1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 8 November 2012

ዜና


  ኣብ ሞንጎ ዓቃበ መንበር ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ናትናኤልን ኣብ ሞንጎ G8 ኢልካ ዝጽውዑ ጳጳስትን  ዘይምስምማዕ ከም ዝተፈጥረ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።
                              
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ብ ሞት ካብ ዝሓልፉ ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳዕ ህጂ ፓትሪያርክ ዝበሃል ኣይመረጸትን ዘሎ።ንግዝየኡ ግን ከም ሕጊ ኦርቶዶክስ ብ ዓቃበ መንበር ኣቡነ ናትናኤል ትምራሕ ኣላ።
እቶም ን ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ክሳዕ ፓትሪያርክ ዝምረጽ ክመርሑ ሕጊ ቤተ ክርስትያን  ዘፍቅደሎም ኣቡነ ናትናኤል ግን ኣብዚ ወቅቲ እዚ በቶም ብምስጢር ብ G8 ተባሂሎም ዝቆሙ ገለ ጉጅለ ጳጳሳት ዘይምስምማዕ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ናብ ካልእ ግጭት ኣምሪሑ ኣሎ።በዚ ድማ ዓቀበ መንበር ዘ ኢትዮጵያ ናይ ፓትሪያርክ ስራሕ እንታይ ኢዩ?፡”ዝብል ሕቶ ናብ መጋቤ ኣሰፋ ስዩም ብምቅራብ ስልጣኖም ብዝፈቅደሎም መሰረት ክሰርሑ ኣብ ዝደለይሉ።”ብዘይ ፍቃድና ሓንቲ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን”ዝብል መጠንቀቅታ በጺሕዎም ኣሎ።
በዚ ዝተሳናበዱ ኣቡነ ናትናኤል ድማ “ሓንቲ ነገር ዘይገብር ተኾይነ ደኣ ኣብ ትገብሩዎ ኣኼባ ኣይሳተፍን” ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቤተ መንግስቲ ሓሊፈ ኣለኹ”፡ብምባል  ናብ ቤተ መንግስቲ ክጠርዑ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ምንጭታትን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ሓቢረን ኣለዋ። ከም ዝፍለጥ ከም ሕጎ ኦርቶዶክስ ዓቃበ መንበር ክሳዕ ፓትሪያርክ ዝምረጽ ብምሉኡ ስራሕ ፓትሪያርክ ከም ዘካይዶ ዝፍለጥ ኢዩ።
ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክስ ዘየለ፡እዞም  G8 ተባሂሎም ተጸዊዖም ዘለዉ ጳጳሳት ንርእሶም ዓቃበ መንበር ገይሮም ብምቅራብ ኢዮም።ክሰርሑ ጸኒሖም።በዚ ድማ እቲ ግርጭት ናብ ካልእ ብምምራሕ ዓቃበ መንበር ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ ብምባል ደው ኣቢሎሞም ይርከቡ።እዚ ነገር እዚ ነታ ፓትሪያርክ ዘይብላ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ኣንፈት ከይተምርሕ ይፍራሕ።ኣብ ቤተ ክርስትያን ኤረትራን ኢትዮጵያን መን ፓትሪያርክ ይኹን ኣብ ዝብል ሕቶ፡ስልጣን ንምጭባጥ ዝርአ ዘይክርስትያናዊ ስነ ምግባር ነቲ ሃይማኖት ዘዋርድ ነገራትን ባህርያትን ምስራሕ ዝተለምደ ኮይኑ ኢዩ መጺኡ።
                        ሃይማኖተ ኣበው

No comments:

Post a Comment