1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 4 December 2012

ሰፊሕ ሪፖርታጅ ብ ዛዕባ ወግዓዊ ምብጻሕ ልኡኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣብ ግብጺ።


ሰፊሕ ሪፖርታጅ ብ ዛዕባ ወግዓዊ ምብጻሕ ልኡኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ኣብ ግብጺ።
ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ወኪል ቤተ/ክ.ኦ.ተዋህዶ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ እንዳ ተማያየጠ
                      
ሰፊሕ ሪፖርታጅ ወግዓዊ ምብጻሕ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ካብዚ ቀጺልና ነቅርብ።ብዙሓት እንታይ ደኣ ገለ ዘይትብሉ፡ ናይ ደሓን ዶ እውን ዝበልኩም ኣለኹም።ምኽንያት መደንጎይኡ ኣጽፊፍናን ካብ ኣፍ ወከልቲ ረኺብና ከነቅርቦ ስለ ዘለና ኢና።ከምኡ እውን እዚ ሰናይ ብስራት እዚ ዘባህሪሮም ስለ ዘለዉ ፡ብ ኻልእ ተላማሚዶም መታን ክጸንሑ ኢና።ብስንባደ ከይወድቁና ኢና።ህጂ ግን ጆባእ ንብለኩም።
ወኪል ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርጫ ፓትሪያርክ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ፖፕ ኣለክሳንደርያ መበል 118 ቴዎድሮስ 2ይ ንምስታፍ ዝተጋዕዘ  ብብ ጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካን፡ኣውረጳን፡ማእከላይ ምብራቅን፡ኣብቲ ምርጫ ድሕሪ ምስታፉ፡ምስ ወከልትን ፡መራሕትን፡ፓትሪያርክን ኣብያተ ክርስትያናትን ስፍሕ ዝበለ፡መደብ ብምስራዕ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጦንዮስን፡ኣዕሙቅ ኣቢሉ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጡ።
ወኪል ኤረትራዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ፖፕ ቲዎድሮስ 2ይ
እቶም ልኡኻት ምስ ሓድሽ ፖፕ ናይ ኣለክሳንደርያ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ፡ቴዎድሮስ (2ይ)ካልኣይ፡ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ነዚ መዓርግ እዚ እንቋዕ ኣብቀዓኩም ድሕሪ ምባል፡ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ቤተ ክርስትያን ወሪዱዋ ዘሎ፡ከቢድ ኣደራዕን ስፍሕ፡ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቦም፡ዕረፍቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ን ቤተ ክርስትያን ኣዝዩ ዓቢይ ክሳራ ኢዩ።እንተ ኾነ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምርጫ፡ፍቃድ፡ንስኹም ናብዚ ኣገልጊሎት እዚ መጺእኩም ስለ ዘለኹም፡ን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብ ፖፕ ሽኖዳ ዝጸንሐ፡ኣካይዳ ብዘለዎ ናህሪ ክቕጽል፡ጸሎቶምን ምትሕብባሮምን ነታ ቤተ ክርስትያን ከይፍለያ ብምባል ድሕሪ መግለጺ ምሃቦም።
ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ ፡ብወገኖም ኣብ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ወሪዱ ዘሎ፡ከቢድ ኣደራዕ፡ኣብ ርእሲ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን፡ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰት ኣዝዩ፡ከም ዘሕዝኖምን ከም ዘጉሃዮምን፡ኣብ ጸሎቶም ድማ ኩሉ ግዜ ከም ዝዝክርዎምን ብ ጓሂ ገሊጾም።እቲ ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተወስደ ሓደገኛ ፍጻሜን ምግሃስ ሕጊ ቤተ ክርስትያንን ብ ፖፕ ሽኖዳን ብ ኣይን ጥራይ ዘይኮነስ፡ብምሉኣት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ እስክንድርያ ዉጉዝን ኩኑንን ምዃኑ፡ብጀካ ፓትሪያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ዝኾነ ፓትሪያርክ ናይ ኤረትራ ኣፍልጦ ከምዘይህልዎን፡ተቀባሊነት ከም ዘይብሉን ጸቂጦም ቅድስነቶም ብምግላጽ፡ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ግብጺ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎቶም ክዝክራኦም ምዃነን ገሊጾም።
ወከልቲ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ቀጺሎም ዝገበርዎ ርክብ እንተነይሩ ምስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ፓትሪያርክ ኢዩ ነይሩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ናይ ኤረትራ ምስ ፓትሪያርክ ቅዱስ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ

እቲ ወኪል ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ምስ ቅዱስ ፓትሪያርክ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ(his holiness moran mor ignatius zakka I iwas)ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ።ናይ ሶርያ  ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ኣብ ርእሲ ሓውታ ዝኾነት ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን፡ወሪዱ ዘሎ ምግሃስ ሕግን ምእሳር ቅዱስ ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጦንዮስን ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።
ነቶም ቀኖና ቤተ ክርስትያን ጥሒሶም ሓዋርያዊ ሕጊ ሰጊሮም ብሓይሊ ጎነጽ ፓትሪያርክ ኣውሪዶም፡ኣብ ስልጣን ተወጢሖም ዘለዉ፡ዘይሕጋዊ ሰብ ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን፡ብጀካ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ካልእ ከምዘይቅበሉን፡ምስ እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ሃገረ ስብከታት ብቐረባ ክዓዩ ምዃኖም፡ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ ብጸሎትን ሞራልን፡ሓጋዚት ምዃና ቅዱስ ፓትሪያርክ ማር ኣግናጥዮስ ዘካ ገሊጾም።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ምስ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ
ቅዱስ ፓትሪያርክ ሰንኪ ሕማም ድኻምን ነዊሕ ጉባኤ፡ምግባር ስለ ዘይከኣሉ፡ብሰፍሕ ዝበለ፡መረዳእታ ንምርካብ፡ ን ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ወኪል፡ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት፡ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ፡ድሕሪ ምምዛዞም፡ወኪለ ሃገረ ስብከታት ኣመሪካን ኣውረጳን፡ ስፍሕ ዝበለ ምይይጥን ምስ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ኣካይዱ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ንጹር መትከል ብዝሓየለ ክቕጽሎ ምዃኑን፡ምስ እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር፡ብቐረባ ክሰርሑ ምኻኖም ኣብ ናይ ኦርየንታል ኣብየተ ክርስትያናት ዘለዎም ግደ ተጠቒሞም ብትግሃት ክዓዩ ምዃኖም ገሊጾም።
ቀጺሉ እቲ ልኡኽ ዝገበሮ ርክብ ተነይሩ ምስ ናይ ኣርመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢዩ ነይሩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ኤረትራ ምስ ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ   ሊቀ ጳጳስ ሳቦሕ ሳርኪሲያኒ  

ልኡኽ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምስ ልኡኽ ናይ ኣርመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳስ ሳቦሕ ሳርኪሲያን፡(archi bishops sebouh sarkissian) ተራኺቡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ብሰፊሑ ድሕሪ ምምይያጥ፡ኣብ ሞንጎ እቲ ብብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ጽቡቅ ዝምድና ክምስርትን፡ሓበራዊ ኣገልጊሎት ክምዕብልን ዝርርብ ኣካይዶም።
ኣቐዲም ኣቢሉ እቲ ልኡኽ ምስ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ካርኪን2ይ(H.H.karekin 2nd)ርክብ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝተገብረ ርክብ ተደኣ ነይሩ ድማ ምስ ናይ ማላንካራ ህንዲ ኦርቶዶክስ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ባስሌዎስ ማርቶማ ዲድይሞስ(cathalicos of malankara orthodox church baselios mathoma didymos)ርክብ ኣካይዱ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ባስሌዎስ ማርቶማ ዲድይሞስ 1

ኣብቲ ዝተገብረ ርክብ ፡ብዛዕባ ህልው ኩነታት ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን፡ቅዱስ ፓትሪያርክ እንጦንዮስን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።ብወገኖም እቶም ፓትሪያርክ ምስቲ ዘሎ ራሕቂ፡እቲ ሓበሬታ በጺሕዎም እኳ እንተኾነ፡ከምዚ ብኣካል ተራኺብካ ንጹር ኣፍልጦ ንምርካብ ግን ኣይተኻእለን ጸኒሑ ኢሎም።
በቲ ኮነ በዚ ግን ንሕና እቲ ኩለን ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብየተ ክርስትያናት ወሲደንኦ ዘለዋ፡ዉሳኔ፡ማለት እቶም ብዘይ ቀኖኖናዊ ሕጊ ኣብ መንበር ተቐሚጦም ዘለዉ፡ሰብ ከም ፓትሪያርክ ከም ዘይንፈልጦም፡ብጀካ እቶም ብቀኖናዉን ሓዋርያውን ሕጊ ዝተቀብኡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ኣፍልጦ ከም ዘይንህብን።ብጀካ ምስቲ ብ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ብ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ተፈላጥነት ዝረኸበ ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስ ካልኦት ዝኾነ ርክብ ከም ዘይንገብር ነፍልጥ ኢሎም።
ቅድስነቶም ብ ተወሳኺ ኣብ ኩሉ ዝግበር ጸሎታቶም እውን ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝዝክሩ ምዃኖምን፡ካብቲ ሕጋዊ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንዝዘንበለ ኣካል  ግን ምንም ኣፍልጦ ዘይህቡ ምኻኖም ገሊጾም።
ወኪል ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ቀጺሉ ዝገበሮ ርክብ ተነይሩ፡ምስ ናይ ጎረበትና ዝኾነት ሓፍትና ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኢዩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ተ.ዋ.ቤተ, ኤረትራ ምስ ልኡኻት ኢትዮጵያኢት ተ.ዋ.ቤተ,

ኣብቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቅዱስ ሲኖዶስ ልኡኻት ዝተገብረ ርክብ፡ኣብ ፖሎቲካ ከይኣተዉ፡ከም ደቂ ቅዱስ ማርቆስን ፡ደቂ ደምበ ተዋህዶን ከም ኣባላት ናይ ኦሬንታል ኦርቶድክስ  ኣብየተ ክርስትያናት ፡ምኻኖም መጠን፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ክግበሩ ዘለዎም፡ንዕቤትን ምዕባለን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከመይ ገይራ ንቅድሚት ትኸይድ ኣብ ዝብል ዛዕባን፡ብምርድዳእን፡ብምምይያጥን ፡ምእንቲ ሰላም ክልቲአን ጎረባብቲ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ተጊሀን ክጽልያን፡ሓዋርያዊ ሰንሰለታዊ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ተኸቲለን ክኸዳን፡ብ መንፈሳዊ ሕውነት ተመያይጦም።
ልኡክን ወኪል ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ቀጺሉ ዝገበሮ ርክብ ተነይሩ ምስ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ዋና ጸሓፊ ዶግተር ገርግሽ ኣብርሃም ኢዩ ነይሩ።
ልኡኻት ሃገረ ስብከታት ኤረትራ ምስ ዋና  ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት 
ዋና ጸሓፊ ዶግተር ገርግሽ ኣብርሃምን 
ምስ ወኪል ኦሬንታል ኣብየተ ክርስትያናት ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስን።

እቲ ልኡኽ ሃገረ ስብከታት ምስ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ዋና ጸሓፊ ዶግተር ገርግሽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ።ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፡ቅዱስ ፓትሪያርኩ ቀዳማዊ እንጦንዮስን ንዓመታት ካብ ሕብረት ኣብየተ ክርስትያናት ዋላ እኳ እቲ ክሳብ ህጂ ዝተወስደ ስጉምቲታት፡እቲ ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ምምሕዳርን ብ ዓመጽ ዝተሸሙ ፓትሪያርክን፡ኣፍልጦ ኣይሃብ እምበር።
ንሱ ኣኻሊ ኣይኮነን ፓትሪያርክና ፡ካብ መዘናታቶም ፓትሪያርካት ተፈልዮም፡ኣብ መቑሕ ይርከቡ፡ንዓመታት ካብ ቅዱስ ቁርባን ፡ካብ ምስላም መስቀልን፡ካብ ጉስነት ሕዝቢ ተኸልኪሎም፡ኣብ ከቢድ ስጋዊ ሕማምን ጸገምን፡እና ሃለዉ፡ብናይ ሕብረት ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት ትርር ዝበለ ክውሰድ ብዘይምኽኣሉ ቅረታኡ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፎ ዶግተር ገርግሽ ብ ወገኖም።ንሕና እቲ ዝጸንሓና ርክባት ዉሱንን ብጽሑፍን ጥራይ ብምንባሩ፡ በየን ኣቢልካ እቲ ርክብ ይካየድ ኣዝዩ ዉሱን ኣፍልጦ ኢዩ ጸኒሑና።ህጂ ግን ጉዳይ ፓትሪያርክ ቀዳማይ እንጦንዮስ ብስፍሕ ዝበለ ክንዓየሉን።ብዛዕባኦም እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጉባኤ ኦሬንታል ዝግበረሉ፡እዋን ዝህልወኩም ኣበርክቶን ግደን ዓቢይ ኣፍደገ ተኸፊቱልና ኣሎ ኢሎም።ርክብና ድማ ቀጻሊ ክከውን ተላብዮም።
እቲ ልኡኽ ኣብ ኩሉ ናይ ኦሬንታል ኣብየተ ክርስትያናት ሕብረት ክሳተፍን፡ህልዉነት ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ከረጋግጹን እውን ብተወሳኺ ሓቲቱ።
ብዛዕባ ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጦንስዮ ዝቐረበ ክስን፡ንሶም ዝሃቡዎ መልስን ከምኡ እውን ይግባይ ዝበሉሉ ምሉእ ዶኮሜንትን ድማ ተረኪቡ።
ካብኡ ብምቅጻል ዝተገብረ ርክብ ተነይሩ ድማ ምስ ናይ ግሪኽን ፈረንሳይን ኦርቶዶክስ ተወካሊ ኢዩ።

እቲ ወኪል ምስ ናይ ፈረንሳይ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ፡ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ስፍሕ ዝበለ ዝርርብ ኣካይዱ።ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ድማ ምሉእ መግለጺ ሂቡ።ብዛዕባ ኦርቶዶክሳውት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሰፊሕን ብሩሕን መረዳእታ ከም ዝህልዎም ብምግባር ምስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ እውን ምሉእ መግለጺ ብ መሃብ ጽቡቅ መብርሂ ሂቡ።
ካብኡ ቀጺሉ ድማ ዝገበሮ ርክብ ምስ ናይ ሮማ ካተሊክ ቤተ ክርስትያን ወኪል ኢዩ።
ልኡኽ  ሃገረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ምስ ልኡኻት ካቴሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ

እቲ ዝተገብረ ድማ ሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ጽቡቅ ገይሩ ኣረዲኡ ሰፊሕ መብርህን መግለጽን ድማ ኣቅሪቡ።ጽቡቅን ኣፍልጦ ከም ዝህልዎም ድማ ገይሩ።
ካብኡ ቀጺሉ  ዝተገብረ ርክብ ተነይሩ ምስ ናይ ቢዛንታይን ኦርቶዶክስ ወከልቲ ኢዩ ነይሩ።

ልኡኽ ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ምስ ናይ ቢዛንታይን ኦርቶዶክስ

እቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ፡ልኡኽ ፡ሃገረ ስብከታት ኣብቲ ዝገበሮ ርክብ፡ምስ ፕሮ/ኦሬንት ፕረሲደንት ፕሮፌሶር ጆሃን ማርተ ተራኺቡ ።ብዛዕባ ኩነታት ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤረትራን፡ፓትሪያርካ ቀዳማይ እንጦንዮስን ዘለዎም ከቢድ ፈተናን ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ።
ፕሮፌሶር ጆሃን ብ ወገኖም፡እቲ ኩነታት ብቐረባ ከም ዝፈልጡዎን፡እቲ ኣብ ርእሲ ፓትሪያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተፈጺሙ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ቤተ ጽሕፈቶም ኣዝዩ ዝቃወሞን ዝኾንኖን ምኳኑ ድሕሪ  ምግላጽ፡ኣብ ቀጻሊ፡ምስቲ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ብኹሉ ነገራት ተሓባቢሮም ክሰርሑ ምኻኖም ሓቢሮም።

ካብኡ ቀጺሉ ዝተገብረ ርክብ ተነይሩ ድማ ምስ ናይ ግብጺ ምስዮን ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ።
ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ,ኤረትራ  ምስ ናይ ግብጺ ምስዮን ኣብ ኣፍሪቃ

እቲ ልኡኽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ምስ በቲ ብብጹእ ኣቡነ ጳውሎስን እተመርሑ፡ኣፍሪቃውያን ካህናት ተራኺቡ ተመያይጡን፡ናይ ኦርቶዶክስ ኣብየተ ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዝዩ እናሰፍሐ ይኸይድ ብምህላዉ፡ብዙሓት ከሓድያን ናብ እምነት ኣብ ምምላስ ይርከቡ።
እቲ ልኡኽ ብ ወገኑ፡ካህናትን ዲያቆናትን ናይ ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን ስለ ዝኾነ፡ኣብ ከባቢኦም ተቐቢሎም ኣብ ኣገልግለቶም ክተሓባበሩዎምን ብዘድሊ ኩሉ ድማ መንፈሳዊነቶም ዓቂቦም ክነብሩ ምትሕብባር ክግበረሎም ለበዋን ምሕጽንታን ኣቕሪቡ።”ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ንስጉምቱ ግና እግዚኣብሔር ኢዩ ዜቃንዓ፡(ምሳሌ16፡9)።
እግዚኣብሄር ሃይማኖትናን  ኣቦታትናን ይባርኽ።
 haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment