ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 2ይ ክፋል
እስኪ ነዚ ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሱ በይኑ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣” (ዮሃ.14።6)፣ነዚ የሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ የሱስ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ? የሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ እምበር ጥዑይ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ
እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2 ተደመሮ 2 ኩሉ ጊዜ 4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦም ጸቢብ እዩ ንኸይንበሃል ኢልና) 3 ወይ 5 እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣ “ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ” ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O ማይ እዩ፣ 3ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፣
ስለዚ ሓቂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም ‘ክርስትያን’(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንክርስትያናት ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ” ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝመተ
ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፣ ስለዚ ሓቂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም ‘ክርስትያን’(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ” ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝሞተ ከም ኣባል ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ኮይንካ ክትመጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከም ሓጥእ እንተ መጺእካዮ ግን ሽዑ ሓጢኣትካ ክሕደገልካ ይኽእል እዩ፣ኣምላኽ ሕልና ስለ ዝሃበና ኩልና ሓጥኣን ምዃንና ክንፈልጥ ቀሊል እዩ፣ ህጻናት ኣዝዩ ተነቃፊ ሕልና ኣለዎም።
ስለዚ ከኣ ንጌጋ ቀልጢፎም ይርድእዎ (ይፈልጥዎ)፣ እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ግን ሕልንኦም እናተረረ ክኸይድ ይኽእል እዩ፣ ወዲ 3 ዓመት ቆልዓ ሓሶት ክዛረብ ከሎ ሕልንኡ ስለ ዝኸሶ ናይ ክሲ ምልክት ኣብ ገጹ ይርአ እዩ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት ግን ንድምጺ ሕልንኡ ደጋጊሙ ዕሽሽ ብምባል ንሕልኡ ይቐትሎ’ሞ ኣብ ገጹ ዝኾነ ምልክት ከየርኣየ ክሕሱ ይኽእል እዩ፣ ናይ ሓደ ህጻን ከብዲ እግሪ ብክንቲት ተንኪፍካዮውን ይስምዖ እዩ። ናይ ዓበይቲ ሰባት ከብዲ እግሪ ግን ካብ ምትራሩ ዝተላዕለ መርፍእውን ኣጸቢቑ እንተ ዘይተጸቒጡ ኣይስምዖምን እዩ፣ ሕልና ሰባትውን እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ልክዕ ከምኡ እዩ፣ሕልና ሞራላውያን ፍጥረታት ምዃንና ምእንቲ ክነግረና ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዘቐመጦ ድምጺ እዩ።
ናይ ጽቡቕን ክፉእን መባእታዊ ፍልጠት ዘረድኣና ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ፣ ጎይታ የሱስ “ናይ ስጋ መብራህቲ” ኢልዎ ኣሎ (ሉቃ.11።34)፣ ነዚ “ዓይኒ” እዚ እንተ ዘይተጠንቂቕናሉ ሓደ መዓልቲ መንፈሳውያን ዕዉራት ክንከውን ኢና፣ ነቲ ኣብ ሕልናና ዝጎጥየና ነገራት ዕሽሽ ምባል ከምቲ ኣብ ዓይንኻ ንዝኣቱ ነኣሽቱ ደሮና ሸለል ምባል ሓደገኛ እዩ፣ ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊ ኣዒንትና ምሉእ ብምሉእ ክዓውር እዩ፣ህጻናት ክውለዱ ከለዉ ሃይማኖት የብሎምን፣ ኩሎም ከኣ ሓደ እዮም፣ ድሕሪ ክልተ ዓመትውን ለዉጢ የብሎምን ኩሎም ስሱዓትን ተበኣስትን እዮም፣ ድሕሪ ጊዜ ግን ወለዶም ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይምህርዎም እሞ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይኾኑ፣ ካብ 90% ንላዕሊ ናይ ሰባት ሃይማኖት ወለዶም ዝመረጹሎም እዩ።
ኣምላኽ ግን ከም ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ኣይርእየናን እዩ፣ ንኩልና ከም ሓጥኣን እዩ ዝርእየና፣ የሱስ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ሰብ ንኽመውት እዩ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጺኡ፣ ንሱ ምእንቲ እቶም ሓጥኣን ምዃኖም ዝእመኑን ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዝፈልጡን እምበር ምእንቲ እቶም ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቑዓት ከም ዝኾኑ ዝሓስቡ ኣይኮነን መጺኡ፣ ሕልናኻ ሓጥእ ምዃንካ ይነግረካ እዩ፣ ስለዚ ስለምንታይ ደኣ ናብ የሱስ መጺእካ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ። ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ክፉእ ነገራት ጌረ እየ፣” ምባል ዝኸብደካ?ገሊኣቶም “እቲ ሰናይ ዝኾነ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ሸለል ብምባል ከም ኣቦ ይቕረ ዘይብለልና?” ኢሎም ይሓቱ እዮም፣ ሓደ ውሉድ ገለ ክቡር ኣቕሓ እንተሰይሩን ተጣዒሱ ከኣ ንኣቦኡ ይቕረታ እንተ ሓቲቱን ኣቦኡ ይቕረ ይብለሉ እዩ ይብሉ፣ እዚ ነገራት እዚ ግን ሞራላዊ ነገራት ኣይኮነን፣ 4ኩሉ ሓጢኣትና ከምዚ ኔሩ እንተ ዝኸውን እግዚኣብሄር ይቕረ ምበለልና ኔሩ፣ ሓጢኣት ግን ከምዚ ኣይኮነን። ሓጢኣት ገበን እዩ፣ሓደ ዳኛ ኣብ መጋባእያ ተቐሚጡ ከሎ ወዱ ብገበን ተኸሲሱ ናብ ቅድሚኡ እንተ ዝቐርብ። “ወደይ። እፈትወካ እየ። ይቕረ ኢለልካ ኣለኹ። ኣይትቕጻዕን ኢኻ” ኢሉዶ ነጻ ምሰደዶ? ንእሽቶ ሕጊ ዝፈልጥ ምድራዊ ፈራዲውን ከምዚ ኣይምገበረን፣ እቲ ፍትሒ ናይ ምትግባር ንእሽቶ ባህርይ እምበኣር ካብቲብምስሉ ዝተፈጠርና ፍጹም ፍትሒ ዝገብር ኣምላኽ ዘመጻእናዮ እዩ፣ ኣዝዩ ከቢድ ገበን ምስ ፈጸምና እምበኣር እግዚኣብሄር ከም ፈራዲ “ኣዝዬ እየ ዘፍቅረካ። እንተኾነ ግን ገበን ፈጺምካ ኣሎኻ።
ስለዚ ከኣ ክትቅጻዕ ኢኻ” ክብለና ኣለዎ፣ ኣብቲ መጋባእያ እቲ ውሉድ ክሳብ ክንደይ ብገበኑ ይጠዓስ ብዘየገድስ እቲ ኣቦኡ ከም ፈራዲ መጠን ክቐጽዖ ኣለዎ፣ እስኪ እቲ ወዲ ባንኪ ሰሪቑ ኔሩ ንበል፣ እቲ ኣቦ እቲ ግቡእ መቕጻዕቲ - ንኣብነት 1 ሚልዮን ናቕፋ ቀጺዕዎ ንበል፣ እቲ ወዲ ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ ኣለዎ፣ ሽዑ እቲ ኣቦ ካብቲ ናይ ፈራዲ መንበሩ ብምትንሳእ ነቲ ናይ ፈራዲ ክዳኑ የውጽእ፣ ካብ ጅቡኡ ቸክ ብምውጻእ ከኣ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላራት (ንዓመታት ዝኣከቦ ገንዘብ) ንመቕጻዕቲ ወዱ ይኸፍል፣ እቲ ወዱ ኣየፍቀርካንን ኢሉ ክኸሶ ይኽእልዶ? ኣይፋሉን፣ ንወዱ እቲ ሕጊ ዝሓቶ ግቡእ መቕጻዕቲ ስለ ዝበየነሉ ቅኑዕ ፈራዲ ብዘይ ምዃኑውን ዝኸሶ ሰብ የብሉን፣ ኣምላኽውን ንዓና ልክዕ ከምዚ እዩ ጌሩልና፣ ከም ፈራዲ ኩልና ብሓጢኣትና ክንመውት ከም ዘሎና ፈሪዱ፣ ብድሕሪኡ ከኣ መልክዕ ሰብ ብምውሳድ ነቲ ንዓና ዝግባእ መቕጻዕቲ ተቐጺዕዎ፣
ይቅጽል……::
No comments:
Post a Comment