1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 4 February 2012

ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።


ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!።
ናብ ተፈተኻ ፍቱወይ ብዙሕ ግዜ  ሰጣን ን ደቂ ሰባት ኣብ ናይ ድሕነት ኣፋፈት ምስ በጽሑ ፡መታን መንግስተ ሰማይ ከይኣትዉን፡ምስ ኣምላኽ ከይዕረቁን ነቲ ኣምላኽ ኣብኦም ዘለዎ ፍቅሪ ፡በቲ ዝገብሩዎ ሓጢኣት ኣብ ገጾም ከም መስትያት ብምርኣይ፡  ተስፋ ብምቅራጽ ፡ኣምላኽ ከም ዝተቀጠዐን ይቅረ ከም ዘይብለሎምን ብምምሳል ካብ ናይ ምሕረት መገዲ ብልጋስ መጻወድያ ናይ ሞት ኣኸቲሉ ሂወቶም ከሕልፉ ፡ኣብርእሲ ሓጢኣት ሓጢኣት ክፍጽሙ የተባብዖም፡በዚ ዘለዉዎ መገዲ ክቅጽሉ ድማ ይገብሮም።
እቲ ዘገርም ኣምላኽ ዘይሓድጎ ሓጢኣት፡ ኣብ መሬት ፍጹም ዘይምህላዉ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጢኣት ልክዕ ፍንፉንን ዘጸይፍን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንእሽቶን ዓብይን ሓጢኣት የለን ኩሉ ሓጢኣት ማዕረ እዩ፡ እቲ ምሕረት ኣምላኽ ድማ ማዕረኡ ማዕረ። ግን ኣምላኽ ነቶም ዘጸይፍን ዘፈንፍንን ስራሕ ዝሰርሑ ይደሊ ዘገርም እዩ፡ ፍቅሪ ኣምላኽ !!!። ታሪኽ ማርያም መግደላዊት ተሪና ክንደይ ዓመታት ዘምያ ብ ርኹሳት መናፍስቲ ተታሒዛ ን ሰባት ተስሕት ነበረት እያ። ግን ናብ ጎይታ ምስ መጸት ተፈዊሳ ማርቆስ 16፡9። ከም መርኣያ ፍቅሩ ድማ ቀዳመይቲ ኣበሳሪት ትንሳኤኡ ኮነት።እወ ክገርመካ ነቶም ከውሒ ኢኻ ኢሉ ዝገልጾም ነበረ ከም እኒ ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዲማቶም ኣበሳሪት ወንጌል ገይሩዋ። ኣየ ዝኣምላኽ ፍቅሩ እዛ ሓጢኣት ትገብር ዝነበረት  ክንሳ ግን ንሱ ዘይውዳእ ምሕረቱ ኣርእይዋ እቲ ብዙሕ ሓጢኣት ዝገብር ብዙሕ ይሕደገሉ። እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ድማ ብዙሕ የፍቅር ሉቃስ 7፡47/48።
ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። ሮሜ 3፡23- 26- በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።፳፭ - ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።፳፮ - ንሱ ጻድቕ ክኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ፡ ዘገርም ነገር እዩ።ኩሉ ሓጢኣተኛ እዩ፡በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ ግን ብኸምኡ ይጸድቅ፡እታ ብኸምኡ ትብል ቃል ፍልይ ዝበለት ኩሉ ከስተውዕለላ ዘለዎ እያ፡ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ፡ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ በቃ በቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንያ ዘፍሰሶ ደም በጃ ምሕላፍ ይጸድቅ። ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

No comments:

Post a Comment