawynews.php ። ዘገርም ነገር እዩ።ኣብቲ ሰብ ፍርሒ ተዋሒጥሉን ድሕሪ ህጂ ኣብዚ ኣይትቅድሱን ንስኹም ገለ ጸገም ስለ ዘለኩም እዩ ደም ካብ ዓይኒ ናይ ሓደ ስእሊ ክወጽእ ኣይክልን እዩ፡ኢሎም ዝሓዘኑ፡ግን ብኣንኩሮ ተዓዚቦም። ኣየ ድንቂ ነገር።ካብቲ ዘገርም ግን መትሮፓሊትን ጳጳስ ኤቮሉጊ ዝበሉዎ ተነይሩ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም መጻ ብጥልያን መናፈስታስዮነ፡ማለት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዳ ኣንጻር ናይዚ ኹሉ ዝግበር ኣብ ኤረትራ ሃዘና ገሊጻ ኣዮም ኢሎም።ነዚ ግን ቀይርካ ንህዝቢ ከተዕሹ ምፍታን እንታይ ይበሃል።መሳኺን እተን ኣቦም ዝኸዳ ዕራ እርግ ዝበላ ወብሳይታት ገንጺለን ዘይካታተላ ስለ ዝኾና። ከቅጽሎም ይኽእል እዩ።ንፖሎቲካዊ ሃልኪ፡እቶም ኣብ ሚላኖ ምሉእ ሰብ ከም ዝስዕቦም ገሮም ዝገልጹ ድማ ኣብዚ ዩቱብ 50 ሰብ ጥራሕ ከምዝኾኑ ገሊጽዎ ኣሎ።
ብሓፈሻ ግን ወግዓዊ ኦፊሳዊ ወብሳይት መንበረ ፓትሪያርክ ሓቂ ክትጽሕፍ ይግባእ።ሃይማኖታውያን ሓቂ ዘይተዛረብናስ መን እዩ ነታ ሓቂ ክጥቀመላ።ወግዓዊት ወብሳይት ልሳነ ፕረሲደንት ኢይሳይያስ እውን ጋና ነቲ ሓሶትን ፡ንጎይታኣ ንምሕጋስ ትገብሮ ዘላ ጉዕዞን፡ብምኽንያት ሞት ኣቡነ ማቴዎስ ታሪኽ ሂወቶም ኣብ ትገልጸሉ ነበረት ሰዓት፡ ኣዘዝታ መታን ከይቁጥዑ ግዲ ኢላስ ን ኣቡነ ማቴዎስ ብ ኢድ ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ተባረኹ ገይራ እያ ኣቅሪባቶም። ሓሳውን ፈራሕንሲ ፍጹም ዘይሓፍር!!!ነቶም ሽዑ ታራ ጳጳስ ዝነበሩ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ዝባረኹዎም ገይራ፡ነቶም ዝባረኹ ኣብ ቤት/ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ግን ከይቁጥዕዑ ጎይቶታ ኢላ ካብ እቲ ዘበርከቱ ታሪኽ ምሕካኻ ማዕሮ ክንደይ ኣብ ኣባላት ኦርተደክስ ርኡይ ንዕቀት፡ከም ዘለዋ እዩ ዘርኢ።ታሪኽ በይኑ እዩ ጽልኢ በይኑ እዩ ብፍላይ ምእንቲ ሰብ ኢልካ ዝግበር ሓሶት ዋላ በቲ ከተሕጉሶ ኢልካ ትሰርሕ ዘለካ ሰብ ኣውን ዘምዝን እዩ ነዚ እውን ሓሲና ከይመስለኩም ሃያ ርኣይዎ http://www.lisantewahdo.org/news/histryabunematiewos.php ~~~(ኣብቲ ካብ ሓላፍነት ናብ ልዑል መንፈሳዊ መዓርግ) ኣብ ዝብል ኣንብብ ኣቡነ ማቴዎስ ብ22/ግንቦት1996 ግእዝ።ብ 30/05/2004 ፈረንጂ በዓል መንፈስ ቅዱስ እዮም ምስ ኣርባዕተ ጳጳሳት ብ ኢድ ኣቡነ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቀቢኦም።ነታ  ኣቡነ እንጠዮስ እትብል ሽም መታን ከይትለዓል ግን ረጊጹዋ ዝሓለፈ ዋና ወብሳይት ምስ ብጾቶም ሰለስተ ኣቦታት መዓርገ ጵጵስና ተቀቢሎም ኢሉ ሓሊፉዋ።መን ወሃቢኦም ግን ስለ ዘይነበረ ድዩ ኮይኑ ዋላ ከምቲ ዝጠቀስናዮ ን ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ከየቆጥዕ ዱጎማ ከይተርፎ ኣይተረደኣናን ዘሎ።ብሓቂ ሕሱር ወብሳይት።ካብቲ ዘገርም ድማ ቤተ/ክርስትያና ንዝኾነ ዕዮ ቤተ/ክርስትያን ኣገልግሎት ኢላ ደኣ ትገልጾ እንበር ሓላፍነት ኢላ ኣይትገልጾን ሓላፊ ማለት ገዛኢ፡ኣገልጋሊ ማለት ግን ተለኣኣኺ ስለ ዝኾነ።ጸሓፊ ናይዛ ወብሳይት ግን መንፈሳዊ ዘይኮነስ ፍጹም ንምትላል ተዓጥቀ ዕሉልል ፖሎቲካዊ ምኻኑ በቲ ኣስፊሩዎ ዘሎ ይበርሃልካ።ካብ ሓላፍነት ናብ ሓላፍነት ኣይበሃልን፡ካብ ኣገልግሎት ናብ ኣገልግሎት ደኣ ንሕናስ ንብሎ ስለምንታይ ኣቦው ዝለኣኹና ንሰባት ሓለፍቶም ዘይኮነስ ኣገልገልቶም ተለኣኣኽቶም ክንከውን እንበር ክሳዕ ክንደይ ስለ ንምትላል ተዓጠቁ እዩ ግን ኣብ ክንዲ ስእሊ ዝባረኹ ኣቡነ እንጥእንዮስ ዘቅርቡስ ስእሊ ኣቡነ ደስቆሮስ ክመጽእ ተደልዩ።ዘገርም ነገር እዩ።ኣቡነ እንጠንዮስ ግን ካብዚ ወብሳይት ልሳነ ኢይሳይያስ ደኣ ይተሓኸኹ እንበር ኣብ ምሉእ ወብሳይታት ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም ናይ ዘበና ሃወርያ እንዳተባህሉ ይጽለየሎም ኣሎ። ኣብ ጎደነታት ድማ ህዝቦም ፎቶ ናቶም ሒዙ ቀደማዊ እንጥእንዮስ ናጻ ይውጽኡ ይብል ኣሎ።
ብዝኾነ ንብሎ ተልዩ ህዝብን መንእሰያትን ተዋህዶ ነዚ ንምስሊ ቤተ/ክርስትያን ዘሕፍር ስራሕ ኪቃወሞን።ናይ ቀሳር ን ቀሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ክብልን ይግባእ።ኣቦዊነ ቅዱሳን ዘመሃላለፍዎ መልእኽቲ ደኣ ንምፍጻም ንጋየ እንበር ናይዚ ዓለም እዚኣ ሰበስልጣናትሲ ወደቅቲ እዮም።
                                               ለቱ ስብሓት
                         ሃይማኖተ ኣውቦ

No comments:

Post a Comment