1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 6 March 2012

ን ብጹእ ወቅዱስ 1ይ እንጠንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ኤረትራ መንግስቲ ኤረትራ ንምቅታሎም የጻውድ ከም ዘሎ ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ካብ ኣስመራ ይሕብሩ ኣለዉ!!!!።

ን ብጹእ ወቅዱስ 1ይ እንጠንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ኤረትራ መንግስቲ ኤረትራ ንምቅታሎም የጻውድ ከም ዘሎ ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ካብ ኣስመራ ይሕብሩ ኣለዉ!!!!።
ካብ ኣስመራ ካብ ዝለዓሉ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ብዝመጸና ሓበረታ መሰረት ሎሚ ሰዓት 7፡30 ዕለት 6/03/72012 ብዝረኸብናዮ መሰረት ብ ዛዕባ ኣቡነ እንጠንዮስ ፡- ኣቡነ እንጠንዮስ ዋላኳ ይሕመሙ ደኣ እንበር ፡ብዘይካ ስቃይ ናብ ሞት ዘብጽሕ ከቢድ ሕማም ከምዘይብሎምን። እቲ ሕማም ናቶም ድማ ከምቲ ፈለማ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ተሓከሙዎ ድኣ እንበር ኣብታ እኹል መድሓኒት ዘይብላ ኣስመራ ንዕኦም ዝኸውን ሕክምና ከምዘየለ ገልጾምልና ኣለዉ። እንተኾነ መንግስተ ኤረትራ ኣብ መወዳእታ 2011 ዓመተ ምሕረት ኣብ ህዝቢ ዘምጽእዎ ዘለዉ ጽልዋን ሰዓብቶም ብዕጽፊ ኣብ ውሽጢ 2011 ጥራሕ ናብ ዕጽፊ ኣብ ኤረትራ እውን ከም ብሓድሽ ምልዕዓል ይፍጠር ብምህላዉን ።ሓሚሞም ብዝብል ጉልባብ ከምቲ ልሙድ ኣብ ልዕሊ ፖሎቲከኛታት ኤረትራ ዝፍጽሞ ብጥበብ ክቀትሎም መደብ ኣውጺኡ ከም ዘሎ ተሓቢሩና ኣሎ !!!።
እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ኣብ ምድሪ ኤረትራ ብ ኤረትራውያን ሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝግበር ዘሎ ናይ ጽርግያ ሽጣራ ድሮ ኣብ የእዛና በጺሑ ከም ዘሎ እቶም ሰብ ኣይፈልጦን ኢሎም ክፋእ ኣብ ምስራሕ ዝውዕሉ  ዘለዉ ሰበስልጣን ክፈልጡ ይግባእ ።ስለዚ  ዝኾነ ይኹን ኣብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጥንዮስ ኮነይ ኢልካ ተፈጸመ ገበን ብ መንግስተ ኤረትራ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጥ ንደሊ!!!።ብ ተወሳኺ ድማ ጉዕዞና ኣቡነ እንጠንዮስ ይምቱ ይሃልዉ ቀጻሊ እዩ። ምናልባሽ ነዚ ተገርና <<ክዕንቀጹ ይኽእሉ እዮም>> ዝብል የዋህ ኣተሓሳስባ ዘለዉ ሰብ ግን ዝገደደ መዘዝ የምጽእ ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ።ሕቶና ብጠቅላላ እተወገዙ ኣቡን ደስቆሮስን ዘይ ወዲ ሃይማኖትና ይፍታሀን ፡ ኢዱ ዘየእትወላ ተዋህዶን ጥራሕ እዩ ዘድልየና።ከምቲ ብ ተዳጋጋሚ ብተፋላለዩ ኣቦታት ተዋህበ  ስምዕታ <<ሰበስልጣን ኤረትራ ክንስሑ ደኣ እንበር ከመ ሓድሩ ኮነ ኣብ ተዋህዶ ከውደኽድኹ ዝሓስብዎ ሕልሚ ከምዘይፍቀድ ክፈልጡ ኣለዎም!!!፡እንበኣር ብዝኾነ ይኹን ጉዳይ ኣቡነ እንጥእንዮስ መንግስተ ኤረትራ ተሓታቲ እዩ !!!።
ጉዳይ ወጽዩ ከም ዘሎ መድብ ንዕኦም ቀቲልካ ምስ ግብጺ ይቅረታ ገርካ ብምዕራቅ ነቶም ነዚ ቅኑዕ ሕቶ ዘልዕሉ ዘለዉ ካብ ህዝቢ ኣግሊልካ ን ተዋህዶ ውሽጣ ንምርማስ ተማሂዙ ዘሎ ተንኮል ግን ሎሚ ክንርእዮ ኢና።ኣምላኽ ድዩ ዋላስ ሰብ ክስዕር ስለምንታይ እዚ ከም ወዮ ንጉስ እስራኤል ዝበሎ ውግእ ኣብ መንጎ ኣምላኽን መንግስቲ ኤረትራን እዩ እምበር ኣብ መንጎ ኦርተደክሳውያን ብረት ዝዓጠቁ ኢ ኦርተደክሳውያንን ኣይኮነን ።መወዳእታ መን ከም ዝስዕር
ድማ ንፈልጥ ኢና።ኢዋእ ጥራሕ እቶም ጽባሕ ሕብእና ክብሉ ክትቀልዖም እትጽበዮም ዘላ።ስለዚ ዝኾነ ኦርተደክሳዊ ውዑይ ሕቶ ብዛዕባ መጻኢት ቤተ ክርስትያኑ ዝሓተሉ ህጂ እዩ።ብ ተወሳኺ ድማ ኣቡነ እንጥእንዮስ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ እዚ ተባሂሉ ዘሎ ተተፈጺሙ ናይ ኤረትራ ኦርተደክስ ኣብ ክልተ ክትግማዕ ትኽእል እያ ዝብል ፍርሕ ይዛይድ ኣሎ። ስለምንታይ እተወገዙ ሶኖዶስን እተወገዙ ባዕላዊ ፓትሪያርክን ክሳዕ ብ ሂወት ሃልዮም ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጥእንዮስ ዘንበሩዎ ዉግዘት ዘየልዓልዎ ንምሉእ ሂወቶም ዉጉዛት ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ኣለዎ።ብተወሳኺ እውን ዋላ ተጋጊና ኢሎም ይመለሱ ኣብ ልዕለኦም ተነብረ ውግዘት ክሳዕ ብ በዓል ቤት ወጋዚ ዘይተላዕለ ፡ክሳዕ ኣቡነ እንጥእንዮስ ብ ቃሎ ውግዘተይ ኣልዒለ ኣለኹ ዘይበሉ ዉጉዛት ምኻኖም ክፈልጡ ኣለዉ።
ስለዚ ዝኾነ ኦርተደክሳዊ ን ህልወ ስምርቲ ኦርተደክስ እተድሕን ጥበብ ን ኣቡነ እንጥእንዮስ ናይ ሕክምና መሰሎም ኣብ ወጻኢ መጺኦም ክረኽቡ  ን መንግስተ ኤረትራ ጸቅጢ ምፍጣር ጥራሕ እዩ።ተዘይ ኮነ ግን ውግዘት ስዒሮም ንዝፈለሉ ጳጳስት መጻኢት ኤረትራ ክትቅበሎም ዘይሕሰብ ጥራ ዘይኮነስ ከም ገበነኛታት ኣብ ዓለማዊ መጋባእያ ደው ከተብሎም ከም ዝኾነት ክፍለጥ ኣለዎ።ስለዚ ጽባሕ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ውግእ ሕድሕድ ከይከውን ሎሚ  ከይንካፋፈል ሎሚ  ብሓባር ነዚ ዝግበር ዘሎ ገበን ንኾንኖ።

ን ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕድመ ሂቡ ካብ ኩሎም ተጻባእቶም ከም ቅድመ ህጂ ብ መልኣኹ ቅዱስ ሚካኤል ይሓልወልና !።
             ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ ኣምላኽ ይባርኽ።
               ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
             haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment