1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 8 November 2012

ዜና


እቶም ን ቤተ ክርስትያን ሰሜን ኣመሪካ ንምፍራስ ብመንግስተ ኤረትራ ዝተላእኩ ኣቡነ ሽኖዳ ምስ መንግስቲ ብ ምብኣሶም ፡ናብ ኤረትራ ክምለሱ ህጹጽ ጻዊዒት ቀሪብሎም።
                                   
እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንህዝቢ ክመርሑ ብ መንግስተ ኤረትራን ይፍታሀን ዝተላእኩ ኣቡነ ሽኖዳ ብህዝቢ ተቃባልነቶም ኣብ ርእሲ ምስኣኖም፡ ምስቲ ኣቦኦም ሸይጦም ዝተዓራረኹዎ መንግስተ ኤረትራ ኣብ ከቢድ ምስሕሓብ ኣትዮም ከም ዘለዉ ምንጭታት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሓቢሮም።
እቶም ብ ኣቡነ እንጥንዮስ መዓርገ ጵጵስና ዝተዋህቡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብዓድን ወገን ህዝቢ ብምፍንጫልን ዝፍለጡ፡ (ኣባ ምሕጹን )ተባሂሎም ዝጽውዑ ነበሩ  ኣቡነ ሽኖዳ ካብቲ ብ ይፍታሀ ዝምራሕ ሲኖዶስ ኣስመራ ምስ ናይ ህጂ ኣስታት ሸውዓተ(7) ግዜ ደብዳበታት ናብ ኤረትራ ክምለሱ ጻውዒት ከም ዝቀረበሎምን ተኾነ ነዚ ጸማም እዝኒ ብምሃብ እኳ ክሳዕ ህጂ ተጸነሑ፡ህጂ ግን ምምሕዳር ይፍታሀ ኾነ ምምሕዳር ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዓቅሎም ዝወድኡ ኢዮም ዝመስሉ ይብሉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት።
ኣቡነ ሽኖዳን ምምሕዳር ይፍታሀን ቅድም ኢሎም ኢዮም፡ ክሰሓሓቡ ጸኒሖም።ተኾነ ምስቲ ምስ ቤተ ክርስትያን ኣመሪካ ብ ጉዳይ ኣቡነ እንጥንዮስ ኣጋንፍዎ ዘሎ ተቃዉሞን ክሳራን ዓይኑ ተዓሚቱ ብናይ ደብዳበ ቃላት ጥራሕ ፡ጉዶም ናብ ደገ ከይወጸ ክዛራረብ ጸኒሖም፡ ይፍታሀ ኣብ ኢታሊ ኣብ ዝመጸሉ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ብግልጺ እዚ ጳጳስ እዚ ካልኣይ ሕማም ኮይኑና ኣብዚኣ ከይንድርቢዮ።መፍቶት ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ከይንከውን ፈሪሕና እንበር ክብል ተሰሚዑ ኢዩ።
ኣቡነ ሽኖዳ  ከም ኩሎም ጳጳሳት ኤረትራ ነቶም ዝባረኹዎም ኣቦኦም ኣቡነ እንጠንዮስ ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ክኾነ ከለዉ፡ጳጳስ ኢዮም ክትብሎም ክሳዕ ዘጸግም ኣብ ናይ ዓለማዊ ነገር ብምስታፍ ክሳዕ ግሪን ካርድ ብምሓዝ ፡ካብ ስርዓትን ሕግን ቤተ ክርስትያን ብምሽፋት፡ስርዓትን ሕግን ቤተ ክርስትያን ኣብ ምጥሓስ ኢዮም ተዋፊሮም ጸኒሖም።
                                          
ከም ቀኖና ቤተ ክርስትያን መሰረት ጳጳሳት ኣብ ክልተ ግዜ እንዳ ተኣከቡ  ጉዳይ ጉስነቶም ኢሂን ምሂን ክበሃሉ ኢዩ ዝግባእ ነይሩ፡ኮይኑ ግን ኣቡነ ሽኖዳ ጻውዒት ነቲ ቅኑዕ ኢዩ፡ ኢሎም ዝኣመንሉ ሲኖዶስ ብምጥሓስ፡ ጻዊዒት ሲኖዶስ ብምርጋጽ ኣይ ምስ ቅዱስ ኣቦኦም ወጊኖም ኣይ ኣብቲ፡ ሞንጎ ፡ሞንጎ ቤተ ክርስትያን ፋሕ ፋሕ ኣብ ምባል ተጸሚዶም ይርከቡ።ኣቡነ ሽኖዳ ናብ ኣስመራ ዘይመኸዲኦም ነቲ ብይፍታሀ ተጻዊዱሎም ዘሎ መጻወድያ ስለ ዝፈልትዎ ኢዮም፡ይብሉ ናይ ቀረባ መዛርብቶም፡ተኾነ ናይ ሎሚ ጻውዒት ፍሉይ ዝገብሮ ብ ኣዋጅ ኢዩ ተዋሂቡዎም ዘሎ።
ኣቡነ ሽኖዳ  ብሕጊ ኢምግረሽን ኣመሪካ መሰረት ብሓይሊ ክመልሶም ዝኽእል ሓይሊ የለን።ስለምንታይ ግሪን ካርድ መንበሪ ኣለዎም።እቲ ዘይፍወስ ዓቢ ሕማም ንመንግስቲ ኤረትራ ኮይኑዎም ዘሎ ድማ ፡ኢመግረሽን ኣመሪካ ሓሲሙኩም ጥዒሙኩም ኣይንፍልጠኩምን ኢና ዝብል መልሲ ንመንግስተ ኤረትራ ስለ ዝሃቦ ኢዩ።በዚ ዝሰንበደ መንግስተ ኤረትራ እንታይ ክብል ኢዩ ዝብል ካብቲ ኩሉ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።
እታ ብ ይፍታሀ ኣብ ትሕቲ መንግስተ ኤረትራ ተጨውያ ብ ሕልና ዘይብሎም ንኸብዶም ጥራሕ ዝሓስቡ እትመሓደር ዘላ እተጨውየት ቤተ ክርስትያን ኣስመራ ኣብዚ ሰዓት እዚ ብኹሉ ጽፍዒት የጋንፋ ኣሎ።ኣብዚ ዝሓለፈ ዉሑዳት መዓልታት  ይፍታሀ ዲመጥሮስን ገለ ዝተታለሉ ካህናትን መርጫ መተካእታ ኣቡነ ሽኖዳ ፓትሪያርክ ግብጺ ንኽሳተፉ ዘይፈሓሩዎን ዘይፈንቀልዎን እምኒ እኳ ተዘይ ነበረ፡ኣይንፈልጠኩምን ኢና።ብምባል፡ ነቲ ብ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ሊቀ ካህናት ገብረሚካኤል ዘማሕድሩዎ ዝጸንሑ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ፡ከም ዝተዋህበን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ኣብ ትሕተኡ ዝምሕደራ ሃገረ ስብከታትን ከም ዝተሳተፋን ቅድም ክንብል ገሊጽና ምንባርና ዝፍለጥ ኢዩ።
እዛ ተጨውያ ዘላ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ሰዓት እዚ ብሓንቲ ዘይፈልጡ ቆልዑን ምእመናን ተረጊጻ፡ካብ ወንጌል ሸፊታ፡መሳርሒ ፖሎቲካ ብምካን ን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ተሓድሶ መናፍቅ ኢሎም ብዝጽውዑ ቆልዑ ግዳይ ብምኻን፡ ምንጪ ኣታዊ ገንዘብ መንግስተ ኤረትራ ብምካን ናብ ሓንቲ ናይ ብዝነስ ቦታ ተቀይራ ከም ዘላ ናይ ዓይኒ መሳኻኽር ይዛረቡ።
ቤተ ክርስትያን ኤረትራ ሊቃውንቲ ዝጠፍኡላ፡ኣብዳን ዘውደኽዱኹላ ቤተ ክርስትያን ኮይና ክሳዕ መዓስ ኢያ  ክትቅጽል ኢያ ዝብል ኣርእስቲ ግን ካብቲ ኣዛራራቢ  ኮይኑ ዘሎ ነገር ኢዩ።
                      ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment