1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 27 October 2011

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል::

                        
                ንጹር መልእኽቲ ወንጌል
ኣብዚ ጽሑፍ ‘ዳግም ምውላድ’ ወይ ‘ምድሓን’ እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጽ እየ፣
ናይዚ ናይ ምድሓን ተመኩሮ ቀዳማይ ስጉምቲ ንስሓ እዩ፣ ቅድሚ ምንሳሕካ ግን ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ የድሊ፣ ሎሚ ኣብ ማእከል ክርስትያናት ካብ ግጉይ ርድኢት ናይ ሓጢኣትዝተበገሰ ብዙሕ ግጉይ ርድኢት ናይ ንስሓ ኣሎ፣ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ወንጌል። ናይ ክርስትና መምዘኒታት ኣዝዩ ለጠቕ ኢሉ እዩ፣ እቲ ሎሚ ብብዙሓት ሰበኽቲ ዝስበኽ ዘሎ  “ወንጌል”  ንእሽቶ ሓቂ ጥራይ ዘለዎ ዝተቓጠነ ወንጌል እዩ፣ ሰባት ብየሱስ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ጥራይ እዮም ዝንገሩ ዘለዉ፣ እንተኾነ ግን ከይተነሳሕካ ብየሱስ
ምእማን ፡ ኣሚንካ ድማ ስጉኡን ደሙን ከይወሰድካ ሓሙሽተ የዕማደ ምስጢርን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ/ክርስትያንን ከይመሃርናን ከይኣመናን።ንማንም ኣየድሕኖን እዩ፣ዳግም ምውላድ መሰረት ህይወት ክርስትና እዩ፣ ነዚ መሰረት እዚ ከየንጸፍካ ጽቡቕ ህይወት ምንባር ልክዕ ከምቲ ንሰብ ጥዑይ ህይወት ክነብር ዝምህር ካልእ ሃይማኖታት እዩ፣ ጽቡቕ ወይ ጥዑይ ህይወት ክንነብር ከም ዘሎና ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ እቲ ብላዕሊ ዝህነጽ ህንጻ እምበር መሰረት ናይቲ ህንጻ ኣይኮነን፣ እቲ መሰረት ዳግም ምውላድ እዩ። ኩልና ከኣ ካብኡ ክንጅምር ኣሎና፣ኢየሱስ ነዚ ዳግም ምውላድ ዝብል ቃል ምስ ኒቆዲሞስ  ይዘራረበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጠቒስዎ ኣሎ (ዮሃ.3።3)፣ ኒቆዲሞስ መራሒ ሃይማኖት ኣይሁድን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ብጽድቂ ዝመላለስን ሰብእኳ እንተነበረ የሱስ ግን  “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ።

 ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።” ኢልዎ፣ እምበኣርከስ ግብርኻ ጽቡቕ እንተኾነውን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታዉ መንፈሳዊ ልደት ከም ዘድልየካ ንርኢ፣ ቀጺሉ ድማ የሱስ ንሱ ኣብ መስቀል ከም ዝመውትን እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡን ነጊርዎ (ዮሃ.3።14,16)፣የሱስ ሰባት ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ከም ዝሓረዩውን ነጊርዎ  (ዮሃ.3።19)፣ እቶም ቅኑዓት ግና ናብቲ ብርሃን ብምምጻእ ምድሓን ይረኽቡ (ዮሃ.3።21)፣ ዳግም ንኽትውለድ ናብቲ ብርሃን ክትመጽእ ይግብኣካ፣ እዚ ከኣ ሓጢኣትካ ብቅንዕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእማንን ምንሳሕን ማለት እዩ፣ ንኩሉ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ከም ዘይትዝክሮ ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን ሓጢኣተኛ ምዃንካ ክትእመንን ነቲ ክትዝክሮ ዝኸኣልካ ሓጢኣት ንኣምላኽ ክትነግሮን ይግብኣካ፣ ሓጢኣት ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ። ስለዚ ከኣ  መጀመርያ ንእሽቶ ክፋሉ ጥራይ ኢኻ ኣብ ህይወትካ ክትርእዮ ትኽእል፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ሃገር እናተቐመጥካ ግናኸ ንእሽቶ ክፋላ ጥራይ ምፍላጥ እዩ፣ ካብቲ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ምስ ጀመርካ ግን ቀስ ብቐስ ነቲ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ክፍልታት ናይዛ ‘ናይ ሓጢኣት ሃገር’ ትፈልጦ፣ ኣብ ብርሃን ትመላለስ እንተሊኻ ሓጢኣትካ መመሊሱ እናበርሃልካ ስለ ዝኸይድ ካብኡ እናነጻህካ ክትከይድውን ትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ብቅንዕና ክትመላለስ ይግባእ፣ካልእ ኣብነት ንምጥቃም። ኣብ ሓደ ብዙሕ ረሳሕ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ትቕመጥ ኣሎኻ ንበል፣ ንየሱስ ከኣ ኣብ ገዛኻ ክነብር ደሊኻዮ። ንሱ ግን ኣብ ረሳሕ ክፍልታት ክነብር ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ በብሓደ ኣብ ምጽራይ ይሕግዘካ፣ ቀስ ብቐስ እታ ገዛ ብምልእታ ትጸሪ፣ ብከምዚ እምበኣር ኣብ ህይወት ክርስትናና ብቅድስና ንዓቢ፣

 2ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘዝኸዶ ሰባት ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ይሰብኽ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ ኣሎ  (ግብ.20።20)፣ ዳግም ንምውላድን ጽቡቕ መሰረት ንምንጻፍን ዘድልያ ክልተ ረቛሒታት እዚኣተን እየን፣ ኣምላኽ ንስሓን እምነትን ብሓደ ከም ዝኸዳ ጌሩ ኣቋሪንወን እዩ፣ ብዙሓት ክርስትያናት ሰበኽቲ ግን ፈላልዮመን ኣለዉ፣ ንስሓ ካብ ብዙሕ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ስብከታት ወጺኣ እያ። ብዙሓት ሰበኽቲ እምነት ጥራይ ይሰብኩ ኣለዉ፣ከምቲ ዝጸዓረት እንተጸዓረት ሰበይቲ በይና ቆልዓ ከተምጽእ ዘይትኽእል ከምኡ ከኣ ብእምነት ጥራይ ዳግም ክትውለድ ኣይከኣልን እዩ፣ ሰብኣይውን ንበይኑ ቆልዓ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ፣ ቆልዓ ንኽውለድ ሰብኣይን ሰበይትን ክራኸቡ ኣለዎም፣ ከምኡ ድማ ንስሓን እምነትን ብሓደ ምስ መጻ ሽዑ ፡ኣብ መንፈስና መንፈሳዊ ልደት ይፍጸም መንፈሳዊ ቆልዓ (ሰብ) ከኣ ይውለድ፣ እዚ መንፈሳዊ ልደት ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ልደት እዩ፣ ብቅጽበት ዝፍጸም እምበር ዘገምታዊ ኣይኮነን፣ ልክዕ ከምቲ ንስጋዊ ልደት ናይ ኣዋርሕ ምድላው ዘድልዮ።
ንመንፈሳዊ ልደትውን ናይ ኣዋርሕ ምድላው የድልዮ ይኸውን፣ እቲ ሓድሽ ልደት ግን ከምቲ ስጋዊ ልደት ብቕጽበት ዝፍጸም እዩ፣ ገለ ክርስትያናት መዓስ ዳግም ከምዝተወልዱ ኣይፈልጡን እዮም፣ ኣነውን መዓስ ዳግም ከም ዝተወለድኩ ኣይፈልጥን እየ፣ እዚ ግን ልክዕ ከምቲ ብስጋ ዝተወለድካሉ ዕለት ዘይምፍላጥ እዩ፣ ብህይወት ክሳብ ዝሃለኻ ከኣ ኣገዳሲ ነገር ኣይኮነን፣ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገር ሎሚ ብክርስቶስ ህይወት ረኺብካ ከም ዘሎኻ ርግጸኛ ምዃን እዩ፣ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ የሱስ ጥራይ እዩ ክንብል ከሎናስ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሎና ኣየምስለናንዶ?
እስኪ ነዚ ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሱ በይኑ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣” (ዮሃ.14።6)፣ነዚ የሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ የሱስ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ?  የሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ እምበር ጥዑይ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ
እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2 ተደመሮ  2 ኩሉ ጊዜ  4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦም ጸቢብ እዩንኸይንበሃል ኢልና)  3  ወይ  5  እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣  “ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ”  ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O ማይ እዩ፣ 3ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና::
ይቅጽል……

No comments:

Post a Comment