1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 29 October 2011

መንበረ ፓትርያርክ’ዶ ወይስ መንበረ ዮፍታሄ ?

      መንበረ ፓትርያርክ’ዶ ????ወይስ መንበረ ዮፍታሄ ??? !!!!!!!
                እሞ ሓቂ’ዶ ክንዛረብ!
መንበረ ፓትርያርክ ክንብል ከሎና መንፈሳዊ መንበርን ምምሕዳርን ናይቲ ወኪል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ዝኾነ ሕጋዊ ፓትርያርክ መራሒ መጓሰ ህዝቢ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቅዱስ ፓትርያርክ ብጻዋዒት እግዚኣብሔርን ብይደልዎ ጉባኤ ጳጳሳትን ዝሕረ እሙን መራሒ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንመንፈሳዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ዝተፈላለየ ክፍልታትን ቤት ጽሕፈታትን ኣቝሙ ድማ ንሰንሰለታዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ብቀኖናዊ ሕግን ዓለም ለኻዊ መምርሕን ተኸቲሉ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያክ ተኺሉ ህዝበ ክርስቲያኑ የመሓድር። ቅዱስ ፓትርያርክ ዘይብሉ ቤት ጽሕፈት ግና መንበረ ፓትርያርክ ክበሃል ብፍጹም ኣይግባእን። ምኽንያቱ ቅዱስ ፓትርያርክ ዘይብሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ክህሉ ወይ ድማ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል መንፈሳዊ ምምሕዳር ክህሉ ብመሠረቱ ዘይከኣል ስለ ዝኾነ። ስለዚ ከምቲ ሽም ዘይብሉ ንህቢ መዓር ከምዕርን ሰሚሩ ክነብርን እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ፥ ከምኡውን ሕጋዊ ፓትርያርክ ዘይብሉ ጉባኤ ንቤተ ክርስቲያን መሓድር ሲኖዶስ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ዓቢ ዕሽነት እዩ።
እቲ ብ 11 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብዓመጽ ዝጀመረ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ዘይመንፈሳዊ ናይ ኃይሊ ጉዕዞ፡ ምሉእ ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብውልቀ ሰብ ክቕየር፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ብዘይ ፍርዲ ክስጎጉ፡ ሊቃውንቲ ውሉደ ክህነት ክእሰሩን ክግፍዑን ኣብ ምእመናን ከቢድ ባእስን ሕንፍሽፍሽን ክኣቱ ጌሩ እዩ። እቲ ብናይ ቀደም ስምን ብልሙድ ኣጸዋውዓን ጥራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከይተረፈ “ናይ ተዋህዶ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ግናኸ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ኮይኑ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር ጉጅለ ረገጽቲ ሕግን ሓቅን፡ ንቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝውክል ዘይኮነስ ንዕንወትን ብርሰት ኣብጺሕዋ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ስፍራ ከተርቲ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ግቡእ እዩ።

ሓቂ ክንዛረብ እንተ ደኣ ኮንና፡ ናብዚ ስፍራ እዚ ካብቲ ፍትሒ ደልዩ ዝመጸ ሰብ፡ ፍትሒ ስኢኑ ብንብዓትን ተስፋ ምቑራጽን ዝተመልሰ ሰብ ይበዝሕ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ብቕንዕና ካብ ዘገልገለ እቲ ብሓሶት ዘውደልደለ ይኸብርን ዝረኽቦ ረብሓ ይበዝሕን። ካብቲ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሕ ኣማኒ ንላዕሊ ንኣቶ ዮፍታሄ ዝፈርሕን ንጎይቶቱ ዝእዘዝን ዝወሃቦ ሓለፋ ይበልጽ። እቲ ብደጊኡ ጽቡቕ ህንጻ ብዙሕ ቤት ጽሕፈታትን ዘለዎ መንበረ ኣቶ ዮፍታሄ፡ ብውሽጡ ብዙሕ ክፍኣትን ኃጢኣትን ዝስርሓሉ፡ ሕጻውንቲ ወለዶም ስኢኖም ጾሞም ዝሓደርሉ፡ ጽጉማት ዝያዳ ዝጉድኡሉ፡ ሊቃውንቲ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ዝሓዘኑሉ፥ ክቡራት ሕፉራትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝተደፈርሉ፥ ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ከይተረፈ ዝተኸተርሉ፥ ትጉሃት ሰራሕተኛታት ብዘይ መሰል ዝተባረሩሉን ሻራን ረቂቅ ተንኮልን ዝመሃዘሉ ካብ ወተሃደራዊ ስፍራ ንላዕሊ ዝፍራሕ ቦታ እዩ።

ንሓደ ቦታ እኮ ቤተ መንግሥቲ ኢልና እንጽውዖ ሕጋዊ ኣካልን ምምሕዳርን ናይ መንግሥቲ ንዘለዎ ቦታ ደኣ እምበር፡ ንዘይሕጋውያን ሰባት ዝተኣከብሉ ስፍራሲ ቦታ ሸፋቱ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ከምኡውን ንህብን መዓርን ዝነበሮ ቆፎ፡ እቲ ንህቢ ብዝኾነ ምኽንያት ነቲ ቆፎ እንተ ሓደጎ ተራ ቆፎ ደኣ እምበር መዓር ወይ ንህቢ ኣለዎ ክንብል ዝከኣል ኣይኮነን። እሞኸ ደኣ እዚ ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቲራቨሎ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ዮፍታሄ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና መንበረ ፓትርያርክ ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል? እቶም ኣብ ትሕቲ ዮፍታሄ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ጳጳሳት ይትረፍ ሃገረ ስብከታቶም ብነጻ ከማሓድሩ፥ ንመጓዓዚ ዝኸውን ናይ መኪንኦም ናፍታውን (ነዳዲ) ከይተረፈ ብመቑነን ካብ ኣቶ ዮፍታሄ ከም ዝፍቀዶም ካብ ብዙሕ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
እምበኣር ከምቲ ንጉሥ ሰሎሞን “እቲ ካብ ቅኑዕ መገዲ ዚዝምብል ሰብ ኣደዳ ሞት ይኸውን” ምሳ 21፡16 ክብል ዝተዛረቦ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓሶት ዓጊጎም ኣለዉ ኢልካ ንሓቂ ረጊጽካ ኣብ ጎደና ሓሶት ካብ ምጽንባር ንሓቅን እምነት እግዚኣብሔርን ሒዝካ መከራ ምጽጋብ ይበልጽ። ምኽንያቱ ሓዋርያ ጳውሎስውን “እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ጸጋ ብእኡ ክትኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንትኡውን መከራ ክትቅበሉ እዩ” ፊሊ 1፡29 ዝብል ሠናይ ማዕዳ ጽሒፉልና ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ጌጋ ከኣ ኃጢኣት ምግባር ዘይኮነስ ብኃጢኣትካ ዘይምንሳሕ እዩ። ከምቲ “ኣቦኻ መርቕ፡ ወይ ኣቦኻ ርገም ከከም ዘውረሰካ” ዝበሃል ንደቕኻ ምርቓን በረኸትን ክትጽንሓሎም እምበር መርገምን ሕማቕ ታሪኽን ክትገድፈሎም ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ንኣቶ ዮፍታሄ ድማ ገለ ሰባት ካብ ጌጋኡ ክእረምን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ቤት ጽሕፈቶም ክገድፈሎምን እኳ እንተ ተነግሮ ምስማዕ ኣብዩ ብሓይሊ ጎነጽ እዩ “ዋና ማሓዳሪ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝብል ማሕተም ኣስሪሑ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ዝነብር ዘሎ። ሕጂውን “መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን እዩ? ኤር 8፡4 ዝብል ጥቅሲ እንዳ ደገምና “ዝተጋገየ ክጠዓስ፥ ዝዓመጸ ክኽሕስ” ንቡርን ቅቡልን እዩ እሞ ጊዜ ከሎካ ምጥዓስን ብጌጋኻ ምንሳሕን ሠናይ ምኻኑ ደጊምና ከዘኻኽር ፈቱ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
ልዑል እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላም ንህዝብና ምሕረት የውርደልና!!!

No comments:

Post a Comment