1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 30 August 2013

ቅዱሳን ኣሣእል::

ቅዱሳን ኣሣእል::

ከም ዝፍለጥ ፈጣሪ ዅሉ ዝኾነ ቅዱስ እግዚአብሔር ብኣምላኽነቱ ዘይረአን ዘይድህሰስን ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፈቲ የረድኡ(ዮሓ 4፣24) እግዚአብሔር መንፈስ እዩ እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብሓቅን ብመንፈስን ክሰግድሉ ይግባእ።ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ነቲ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ ብምኽታል እግዚአብሔር ረቂቅ(መንፈስ) ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ""ጐይታስ መንፈስ እዩ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘሎ ሓርነት ኣሎ ይብል(2ቆሮ 3፣17)፣ በዚ መሠረት እቶም ኵሉ ጊዜ ብዘይ ምቁራጽ ንእግዚአብሔር ዘገልግሉ ቅዱሳን መላእክቲ ውን ረቀቕቲ መናፍስቲ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና፣ መዝ 103(104)።4 ሕቶ።-ቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ እግዚአብሔር ረቂቕ እንተደኣ ኮይኑ መላእክቲውን ረቀቕቲ መናፍስቲ እንተደኣ ኮይኖም ንእግዚአብሔር ኮነ ንመላእኽቲ ከመይ ኢልና ብሥእሊ ክንገልጾም ንኽእል፨ 
እግዚአብሔር እዚ ይመስል መላእክቲ ውን ነዚ ይመስሉ ኢልና ብስእሊ ከነቕርቦምከ ይግባእዶ፧ መልሲ።- ብርግጽ ንእግዚአብሔር ብባህሪኡ ወይ ብእምላኽነቱ(ብመለኮቱ) ሲኢልካ ወይ ገሊጽካ ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን መኽንያቱ ጐይታ ሰማይን ብምድርን ምሉእ ንዝኾነ ጐይታ ኃዲጎም ሥእሊ እናሰኣሉ ቅርጺ እናቐረጹ ኣማልኽቲ እዮም እናበሉ ንጣዖታት ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብትሪ ተነቒፎም እዮም፣ (ዘፀ።-20።1-6)"ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ባርነት ዘውፃእኩኻ ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ እየ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይተምልኽ፣ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ ምስልን ሥእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ፣እንተኾነ ግና እግዚአብሔር ንእሙን ኣገልጋሊኡ ኣብርሃም ብናይ ሠለ ስትነት ምሥጢር ብሠለሰተ ሓለፍቲ መገዲ መሲሉ ከም ዝተገልጸሉ መጽሓፍ ቅዱስ የረድእ፣ ዘፍ 18።
1 ስለዚ ነዚ ታሪኽ እዚ ብሥእሊ ምግላጽ ቅቡልን ኣገዳስን ምዃኑ ተረዲኣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ናይ ኣብርሃ ሥላሴ ብዝብል ቅጽል ብሥእሊ ኣቕሪባ ንትምህርቲ ትጥቀመሉ ኣላ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ውን ብኣምሳል ሰባት ማለት ብናይ ሰብ ኣረኣእያ ንኣጋር ኣደ እስማኤል (ዘፍ16።7) ንያዕቆብ(ዘፍ32።1) ንበልዓም (ዘሁ22።31)ንኢያሱ(ኢያ5።13)….ወዘተ ሰባት መሲሎም ስለዝተገልጽሎም ንውዕለቶምን ተራዳእነቶምን ኣገልግሎቶምን ታሪኾምን ብኣምሳል እቲ ዝተግልጽሉ ምስሊ ብመልክዕ ሥእሊ ኣቕሪባ ንምእመናን መረድኢ ትጥቀመሉ ኣላ ሰለዝኾነ ምስቲ ኣብ ኦሪት ዘፀኣት 20።1 ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዝ ዝጋጮ ኣይኮነን፣ 
ብኣምሳል ሰብ ሥኢልካ ናይ ጸጋ ወይ ናይ ኣኽብሮት ስግደት ምቕራብ ኣሰር ኢያሱ ምስዓብን ክብሪ መላእኽትን ምፍላጥን እምበር ግጉይ ኣይኮነን፣ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኾም ኣብ ሓዊ ዝተደርበዩ ሠለስተ መንእሰያት ካብ እቶን ሓዊ ንዘናገፎም ኣብ ማእከል ሓዊ ክመላለስ ከሎ ውን ብናቡከደነፆር ዝተራእየ ቅዱስ ገብርኤል ነቲ ዝገበሮ ረድኤት ብመልክዕ ሥእሊ ምቕራብ እንታይ ኣበር ኣለዎ፨
(ዳን።-3፣1-30) ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ብናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ተላኢኹ ንዘድኃኖም ቅዱስ ገብርኤል ብሥእሊ ሥኢልካ ናይ ጸጋ ስግደት ምቕራብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ቅድስና ተረዲእካ ብፍቕሮምን ረድኤቶምን ተደሲትካ ዝግበኦም ክብሪ ምሃብ ዘንቅፍ የብሉን፣ ከመይ ንዅሉ ዘዝግብኦ ሃብዎ ስለዝብል፣ ንጉሥ ናቡከደነፆር ውን እኮ ጽቡቕ ንዝገበረሉ ንነቢይ ዳንኤል ተደፊኡ ናይ ጸጋ ስግደት ከም ዝሰገደሉ ተጻሒፉ እዩ ስለዝሰገደሉ ውን ኣይተነቕፈን፣ ዳን- 2፣46 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ እቲ ንቕኑዓት ምእመናን ዝራዳእን ዘማልድን ቅዱስ መልእኽ ትሕት ኢልና እንተሰገድናስ መን ይቃወመና፨
 እቶም ዝኃለፉ ቅዱሳን ብምስጋዶም ስለ ዘይተነቕፉ ዝነቅፍ የብልናን፣ ሓቂ እዩ ሥእልን ቅርጻ ቅርጽን ብብዙኃት ዘይኣመንቲ ከም ጣዖት ናይ ኣምልኾ መግለጺ ኮይኑ ይስረሓሉ ምንባሩን ዘይቅቡል ከቢድ ኃጢአት ከም ዝኾነ ውን ነቢይ ሕዝቅኤል ገሊጽዎ ኣሎ፣ ከም ኣገላልጻ እቲ። ነቢይ እቲ ቀንዲ ኃጢአት ኮይኑ ዝቑጸር እቲ ሥእሊ ዘይኮነስ ብምኽንያት እቲ ሥእሊ ኣምልኾ ጣዖት ምፍጻሙ እዩ፣ይኹን እምበር ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ንዝኾኑ ቅዱስን መላእኽቲ ብሥእሊ ኣዳሊኻ ንኣመንቲ ምቕራብ ፍቑድ ከም ዝኾነ ካብቲ ባዕሉ ዘፍቀደ እግዚአብሔር ኣብ መጽሓፈ ነገሥት ተኣዚዙ ንረኽቦ ኢና፣ እዚ ድማ ነቢይ ሙሴን ንጉሥ ሰሎሞንን ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ንዝኾኑ ኪሩቤል ብወርቂ ቀሪጾም ኣብ ልዕሊ መኽደኒ እቲ መኅደሪ መለኮት ዝኾነ ታቦት ከቐምጥዎ ኣዚዝዎም ምንባሩ ከምኡ ከም ዝገባሩን ይፍለጥ፣ (ዘፅ።- 25።18)(1ነገ8።7) ስለዚ ከምቲ ወርሒ ብከዋኽብቲ ተዓጂባ ክትበርህ ከላ ኣዚያ እትደምቕ ከምቲ ሞሮር ብዕንባባ ተሸፊኑ ማዕሪጉ ዝረአ ቤተክርስቲያን ድማ ብዝተፈላለዩ ኣሣእል ቅዱሳን መላእክት ጻድቃን ካልኦት ቅዱሳን ደሚቓን ወቂባን ክትረአ ከላን ብርግጽ መንበርን ዝፋንን ናይ እግዚአብሔር ምዃና ብዝበለጸ ንምርዳእ ሓጋዚ ይኸውን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ዝርከቡ ዓበይቲ ጥቕምታት እቲ ብዝግባእ ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝኽተል ኣማኒ ኵሉ ካብ ቅዱስት ኣሳእል ክልተዓበይቲ ጥቅምታት ትረክብ። ንሳቶም ድማ ረድኤትን ትምህርትን እዮም::
 1.ብመልክዕ ሥእሊ ዝቐርብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ንኽትርድኦ ቀሊልን ኣብ ሓንጐል ዝሰርጽን እዩ፣ ኣብ ካልኣይን ሣልሳይን ምዕራፋት ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ታሪኽ ኣዳምን ሔዋንን ከመይ ኢሎም ከም ዝተፈጥሩን ከመይ ኢሎም ብተመን ከምዝሰሓቱን ብመልክዕ ሥእሊ ክርአ ከሎ ዝያዳ ንጹር ኮይኑ ንዝኾነ ሰብ ክርድኦ ይኽእል እዩ፣ ኣብርሃም ንይስሐቅ ወዱ ንእግዚአብሔር ክሥዉኣሉ ከሎ እግዚአብሔር ከኣ ንመሥዋዕቲ ዝኸውን በጊዕ ክቕርበሉ ከሎ ብመልክዕ ሥእሊ ምስ እንዕዘብ ኣቦንነት ኣብርሃምን ንተኣዛዝነት ይስሐቅን ብቐሊሉ ትርዳእ፣ ስለዚ ንዅሉ ታሪኽ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ። ጥምቀቱ። ስቅለቱ።… ትንሣኤኡ። ዕርገቱ ብሥእሊ ኣዳሊኻ ንምእመናን ምቕራብ ማለት ንወንጌል ምምሃርን ምስፋሕን ማለት'ዩ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ንሰብ ገላትያ ክግሥጾም ከሎ ""ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ ቀደም ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ከም ስቑል ኮይኑ ተሣኢሉ ነበረ""ገላ3፣1፣
2.እቲ ካብ ቅዱሳን ኣሣእል ዝርከብ ካልእ ጥቕሚ ከኣ ረድኤትዩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዳት ቤቱ ወይ ኣብ ከውሒ ናይ ዝፈትዎም ቤተሰቡ ሥእሊ ይሰቅል'ዩ ኵሉ ጊዜ ነቲ ሥእሊ እናረኣየ ድማ ይዝክሮምን ፍቕሩ ይገልጸሎምን ብጥንቃቐን ብጽርየትን ድማ ነቲ ሥእሊ ይካናኸንዎ።ኣብ ሥርዓተ ሃይማኖት ድማ ምእመናን ናይ ክርስቶስ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ መላእክቲ ናይ ጻድቃንን ሥእሊ ኣብ ቤተክርስቲያን ፍቕሮም ንምግላጽ ይጥቀምሉ፣:
ከምኡ ውን ንዝተገብረሎም ውዕለት ብምዝካር ሓገዝን ረድኤትን ንምርካብ ገጽ እቲ ሥእሊ እናረኣዩ ብምጽላይ በረኸት ንምርካብ ይጥቀምሉ፣ ብርግጽ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ እቲ ምእንታና ብዙኅ መከራ ረኺቡ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ክንጽሊ ከለና ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ናይ ጸሎት ኣጋጣሚ ፍቕሪ ክርስቶስ ክስወጠናን ኣዕሚቝና ብምስትንታን ድማ ሕልናና ኣብ ሰማይ ሰቒልና ክንጽሊ ኣዚዩ ሓጋዚ ምዃኑ ባዕልና ፈቲና ከነረጋግጾ ንኽእል ሓቂ እዩ፣ ናይ ቂሳርያ ሊቀ ጳጳስ ኣውሳብዮስ ብዛዕባ ሥእሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስክር ከሎ ""ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ደሙ እናፍሰሰ መስቀሉ ተሰኪሙ ናብ ጐልጎታ ኣብ ዝጋዓዘሉ ዝነበረ እዋን ካብተን እናበኸያ ዝስዕበኦ ዝነበራ ኣንስቲ ቬሮኒካ ዝተባህለት ሰበይቲ ናይ ርእሳ መሸፈኒ ኣውፂኣ ገጹ ክደርዘሉ ንጐይታ ሃበቶ እሞ ጐይታ ድማ ነቲ ብደምን ራሃጽን ዝጠልቀየ ገጹ ደሪዙ መለሰላ፣ ናይ ገጹ መልክዕን ምስልን ድማ ኣብቲ ጨርቂ ተሓቲሙ ተረፈ።"" ይብል፣
ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ውን ብዛዕባ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ጽሒፉ ኣሎ፣ ኣብቲ ""ታሪኽ ሓዋርያ ያዕቆብ ዝብል ናይ ትውፊት መጽሓፍ ንመጀመርታ ጊዜ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥእሊ ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝሠኣሎ ይገልጽ፣ ስለዚ እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ውን ኣገዳስነት ሥእሊ ተረዲኦም ባዕሎም ይሥእሉ ምንባሮም ኣብነት ምዃኑ በዚ ክንርዳእ ንኽእል፣
ጥንታዊ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከም ዝገልጾ ኣገዳስነት ቅዱሳት ኣሣእል ክሳብ መጀመርታ 8ይ ክፍለ ዘመን ክብሩ ትዓቂቡ እኳ እንተጸንሐ፣ሃንደበት ግና ካብ ማእከል ክርስቶሳውያን ገለ ውሑዳት ንክብሪ ቅዱሳት ኣሣእል ክቃወሙ ስለዝጀመሩ ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ሮማን ቢዛንታይንን ከቢድ ክርክር ኮነ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ 797ዓ,ም መራሕቲ ኵለን ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ጉባኤ ሠሪዖም ቅዱሳት ኣሣእል ብኽብሪ ክተኃዙን ክኽበሩን ክንሳለሞምን :ውሳኔኦም ኣኅለፉ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያንን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ክርስቲያንን ንቅዱሳት ኣሣእል ዓቢይ ክብሪ ክህቡ ይርከቡ ኣለዉ::

ስለዚ እንገብሮም ብፍቅርን ብስርዓትን ምስ ኣምላኾና ዝጋጨዉ ክሳዕ ዘይኮኑ ክንጥቀመሎም ሰናይ እዩ።ንሶም ብምጥቃምና ዝመጸና ፍርዲ ድማ የለን።

ስብሃት ለእግዚኣብሄር ሉዑል ኣሜን።

ዲያቆን እዝራ ካብ ኣስመራ

ምንጪ መጺሔታት ኦርተደክስ






ቃል ኪዳን።


ቃል ኪዳን።

ተመዚኖም መዛኑ መጽሓፍ ቅዱስ ክመጹ ዘይክእልሉ ምኽንያት እግዚአብሔርን ሰብን ዝሓስብዎን ዝዛረብዎን ማዕረ ክኸውን ዘይክእል ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እቲ ምንታይ ፈጣርን ተፈጣርን ክልተ ነንበይኖም ዛዕባታት እዮም። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ንብሎ ዘሎና ሰማያዊ ክብሪ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ንረኽቦ።

ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ፣ ኣብ ወንጌል ማቴ. 193-9 ፈሪሳውያን ድማ “ሰብኣይሲ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ይኽእል እዩ፧” እናበሉ ክፍትንዎ ናብኡ መጹ፣ መሊሱ ድማ በሎም። እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፣ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሐድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ” ዚብል' ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።

ንሳቶም ከኣ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ መፍቲሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ክፈትሓ ዝኣዘዘ በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትሪ ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም። ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን በሎም። ኣነ ግና እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእ ዘእቱ ይዝሙ፣ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ'ውን ይዝሙ እብለኩም ኣሎኹ። በቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበረሉ ዘመን ማለት “ንሰበይቲ መፍትሒኣ ሂብካ ዝፋነወሉ ዝነበረ ጊዜ፣ እዚ ዚስዕብ ኃጢኣት ይፍጸም ነበረ።

ካብቶም ሽዑ ዝጻመዱ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ንኽፋትሑ ዝፈቕድ ሕጊ ኣይነበረን ባዕሉ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን “ካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን እናበለ ኣስሚርሉ እዩ። እዚ እናኾነ ግና ብሰንኪ ትሪ ልቡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተጸልኣ ክሳዳ ዓምጺጹ ክቐትል ጀመረ።” ሰበይቲ'ውን ብወገና ብሰንኪ ትሪ ልባ “ንሰብኣይ እንተጸልኣቶ ኣብቲ ዚምገቦ ሕብስቲ፣ ኣብ ዚሰትዮ ጽዋእ መርዚ፣ ስሚ፣ ሓሞት እናሓወሰት ኣጎምዲዳ ትቐትሎ ነበረት። እዚ ገበን እዚ ምስቲ ኣብ ዓሠርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ተሠሪዑ ዘሎ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ ይጻረር ኣይቃዶን ድማ እዩ፣ በዚ መጠን ንፍትወት ሥጋ ብምባል ዝመጸ ስስዐ ዝጠፍእ ሕይወት በዝኀ፣ ነዚ ዝተዓዘበ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ነቲ ዝባድም ዝነበረ ትንፋስ መዕገቲ ኪኸውን ዚኽእል “መፍቲሒኣ ሂቡ ክሰዳ ይኽእል እዩ” ዝብል ምኽሪ ሂቡ በዚ ድማ እቶም ተሪር ልቢ ዝውንኑ ዝነበሩ ሰባት ሰፈሉ። መዐገሲ ረኸቡ ካብቲ ኣበሳኦም ድማ ዘሓሉ።

ንሰብ ኣይውዕሎን ኣይትበሎ ኣይትውዓሎ ደኣ በሎ ዚብል ብሂል” “ነዚ ሓቅነት እዚ ይምስክረልና፣ እዚ ዝኣክል ክብሪ ከሎ ምስኡ ድማ ናይ እግዚአብሔር በረኸት ደረቱ እንተዝበልካ ዝወርደካ ዓስቢ ኃጢኣት ቀሊል ኣይኮነን እዚ ማለት ቃል ኪዳን ሰማያዊ ርዝነት እናሃለዎ፣ በቲ ዘመን ኣውኀዞ፣ ጸሊኡኒ፣ ጸሊአዮ፣ እናበልካ ትእዛዝ እግዚአብሔር ምፍራስ ኣብ ቅድሚኡ መለሳ ብኣወንታ፣ ብኣሉታ ኣምሳያ ብንጽሕና ብኃጢኣት ኣቕሪቡ ዘወግዝ ጸሊም በደል እዩ። “ካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን ዝብሎ ድማ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣዳም ካልአይቲ ክፈጥረሉ ከሎ ካብ ፍንጫሕ መሰንገሊኡ ሓንቲ እምበር ብዙኃት መሰንገለታት ኣይወሰደን፣ እምበኣር ኵሉ ኣብ ኢዱ ከሎ ክሠርሖ'ውን ዘይጽግሞ ምዃኑ ብዙኃት ሔዋናት ክገብረሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። ንሔዋን'ውን ብዙኃት ኣዳማት ምገበረላ። ግና እዚ ነገር እዚ እግዚአብሔር ስለዝረስዖ ዘይኮነስ፣ ሕጉን ሥርዓቱን ስለዘይኮነ እዩ። ስለዚ ንሳቶም ዝኣትውዎ ቃል ኪዳን ከኣ ኣብ ልቦም ብንጽሕና ዝተሓጽረ ነበረ። ኣዴና ሔዋን ብዲያብሎስ ተሓቢላ ኣብ ኃጢኣት ምስ ወደቐት። ኣቦና ኣዳም'ውን ጸልኣ ንሳ ከምዘስሓተቶ'ውን ኣመኻነየ። እግዚአብሔር ግና ዳግማይ ነዚ ዚስዕብ ምኅፅንታ ኣቕረበሉ “ኣዳም ኣዳም ሕጂ'ውን ካብቲ ዝቐደመ ዝገደደ ከይትዕሹ ተጠንቀቕ እቲ መድኃኒ ካብ ዘርኣ እዩ ዚውለድ” በሎ። በዚ ድማ ካብ ኵራኡ ዝሓለ ክሕብሕባ'ውን ጀመረ። ዘፍ.320

መሰንገሌኻ ወዲእካ መሰንገለ እንዳማትካ ምቕጻጽ እግዚአብሔር ፍቓዱ ኮይኑ ከቶ ኣይፈልጥን ሚል 210 ምስናይ እዚ ኪዳን ከም ክዳን ዝበሊ ኣይኮነን። ኪዳን ኣብ ጽላት ልብታትና ተጻሒፉ ንናይ ቅድስና ናብራ ሰኒዱ ንሕሰምናን ውርደትናን ሰቲሩ ንዘንት ዕለት ዚነብር እዩ :: ብፍቕሪ ይሕደስ እቲ ክጸንዕ ክሳዕ ፍጻሜ ይዕገሥ። “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ንሠናይ ከኣ ኀዝዎ።

ኣብ ንሓድሕድኩም ምውቕ ፍቕሪ ኣኅዋት ይሃሉኹም ንሓድሕድኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ። ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ ብመንፈስ ዝተቓጸልኩም ኩኑ ንእግዚአብሔር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሓጐሱ ብጸበባ ተዓገሡ ከየቋረጽኩም ጸሎት ኣዘውትሩ። ንሓድሕድኩም ተሰማሚዕኩም ንበሩ ምስቶም ትሑት ናብራ ዘለዎም ሕዉሳት ኩኑ እምበር ኣይትተዓበዩ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትመክሑ።

ሮሜ 129-18 እቲ ዝተቐደሰ ሰብ ንፍቕሪ ኣኅዋት ክሳዕ ክንድዚ የፍቅራን ይገልጻን ይነብረላን። ላዛ ፍቕሪ መቐረቱ ብልሳን ቅዱሳን እግዚአብሔር ክንገር ከሎና ንስለ ምስማዕ ወይ ጊዚያዊ መስተርሆት ሓንጐል ጥራይ ኣይኮነን። ወትሩ ዕለት ማዕረ እቲ መታን ክንነብር ብምሕሳብና እንምገቦ እንጌራን እኽለማይን፣ ቃል እግዚአብሔር'ውን ክንምገቦ ይግባእ። ተመጊብና ድማ ሠላሳ፣ ስሳ፣ ሚእቲ፣ ሠናይ ፍረ ክንፈሪ እግዚአብሔር ዝሕጐሰሉ ሠናይ ኵነታት ክንፈጥር ዓለማዊ እምበር ዳግማዊ ኣይንግበሮ፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን'ውን ነዚ ሰማያዊ ማሕላ ከተምሕል ከላ ያታ፣ ባህሊ፣ ልማድ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ሕጊ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ ሰነፈ፣ ሰነፈት፣ ሓመመ፣ ሓመመት፣ መኸነ፣ መኸነት፣ ሓመቐ፣ ሓመቐት ኢልኩም ኣይትጋደፉ ንምባል ዝተገብረ እዩ።

ካብ ብሂል ኣቡነ ሺኖዳ ምስ እንዕዘብ መሠረት ጽንዓት ቃል ኪዳን ንዝኾነ ፍቕሪ ምስ መለለይ ሥጋ ዝኾነ ፍትወት ከወዳድሩ ከለዉ “ፍቕሪ ለጋስ እያ፣ እንተፍትወት ግና ተቐባሊት እያ” ዝበልዎ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ምስ እንዕዘቦ ጸዋር፣ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ዚሓሊ፣ እንካ እምበር ብባህሪኡ ሃባ ዘይልማዱ እዩ። ፍትወት ድማ ከምቲ ተራእዩ ዝጠፍእ ትኪ ይመስል። ንእዋኑ እንተዘይኮይኑ ቀጻልነት ዘየረጋገጸ፣ መናው፣ ንረብሓ ዝቐርበካ፣ ዝደለዮ ምስ ረኸበ ዝርሕቀካ እዩ፣ እዚ ማለት እታ ተባሃጊት ዕንባባ ጽጌሬዳ እኳ እሾኽ ኣብ ማእከላ ከምዘለዋ ዝርስዕ ብሓፈሻ ፍትወት ሥጋኡ ከርዊ ዚነብር ማለት እዩ።

እዚ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ብኽብሪ ቃል ኪዳን ትርጉምን ንምብራህ ዝተባህለ እዩ ሐዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮማ ኣብ ዝጸሓፎ “እዚ ምሥጢር ዓቢይ እዩ። ምእንቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር ዓያሹ ኣይትኹኑ” ኤፌ. 517-32 “ሰበይቲ ምርካብ ሠናይ ምርካብ እዩ እዚ ከኣ ካብ እግዚአብሔር ሞገስ ምርካብ ማለት እዩ“ ምሳ. 1822 እዚ ማለት ቃል ኪዳና እተኽብር ንባዕላ ብርኽቲ ብምዃና ዘርኣ እተባርኸ፣ እቶም ካብኣ ዚፈርዩ፣ እንሆ ውሉድ ውህበት እግዚአብሔር እዮም እተባህለሉ ጸጋ ብመገዳ ይርከብ።

መዝ. 127ስለዚ ንሠናይ ንቀመጠሉ፣ ንእምነት ነጽልለሉ፣ ንተስፋ ንኅደረሉ፣ ንፍቕሪ ድማ ንንበረሉ። በዚ ድማ ንነፍስና ዕረፍቲ ክንረኽበላ ኢና። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ ንጽንዓት ቃል ኪዳን ውሕስነት ዚህቡ ንኡሳን ኣርእስቲ ኣብ ኃሙሽተ ነጥብታት ከፊልና ክንርእዮም እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸጋ ጥበቡ ይደግፈና።

1. ኅብረት ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፣ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ። ማቴ 196 “እንሆ ኣኅዋት ብሓደ ኃቢሮም ክነብሩስ ክንደይ ሠናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ። መዝ 133ኣብቲ ብኅብረት ምንባር ሠናይን ጥዑምን ክርከብ ዚኽእል በየናይ መገዲ እዩ፧ ነዞም ጠጥዑሙን ሠሠናዩን ዝሓስቡ ኣእምሮ ክህሉ ዝገብርዎ ኵነታትከ ኣየኖት እዮም፧ ነዘን ጽምዲ ሕቶ ክንምልስ ከሎና እቲ እንህቦ ምላሽ ካብ ገዛእ ርእስና ዝጅምር ኃላፍነታዊ ሓቂ ኪህልዎ ይግባእ። ፈለማ ናብራና መታን ክምቅር እንወስዶ ስጉምቲ፣ ፍትወት ንአይ ስምዑኒ ምባል ቀቢርና፣ ነቲ ምሳና ዝኃበረ ኣካል ክንሰምዖን፣ ክንርድኦን፣ ከነስተብህሎን፣ ኣብ ሕይወቱ ሓገዝቲ ኪኾኑ ዚኽእሉ ባእታታት ህላውነቶም ምርግጋጽ ወሳንነቱ ኣዝዩ ዓቢይ እዩ። ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ክገብሮ ዚኽእል ነገር ዘይዕዉት ወፈራ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ። ከምቲ ኵልና እንፈልጦ፣ ኣብዛ ሓጻር ዘመን ሕይወትና ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ርግኣት፣ ሓጐስ፣ ኮታስ ኵሎም እቶም ኣብ ሠናይን ጥዑምን ዚምደቡ ጠባያት ከስተማቕር ሃረር እናበለ ዘይምነ ሰብ የልቦን። እዞም ክጥቀሱ ዝጸንሑ ውጽኢት ጥዑም ኩነት ኣእምሮ ዘውሕስ ኣካል ድማ ባዕሉ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ተጠቃሚ ሰብ እዩ። ገዛእ ርእሱ ዘይፈቱን ዘይከናኸንን ሰብ ንኻልኦት ኣርኣያ ኪኸውን ዘሎ ካዕበት መስገደል ጸገማት ኣዝዩ ርሒብ እዩ።

ኣብዚ ኂዝናዮ ዘሎና ንኡስ ኣርእስቲ “ኅብረት” ድማ ክንኃብረሎም ዚግባእ ዛዕባታት ምዕባይ፣ ንኸይንኃብር ዚዕንቅጹና ገጸ ባህርያት ከኣ ጫሌዳ ከይፈጠሩ ምእላዮም ኣገዳሲ ውሳነ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ ካልኣይ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶ እቲ ንሠናይን፣ ጥዑምን፣ ንመስተርሆትን፣ ንቕሳነትን ኣኅዋት ኣኅቢሩ ከንብር ዚኽእል ኣእምሮ ብኸመይ ይምዕብልኢልና'ውን ዘይሓሰብና ኣይኮናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ንብዘሎ ሥነፍጥረት ክፈጥር ከሎ ይኹን ይብል ነበረ። ኣብ ሰብ በጺሑ ግና እግዚኣብሔር ብመልክዑ ገይሩ ሰብ ፈጠረ፣ ዘፍ. 1:27 ድኅሪ ምፍጣሩ'ውን እንተ ረኣና ኅብረት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ስለዝነበረ ንብዘሎ ፍጥረት ክገዝእ ሥልጣን ሃቦ። ዘፍ. 128-31 እቲ ንኅብረት ዘርኡ ክሓስብ ዚኽእል ኣእምሮ ሰፊሕ ኪኸውን ድማ መደቦ፣ ወዲ ሰብ ብመልክዕ እግዚአብሔር ስለዝተፈጥረ ከኣ ዝዓበየ ብልጫ ኣለዎ፣ ሰላም ክሰፍን ካብ እግዚአብሔር ኃይሊ ልዑል ዝተቐበለ ድማ እዩ፣ እዚ ኅብረት እዚ ሠናይን ጥዑምን ከኣ ኣብዚ ልዙብ ውህበት እግዚአብሔር ኣእምሮ ክቱት እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ዝበሎ “ንስኻ እንተዘይትፈቅድ ክህሉ ዚኽእል ነገር ኣይምሃለወን፣ ንስኻ እንተ ዘይትፈጥሮ፣ ክነብር ዚኽእል ሓደ ነገር እኳ ኣይምሃለወን። ጥበ1125”
2. 
ምክብባር “ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ፣ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ከኣ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።” 1ቆሮ. 1226 ሓድሕዳዊ ምክብባር መሠረት ጽኑዕ ቃል ኪዳን እዩ። “ሓደ ሰብ ልኡኽ ፍቕሪ እየ፣ ኢሉ ምስ ዚኣምንን ዚርዳእን ንዓይ ምባል ይገድፎ” ኣባ ሙሳ ናይ መንእሰያት ጳጳስ ኣብ ግብጺ ዝበልዎ ኃይለ ቃል እዩ። ስለዚ እቲ ክብረት ንብሎ ዘሎና መንፈሳዊ ወፍሪ ኣብቲ መጻምድና ምስ እንውፍዮ ክብሪ መጠን ነፍሰ ክብሪ ንረክብ። ምኽንያቱ እቲ ክቡር ሰብ መጠን ነፍሱ ገይሩ እዩ ንሰብ ዘኽብር። ኣብ መንጎ ክልተ ተጻመድቲ ኪህሉ ዝግብኦ ምክብባር ብደጋዊ ሓገዝ ዝተደገፈ ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ኩነተ-ኣእምሮ ናይቶም ሓደ ኣካል እዩ ዚፍጠር። ወነንቲ ክብሮም ባዕላቶም መታን ኪኾኑ ድማ ኣብ መንጎኦም መንፈሳዊ ኃላፍነት ዝዓሰሎ ምክብባር ኪህሉ ናይ ምድግጋፍ ባህሪ ከማዕብሉ ኣገዳሲ ረቋሒ እዩ። ሓደ ምሳሌ ንተዓዘብ ከም ልማድ ኅብረት ሰብ ገጠራት ሃገርና ንመንበሪ ተባሂሉ ዚሥራሕ “ህድሞ” ብብዙኅ ምድግጋፍ ዚሥራሕ ናሕሲ ዘለዎ ሕንጻ እዩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ ቀጺሉ ዚንጸፍ ሓርከም ዚስከም ገመል ኣሎ። እዚ ገመል ዚበሃል ካብቲ ዓንዲ ማእከል ቅጥን ዝበለን ዝፈኾሰን እዩ፣ ካብኡ ቀጺሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓርከም ዚበሃል ኣዕጫው ኣብ ልዕሊ እቲ ገመል ምስቲ መናድቕ ተዋሲቡ ይርከብ። መብዛኅትኡ ጊዜ ሓርከም ካብ ቆልቋል ይዳሎ ብኽብደቱ ድማ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ዓንዲ ማእከልን ገመልን ኣዝዩ ዝፎኾሰ እዩ፣ ስለዚ እቲ ዝኸበደ ነቲ ዝፈኾሰ ይፆሮ  እቲ ዝፈኾሰ ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኸበደ ብሥርዓት ተነጺፉ መዕቐሊ ሐነጽቱ ይኸውን። እዚ ምስላ እዚ ሓድሕድ ምክብባርን ምጽውዋርን የመልክት፣ ጋብላ ቅዱሳት ጽሑፋትና ብዛዕባ ምክብባርን ዘይነጽፍ ፍቕርን እንታይ ይብል፧ “እዚ ምሥጢር እዚ ዓሚቚ እዩ። ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተክርስቲያንን እምስሎ ኣሎኹ፣ ስለዚ ነፍስ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ። ሰበይቲ'ውን ንሰብኣያ ተኽብሮ። ኤፌ. 532-33”
3. 
ምጽውዋር “ብዝተረፈ ኣኅዋተየ፣ ብፈጣሪ ክርስቶስ ብጽንዓት ኃይሉን በርትዑ ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምኩም ምእንቲ ክትክእሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ብምሉእ ልበሱ።” ኤፌ. 610-11 እዚ ዘየዳግም ስምዕታ ዘመልክቶ ቅውምነገር እምበኣር ዝኾነ ክርስቲያናዊ ውልድነት ዘለዎ ሰብ ክመጾ ንዝኽእል ኣዕናዊ ፈተና ወይ ድማ ውዲት ጸላኢ ሠናያት ከበርዕነሉ ዚኽእል እቲ ኣጽዋር ጽድቂ ዝብል ቅጽል ስያመ ዝኀዘ ጾም፣ ጸሎት ስግደት ምጽዋት እዩ።

እቲ ምንታይ ከምቲ ንኵናት ዚወፍር ወተሃደር ብዘይጠበንጃን ሰናድርን ዘይከይድ። ንሕና ሕዝቢ እግዚአብሔር'ውን ብመጠኑ ኣብ መሥርሕ ጽንዓት ቃል ኪዳን ብዝያዳ ድማ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ግጥምና ምስቲ መንፈሳዊ ኪደት ከላሕልሕ ዝህቅን ዲያብሎስን ሠራዊቱን እዩ። ነታ ንሱ ዝሰልጠነላ ዓለም ገለ ወራዙት ከምዚ ክብሉ ዘፍኣሙላ ዓለም ጐዶሎ እያ ብህግቲ ክነሳ ትዕድለካ ኵሉ ኣለዎ ኣበሳ፣ ዕንባባ ጽጌሬዳ እኳ እታ ትፍቶ እሾኽ ኣለዋ ኣብ ነብሳ። “መጋጥምትኻ ከይፈለጥትካ እትጻወቶ ጸወታ ንስዕረት ዘቃልዕ ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን “ከመይ ቅልስና ምስሕልቅነትን ሥልጣናትን ምስቶም ንዘመን ጸልማት ዘመኃደሩ ገዛእቲ ዓለምን ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን ኣብ ሰማያት ዘለዉ እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን” ኤፌ. 612 እምበኣር ነቲ ከማና ብኡፍታ ኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ክንቃለስ ኣይኮነን። ነጋሪት ነፍሳትኩም ኣድኅኑ ዝተደሰቐ፣ እቲ ቅልስሲ ነቲ ኣብ ሰባት ኃዲሩ ዝዋግኣና ዘሎ እኩይ ምስዓር እዩ። ስለዚ ጠንቂ ዘይምስምማዕ ሰብ ቃል ኪዳን ንዝኸውን ዘሎ ከኣ ንኡስ ኣርእስቲ “ምጽውዋር ዘይምህላው እዩ።” ምንጩ ድማ ጸላኢ ሠናያት ዝኣለሞም ተንኮላት ምዃኖም ዘይምፍላጥ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ክህሉ ዝኽእል መንፈሳዊ ፍቕሪ ንሰይጣን ቀታሊ እዩ።

ንሱ ድማ እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ብዝሓስቡሉን፣ ብዝሰማምዕሉን ደረጃ፣ እቶም ፍረ ብርኮም ቅዱሳን ውሉድ ክኾኑሎም እዮም። ምስጋና እግዚአብሔር ድማ ኣብቶም ሕፃናት ዕጽፍን ድርብን ኮይኑ ኪወርድ ይርአ ኣሎ። “ምእንቲ ነቲ ተቓዋሚኻ ጸላእን ገፋዕን ከተሕፍሮ ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቆልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ. 82 “ጸላኢ ሠናያት እምበኣር ዕጻኡ ካባ ኅፍረት ምጕልባብ ኮይኑ ምርኣይ ጻማ ምጽውዋር ምዃኑ ክርሳዕ ኣይግባእን። ስለዚ መንፈሳዊ ጕዕዞና ብዋልታ ምጽውዋር ዝተደርዐ ዘይክማህ ዕርዲ ኪኸውን ኪኖ ትምኒት ብተግባር ንነብረሉ።

4. ግሉጽነት “ሓቂ ዚሓብእ መከራ የምጽእ፣ ብዕሽነት ዚዛረብ ድማ ይወድቕ። ዘረባ ጻድቕ ሕይወት ይፍልፍል፣ እኩይ ሰብ ግና ነቲ ዓመጽ ብጽቡቕ ቃላት ይኽውል። ጽልኢ ቖየቛ የልዕል፣ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።” ምሳ.1010-12 “ነቲ ከጋጥም ዝኽእል በደል፣ ሕነ ንስሓ፣ ምኽንያት ይማስሓ” ጌርካ ከም ብሓድሽ ገበንካ ምዕባይን ፍሩይ ኮይኑ ዝርአ ምግባርን ምስ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻም ይዳረግ እዩ። ስለዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ክንዲ ብማዕዶ ንዕዘቦ ናባናዝተወርወረ ኃደጋ ምዃኑ ፈሊጥና ብግህዶ ክንዋሥኣሉን ክንኣልዮን ከነርኅቆን ግዴታ ኣሎና። ባዕላትና ንዝፈጸምናዮ ኅልፍን ትርፍን ሸፈነ ጌጋታት ካልኦት ክገልሁልና ምጽባይና ኣውሎ ንፋስ ጠጠው ኣቢልና ብስፍሪ ሚዛን ክንመዝኖ ምፍታን እዩ። ከም ደም ስኒ ንውሽጠ ውሽጢ ምውሕሓጥና ድማ ንዝያዳ ዓወት ይዕድመና። ምስናይ እዚ ንእግዚአብሔር ብጸሎት ክንምኅፀኖ ከሎና ብእምነት ምስ እንገብሮ፣ ነቲ ዓይነ ልቡናና ሸፊኑ ዝጸንሐ ሓበላ ኣበሳ በርቊቊና ክንምሕዎ ክንክእል ኢና። እዚ ክብሃል ከሎ ነቲ ብግልጺ እንዛረቦ ብልዙብን ህዱእን ኣተሓሳስባ ከነሠንዮ ይግባእ። ምኽንያቱ “ሓባእ ቍስሉ ሓባእ ፈውሱ “ ስለዝኾነ። ነቲ ወትሩ ልብና ዘድምየና ኵነታት ብምርድዳእ ክንፍውሶ ጻውዒት እግዚአብሔር ኣሎና። ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ኃይለ ቃል “ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ “ ዝተባህለ ብንጽሕና ልብን ምዕሩይ ሕሊናን ንዝመኃደር መንፈሳዊ ናብራ ይውክል፣ ኵሉ ጊዜ ፍቕሪ ብዝዓብየሉ መጠን፣ ረጽሚ'ውን ኣሎ “ስለዚ ካብ ፍቕሪ ሓጐስ ጥራይ ዝጽበ ሰብ እንተሎ ካብቲ ቃንዛ ዝምጥዎ ጸጋ እዩ ዝጐድሎ “እዚ ማለት ፍቕሪ በጃ ኣበሳ ንምዃና ዘይኮነ፣ ፍቕሪ ነቲ ክበዝኅ ዝነበሮ ኣበሳ ከተውሕዶ ትኽእለሉ ሥልጣን ከም ዘለዋ ዘነጽር እዩ። ስለዚ ኣብ ፍቕሪ ምንባር ንዝያዳ ግሉጽነት የሰስን። 
5. 
ኣጠቓቕማ ጊዜ “ብጾትን ኣዕሩኽን ኵሉ ጊዜ ስምምዕ እዮም ።ካብ ናይ ክልቲኦም ግና ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ስምምዕ ይበልጽ። ሢራክ 4023” ዝበዝኅ እዋን ኣጠቓቕማ ጊዜ ኣብ ግምት ዘእቱ ሰብ ዕዉት ዕላማ ዘለዎ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ብቑዕ ሥራሕ፣ ኣብቲ ቅኑዕ እዋን ክወሐሐድ ስለዝመርጽ፣ ኣብ ጊዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ካብቲ ካልእ ሰብ ፍልይ የብሎ። ንኣጠቓቕማ ጊዜ ከም ንኡስ ኣርእስቲ ክንኅዘሉ ዝመረጽናሉ ምኽንያት ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ብሰንኪ ኣጠቓቕማ ጊዜ ብዙኅ ዘይምስምማዕ ክፍጠር ንቡር ስለዝኾነ እዩ። ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ንጸሎት ዚኸውን ጊዜ ክጠልብ ከሎ፣ እቲ ብጻዩ ድማ ንኻልእ መዓላ ዘውዕሎ ጊዜ ይጠልብ፣ ኣብ መንጎ እዚ ጸላኢ ሠናያት ዘሳወሮ ድጉል ኃጢኣት ንኽግሃድ ጊዜ ኣይወስድን። ነዚ ንምግታእ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይመክር “ንጸሎት ዚኸውን ጊዜ ምእንቲ ክትረኽቡ ኢልኩም ንውሱን እዋን ብስምምዕ ክልቴኹም ዝገበርክምዎ እንተዘይኮይኑ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ መውስቦ ግቡኡ ኣይኽልኣዮ።
ንነፍስኹም ብዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ከይፍትነኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ምኽሪ እምበር ከምትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘሎኹ። 1ቆሮ. 75-6 “እዚ ኪብሃል ከሎ ብሰሪ ዘይእርኑብ ኣጠቓቕማ ጊዜ ዝመጽእ ሃጓፋት ኣዝዩ ርሒብ ይኸውን ፣እቲ ምንታይ “ከመይ ርግኦ እንተሓቖንካ ልኻይ የውጽእ፣ ኣፍንጫ እንተወቓዕካ ደም የውጽእ። ከምኡ ኸኣ ኩራ እንተቐስቀስካ ባእሲ ተልዕል። ምሳ. 3033’’

ስለዚ ሕዝቢ እግዚአብሔር እቲ ክንኮኖ ዝግብኣና፣ ክንከውን ዝተርፈና ጕዕዞ ንውኅ ዝበለ እዩ። ከምኡ እናኾነ ግና ጸጋ እግዚአብሔር ካዕበት ዘይሰፍሮ ምውዳቕ መጽዓን ዘይድርቶ ፍልጠት ደቂ ሰባት ዘይዳረጎ እዩ እሞ “ነቲ እግዚአብሔር ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ። እምነ መሠረት ቃል ኪዳን ተነቢሩልና' ሓደ ምስ ሓንቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ሰበይቲ ናይ ሰብኣያ፣ ሰብኣይ ድማ ናይ በዓልቲ ቤቱ ሥጋ ሓድሕዶም ክመልኩ መኺሩ ሐዋርያ ጳውሎስ እቲ እግዚአብሔር ዚሾሞ ትልሚ ቐደም ሓዲስ፣ ሓደ ኣካል ኪኾኑ ቤት ኣቦኦም ኃዲጎም፣ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከም ነፍሱ የፍቅራ።

(1ቆሮ.71-6) ጥርጥር የብሉን። ትእዛዛት ክርስትና ናይ ሕይወት ዘመንና መፋቐሪ እምበር ኣይኮነን ተራ ንብረትና ኪኖ ስምዒታዊ ፍቕርና ይኹን መንፈሳዊ (ማቴ.199) እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሔዋን ክፈጥራ ካብ ሽክና ኣዳም ኣይወሰዳን፣ ካብ መሓውሩ'ውን ኣይሰልዓን፣ ካብ ርእሱ መታን ከይትወጽእ ልዕሊኡ፣ ካብ እግሩ መታን ከይትቑጸር ባርያኡ፣ ሕውነቶም ከረጋግጹ ፈጢርዋ ካብ መሰንገሊኡ፣ እቶም ክልተ ይኹኑ ሓደ ሥጋ ሓደ ጥምረት እምነት ውሕደት ኣተሓሳስባ ፍቕሮም ኣብ ዘለዎ ክርስቶስ ኣሎ። በዓልቤታ ንጸጋ እቲ መጀመርታ ዝፈጠሮም ተባዕታይን ኣንስታይን ኣቋረኖም።
(ዘፍ 127 ማቴ. 194) ኣይትኹን ሰብ ዘይንደሊ ልቢ፣ ቅልስ ዘለዓለም ክንረኽበሉ ዓስቢ (ማር.106) መንፈስ ቅዱስ ዝወረዳ ናይ ክርስቲያን ስድራ መለኮታዊ ዕላማ ዘመኃድራ እቶም ጻማ ኣብራኾም ክስመዩ ማዕከን ፍቕሪ ቤቶም ማንታ ቤተክርስቲያን እያ።
እትምህሮም ፍርሃት ፈጣሪ ውህበት እቲ ኵሉ ዚኽእል እዮም፣ ነገሥታት ናይታመዓልቲ ናይ ኣእዳው ተግባራት ንኽብሪ ስሙ ቀደስቲ ንዅሉ ንተዓዘቦ፣ ክፉእ ገዲፍናንሠናይ ንስዓቦ፣ ዓቐን ዘይርከቦ ባሕሪ፣ ምሕረቱ መምዘኒ እመት ወዲቑሉስ ኣይምትሮንስድሪ፣ ስለዚ ሠሪሕና ብኣምሳል ክብሩ ኣብታ ሪሙ ክንስመ መዋርስቱ ክንኮኖንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዘራእቲ ኅርያ ክብሩ ንኽግለጽ ክንጽዋዕ ኣርኣያ ስብሓት ስብሓት  ነቲ ልዑል በሉ እግዚአብሔር ከጋጥም ከሎ ንዕዮኡ እዚ ተሪፉ ክበሃል ኣይክእልን እዩ።በዚ ድማ ከምቶም ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር ዝነብሩ ዕዉታት ንነገራት ከምዝኸውንዝገብርዎ ናታቶም በረኸት ከነልዕል ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ትጽውዓና ኣላ:: ይቅጽል,,,,,,,,,,,,.
ስብሓት ለእግዚአብሔር ልዑል ::

No comments:

Post a Comment