1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 28 February 2013

ሰበር ዜና ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ፓትሪያርክ መሪጻ። Etiopan orthodox tewahdo church elect a new patriarch. Bishop mathias.


ሰበር ዜና  ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ፓትሪያርክ መሪጻ።
Etiopan orthodox tewahdo church elect a new patriarch. Bishop mathias.


New  Etiopian 6th patriarch

ሰበር ዜና ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሓድሽ ፓትሪያርክ መሪጻ
6ይ ሻድሻይ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ኣብ ምምራጽ ኣብ ዝተገብረ ናጻ ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ምርጫ ኣቡነ ማትያስ ብሰፊሕ ከም ዝተመርጹ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።ብተወሳኺ እቲ ምርጫ ናጻን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖን ከም ዝነበረ ተሳተፍቲ እቲ ምርጫ ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።
ኣብዚ ዝተገብረ ምርጫ ገለ ገለ ወገናት ኣቡነ ማትያስ ንኸይ ምረጹ ዝጽዕሩ ከም እኒ ማሕበረ ቅዱሳን እኳ ዝኾነ ምንቅስቃስ ተገበሩ።ህዝቢ ግን  ብብልሒ ንዕኡ ዝኾኖ ፓትሪያርክ ብድምጹ መሪጹ ኣሎ።እዚ ኣዝዩ ባህ ዘብል ህዝባዊ ፍጻመ።ነተን ከም ኤረትራ ዝበላ ደሞክራስያዊ መስርሕ ተኸቲለን ዘይፈልጣን ኣብ ዕጹው ንኹሉ ዝገብረኦን ዓቢ ኣብነት ኢዩ።
new Etiopian 6th  patriarch bishop mathias 1st 
ኣብ ኤረትራ ኣብዚ ዝተገብረ ን ኣቡነ እንጠንዮስ ኣውሪድካ ካልእ ን መንግስቲ ዘገልግል ናይ ምምራጭ ፓትሪያርክ እኳ እንተሪኢና ናይ ትማሊ ፍጻመ።እቶም ዝመጹ መራጽያን ን ኣቡነ ማቴዎስ መሪጾም ክንሶም።ገለ ዕሱባት መራሕቲ ሃይማኖት ግን ምስ መንግስቲ ብምዃን ድምጺ ምርጫ ብምስራቅ ነቶም መሳርሒ ክኾኑዎም ዝኽእሉ ኣቡነ ደስቆሮስ ናብ መንበር ኣምጺኦሞም ኢዮም።
እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ንዓይ ምረጹኒ እንዳበሉ ክጉስጉሱ ዝቀነዩ ኣቡነ፡ ሳሙኤልን ማሕበረ ቅዱሳንን በዚ ዜና ከም ዝሰንበዱ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።ብተወሳኺ ኣባል ማሕበረ ቅዱሳን ዝኾኑ ኣቡነ ኣብርሃም ኣባ ማትያስ ኣብ ሃይማኖቶም ጥርጥር ኣለኒ፡ ከይኮኑ ይጥርጥር ኢየ።ኣብ ምርጫ ክሳተፉ ተቃዉሞ ኣለኒ ኢሎም ንዝሃቡዎ ሓበረታ፡ኮሚተ ምርጫን ሲኖዶስ ኢትዮጵያን ነጺጉዎ ነይሩ ኢዩ። ንሶም እቲ ጉዳይ  ቀስ ኢልካ ክግበርን እኳ ተሓተቱ፡ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ግን ።ባዕልኹም ንቀልጥፍ ትብሉ ነርኩም።ብታህዋኽ ክኸውን ኣለዎ ኢልኩም መገዲ ሰላም ዓጺኹም ኣሾኲልኩምና። ህጂ ኸኣ ቀስ ንበል ትብሉ ።እንታይ ዕላማ ስለ ዘለኩም ኢዩ ብምባል ዘረብኦም ውድቂ ገይሩ ነቲ ብ ኣስመራጭ ኮሚተ ዝቀረበ  ጸብጻብ ኢዩ ኣጽዲቁ ምርጫ ከም ዝካየድ ገይሩ።
በዚ ኾነ በቲ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረ ቅዱሳንን ሰዓብቱ ጳጳሳትን ዘይደልዩዎም ፓትሪያርክ ህዝቢ ኢትዮጵያ መሪጹ ኣሎ።ዝመጽእ ከመይ ኪኸውን ኢዩ ክንሪኢ ኢና።ን ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝጓሶ ኣቦ ዝሃባ ኣምላኽ ይባረኽ።
ወዲ 71 ዝኾኑ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ክፍለ ሃገር ኣውራጃ ዓጋመ ወረዳ ስቡሕ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ወልደ ጊዮርግስ ካብ ኣደኦም ወ/ሮ ከለላ ተወሊዶም፡ቅዳሴ፡ዜማ፡ቅኔ”ባሕረ ሓሳብ፡ትርጉም ሓድሽ ኪዳን ተማሂሮም።ብ 1984 ካብ ኣቡነ ማርቆስ ናይ ኤረትራ ሊቀ ጳጳስ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝነበሩ ድማ ዲቁና ተቀቢሎም። ኣብ ወረዳ ተንቤን ጮኸ ገዳም  ኣትዮም ን 10 ዓመት ዝኣክል እንዳ ኣገልገሉ ሰዓታትን ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢርን ከብ መ/ምህር ገብረ ማርያም ተማሂሮም።ካብቁ ቀጺሎም ድማ ብ መዓርገ ቁምስና ኣቢሎም ኣብዚ ዘለዉዎ ደረጃ ፓትሪያርክነት በጺሖም።
ኣብቲ ዝወዓለ ምርጫ ግን፡ድምጺ ከምዚ ነይሩ።

ቁጽሪ ድምጺ ከምዚ ተፈጺሙ
1.ብጹዕ ኣቡንነ ማትያስ 500 ሰዓሪ
2.ብጹዕ ኣቡነ ዮሴፍ  98 ድምጺ ረኺቦም
3.ብጹዕ ኣቡነ ሕዝቅኤል 70 ድምጺ ረኺቦም
4.ብጹዕ ኣቡነ ማቴዎስ 98 ድምጺ ረኺቦም
5.ብጹዕ ኣቡነ ኤልሳዕ 39 ድምጺ ረኺቦም
ነዚ ምርጫ እዚ ዝወጸ ገንዘብ 3.650.00 ምኻኑ ብጹዕ ኣቡነ እስጢፋኖስ ገሊጾም።

Etiopan orthodox tewahdo church elect a new patriarch.
 Etiopian orthodox tewahdo church chose a new patriarch bishop mathias,to lead the horn Africa biggest Christian community.
Congratulaton for All  Etiopian orthodox  community in The world.

ሃይማኖተ ኣበው

No comments:

Post a Comment