1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 28 August 2011

ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ!!!!!!!!!!!!!!???????????።

              
              ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ!!!?፡
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ሓደ ኣምላኽ።ብምባል ጽሑፍና ንጅምር
ኣብ ኤረትራ ሎሚ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ሰላም ተሳኢሉ ፍቅሪ ዊሒዱ ምጺሊላም ነጊሱ ሕጊ ቤተ/ክርስትያን ፈሪሱ ዓመጽ ኣብ ቤት ኣምላኽ ነጊሱ ቤተ/ክርስትያን ኣብ (2) ክልተ ተመቂሉ ፖለቲከኛታት ን ቤተ/ክርስትያን ከም መሳርሒ ክትቀሙላ፡መራሕቲ ሃይማኖት ን ቃል ኣምላኽ ንጸጋም ጎስዮም ንሕናን ዕላማናን ክብሉ ጸግዒ ገፋዕትን ጸግዒ ቀዘፍቲ ሂወት ደቂ ሰባት ብምኻን ክጓዓዙ ንርኢ።ካብቲ ዘገርም ኣዞም ህጂ ምስ ዓለም ምስ ቢላል ኪዳን ተኣታትዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ ክመጹ ከለዉ ከምዛ በደል ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ዝተፈጸመ ገሮም እዮም ንህዝቢ ብምጉስጓስ ምስ ሄሮዳሳት ብለይትን ብቀትርን እናተማያየጡ መጾም።
ግን ስለምንታይ እዚ ኹሉ ንምኻኑ ኸ እዞም ሎሚ ኣብ ቤተ/ክርስትያና ንሪኦም ሰብ ጻዕዳ ነጸላ መንእሰያት ብሓቂ ናይ ኣምልኾ ሰባት ድዮም ዋላስ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ስርዓት ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓቂ ግን ዘይእመንዎ እዮም። እንድሕሪ ብሓቂ ኣመንቲ ኮይኖም ከ ስለምንታይ  ሕማም ቤተ/ክርስትያኖም ዘይሕዞም ስለምንታይ መሳርሒ ሰባት ይኾኑ ኣለዉ።ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩ ከውጸኦም ከሎ።ቅነኣት ቤትካ በልዓኒ ዝበሉ ሃወርያት ዝተዘከሮም ወይ ከም እቲ ጀማሪ እምነትና ደምዳሚኣን ዝኾነ ክርስቶስ ቤት/ኣምላኽ ከጽርዩ ዘይብገሱ።ወይ ድማ ነቶም ቤት ኣምላኽ ንምጽራይ ኣብ ፈቀዶ ዓለም ዝጋዓዙን ዚቃለሱን ዘለዉን ዘለዉ ካህናት ዘይስዕብዎም።ብሓቂ እቲ መልሲ መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓቂ ዘይእመንዎ ጥራሕ ምኻኖም ከይተጣራጠርካ ትድምድም።ብዘይካ እቶም ኣብ ትሕቲ እተን ብቅድስና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኮይነን ፡ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ናይ ቀሳር ድማ ንቀሳር እናበላ ፈተና ዝጎስዓ ዘለዋ፡ ነቲ ኣብ ታኣምር ኣደና ማርያም ካብ ዉጉዝ ዝርከብ በረኸት መርገምዩ ዝብል ብምኽባር ክሳዕ ህጂ ነቲ ባዕሉ ፕረሲደት ተዋህዶ እየ ዝብል ዘሎ ኣቶ ይፍታሀ ዝምከተኦን፡ከምቲ ቅዱስ የውሃንስ ንሄሮዶስ ሰበይቲ ሃውኻ ክትወርስ ኣይግበኣካን እናበለ ን ሄሮዶስ ሰላም ዝኸልኦ ሉቃስ፡3፡19-20።ማርቆስ 6፡18-19።ነቶም ናይ ሓውም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣቦኦም መንበር የሕዲጎም ናይ ኣቦኦም ልብሲ ቀንጢጦም፡ናይ ኣቦኦም ኣኽሊል ኣብ ርእሶም ገይሮም ስገዱለይ ዝብሉ ኣባ ደስቆሮስ ኖእ ኣይግበኣኩምን ናይ ኣቦኹም ኩርሲ ብሓይሊ ክትወርሱ ኣይግባእን ነቦኹም ክትዓልዉ ኣቦና እዚ ትገብርዎ ዘለኹምሲ ካባኹም የርሕቆ እናበሉ ዝሞዱን ክንስሑ ዝሓቱን ዘለዉ ካህናት ብዘይካ ኣብዘን ቤተ/ክርስትያናት እዚአን ዘለዉ ተሪኢኻ ኣመንቲ ድዮምከ ክሳዕ ትብል የገርመካ!!!።
ናይዚ ኹሉ ጠንቂ እንታይ እዩ?፡ ብዙሕ እዩ ዝብሃል እቲ ሓቂኸ እንታይ እዩ።ናይዚ ኹሉ ጠንቅታት እተን ቅድም ኢለን ዝነበራ ትምህርቲ ሰንበታት እየን ይበሃል?፡እዚኸ ኣየናይ እዩ። እቲ ሓቂ?፡መንዩ እቲ ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ነገር ፡ናይዚ ረሳሕ ታሪኽ ከ መንዩ ተሓታቲ?፡ጠንቂ ናይዚ ኹሉ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከም መስቀል ዝረኣየ ሰጣን ከይትቀርቦም ካብ ጥቀኣ ዝሃድሙዶ ዋላስ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይትርጉሙ እናሃቡ ንሰብ እቲ ሓቂ ከይፈልጡ ኣብ ሸንኮለል ዘንብሩ መማህራን ወይሲ እቶም ነቲ ዘሎ ነቃዕ ድኽመት ትምህርቲ ተጠቂሞም ኣባጊዕና ኣብ ምውሳድ ዝርከቡ ዘለዉ።
  1. ኣብ ኤረትራ ቅድሚ 70 ዓመት ኣከባቢ ኣብ ቅድስተ ማርያም ርእሰ ኣድባራት ቤተ/ክርስትያን ኣብ ፍኖተ ብርሃን ትምህርቲ ሰንበት ከም ተጀመረ እዮም ተንተንቲ ታሪኽ ዚዛረቡ።እዚ ትምህርቲ ሰንበት እዚ እቶም ናይ ሽዑ ዝነበሩ ካህናት ይሳተፍዉ ነይሮምዶ ዋላስ ኖ እንተኢልካ ንዕኡ እንበር ከጸልሙ ይውዕሉ ነሮም ዝብል መልሲ ኢኻ ትረክብ ።ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያና ነዞም ኩሎም ሎሚ ልዳትና ኣብ ምፍራስ ዝርከቡ ብ በትሪ ኢያ ሰጊጋቶም ቤተ/ክርስትያንዶ ትሰጉግግ እያ ኢልካ እንተሓቲትካ ብሽም ቤተ/ክርስትያን እንበር ተጠቂሞም ዝሰርሑ ሰባት ነይሮም ትብል ትረክብ።እዚ ኹሉ ነገር መኣስ መጸ እንተ ኢልካ ድማ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ምስ መጸ ኢኻ መልሲ ትረክብ። ቅድሚ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ተዋህዶ ሰላም ዝመልኣ ቤተ/ክርስትያን እያ ዝነበረት ኣቶ ይፍታሀ ግን ን ኤረትራ ኦርተደክስ ጥርሓ ንምትራፍ ነዚ ኹሉ ተላኢኹ ይፍጽም ከም ዘሎ ዝተረኽቡ ቅርጡዋትን ጽፉፋትን ሓቅታት የብርሁ።
እዚ ሎሚ ዘካፍእዎ ዘለዉ ትምህርቲ ሰንበትከ እዞም ኩሎም ህጂ ዘይነበረ ሽም ምሂዞም ተሃድሶ እዮም ነሮም ኢሎም ዘጽልሙ ድማ ዋእ እሞ ተሃድሶ ተነሮም ደኣ ኣበይ ከደ እቲ ምንቅሲቃስ ክሳዕ ህጂ ናይ ተሃድሶ ዝብል ቤተ/ክርስትያን ኣብ ዓለም በፍጹም ኣይተራእየን ዘሎ፡ክሳዕ ህጂ እውን ሰሚዕና ኣይንፈልትን እንታይ ደኣ ዝኹሉ ንፈራዳይ ይጭነቆ ዝብሉ እዮም ዝመስሉ  ገበርቲ ምጭናቅ እኳ ንዕኦም እዩ ዝጨንቆም እንበር ንፈራድስ ክንደይብ ዘይፈረደ ነዚ ከኣ ከምቲ ዝቀደመ ክፈርሶ እዩ ፡እሞኸ?።
ብሓቂ ዘሕዝን እዩ እዚ ድማ ደረስቲ ዝደረስዎ ናይ ጸለመ ፍሊም ምኻኑ ይርደኣካ። እዞም 50 ዓመት ምሉእ ብኦርጋን ዚዝምሩ ነበሩኸ ዋእ እንታይ ተረኽበ ኣብ  96ን 200ን ሓድሽ ዝቀይሩ ድዩስ ዋላ ብመሰረቱ ገጋ ነይሩ ብ መሰረቱ ጊይጋ እንተነሩኸ ስለምንታይ ማዕዳ ወይ መጠንቀቅታ ዘይተዋህበ።ማለት እዞም ህጂ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ኣዮም ሽዑ መራሕቲ ሃይማኖት ዝነበሩ።እሞኸ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ነዚ ከይትጥሕሱ ዝብል ትእዛዝከ ነሩዶ እንተ ኢልካ።ሓንቲ ደብዳበ ኸማን ተጻሒፋትሎም ኣይትፈልጥን መንበረ ፓትሪያርክ እንበር ኣጆኹም ትብሎም ነራ ግን እንድዒ ዝብል መልሲ ትረኽብ።እዞም መንእሰያት  ካብቲ 50 ዓመታት ምሉእ ዝጽልዩ ነበሩን ዝማሃርሉ ነበሩን ኦርተደክሳውያን ኢና እናበሉ በባትር ኣብ ቀጽሪ ሃይማኖትና ሓደሽቲ ሃይማኖታት ክዕንቢባ ጀሚረን ብዝብል ምስምስ  መጻሕፍቶም ከቃጽሉን ብ በትሪ ክሃርምዎምን ተራእዮም።መንበረ ፓትሪያርክ ነዚ ብ ወግዒ እዩ ዝቃወሞ፡ነዚ ብወግዒ ዘውግዝ ጉባኤ ድማ ኣየሕለፈን፡ እሞኸ ብዘይ ትእዛዝ መንበረ ጵጵስና ደኣ ስለምንታይ እንተ ኢልካ መልሲ ኣይትረክብን ፡ግን እዞም ነዚ ዘካየዳ ኣደታትን ገለ መንእሰያትሲ ካብቶም 50 ዓመታት ምሉእ ኣብቲ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበሩ መማህራኖም ዲዮም ፈሊጦሞም ዋላስ ካሊእ ንዝብል ሕቶ ነዚ እውን መልሲ ኣይትረኽበሉን ፡ዳሕራይ ከ ነቶም ከምኡ ዝገበሩ ተሓቲትካዮም ብ ኦርጋን ይዝምሩ ዝብል ትረክብ ዋእ ኣዝዩ ዘስሕቅ ነገር እዩ።ኣምላኽ ንሰብ ከመስግኖ ደኣ ተዛረበ እንበር በዚ ኣመስጉኑኒ ወይ በዚ ኢሉስ ኣይፈለየን ዋላ ቅዱሳን ኣውን ኣይተዛረቡን።ካለኣን ነዚ ንሕና ንዝምረሉ ከበሮ ብዘይካ ኤረትራን ኢትዮጵያን ካሊእ ኦርተደክስ ዝፈልጦ የለን።እሞ  ንበይነን ነዚ ስለ ዝጥቀማ ካሊእ ሽምዶ ነጠምቀን ፡ከምኡ እንድሕሪ ኮይኑ ንሕና ጥራሕ ተፈልየ ካብ ምሉእ ዓለም ኦርተደክስ ስለ ንጥቀም ንሕና ኢና ኣብ መገዲ ጌጋ ዘለና ማለት እዩ።ግን እቲ መልሲ ኣይኮነን።ኣምላኽ ንሰብ ብኽእለቱ ክዝምረሉ ኢዩ ዝደሊ ብ ኦርጋን ይኹን ዋል ጊታር ኩሉ ፍጥረት ን ኣምላኽ ከመስግን ኣለዎ።
ካብቲ ዘገርም ድማ ስቅ በል የሱስ የሱስ እዮም ዝብሉ ይብሉኻ!!!፡ዋእ ተመሊስካ ክትሓትት ይድርኸካ። ንሕናኸ ነዚ ስም እዚ ንጸልኦ ዲና ንጸልኦ ተኾና ኸ ክርስትያን ድዩ ክርስትያን ማለት እኮ ሰዓቢ ክርስቶስ ማለት እዩ።ሓደ ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ዘይስዕብ ተኾይኑ ወይ ሽም የሱስ ክርስቶስ ዘየልዕል ተኾይኑ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ክርስቲና።እቶም 24 ካህናት ሰማይ እኮ ኣብ ሰማይ ተሪኢናዮም ን የሱስ ጅርስቶስ ደይኮኑን ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ዘምስግንዎም ከየቃረጹ ኣብዞም ዝምስገኑ 3 ሰለስተ ሓደ ካብኦምሲ እቲ ወልድ ኢልና ንጽውዖ የሱስ ክርስቶስ ደይኮነን  ቃል ኣምላኽ ከ ኩሉ እትገብርዎ ብሽም ጎይታና ኢየሱስ ግበሩው ደይኮነን ዝብለና ቁላስይስ 3፡17።እሞኸ  ሰብ ነቲ ዝመተሉ የሱስ ክርስቶስ ዘይ በለ ደኣ እሞ ንሽም መን ክብል ኣለዎ።1ይ ቆሮንቶስ10፡31። እውን እንተበላዕኩም እንተሰተኹም ፡ ወይሲ ዝኾነ ይኹን እንተገበርኩም ፡ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።ኤፌሶን5፡20 ን እግዚኣብሄር ኣቦና ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ሳዕ ኣመስግንዎ እዩ ዝብል።ነዚ እንተኾይና ንቃወምሲ ፍጹም ክርስትያን ከምዘይኮና ደኣ ይሕብር የረጋግጽን።ነዚ ምባል እንተ ኾይኑ መስገጊኦም ብልክዕ ሃወርያት እዮም ማለት እዩ።ነዚ ዝጻረር ድማ ጸረ ሃወርያት።እዚ ግን ኪኸውን ኣይክል እዩ እቲ ሃቂ ስለምንታይ በዚ ሰብ ስለ ዘይትጸልኦን ዘይትሰጎን።
እዞም መንእሰያት እዚኦም እታ ኣደኦም ዝኾነት ቤተ/ክርስትያን ጸግዒ ምኻን ምስ ሰኣነት ፈቀዶ ኣዳራሻት ።ሽዑኡ መንእሰይን ውሑጅን ብ ጥበብ ክትጥቀመሎም ኣለካ ንዝበሉ ሊቃውንቲ ወገኖም እዮም መናፈቃን ተባሂሎም ተጸሪፎም ክሳዕ ነዛ ቃል ኣዚኣ ስለ ዝበሉ ክእሰሩ ታዛዝ ዝተዋህቦም እውን ዉሑዳት ኣይኾኑን መንዩ ግን ገባሪ ናይዚ ኹሉ እንተ ኢልካ ግን ጳጳሳት ኣይኾኑንን ንሶምሲ ምስኦም ደኣ ይጽረፉን ይዋረዱን ነሮም።ገባሪስ ኣሎ መቅጻዕቱ ድማ ኣብ ሰማይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምድሪ ክሪኦ እዩ።ቤተ/ክርስትያን ነዞም ሰባት ኣዚኦም ሰጊጋ እውን ሩፍታ ኣይተረኽበን።በቢ ሓደ ስምሊቃውንቲ ክጽልም ኢና ሪኢና ።ኣንታ እንታይ ደኣ ቀሺ ክስቶ እኮ ጰንጠ እዩ።ቐሲ ክስቶ እኮ መናፍቅ እዩ።ብዙሓት ካህንት ዲያቆናት ጸሊሞም ከፊኦም ተዋሪዶም ብ መን እንተ ኢልካ በቶም መጽሓፍ ቅዱስ ሪኦማ ዘይፈልጡ እታ ጸላም መጽሓፍ ናይ በንጠ ኢሎም ንመጽሃፍ ቅዱስ ዝጽውዑ ። ጸላም መጽሓፍ ግን ናይ በንጠ ዘይኮነትስ ናይ ቅድስቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ደኣ እያ።ስለምንታይ ሲ ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዚ ብኢድ ሃወርያት ንዓና ኣዩ ተዋሂቡ።እቲ የሱስ ዝብል ሽም እውን ንሕና ኢና ወነንቱ ክንከውን ዝግበኣና ንሕና ክንጣበቀሉ ዝግበኣና ሽም እዩ ሽም የሱስ ቅዱሳን ነዚ ሰቢኾም ሃወርያት ነዚ መስኪሮም ነበያት እውን  ነዚ መስኪሮም ሃወርያት ሰቢኾም ጻድቃን ከምኡ።ሰማእታት ድማ ስለ ስም የሱስ ክርስቶስ ብሓዊ ተቃጺሎም ብሰፍ ተቆሪጾም ብዳርባ እምኒ ተጨፍሊቆም።ተሰይፎም ስጋኦም ኣብ ኣደባባያት ተጎቲቱ  ተጸሪፎም ዘሎ ዝበሃል በደል ኣብ ልዕሊኦም ወሪዱ ነዛ ሽም የሱስ እትብል ብምምስካር ። ሃወርያት ንሽም  ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ቅዱሳን ሰማእታት ንሽም ማንም ካሊእ ሓይሊ ኣይተዋረዱን ኣይተጸረፉን ኣይተሰጎጉን መጻሕፍቲ ኣይምህሩን ብምሉኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ መጻሕፍቲ ኣይብሉን ቅዱስ ክስቶ ስለ ክስቶ ተጸሪፉ ወይ ንኽስቶ ሰቢኹ ኣይብሉን ኣይንረክብ ሃሰስ ኢልና። እሞኸ ከም ወዮ ኣቦታትና ዝብልዎ ዘይተጻሕፈ ምንባብ ደኣ እንታይ ይበሃል።እቲ ኣብ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተገብረ በደል ነቲ ፖለቲካዊ ሃይሊ ኣብ ኤረትራ ጥራሕ ኣይንህቦን ንሕና እውን ተሓተቲ ኢና።1000 መጽሓፍ ቅዱስ ንህዝቢ ትዕድሎ እንበር ብሃዊዶ ተቃጽሎ።ነዚ ንዘቃጸላ ሓንቲ ዘይፈልጣ ኣደታትከ  ክንዲ ዓገብ ተነሰሓ
እቲ ን ወዲ ኣምላኽ ዝጸረፈ ይህደገሉ እዩ እቲ ን መንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግን ኣይህደገሉን እዩ፡ከም ዝብል ዎ ጎይታይ እዞም ህዝቢ እዚኦም ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ይቅረ በለሎም ዶ ኢልና ኢና ከም መራሕቲ።ኣይፋልናን ገሊእናስ  ነተን ግበራ ተባሂለን ዝገበራ ቅዱሳን ኣደታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየቃጸላን መጽሓፍ ርኹስ እንበር ዶ ኣይበልናን ኢና።እሞኸ ኣምላኽ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብሸለልታዶ ይሓልፎ ይመስለኩም ክንዲ ዓገብ ምባል።እዚ ህዝቢ እንበኣር ኣዚ ኹሉ ዝወርዶ ዘሎ ሽግር ብሰንኪና እዩ።ንሕና መገዲ ምድሃን ምሂርና፡ጌይጋ ክገብር ከሎ ድማ ዓገብ እናበልና ንዛረብ ነቶም ክፋእ ዝገብሩ እንበር ምትቢባኦ ስራሕና ስለ ዝኾነ እዚ እናገበርና እንነብር መራሕቲ ዘለዎ ህዝቢ ዚዝወርዶ ዘሎ ኣኳ ክውህዶ፡ነቲ ቅዱሳን ሰማእታት ከይቃጸል ነፍሶም ክቃጸል ብምውፋይ ዘጽንሕዎ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንዘቃጸልዎ ቅዱሳን ቀንኣት ብሃይማኖቶም ክትብሎም ኣይንውዓሎ ኣምላኽ ይሰውር ምዕጻዱ ከቢድ ስለ ዝኾነ።
በዚ ኣየብቀዐን ከድና ጎይና  ደርፊ ዓለም ምስማዕ ጥራሕ ፈቲና። ክንዲ ዓበይቲ ኣደታትን ዓበይቲ ሰብኡትን መናሰያትን ናብ ቤት/ኣምላኽ ክንዲ ምግስጋስ ናብ ፈስቲቫላትን፡ ጓይላን ዚላን ፡ናብ ኣኸባታትን እንበር ተጎዩ።ኣምላኽ ተኻሒዱ ብእግርና ብኢድና ብጽፍርና ተባሂሉ። ኣምላኽ ክብሪ ተኸሊኡ ኣምላኽ ተዝህሉ ንዓና ን ኤረትራውያን 30 ዓመት ክንቃለስ ዘይሕግዘና ተባሂሉ ነዚ ንዝበሉ መራሕቲ ክንዲ ዞም ደቀይ ሃይማኖትና ክንዲ ምባል ተጨብጪብሎም ኣምላኽ ጉህዩ።ኣምላኽ ሓዚኑ ኣምላኽ ተቆጢዑ። ሰብ ኣብ ሓደ ሰብ ኣምሊኹ ኣምላኽ እንድሕሪ ዘየለ ደኣ ክንጠፍእ ክንዲ ዝበሃል ወዲ ክስቶ እንተዘየለ ደኣሞ ክንጠፍእ ብዘይክኡ ዛሃገር ክትጠፍእ ተባሂሉ በቃ ህዝቢ ክርስትያን ንኣምላኽ ዕሱብ ቀይርዎ ሓንቲ ዘይኽል ነቲ ኣምላኽ ኮፍ ዘበሎ ኣብ ስልጣን ግን ተናኢዱ።መን ኣሎ ከማኻ ተባሂሉ ደራፎ እውን ንስኻ ኣይትምት ኢሎም። ኣበይ ደኣ ኣላ እታ ክርስቲናና ኣበይ ኣሎ እቲ እምነትና።ኣምላኽ ከኣ ነዛ ኲናት ደበኽ ኣቢልዋ ይካኣሎ ኣምላኽ ጥራሕ ምኻኑ ህዝቢ ኤረትራ ከኣምን ስለ ዘለዎ ኣብ ሽም እካ ንዉሉድካ ይካኣሎ ክትብሎ ገይጋ እዩ ኣብ ምስጢረ ስላሴ ይካኣሎ ዝብል ስም ን ኣምላኽ ጥራሕ ከም ተዋህበ ነንብብ።ሰብ ግን ይካኣሎ ተባሂሉ ኣምላክ ስሙ ተሓዲጉ ኣምላኽ ነቲ ይካኣሎ ዝበልዎ ሰባት ከምዘይካኣሎ ኣርእዩ። ሰብ ኣብ ፈቀዶ ቤተ/ክርስትያን እዝግዮ ኢሉ ክምህለል ምስ ጀመረ ድማ ኣምላኽ ኣቅሪርዎ።ህጂ እውን ክርስትያን ን ኣምላኽ ኣየመስገነን ብሃይልና እዩ ተባሂሉ ብሓይልና ግን ሎሚ ኣብቂዓ ኣምላክ ሓያል ምኻኑ መታን ክንፈልጥ።
እቲ ዘምለኽናዮ ድማ ሕቶ ሓቲቱ  ወድና ክንስወኣሉ ዘይኮነስ ኣቦና ክንስወኣሉ  ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ንመጀመርታ ግዜ  ፕረሲደንት   ስለ ዘይተቀበሎ ጥራሕ፡ ን ፓትሪያርክ ስሕብ ኣቢልና ናብ ቤት/ማእሰርቱ ካብቲ ዘገርመኒ ናይ ህጂ ብዕልዋ ፓትሪያርክ ዘለዎ ኣብ ቤት/መግቢ ሰንዓፈ ደቀምሓረ ባዕልና ረኺብና ን ኣቡነ እንጠንዮስ መን ኣውሪድዎም ብሓቂ ድዮም ምስ ካሊእ ርክብ ጸኒህዎም ምስ በልናዮም ዋእ ኣይፋሉን ፡ወሪዱዎም ኣቦና ግን ትመንግስቲ ኣይደለዮምን መንግስቲ እዩ ኣሲርዎም ክብሉ ተዛሪብምና።ምልስ ኢልና ተረኣና ኸኣ ናብ ግብጺ ከም ዝኸዱ ፓትሪያርክነት ደልዮም ድማ ኣረጋጊጽና።ህጂ ኸኣ ን ኣቡነ እንጠንዮስ ከእፍኡ ክትሪኦም ከለኻ ዋእ እዚ ኣምላኽሲ እዚ ቁጠዐኡሲ ናብ ቤት/ኣምላኽ እንኮላይ ግዲ እዩ ኣምጺእዎ የብለካ።
 ይቅጽል,,,,,,,,,,,።
                             ሃያማኖተ ኣቦው

Wednesday 24 August 2011

ኣብ ሓቂ ዝጸንዐ ንሓሶት ዘይቅበል

               



 ኣብ ሓቂ ዝጸንዐ ንሓሶት ዘይቅበል
1.ወዮ ማዕከን ፍልጠት ሰፊሕ ሓንጎል
ኣብ ሓቂ ዝጸንዐ ንክሕደት ዘይቅበል
ከይዱ ናብ ጎይትኡ ኣኽሊል ዓወት ክቅበል
ናይ ብሓቂ ድዩ ግን ካብ ዓይኒና ክኽወል
እምበኣር ካብ ኮነስ ነፍሲ የዕርፍ ፈጣሪ ይቀበል
                            2. መምህር ዓምደብርሃን መሓዞ ቀዳሞት
                              ምስ መን ገዲፍኩማ ዛሃይማኖት
                            ምዕራፍ ይሕሸኒ ዶ ኢልኩም መሪጽኩም ሰማያት
                             መዝሙር ሓጎስ ክትዝምሩ ምስ ቅዱሳን ነፍሳት
                              ሓቅኹም ኢኹም ከኣ ገሪሙኩም ብኡነት
                               ንበይንኹም ኮንኩም ኮይኖም ዝራብዓት
                               ገሊኦም ከዳዓት ገሊኦም ፈራሓት
                              ንፈርዖን ዘምለኹ ገዲፎም ኣምላኽ ሰማያት
3.በዚሑ እቲ ዓገበ  ምንባር ዶ  ኣጽሊእኩሞ
ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ እቲ ርኹስ ክቅመጥ ምስ ረኣኹም
ካብ ምንባር ምስቶም ከም ይሁዳ ዝሸጡ ኣበኦም
ናብ ኣምላኸይ ምእካብ ዶ ይሕሸኒ ኢልኩም
                                4, እንተ ንዓና ግን ጽቡቅ ነሩ ክትጸንሑ ሓንሳብ
                                   ካብቲ ትምህርትኩም ንእሽቶ ክንከስብ
                                         
5.እንተ ጸናዕኩም ከም ክርስቶስ ንሓቂ
ወንገል ተመሃርኩም ትመገዱ ጽድቂ
ሽምኩም ጸሊሙ ተባሂልኩም ናፋቂ
ክርስቶስ ግን ጸዊዕኩም ከልብሰኩም ጽድቂ
ኣብ የማኑ ክትቅመጡ  ወጺእኩም ካብ ቆይቂ
ኣስመራየ ክንደይ ከይትስሕቂ
ሰባት እንበላዕኪ ኣሲርኪ ሓናቂ
                       6. ወያ ሰዓት ዕረፍትኹም ኣኺላ ፈሊጥኩማ
                        ናይ ሃወርያ ጳውሎስ ቃሉ ዘኪርኩማ
                         ጉያይ ወዲአ እየ  ፈጺምመዮ ትዕላማ
                        ተዳለወይ ኣኺሊል ዓወት ተነቡሩለይ ኣሎ ኢልኩማ
                        መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡኩም ከም ዘለኹም ኣብ ናቱ ዕላማ
                        ርሓቂ ኣምሊጠየ ክእከብ ናብ ኣቦይ ንዓለም ኢልኩማ
7.ኣንቢበዮ እቲ ደብዳበ ዝጸሓፍኩሞ ስመይ ይተሓደስ ኢልኩም
ኣቦየ  ኣብዚኣ ጥራሕ ረሲዕኩማ ሃወርያት መሲሉኩም
እንተዝኾኑ ሃወርያትሲ ኣይምተጸበዩን ንዓኹም
ንስኹም ጥራሕ ኣፈጸመኩም ጽቡቅ ጉዕዞ ተዓዊትኩም
ዝተረፍና ደቅኹም ጸልዩልና ከምስለና ስለኹም
ን ክርስቶስ ኣኽቢርና ክንእከብ ኣብ ሕቅፍኹም
                              8.ኣቦየ ካብ ጭዋ ደኣ እንታይ ሰናይ ክመጽእ
                               ሰራቂ ኮ ካሊእ የብሉን እንትርፊ ክዕምጽ ከጥፍእ
                           ኢዋእ ጥራሕ እቶም ኣኽሊል ሰማ ጎሮም ዝስዕቡ ንኽፉእ
                              ንምኹናን ቅዱሳን ዘየርእዩ ምምታእ
                                እምበር ክርስቶሲ ኢሉዩ ስለ ስሙ ከም ንጽላእ
9.ኣስመራየ ተቀይርኪ እኮ ናይ ኣፍሪቃ የሩሳለም
ንተወልዱ ሊቃውንቲ  ሃህ ኢላ ትውሕጦም
መጋበ ምስጢር እካ ሲዒቡም ደድሕሪኦም
ግን ተዛሪቦም እዮም ዓው ኢሎም
ወዮ ዘይነበርኩም ህጂ ግን ይኾኑ የዕሊለሙኹም
ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣዊጆም ትብደል ኣላ ቤት/ኣምላኽ ኢሎም
ንዓኣ ተኪሾም ግን ናባኹም መሪሾም
እወ ብላሽ ዓለም ምስ መን ምስ እንዳ ሕራይ ኢሎም
                                 10, ኣየ  ጉያ ዝቡቅ ጉዕዞ
                                 በሉ ጸልዩልና ትናትኩም ክንሕዞ
                                  ኣፎም ከነትሕዞም ንወንጌል መራዞ
                                 ለቱ ስብሓት
                               ቀሺ ሙሴ,2011