1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 30 January 2012

መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ እዩ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ፡ ንጸሎትውን ንቕሑ" (1 ጴጥ 4፡7)

መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ እዩ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ፡ ንጸሎትውን ንቕሑ" (1 ጴጥ 4፡7) ለም ክትሓልፍ ትህወኽ ኣላ፡ ኣህዛብን ኩሉ ኣብኣ ዘሎን ድማ ምስኣ። ካብቲ ቀንዲ ምልክት ምጽኣት ወዲ ሰብ ማለት ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንበኣር ቅድም ቅልውላው እዩ። ይብሎ ኣብ ማቴዎስ24፡8 ዝበሎ ተልዩ ቀዳመይቲ ምልክት ቅልውላው እዩ። ቅድመኡ ግን ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኣብ ኩሉ ምድሪ ክኸውን እዩ እዩ ዝበለ። እሞ ናይ ብሓቂ ዘስተውዕል ልብን ምድሃን ዝመረጸ ሂወትን እንድሕሪ ሃልዩናስ ነዛ ዘመስ ነስተውዕላዶ ንህሉ። ዓለምና ከም ሎሚ ዘይማዕበለትን ዝብላዕን ዝስተን ዘይጎደለን ክንሱስ ሃብቲ ኣብ ትሕቲ ዉሑዳት ኣትዩ፡ድኽነትን ጢመትን ክዝንብን ኣብ ገለ ሃገራትሲ ከም እኒ ሶማል ሰባት ከም ቆጽሊ ክረግፉ፡ ንርኢ ግን ወዮ ሰዓት ግዲ ኾይኑ ኣኺሉስ ነዚ ዘስተዎኣለሉ የለን።
ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ ቤተ/መንግስተ ሃሊፉስ ኣብ ቤት ኣምላክ ሰላም የለን ጽልእን ካሕድን ድልየት ስልጣንን  ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዛይዱ ምትእሚማን ጎዲሉ ፍቅሪ ዛሕቲሉ ኩሉ ኽፋእ በዚሑ።ስለምንታይ ኮን እዩ እዚ ኹሉ፡ብፍላይ ልቢ ምጥራር ክርስትያናት ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሮ ይዛይድ ኣሎ።ክርስትያናት ክፋረዱን ፡ክትሓረረቁን ይውዕሉ ኣለዉ።በቃ ኩሉ ኩሉ ነገር! ታሪኽ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ግዜ፡ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ንግድ፡ ስልጣኔ፡ ቴክኖሎጂ፡ ሃብቲ፡ ዝና፡ ኰታ ኩሉ ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ይህወኽ ኣሎ። ዓለም ክትሓልፍ እያ፡ ኩሉ ክብረታ ድማ ምሳኣ!!!።ግን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ምንቅትቃጥ መረትን ኲናትን ዝተራእየሉ ዘበን እዩ ነይሩ ሃገራት ጃፓንን ከምኣ ዝበላን ብ ሓደ ካብ ዓይነታት ምንቅጥቃጥ መረኢት ዝተናወጻሉ፡ክ ኸውን ከሎ ከም በዓል እኒ ኢታሊ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ገለ ከተማታት ክኸስራ ከለዋ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ድማ ኣብ ሃገረ ኢታሊ ኣስታት 5 ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ምንቅጥቃት መሬት ተኻይዱ።
እቶም ን ዓለምና ከነዕርያ ኢና ክንሃንጻ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝምኽሑ ነበሩ ስነ-ፍልጠታውያን ዓለምና እውን ህጅስ ተዳኺሞም ዓለም ኣብቂዓ እያ ድሕሪ ህጂ ኣብኣ ምንባር ክሳራ ጥራሕ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ይርከቡ። ኣብዚ ናይ ኣምላኽ ቃል ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ህዳ ኢልና ተንቢብና እውን ዋዘማ ምብቃዐ ዓለም ከም ዝኣተና እዩ ዝበርሃልካ።መጽሓፍ ቅዱስ ክኾኑ እዮም ኢሉ ተዛረበሎም ጽሑፋት በብሓደ ይፍጸሙ ኣለዉ። እዚ ንባዕሉ ነቲ ኣብ መጽሃፍ ቅዱስ ዘሎ ሚዛን ርትዓዊ ይገብሮ። ስለዚ ኸኣ ምስጢር ልቢ ኣምላኽ ዝሓዘለ ክቡር መጽሓፍ እዩ እንዳተባህለ ይእመንን ሰብ ይምርሃሉን ይርከብ ።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሓት ትንቢታት ኣለዉ በዚ እውን መጽሓፍ ሂወት ዝኾነ መጽሃፍ ቅዱስ መጽሓፍቲ ትንቢታት ዘጣቀለ  እዩ።መጽሓፍ ትንቢት ክንሱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢት ዝፈልጡዎን ዝርድኡዎን ግና፡ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ከመይሲ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ።  ምኽንያቱ ንሱ  ማእከል ኩሉ ምኽሪ ኣምላኽ። እዛ ሎሚ ንሕና ደቂ ሰባት ናትና መሲላትና ከም ድላይና ፊዕ ንብለላ ዘሎና ዓለም፡ ዋና ኣለዋ። ኣብቲ ንሱ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን ግዜን ድማ ሓደ ግዜ ከተብቅዕ እያ። እሞ እቲ  ዓለም እተብቅዓሉ ግዜ መኣስ እዩ ንዚብል ሕቶ ኸኣ፡ እቲ በዓል ስልጣን ብዝተዛረቦ ትንቢታዊ ቃላት ጌርና ጥራይ ኢና ክንምልሶ እንኽእል።
ንሱ ኸኣ ብሕያውነቱ፡ ነቲ ብሉጽ ምኽሩ ምእንቲ ከግህድ፡ ኣብ ኣጋ እቲ ዓለም እተብቅዓሉ ዳሕራይ ግዝያት፡ ዝቕልቀሉ ተርእዮታትከምቲ ቅድም ኢልና ዝጠቀስናዮ ኣብ ማቴዎስ ዝጠቀስናዮ  ገሊጹልና ኣሎ። እታ ዝዓበየት ምልክትን ምሳሌን እትኾነና ተርእዮ፡ እታ ብኦም በለስ ተመሲላ ዘላ "ሃገር እስራኤል" እያ። እስራኤል ናይ ዳሕራይ ግዜ ምልክት እያ። ናይ ምኽሪ ኣምላኽ ምሳሌ ኸኣ እያ። መጽሓፍ ቅዱስና ግና፡ ንኦም በለስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ - ምስክር ብኸልተ ወይ ብሰለስተ ስለ ዝጸንዕ - ካልኦት ምልክታት እውን ሂቡና እዩ። እዞም ምልክታት እዚኣቶም ድማ፡ ተስፋና ከሐድሱ፡ ራእይና ከድምቑ፡ ሃንቀውታና ከዕብዩ፡ ምስቁርቋርናውን ከጉድሉ መታን ኢሉ ኣምላኽ ዝሃበና ኣገደስቲ ምልክታት እዮም። ሎሚ ፖለቲካ ዓለም ብፍጻሜታት ማእከላይ ምብራቕ እዩ ዝዝወር እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝረሓቕና ኣይኮንና። ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዓለም ምብራቓውን ምዕራባውን ደምበ ተባሂላ ናብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ነይራ፡  ዝሑል ኩናት ድሕሪ ምብቓዑ ግና ሎሚ፡ ኣቓልቦ ዓለም ብሓንቲ ጉዳይ እዩ ተባሒቱ ዘሎ። ኩለን መንግስታት ዓለም ድማ ነዛ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ እየን ሓይለን፡ ገንዘበንን ግዜአንን ዘጥፍኣ ዘለዋ፡ እዚ ድማ ንግብረ ሽበራ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ግብረ ሽበራ ድማ ዘይሩ ዘይሩ ምስ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ድማ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ንእስራኤል ንምጥፋእ ዝዓለመ ኰይኑ ኢና  ንረኽቦ።
በዚ ይኹን በቲ ግና ክንግረም ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ፡ እስራኤል፡ ዒራቕ፡ ኢራን፡ ሶርያ፡ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ዳሕሮት ግዝያት ቀንዲ ዛዕባ ዓለም ከም ዝኾኑ እዩ ዝነግረና። ክንዮኡ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቤተ/ክርስትያን ኣምላኽውን ይዛረብ እዩ። ግደ ሓቂ፡ ቤተ/ክርስትያን ክርስቶስ ማእከል ምስጢር ኣምላኽ እያ። ስለዚ ኩሉ ነገር ምስ ቤተ/ክርስትያን ክርስቶስ እዩ ዝተኣሳሰር። ናይ ዓለምና ግብረ ሽበረታት ቀንዲ ካብ ሕንጻታቶምን ዊዲቶምን ድማ ን ቤተ/ክርስትያንን መራሕታን ካብ ገጽ ዓለም ምድምሳስ እዩ።ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ጥራሕ ተሪኢና ግብረ ሽበራውያን ካብቲ ቅድም ዝገብሩዎ ነበሩ ሕልፍ ብዝበለ ኣብ ማእከል ኣብያተ ክርስትያን ቦምባታት ብምቅባርን  ቡምባታት ብምውርዋርን ከዕንዉ ኢና ሪኢና።ብዙሓት ግብረሽበራውያን ን ክርስትና ካብ ምብራቃዊ ዓለም ክድምሲስዎ ምዃኖም ርግጸኛታት ኮይኖም ይፍክሩ ኣለዉ፡ተስፋና ግን ኣብኡ እዩ እሞ ከይሓድገና ዶ ከምኡ ተኾይኑ ግን በቲ ዝተዳለወልና ክንሓልፍ ኢና። ካብቲ ዘገርም ኩሎም ኣንጻር ክርስትያን ዝኾኑ ባእታት ስሙራትን ነንሕድሕዶም  ብዙሕ ዘይታናኸፉን ዘይጻላልኡን ምዃኖም እዩ ፡ቀዳማይ ዕላማኦም ድማ ን መጽሓፍ ቅዱስን ኣመንቱን ካብ  ገጽ ዓለም ምጥፋእ እዩ። 2011 ዓመተ ምሕረት ግብጺ ናይጀርያ ዒራቅ ወዘተ ካብተን ህልቂታት ክርስትያናት ዘእንገዳ ሃገራት እየን ነረን። ኣብ ናይጀርያ ክርስትያናት ብ ኣረማውያን ብሓዊ ከም ዕንጸይቲ ክቃጸሉ ዝርኣናሉ ህሞት ክከውን ከሎ ኣብ ከም ግብጺ ድማ ብ ታንክታት ኣብ ጽርግያ ዝተጨፍለቅሉን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናቶም ብቦምባ ዝጠፍእሉን ከም ኣባጊዕ ኣብ ፈቀዶ በረኻ ተሓሪዶም ዝጸንሑልን ህሞት እዩ ነይሩ።2012 ግን እንታይ ከተእንግድ እያ ክንጽበ ኢና።ምምጻእ እቲ መሲህ ድያ ከተእንግድ ወይሲ ከም ዝሓለፋ ዓመታት ብ መከራ እያ ክትውዳእ ወይ እውን ምሕረት ኣምላክ ዝነገሰላ እያ ክትከውን  ኣምላክ ሒዝዎ ዘሎ ንሕና ግን ክሳዕ ዝፍጸም እንታይ ክኸውን እዩ ዘይንፈልጠሉን ክኸውን እዩ።
ካብቲ ዘገርም ግን ኣቶም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኢና በሃልቲ ክርስትያናት ነንሕድሕድና  ኣብ ምጽላእን ምትህልላኽን ምእታውና እዩ። እቲ መገዲ የሱስ ክርስቶስ እዩ ኣብኡ ከለኻ፡ኩልኻ ዕላማኻ ንመንግስተ ሰማይ ክንሱ፡ ግን ጽልእን ካሕድን ምፍልላይን ምረኣዩ ድማ ሰጣን ክርስትያናት ነቲ ኣብ ልዕለኦም ዝግበር መጥቃዕቲታት ብሕብረት ከይጽልይሉን ከይቃወምዎን ዝገበሮ ዊዲት እዩ።ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ዘይ ምስማር ክርስይትያናት ፡ብ ኣስላምን ኮሚኒስትን ከም ዝድምሰሱ ገይሩዎም እዩ። ኣምሰይኡ ድማ ሰኣን ሰላም ዝገብራ ኦርተደክስን ካተሊክን ኣመንቲ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ዝኾኑ ትርኳውያንን፡ሶርያውያንን፡ዮርዳኖሳውያንን፡ሊባኖስውያንን  ግብጻውያንን ግዳይ ኮይኖም እዮም። ትርኪ ብምልእታ ናብ ምስልና ክትቅ ሽሕ ሰዓብቲ ተዋህዶ ተሰይፎም እዮም።እንተ ኾነ እቶም ኣርኣያ ሰላም ክኾኑ ዝግባኦም መራሕቲ ክርስትና ህጂ እውን ሰላም ገሮም ንሓንቲ ስምርቲ ክርስትና ኣብ ክንዲ ዝዓዩ ብ ዘይጠቅሙን ሂወት ዘይህቡን ስነ ሓሳባት ክማጎቱን ግዜኦም ከባኽኑ ይርኣዩ።
ኣስታት 2000 ዝኣኽሉ ጥራሕ ብክርስቶስ ዝፍለጡ ማሕበራት ኣብ ዓለምና ይርከቡ ምኽንያት መመስረቲኦምን መፋላለይኦም ንድማ ብዘይካ ረብሓስ ዋላ ሓንቲ ነጥቢ ኣይትረኽበሉ።ቃል ኣምላኽ ንሓንቲ ቤተ/ክርስትያን ክሳዕኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዂሉ ኣይትእመንዎ።፪ - ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ።፫ - የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 1ይ ዮሓንስ4፡1-3 ።2ይ መልእኽቲ የውሓንስ 1፡7-8።ከም ዝበለና ን መንፈስ ሓቅን መንፈስ ስሕተትን ከመይ ገርና ከነለልዮም ከም ዝግባኣና ፍሉጥ እዩ።ስለዚ ንሓንቲ ቤተ/ክርስትያን የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ከም ዝመጸ እንዳኣመንት  ሓዲግካያ ሃይማኖት ክትቅይር ብጣዕሚ ማዕሮ ክንደይ ህዉኽ ዘበን በጺሕና ከም ዘለና ዘተንብህ  ድማ እዩ።
ዋላ ሓንቲ ዝፈላሊ ናይ እምነት ነገር ዘይብልካ፡ ብማንካ ዶ ንብላዕ ብ ኢድና ዝዓይነቱ ኣዘራርባ፡ ብ ማንካ ስለ ዝበለ ምስኡ ኣይሓብርን ኢልካ ናትካ ጉጅለ ሒዝካ ክትፍለን ኣብ ርእሰኡ ክፋእ ከተዝንብን ዘህዝን እዩ።በዚ ኮነ በቲ ግን ጸበባ ክርስትያናት ዝመጸሉ ሰዓት ይኣክል ኣሎ። ኣወ ሰዓት ዘማቲ ዝዘምተሉ ሰኦኣት ዓማጺ ዝዕምጸሉ። ነዛ ቀሪባ ዘላ ሰዓት ስጋኻ ቀጺዕካ ምስኡ ንሓዋሩ ኣብ ሕቅፈኡ ምንባር ዝመስልዎ የለን።ስለዚ ክርስትያናት ኩላትና ነዛ ሰዓት ሰላም እትመጸና ዘላ ብግርህና ክንጸንሓ ኣይግባኣናን፡ እንታይ ደኣ ን ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተኣሚና ናይ ህልኽ ታሪኽ ኣጥፊእና  ምስ ኣምላኽ ተዓሪቅና ነቲ ብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ተነቢሩልና ዘሎ ማህደር ኣምላኽ ንምውራስ ክንጎዪ ኣለና። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ።፲፪ - እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።፲፫ - ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።፲፬ - ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዝሐጽቡ ብጹኣን እዮም።፲፭ - እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦታትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዂሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።፲፮ - ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።፲፯ - እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይብል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።ራእይ22፡11-17።            
                          እግዚኣብሄር ዘስተውዕል ልቢ ይሃበና!::

Friday 27 January 2012

ኣምላኽ,,,, !!!! ተኻሒዱ !!!!>

ኣምላኽ ተኻሒዱ!!!! ሃይማኖት ፖሎቲካ ተቀይሩ!!!!! ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ዕልዋ ስለምንታይ ግን ክሳዕ ክንድዚ ዕሽነት ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ቤቱን። ንምኻኑ ኣገልግሎትና ኣገልግሎት ኣምላኽ ዶ ኣይኮነን እዩ።ንምንታይ ነቲ ተበጀወና የሱስ ክርስቶስ ነግህዮ።ንሕና ንሓቂ ! ንሕና ንፍቅሪ ኣብነት ዘይኮነኸ ከመይገርናኢናንሰባትክንምህሮም።                                                              ኣበይ ኣሎ እምነትና።ዘሕዝን ናይቶም ኣብ ስልጣን ብሓይሊ ንኣበኦም ኣውሪዶም ኮፍ ኢሎም ዘይኮኑስ ናይቶም ነዚ ክንሽፍን ላዕልን ታሕትን እንብል ዘለና ገለ ካህናትን ዲያቆናትን እዩ።ወዮ ዘይርድኣና ኮይኑ እንበር መዛረቢ ዓለም ምሉእ እኳ ኢና ኮይና ዘለና፡ሎምስ ገሪምዎም ዓለማውያን ጋዜጠኛታት እኳ  ኣምላኽ ተኽሒዱ ክብሉ ጀሚሮም።ንዓለም ወንጌል ክንምስክረላ ዝግበኣና ዓለም ተመሊሳ ኣይትሓስዉ ፡ኣይተታልሉ ኢላ ስለ ሓቂ ክትምጉተና ከላስ ክሳዕ ክንደይ ኮን ኢና ፈኺስና። ስለምንታይ ከ እዚ ሃይማኖት ኣብ ከምዚ ወዲቁ ፖሎቲከኛታት ከም ዓረብያ ዝዝውርዎ መነኮሳትን ካህናትን ዝሕየሩሉ ፡ዘይተሰምዐ ዝድስክልሉ፡ስለምንታይ ዝኸውን በጃኹም እባ ንምከር በጃኹም እባ ንነሳሕ  በጃኹም እባ ነዛ ሃገር መዓት ኣይነምጸኣላ።ክንዲ ንበረኸት ንኸውን፡ ንውርደት ንመርገም ክንኮና ነዛ ንነብረላ መረት እንታይ ይበሃል። ሰንኽና ብሰንኪ ሓጢኣትና ኣብ ፈቀዶ ባሕርታትን ኣብ በረኻታትን ደቅና ይቅዘፉ ኣለዉ፡ሰንኪ ሓጥያትና ዘዕበናዮም ደቅና ኮላሊቶም ተጠቢሑ ይውሰድ ኣሎ። ሎሚኸ እንታይ እዩ ተሪፉና። እዚ ዝዓርግ ዘሎ ዕጣንሲ ከምዚ ገርካ ክዓርግ እዩ፡ከምዚ ገርካ ርሕሚ ሓቢእካ እንዳኸድካስ ጸሎት ክስማዕ እዩ። ናበይ ኢና ንጓዕዝ ዘለና ኣበይከ ኢና ከነዕርፍ ክሳዕ መኣስ ኢናኸ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል መጽሓፍና ዝብሎ ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185። ከምዚ እዩ ዝብል ጽሑፍና እሞኸ።ባዕልና ዶኾን ኢና ናብ ማሕበር ኣርዮስ እንጽንበር ዘለና።ነዞም መጻሕፍቲ እዚኦም ዘይንኣምነሎም ተኾይና ኸኣ ንዛረብ እሞ እዚ  ህዝቢ ወገኒ ከናዲ።ስለምንታይ ከ እዞም ኣቦ ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ወይ ፓትርያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን” (ቀኖና ጋንግራ 325-381ዓ.ም. ቀኖና 3)። ዝብል ትእዛዝ ቤተ/ክርስትያን ጢሒሶም የገልግሉን ኣነ ፓትሪያርክ እየ ብምባል ማንካ ፖሎቲካ ኮይኖም እንዳ ኸዱ ስቅ ኢልና ንርኢ ቅዱስ መጽሃፍና ከም ዝምህረና ምሳሌ 18፡5 ጻድቅ ምእንቲ ኽግፋዕ ኢልካ ምስ ክፉእ ሰብ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኮነን ከም ዝበለ።ስለምንታይ ቅዱስ ፓትሪያርክ መታን ክግፍዑ ኢልና ኣጽቂጥና ምስ ይፍታሀን ሰዓብቱን ነሻሩ።ኣንቱም ሰብ ሎሚ ደኣ ዋዛ ይመስለና ኣሎ እንበር ዝመጽእ ወለዶ ከዋርደናን በዓል ባባ በዓል ማማ ኢኹም ከምዚ ገርኩም እንበር ሓቂ ከምዚ እዩ እኮ ኢሎም ከሳቅዩናን ሓጢኣትና እንዳ ዘከሩ ድቃስ ክኸልኡ ምኻኖም ንፍለጥ።                                                                   
ኣብ ምንቲ ምንታይ ግን እዚ ኹሉ ፡ስለምንታይ ነዞም ሰባት ትጋገዩ ኣለኹም ዘይንብሎም ካብኡ ሓለፈ ኸኣ ካብኦም ዘይንፍለ ፡ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ተልዩ ጻድቅ ዝነበረ ሰብ ሓጢኣት ክገብር እንተ ጀመረ፡ እቲ ድም ዝነበሮ ጽድቂ ኣይከድሕኖን እዩ።ሓጥእ ሰብ ሓጢኣት ምግባር እንተ ኣቋረጸ ኣይክቅጻዕን እዩ።ጻድቕ ሰብ ሓጢኣት ምግባር እንተ ጀመረ ንሕይወቱ ኣይኬድሕናን እዩ። ዝብል ስለዚ፡ እንገብሮ ዘለና ንፍለጥ ብህልኽን ተመሪሕና ኣብ ልዕሊ መሳኺን እንገብሮ ኣምላኽ ከኽፍለና ምኻኑ ኣይንዘንግዕ።
።ዘገርም እዩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ተባሂልና ን ቆኖናን ሕግን ቤት ክርስትያን ኣፍርሽና ፡ን ኣሕዋትና ፡ን መጋላግልትና ናብ ቤተ ማእሰርቲ የእቲናስ እንጽልዮ ጸሎትሲ ኣምላኽ ይሰምዕዶ ይኸውን???!!!። ስለምንታይ ከ ነዚ ተመሪጹ???፡ ስለምንታይ ከ ክሳዕ ክንድዚ ኣሽካዕላል፡ እዚ ኸኣ ብሓቂ እቲ ህዝቢ ዘይፈልጥ ስለ ዝኾነ ድዩ፡ስለምንታይ ግን ኤረትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ን ነፍስና ተዓሺናስ ን ኣምላኽ ከነዕሽዎ ንፍትን። ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ስለምንታይ?? እዮም ግን  ስርዓት ቤተ/ክርስትያን ማለት እምነትና ከም ዝብሎ ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ወይ ፓትርያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን” (ቀኖና ጋንግራ 325-381ዓ.ም. ቀኖና 3)። እንዳ በለ ኣቡነ ደስቆሮስ  ዝገብሩዎ ኩሉ ደው ከብልዎ ተኣዚዞም ክንሶም ፈቀዱኡ ፡ኣነ ፓትሪያርክ እየ ብምባል ንህዝቢ፡ ን ቤተ/ክርስትያን ፋሕ ኣቢሎም ኣብቲ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ንምፍራስና ዝዓዮ ዘሎ ሰጣናዊ ሽርሒዝዋፈሩዘለዉ።                                                       ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ን ኣምላኽ ምርሳዕ፡ ሕራይ እሶምሲ ወይ ረብሓን ድልየት ስልጣንን ዓብለሎም፡ ወይ ድማ ፈሪሖም ከይእሰሩ ምስቲ ዘሎ ስርዓት ኮሚኒስት ኣስመራ ክመሳሰሉ ደልዮም። እቶም ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ወጻኢ ዘለዉ።  ካህናት ከ ፡ነታ ሓቂ ዓቢጦም መቀበልቲ መባእን ዕሽርን ክኾኑ  ንምንታይ መሪጾም፡ ኮይኒና ዲና ታሪኽና ኣብዚ ኣብቂዑ ብዓለም ምሉእ ተሳሒቅና ፡ ብ ኣምልኽ ድማ ዘፈንፍን ስራህ ፈጺምና ክንነብር፡ንምንታይ ከ እምነትናብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185 ። ስለምንታይ እዮም ኤረትራውያን ካህናትን ፡ዲያቆናትን፡ኣመንትን መጽሓፍ እዚ እንዳበለ ስለምንታይ ነዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ብተወገዘ ጳጳስ ክትምራህ ወፍዮማ። ስለምንታይ ከ ብዛዕባ እዚ ክሳዕ ህጂ ፡ ድምጾም ዘይ ሃቡ ወረ ገሊኦምሲ ተጠሊዖም እሞ ንሕና እንታይ ክንገብር መንግስቲ ዝገበሮ፡ ይብሉኻ፡ገለ ድማ ንጸሊ ይብሉኻ፡በቲ ኸኣ ጸልዩ በእንተ ኣቡነ ደስቆሮስ ክብሉ ትሰምዖም ስለምንታይ ግን እዚ ድዩ ክርስትናና፡        ግዚኣብሄር  ይደግፈና ሃይማኖተ-ኣቦው።         

The Detained Patriarch, Persecuted Christians and a Dying Church of Eritrea

This is not just an article; rather I would like to shed some light into the pathetic conditions of Christians in Eritrea, which requires high volume of international attention and help.

As we all know Eritrea is a country situated in the ‘Horn of Africa’, bordered by Sudan in the west, Ethiopia in the south, and Djibouti the southeast. Eritrea is dominated by two major religions, Christianity and Islam. Some approximations state that 50-64 percentage of the population belongs to Christianity.

Christians of Eritrea

The majority of the Christians belong to the Eritrean Orthodox Tewahdo Church, which belongs to Oriental Orthodox family. Rest of them comprises of Roman Catholics, Evangelical Lutherans and a number of various protestant denominations. It is reported that only Orthodox Church, Roman Catholic Church and Evangelical Lutheran Church are the only government recognized christen communities. Rest of the religious groups should undergo a government registration to gain freedom of worship by submitting detailed information of their membership and followers.

The Eritrean Orthodox Church

It would be worthwhile mentioning about the Eritrean Orthodox Church, one of the oldest Christian communities in world who traces their origins to the evangelical works of Apostle St. Phillip. It was established as a church through sincere efforts of St. Frumentius in the kingdom of Axumite under King Ezana. He was sent to Alexandria where he was ordained as Barhop in the name Abune Salema by the Coptic Pope and Patriarch St.Athanasius. For several centuries afterward the Coptic Pope appointed a Copt to be the Metropolitan Bishop of Eritrean Church. Eritrea was annexed to Ethiopia after World War II. Since Eritrea was regarded as a province of Ethiopia, the Eritrean church was also considered to be a part of the Ethiopian Orthodox Church. Since its declaration of independence from Ethiopia in 1993, the Eritrean church began to appeal to the Coptic patriarch for autocephaly. The Coptic Pope recognized the request and granted autocephaly in 1994 (The Ethiopian Church was granted Autocephaly in 1950’s). Abune Phillipos was consecrated as the first Patriarch of Eritrean Orthodox Church only in the year 1998. There was initial objection from the Ethiopian Church but later they recognized the autocephaly of the Eritrean Orthodox Church. Abune Yacob was the second Patriarch of the Church who ruled for very short period of time; to be more specific hardly one year (2002-2003). After his demise the holy synod of the Eritrean Orthodox church elected Abune Antonios as the third Patriarch of Eritrea in the year 2004.

The Eritrean Orthodox Church belongs to the ancient Oriental Orthodox family along with the Coptic, Syrian, Armenian, Indian and Ethiopian Orthodox Churches.

The Eritrean Orthodox Biblical canon contains 81 books which are accept by The Narrower Canon which include Enoch, Jubilees, and three books of the Meqabyan and also they have the broader cannon which comprises of all books in narrow cannon and also two Books of the Covenant, Four Books of Sinodos, a Book of Clement, and Didascalia. Broader Canon has not been in print since the beginning of the Twentieth Century. The Haile Selassie Version of the Bible which was published in 1962, which contains the Narrower Canon.The Divine Liturgy of the Eriteran Church is served in Ge'ez language.The Septuagint version of the holy Bible was translated into Ge'ez and the Sermons are delivered in the local language.

The Detained Patriarch

Abune Antonios was was unanimously elected Patriarch by the Holy Synod on 5 March 2004 and he was enthroned as the third Patriarch of Eritrea on 24th April 2004 by the most holy hands of Pope Shenouda III, assisted by Eritrean and Coptic Orthodox Metropolitans and Bishops.

Patriarch Antonios is well known for his hard work, leadership and religious devotion. He has made tremendous contributions in reconstructing the all around standards of the monasteries in Eritrea while serving as an Abbot. He has been much open to modern technology, medicine and education and he is always cherished by thousands of people for his love, generosity and theological scholarship.

As the Patriarch of Eretria, he was much concerned and resisted the growing interference of government in religious affairs. His strong resistance of to excommunicate three thousand members of the Medhane Alem, an Orthodox Sunday School movement as well as his demands that the government should release imprisoned Christians accused of treason are considered to be some reason for his rivalry with the Eritrean government. The Holy Synod sided with the government and during January 2005 a secret session was met and they removed all executive authority of the patriarch who was limited to just officiating church services. The Holy Synod sought the support of Pope Shenouda to excommunicate Abune Antonios, but the Pope refrained from such an act.

A secret session of the Holy Synod in January 2006 at Asmara formally removed Patriarch from his office and on 20th January. Two priests accompanied by security persons of the Government the Patriarch’s residence and confiscated his personal pontifical insignia. Violating the church cannons and constitution the government installed Bishop Dioscoros of Mendefera as the anti-patriarch on 27th May 2007. Abune Antonios on the same day was forced to move out of his office and has been detained at an undisclosed location somewhere in the capital city of Asmara. It is reported that the Patriarch is being held in darkened room that is all what is known so far.

Abune Antonios was isolated and detained as a result of Governments master plan to tear out the uncompromising and courageous stand of the Patriarch against the unwanted involvement of government mechanisms in religious affairs. The government made this possible by arresting and defrocking large number of capable and leading clergy in the Orthodox Church as well as tactfully submitting Holy Synod members to the government plan. The Patriarch never acted a puppet of the government; rather he stood for peace and justice. Hence he was crucified and is believed to be still alive and so the Patriarch as an example of the true living Martyr of our Lord God, Jesus Christ.

It is to be noted that none of the Orthodox Churches, the Roman Catholic Church and

Christian denominations have not recognized the government installed Patriarch Abune Dioscoros till date. Abune Antonios is recognized as the genuine and canonical patriarch of Eritrean Orthodox Church.

The Eritrean government claims that Patriarch Abune Antoniso has voluntarily retired to one of the interior isolated monasteries and is very active in prayers. Despite of their claim, the Eritrean government has failed to produce any update on the conditions of the patriarch.

There are Eritrean Orthodox communities outside Eritrea especially in USA and UK who are served by two Bishops namely Abune Markarios (Bishop of the Eritrean Church in the USA and Abune Markos (Bishop of the Eritrean Church in the UK) who are also members of the Coptic Holy Synod. Also there are Eritrean communities in different parts of the world especially in Jerusalem, the Holy Land.

Persecution of Christians

Reports say that Christians and Christian churches are severely persecuted in Eritrea. Reports states that Christians who are trying to flee the persecutions are facing threat, torture, beating sexual assault and imprisonment. Many of the Christians are fleeing the land to neighboring countries. It is estimated that there are more between 2000 and 3000 Christians in Eritrean prisons. According to reports, Evangelical and Pentecostal Christians are attacked in large numbers. Many people seeking refuges in Egypt get killed by human traffickers and many others are being held captive in Sinai desert. The refuges are heavily tortured both physically and mentally. Many people held in prison face death due to torture and lack of medical aid. The official sources of the Eritrean government deny any sort of assaults on Christians which has been proved to be wrong in all manners.

Persecution of Orthodox Church in Eritrea

Despite one of the official recognized and largest Christian community of Eretria, the Orthodox Church is haunted by the government machineries. As per the ICFC report, Orthodox Churches in Eritrea is being shut down at an alarming rate. Since 2005 more 1500 Orthodox priest and deacons have been forced into serve in military. During past four years the Orthodox Church has been reduced as a mere arm of the department of the religious affairs. The historical and ancient artifacts of the Orthodox Church have been removed from churches and monasteries and have been confiscated by the government. Even though many churches are available in city areas, large number of Orthodox Churches in rural Eritrea has closed their doors, especially due to the shortage of clergy. It is the purposeful plan of the government to create shortage of Orthodox priests and deacons by forcing them to serve in military as soldiers. The government is presently forcing all Orthodox deacons and priests below the age of fifty years to interminably serve in military, thus depriving the church completely without clergy. It is estimated that more 1500 Orthodox Churches will be shut down in near future. Some examples for the closed churches are St. George Orthodox Church in Aligider, Gelila Mariam Orthodox Church in Shambuka, Medhane Alem Demas Orthodox Church near Ginda’E, St. Michael MeHrad Lam near Qnafna, an Orthodox Church in Adi-Itay in the area of Mendefera and St.Gabriel Egela Orthodox Church near Teseney.

Metropolitan Abba Seraphim: The Sole Fighter

Abba Seraphim Metropolitan of Glastonbury, Primate of the British Orthodox Church within the Coptic Orthodox Patriarchate has been toiling for past several years to gain the much needed international attention and help for the prosecuted Christians of Eritrea as well as to restore Abune Antoios back to his throne. The Metropolitan leads prayer vigil for prosecuted Christians of Eritrean every year especially at the Eritrean embassy in UK. More here:

Plea for Help

Though the sad plight of Christians in Eritrea is being discussed at various levels, the right kind of attention and help is not reaching them. This is a slow poisoning process of Christians and if not intervened in the appropriate manner, the result will be nothing but the complete disintegration Christianity in Eretria.

There has been continuous plea for help from the suffering Christian communities in Eritrea. Many countries in the west especially USA has been pressing the Eritrean government to protect human rights and restore religious freedom. But any kind of international pressure seems to fall on deaf ears.

As an ordinary Christian who enjoy immense religious freedom in my country, I pray for a great miracle in Eritrea and also request each one of you of to pray for the suffering Christians. Let us stand united to speak and act for our brothers and sisters in Eretria. May the Almighty have mercy on his children in Eritrea.
George Alexander

Secretary& Spokesperson
Orthodoxy Cognate PAGE

Thursday 26 January 2012

ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።

ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ብ ሕጽረት ምሁራን ተሃስየን ካብ ዘለዋን ሰኣን ብቁዓት መማህራን ምህላው ደቃ ብ ተኻሉ ይዝረፉ ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።ነዚ ድማ እያ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ፈለማ እግራ ካህናት መሪጻ ናብ ግብጺ ንዝለዓለ ትምህርቲ ክግስግሱ ገይራ ዝነበረት።ወዮ ዘራጊ ማይ ከሎስ ጽሩይ ማይ ነይስተ ኮይኑ እንበር፡

ብጹቅ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጥእንዮስ ኮሎሎጅ ክህነጽ እምንነ ምሰረት ዘንበሩ እውን ነዚ እዩ ነይሩ፡ግን ከይፈጸሙዎ ብ ኢድ ሓያል ተታሒዞም ኣብ ማሕዩር ይሳቀዩሉ ኣብ ዘለዉ እዋን እቲ ጽቡቅ ዕላማ ኣምላኽ  ዋላ እኳ ዝዓግቶ ኣይተረኽበን። ኣምላኽ ጸድፊ ይፈጥር እሞ መውጽኦ ኸኣ ይፈጥር ከም ተባህለ፡ ከምቲ ቃሉ እውን ጥራስ ዘይጠፋእናስ ሳላ ምሕረቱ እዩ፡ዝተባህለ ኣምላኽ እንሆ ነቲ ዝድለዮ ይገብሮ ፡ኣየ እዚ ኣምላኽናስ ናቱ ምኻን ክጥዕም!።

ብሓቁ ድማ እዩ ኣቦና ኢዮብ ኩሉ ከም ትኽእልን ነቲ ዝመደብካዮ ኻብ ምግባር  ዝኽልክለካ ከምዘየልን ህጂ ፈለጥኩ ዝበሎ።ኢዮብ 42፡1-2። ሓያላት ን ወንገል ክዓግቱ ክሓስቡ ከለዉ ኣምላኽና ድማ ብ መገዲ ስደት ንህዝብና ነቲ ብሰሪን ክፍኣትን ኣብ ሃገሩ ከይምሃሩ ዝተኸልከሎ ብስራት ኣምላኽ ሎሚ ኣብ ስደቱ ይረኽቦ ኣሎ። ሎሚ ኤረትራዊ እንተ በቲ እንተ በቲ ወንጌል ይመሃር ኣሎ በዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎእንታይ ደኣ እዩ? እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። ፍልጵስዩስ 1፡18 ።እረ ካብ ወንጌል ምርካብ ተሓሊፉስ ወረ ብ ዝለዓለ ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክስልጥኑ ኽኢሎም ኣለዉ። ህያው መርኣያ ናይዚ ኩሉ ድማ እዩ ኣብ ሳን ኣንቶንዮ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ፣ ብግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝውነን መንፈሳዊ

ኮለጅ ክመሃሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ተመሃሮ ብ12 ጥሪ 2012 ተመሪቖም። ሓያሎ ወለዲ፣ ዕዱማትን መምህራንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ቻንስለር ናይቲ ኮለጅ ብፁዕ (ዶር) ኣቡነ ዮሴፍ ንተመሃሮ ሰርትፊኬት ሂቦም። ብፅዕነቶም፣ ድሕሪ ምርቓ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ብፍላይ ኣብ ስደት ንዝርከብ ሕዝቢ ናይ ባህሊ፣ ናይ ሃይማኖት፣ ካልእ ማኅበራዊ ናብራን ኣዝዩ የሸግር ስለ ዘሎ፣ ተመረቕቲ፣ ብትግሃት ሕዝቦምን ቤተ ክርስቲያኖምን ከገልግሉ፣ ምኽርን ማዕዳን ሂቦም።

ንተመረቕቲ ተመሃሮ ብምውካል ድማ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፣ ተመረቕቲ ዝወሃና ዘሎ ሓላፍነትን መንፈሳዊ ጉስነትን ኣዝዩ ከቢድን ረዚንን ብምዃኑ፣ ንዝቐሰምናዮ ትምህርቲ ኣብ ሕዝብና ብትግሃት ከነወፊ ግቡእና ክንስከም ኣሎና ድሕሪ ምባል።

ምስራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣ ኣብዚ ፈታኒ እዋን፣ ኣብ ጎድኒ እቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው ብምባል ነቶም ሕግን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ኣጽኒዖም ዝሓዙ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ መምህራን ትምህርቲ ሰንበትን፣ ዝተዋህበ ናይ ትምህርቲ ዕድልን እትህቦ ዘላ ደገፍን ድሕሪ ምዝርዛር፣ ብስም ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣመስጊኖም።

እዚ ናይ መንፈሳዊ ጉስነት (counseling) ዘተኩረሎም ዓይነት ትምህርትታት፣ ክርስትያናዊ ምኽሪ፣ ኣፈታትሓ ጸገም ኣብ ማኅበራዊ ናብራ፣ ምኽርን ማዕዳን ቅድሚ ሓዳርን ድሕሪ ሓዳርን፣ ፆታዊ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን፣ ወልፊን መንፈሳዊ መፍትሒኡን፣ ጸገማት ሕማማት ኣእምሮን ሳዕቤናቱን ወዘተ ዝምልከት እዩ።

ከም ዝፍለጥ፣ 27 ካህናት፣ ዲያቆናት፣ መምህራን፣ ኣብ ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ይመሃሩ ምህላዎምን፣ ካብዚኦም ድሮ ብዙኃት ናይ ሥነ መለኮት ዲግሪ ረኺቦም ኣብ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ይርከቡ። እዚ ንናይ ኤረትራ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ፡ድሕሪ ደጊም ነቶም ፡ዘይ ተዋህዶ ዓረብያ እያ ብዘዚ መጹ ስርዓታት ትዝወር፡ኣቅሽቲ ተዋህዶ ኣይፈልጡን ዘይተማህሩ፡ እንዳተባህለ ዝንዛሕ ነበረ ብጸላእትና ፡እንሆ ዘበነ ቅብጸቶም ከም ዘብቀዐ ሎሚ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ የእዛኖም ይስኳዕ ኣሎ። ማእሰርትን ስቃይን ቅዱስ ፓትሪያርክና እንበኣር ፈርዩ፡

ዋላኳ ገበቲ ብተፋላለየ ሽጣራታት ን ኣብ ህዝብና ዘሎ ድኽመት ብምምዝማዝ ን ተዋህዶ ናይ ምዕናው መስርሕ ን ወንጌል ድማ ናይ ምዕጻው መስርሕ ድህሪ ደጊም ሸትኡ ወቂዑ እዩ ተበሉ።ግን ኣምላኽ ን ቤቱ ከምዘይ ይሓድጋ ኣመስኪሩ።ኢዋእ ደኣ እቶም ረሳሕ ታሪኽ ሒዞም ዝሓልፉ ዘለዉ እንበር፡ምፍራስ ቀጽሪ ኢያርኮስ ደጊም ተጋሂዱ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ህዝቢ ኤረትራ ክርሰዖም ዘይብሉን ምስዚ ኩሉ ፈተናን መከራን በዚ ኹሉ ከይጃጀዉ፡ን ፋሕ ዝበለ ቤተ/ክህነት ኣብ ፈቀዶ ዓለም ዘሎ ክእክቡን ዝደኽሙ ዘለዉ ቅዱሳን ኣቦታት ካህናት ሰሜን ኣመሪካ፡ዓስበ ጻድቃን ይኽፈልኩም ንብል እወ  ዓስበ ጻድቃን ይኽፈሎም። እንሆዉ ድማ ሎሚ ነዚ ሓሊፎምሲ በቢ ግዝይኡ ኣብታ ኣደ ቤተ/ክርስትያን ዝኾነት ግብጻዊት ቤተ/ክርስትያን ብምኻድ ን ውሉደ ክሕነትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ብዝለዓለ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ምምዕባል ስራሕና ኢሎም ሒዘሞ ዘለዉ እዚ ኸኣዩ  ንሰብ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ጉስነቱን ኣብ ሃይማኖቱን ዘለዎ ቅንኢ ዘርእየካ።ብ ኣፍ ዘይኮነ መራሒ ሃይማኖት እየ ኢልካ ምምካሕን ምጅሃርን ሲ ብግብሪ ን ሃይማኖትካ ዘሎካ ሓልዮት ብምርኣይ ኣብ ዓቅሚ ሰባ ክትነጥፍ ኣለካ፡

እወ እዞም ኣቦታት ሰብ ይሃንጹ ኣለዉ። ጎይታ ዝጸውዓና እውን ገዛ ክንሃንጽ ዘይኮነስ ሰብ ክንሃንጽ ደኣ እዩ። እዚ ኹሉ ግን ወዮ ደኣ ኣብ ጎድኒ ኣደኻስ ሓያል ኣይደቅስ ከም ተባህለ ኮይኑ፡ ይፍታሀ ን ቤተ/ክርስትያና ወሪሩ ብምሓዝ ጅሆ ገሩዋ እንበር፡ እዝስ ናይቲ መንበረ ፓትሪያርክ ስራሕ እዩ ነይሩ፡ግን  ደሓን ኣምላኽ ከኣ ክረድኣና ይዳሎ ስለ ዘሎስ ብዙሕ እቲ መከራ ኣይቅጽልን እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ድማ ሃይማኖተ ኣቦው፡ነቲ ናይ ቅዱሳን ኣቦው መገዲ ን ትምህርቲ ኣቦታት ኣቦው ብ ኣፍልጦን ብ ሓላፍነትን ነቲ ሕድሪ ካብ ቅዱሳን ናይ ቤተ/ክርስትያን ኣቦታት( father church) ናብ ካሊእ ኣማንን ዘይ ኣማንን ዝኾነ ህዝቢ ዘመሓላልፉን ብሓላፍነት ኣፍልጦን ዘገልግሉን መናሰያት ኣብ ምፍራይ  ኣብ ምስልጣን  ናይ ሰሜን ኣመሪካ ሃገረ ስብከት ዝገብሮ ዘሎ ጉስነት ፡ብስም ቅዱሳን ኣቦው ነመስግን።

 ኣምላኸ ቅዱሳን ምሳኹም ይኹን እግዚኣብሄር ከኣ ን ቤተ/ክርስትያኑ ይርኣያ ንብል!!!።

           ሃይማኖተ ኣቦው

Wednesday 25 January 2012

ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ይሓትት

ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ይሓትት
ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ኣብ ዝግበር ጻውዒት ድምጹ ብምሕዋስ ነቲ ዝተገብረ ግህሰት ኮኒኑ።
ሓሙስ ዕለት 19 ጥሪ, 2012 ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ርእሲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ገበን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ብምባል ገሊጹ። ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ንፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዘይተፈልጠ ቦታ ኪሕየሩ ምግባር ኣረሜናዊ ተግባር ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መንግስቲ ኤርትራ ንውሳኔኡ ዳግመ ግምት ኪገብረሉ ኣዘኻኺሩ። ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ዓለም ንዘሎዉ ክርስትያንን መራሕትን ነዚ ኣብ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት ብሓባር ድምጾም ከስምዑን፡ ነዚ ጉዳይ ኣብ ናይ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎን ጸዊዑ።

ናጽነት ኣምልኾ ኣድማሳዊ መሰል ወዲ ሰብ ብምዃኑ ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ዝተኣስሩ ብዙሓት ሰዓብቲ ንኣሽቱ ማሕበራትውን ነጻ ኪልቐቑ ኣዘኻኺሩ።

ŒCOCW Calls for International Religious Freedom for Exiled Eritrean Orthodox Patriarch

ŒCOCW Calls for International Religious Freedom for Exiled Eritrean Orthodox Patriarch
The Holy Synod of the Œcumenical Canonical Orthodox Church Worldwide (ŒCOCW) joins the faithful of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church in demanding religious freedom for its exiled Patriarch.
According to a report by George Alexander, Secretary of the Orthodoxy Cognate Media Network, a significant portion of the Christian population in Eritrea are being severely persecuted for their religious faith and approximately 2000 to 3000 Orthodox Christians are being detained in Eritrean prisons. Unfortunately, many Evangelical and Pentecostal Christians are also being brutally attacked for their faith as well.
Of great significance is the extremely disrespectful manner in which the Patriarch of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church, His Holiness, Abune Antoios, who was reportedly forcibly removed from his patriarchal residence and throne. Since that time Patriarch Antoios has been reported to be illegally detained by government officials at an undisclosed location. Patriarch Antoios’ major offense apparently was his strong resistance to Government intrusion into Church affairs such as his refusal to excommunicate three thousand members of the Medhane Alem, an Orthodox Sunday School movement.
The Holy Synod of the ŒCOCW views religious freedom as a universal right that all governments should respect, as well as a human right that is inalienable and proper to the existence of humanity as we all seek to actualize the greatest essence of our human potential and spiritual energies for the betterment of both society and government within their rightful spheres of operation.
The Holy Synod of the ŒCOCW calls on all Christian Churches, leaders and the faithful of all religions to petition the World Court to intervene on behalf of Patriarch Abune Antoios and all peoples and religious communities being denied their rightful international religious freedom.
Let all the faithful remember that” freedom denied to one religion is freedom denied to all religions!”
The Holy Synod of the Œcumenical Canonical Orthodox Church Worldwide
Website: www.ecumenicalcanonicalorthodoxchurch.com

The Detained Patriarch, Persecuted Christians and a Dying Church of Eritrea

The Detained Patriarch, Persecuted Christians and a Dying Church of Eritrea   
   This is not just an article; rather I would like to shed some light into the pathetic conditions of Christians in Eritrea, which requires high volume of international attention and help.

As we all know Eritrea is a country situated in the ‘Horn of Africa’, bordered by Sudan in the west, Ethiopia in the south, and Djibouti the southeast. Eritrea is dominated by two major religions, Christianity and Islam. Some approximations state that 50-64 percentage of the population belongs to Christianity.

Christians of Eritrea

The majority of the Christians belong to the Eritrean Orthodox Tewahdo Church, which belongs to Oriental Orthodox family. Rest of them comprises of Roman Catholics, Evangelical Lutherans and a number of various protestant denominations. It is reported that only Orthodox Church, Roman Catholic Church and Evangelical Lutheran Church are the only government recognized christen communities. Rest of the religious groups should undergo a government registration to gain freedom of worship by submitting detailed information of their membership and followers.

The Eritrean Orthodox Church

It would be worthwhile mentioning about the Eritrean Orthodox Church, one of the oldest Christian communities in world who traces their origins to the evangelical works of Apostle St. Phillip. It was established as a church through sincere efforts of St. Frumentius in the kingdom of Axumite under King Ezana. He was sent to Alexandria where he was ordained as Barhop in the name Abune Salema by the Coptic Pope and Patriarch St.Athanasius. For several centuries afterward the Coptic Pope appointed a Copt to be the Metropolitan Bishop of Eritrean Church. Eritrea was annexed to Ethiopia after World War II. Since Eritrea was regarded as a province of Ethiopia, the Eritrean church was also considered to be a part of the Ethiopian Orthodox Church. Since its declaration of independence from Ethiopia in 1993, the Eritrean church began to appeal to the Coptic patriarch for autocephaly. The Coptic Pope recognized the request and granted autocephaly in 1994 (The Ethiopian Church was granted Autocephaly in 1950’s). Abune Phillipos was consecrated as the first Patriarch of Eritrean Orthodox Church only in the year 1998. There was initial objection from the Ethiopian Church but later they recognized the autocephaly of the Eritrean Orthodox Church. Abune Yacob was the second Patriarch of the Church who ruled for very short period of time; to be more specific hardly one year (2002-2003). After his demise the holy synod of the Eritrean Orthodox church elected Abune Antonios as the third Patriarch of Eritrea in the year 2004.

The Eritrean Orthodox Church belongs to the ancient Oriental Orthodox family along with the Coptic, Syrian, Armenian, Indian and Ethiopian Orthodox Churches.

The Eritrean Orthodox Biblical canon contains 81 books which are accept by The Narrower Canon which include Enoch, Jubilees, and three books of the Meqabyan and also they have the broader cannon which comprises of all books in narrow cannon and also two Books of the Covenant, Four Books of Sinodos, a Book of Clement, and Didascalia. Broader Canon has not been in print since the beginning of the Twentieth Century. The Haile Selassie Version of the Bible which was published in 1962, which contains the Narrower Canon. The Divine Liturgy of the Eriteran Church is served in Ge'ez language. The Septuagint version of the holy Bible was translated into Ge'ez and the Sermons are delivered in the local language.

The Detained Patriarch

Abune Antonios was unanimously elected Patriarch by the Holy Synod on 5 March 2004 and he was enthroned as the third Patriarch of Eritrea on 24th April 2004 by the most holy hands of Pope Shenouda III, assisted by Eritrean and Coptic Orthodox Metropolitans and Bishops.

Patriarch Antonios is well known for his hard work, leadership and religious devotion. He has made tremendous contributions in reconstructing the all around standards of the monasteries in Eritrea while serving as an Abbot. He has been much open to modern technology, medicine and education and he is always cherished by thousands of people for his love, generosity and theological scholarship.

As the Patriarch of Eretria, he was much concerned and resisted the growing interference of government in religious affairs. His strong resistance to excommunicate three thousand members of the Medhane Alem, an Orthodox Sunday School movement as well as his demands that the government should release imprisoned Christians accused of treason are considered to be some reason for his rivalry with the Eritrean government. The Holy Synod sided with the government and during January 2005 a secret session was met and they removed all executive authority of the patriarch who was limited to just officiating church services. The Holy Synod sought the support of Pope Shenouda to excommunicate Abune Antonios, but the Pope refrained from such an act.

A secret session of the Holy Synod in January 2006 at Asmara formally removed Patriarch from his office and on 20th January. Two priests accompanied by security persons of the Government the Patriarch’s residence and confiscated his personal pontifical insignia. Violating the church cannons and constitution the government installed Bishop Dioscoros of Mendefera as the anti-patriarch on 27th May 2007. Abune Antonios on the same day was forced to move out of his office and has been detained at an undisclosed location somewhere in the capital city of Asmara. It is reported that the Patriarch is being held in darkened room that is all what is known so far.

Abune Antonios was isolated and detained as a result of Governments master plan to tear out the uncompromising and courageous stand of the Patriarch against the unwanted involvement of government mechanisms in religious affairs. The government made this possible by arresting and defrocking large number of capable and leading clergy in the Orthodox Church as well as tactfully submitting Holy Synod members to the government plan. The Patriarch never acted a puppet of the government; rather he stood for peace and justice. Hence he was crucified and is believed to be still alive and so the Patriarch as an example of the true living Martyr of our Lord God, Jesus Christ.

It is to be noted that none of the Orthodox Churches, the Roman Catholic Church and Christian denominations have not recognized the government installed Patriarch Abune Dioscoros till date. Abune Antonios is recognized as the genuine and canonical patriarch of Eritrean Orthodox Church.

The Eritrean government claims that Patriarch Abune Antoniso has voluntarily retired to one of the interior isolated monasteries and is very active in prayers. Despite of their claim, the Eritrean government has failed to produce any update on the conditions of the patriarch.

There are Eritrean Orthodox communities outside Eritrea especially in USA and UK who are served by two Bishops namely Abune Markarios (Bishop of the Eritrean Church in the USA and Abune Markos (Bishop of the Eritrean Church in the UK) who are also members of the Coptic Holy Synod. Also there are Eritrean communities in different parts of the world especially in Jerusalem, the Holy Land.

Persecution of Christians

Reports say that Christians and Christian churches are severely persecuted in Eritrea. Reports states that Christians who are trying to flee the persecutions are facing threat, torture, beating sexual assault and imprisonment. Many of the Christians are fleeing the land to neighboring countries. It is estimated that there are more between 2000 and 3000 Christians in Eritrean prisons. According to reports, Evangelical and Pentecostal Christians are attacked in large numbers. Many people seeking refuges in Egypt get killed by human traffickers and many others are being held captive in Sinai desert. The refuges are heavily tortured both physically and mentally. Many people held in prison face death due to torture and lack of medical aid. The official sources of the Eritrean government deny any sort of assaults on Christians which has been proved to be wrong in all manners.

Persecution of Orthodox Church in Eritrea

Despite one of the official recognized and largest Christian community of Eretria, the Orthodox Church is haunted by the government machineries. As per the ICFC report, Orthodox Churches in Eritrea is being shut down at an alarming rate. Since 2005 more 1500 Orthodox priest and deacons have been forced into serve in military. During past four years the Orthodox Church has been reduced as a mere arm of the department of the religious affairs. The historical and ancient artifacts of the Orthodox Church have been removed from churches and monasteries and have been confiscated by the government. Even though many churches are available in city areas, large number of Orthodox Churches in rural Eritrea has closed their doors, especially due to the shortage of clergy. It is the purposeful plan of the government to create shortage of Orthodox priests and deacons by forcing them to serve in military as soldiers. The government is presently forcing all Orthodox deacons and priests below the age of fifty years to interminably serve in military, thus depriving the church completely without clergy. It is estimated that more 1500 Orthodox Churches will be shut down in near future. Some examples for the closed churches are St. George Orthodox Church in Aligider, Gelila Mariam Orthodox Church in Shambuka, Medhane Alem Demas Orthodox Church near Ginda’E, St. Michael MeHrad Lam near Qnafna, an Orthodox Church in Adi-Itay in the area of Mendefera and St.Gabriel Egela Orthodox Church near Teseney.

Metropolitan Abba Seraphim: The Sole Fighter

Abba Seraphim Metropolitan of Glastonbury, Primate of the British Orthodox Church within the Coptic Orthodox Patriarchate has been toiling for past several years to gain the much needed international attention and help for the prosecuted Christians of Eritrea as well as to restore Abune Antoios back to his throne. The Metropolitan leads prayer vigil for prosecuted Christians of Eritrean every year especially at the Eritrean embassy in UK. More here:

Plea for Help

Though the sad plight of Christians in Eritrea is being discussed at various levels, the right kind of attention and help is not reaching them. This is a slow poisoning process of Christians and if not intervened in the appropriate manner, the result will be nothing but the complete disintegration Christianity in Eretria.

There has been continuous plea for help from the suffering Christian communities in Eritrea. Many countries in the west especially USA has been pressing the Eritrean government to protect human rights and restore religious freedom. But any kind of international pressure seems to fall on deaf ears.

As an ordinary Christian who enjoy immense religious freedom in my country, I pray for a great miracle in Eritrea and also request each one of you of to pray for the suffering Christians. Let us stand united to speak and act for our brothers and sisters in Eretria. May the Almighty have mercy on his children in Eritrea.

George Alexander

Secretary

& Spokesperson

Orthodoxy Cognate PAGE
      from  http://www.blogger.com/blogger.g?blogID=8138830870710747481#editor/target=post;postID=5424783243672160249

ፓትርያርክ እንጦንዮስ - ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማሕዩር?

ፓትርያርክ እንጦንዮስ - ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማሕዩር?

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማሕዩር 01-13-2006 ክሳብ 01-13-2012
“ንእሱራት ከም መኣስርቶም ኮንኩም፥ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ከኣ ከምኣቶም መከራ ትጸግቡ ከም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም” (ዕብ 13፡3) ዝብል ናይ ሕድሪ ቃል ተጻሒፉልና ከም ዘሎ፥ ንኹሎም እሱራት፥ ንግፉዓት፥ ንሕሙማት፥ ንሕዙናት፥ ንስዱዳት፥ ወዘተ ….. ክንዝክሮምን ክንጽልየሎም መንፈሳዊ ግዴታ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ክርስቲያን ምዃኑ መብርሂ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ብምኽንያት 13 ጥሪ 2006 ክሳብ 13 ጥሪ 2012 ኣ.ፈ 6ይ ዝኽሪ-ዓመት ናይ ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ስለ ኵሎም ሰዓብቶም እሱራትን እናጸለና፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳርን ካብ ዓይኒ ምእመናን ተሰዊሮም ኣብ ማሕዩር ቤት ዘሕልፍዎ ዘለዎ ሕይወትን ጸገማትን ንምዝካር ዝቕርብ ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ።

ከምቲ “ብዙሕ ሕማሞሙ ለጻድቃን” ማለት “ፈተና ጻድቃን ብዙሕ ኢዩ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ናይ እሙናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ፈተናን ሽግርን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት’ውን “ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝግብኣና ብብዙሕ ጸበባ ኢዩ” ግሓ 14፡22 ዝብል ከም ዘሎ ብፈተና ምስ ሓላፍካ ቅድስና፥ ዓወት፥ ኣኽሊል ክብርን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ይርከብ።

<!--[if !supportLists]-->1. <!--[endif]-->ማእሰርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን è ስቅያት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና “ዘበእንቲኣሃ ተጸፋዕከ ለቤተ ክርስቲያን’’ ዝብል ክቡር ናይ ዜማ ጥቕሲ ከም ዘሎ ምእንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ድማ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሎም መንፈሳውያን ኣቦታት ተገፊዖም፥ ተኣሲሮም፥ ተሰዲዶምን ሞይቶምን ኢዮም። ሕጂ ዝግፍዑ ዘለዉ’ውን ውሑዳት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ጥልመትን ማእሰርቲ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናውን ንምዝማትን ዝተገብረ ውዲት ምዃኑ ዝኾነ ሓቀኛ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ወዲ 84 ዓመት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ኣብ ማእሰርቲ ን6ተ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ክዕጸዉ ከለዉ ንኽትሰምዖ ዘሕዝን ንኽትኣምኖ ዘጸግም ብሓቂ ዘጉሂ ነገር ኢዩ።

<!--[if !supportLists]-->2. <!--[endif]-->ማእሰርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳር è መንፈሳዊ ምምሕዳር ብሓላፍነት መንፈሳውያን መራሕትን ብሓዋርያዊ ቅብኣትን ዝካየድ ከም ዝኾነ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ዘበን’ያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዝበሃል ግና እምነትን ጸሎትን ዘይፈልጥ ተራ ናይ ፖለቲካ ሰብ ኣቶ ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እየ ምባሉን ሰዓብቲ ምርካቡን መወዳእታ ዓለም በጺሕና ከም ዘሎና ዝሕብር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ኣብ ጉድጓድ ይወድቁ’’ ማቴ 15፡14 ዝብል ተጠቒሱ ዘሎ እቶም መንፈሳውያን ብዓለማውያን ሰባት እንተ ተመሪሖም፡ ኣብ ዓለማዊ ውድቀት ከም ዝነብሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ስለዚ ማእሰርቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓዋርያዊ መሪሕነት ናይ ቅዱስ ወንጌል ኣገልግሎትን ወጺኣ ኣብ ዓለማዊ ሓሳብን ዕላማን ንምእታዋ ተባሂሉ ዝተገብረ ተንኮል ምዃኑ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ከስተውዕሎ ይግባእ።

<!--[if !supportLists]-->3. <!--[endif]-->ማእሰርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ምርኻብ ምስ ምእመናን èሓቂ ዘይሓዘ ሰብ ኩሉ ጊዜ ድቃስ የብሉን። እቶም ብሓሶትን ብውዲትን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከሲሶም ንማእሰርቲ ኣሕሊፎም ዝሃብዎም ሰባት ከኣ፡ ህዝቢ ተዋህዶ ነታ ሓቂ ብግቡእ ምእንቲ ከይፈልጣን ነቒሑ ከይማጎተላን ኢሎም፡ ድምጺ እቶም ከሰስቲ ጥራይ ከም ዝስማዕ ኢዮም ጌሮምን ዝግበሩን ዘለዉ። ምእመናን ተዋህዶ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ብትኽኽል ካብ ኣፍ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብኣካል ምእንቲ ከይረኽብዎ፡ ኣቦና ካብ ህዝቢ ከም ዝግለሉ ኢዩ ተገይሩ ዘሎ። ንፓትርያርክ ኣፎም ዓቢስካ፡ ኣብ ሕጊ ከየቕረብካ፡ ኣብ ልዕሊኦም ጸለመን ሽም ምጥፋእን ጎስጓስ እንዳ ኣካየድካ ብዘይ ሕጊ ምንባር ተታሓሒዞሞ ዘለዉ ስራሕ እዩ። ንመጀመርታ ዘለዎ ግና መወዳእታ ኣለዎ እሞ ሺሕ ግዜ ሓሶት እንተ ተደጋገመ ናብ ሓቂ ክቕየር ፍጹም ኣይክእል እዩ። ወላኳ ቅዱስ ኣቦና ካብ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ተኣጊዶም ኣብ ማእሰርቲ ይነብሩ እንተ ኣለዉ ምእመናን ተዋህዶ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ምዃኑ ንብዙሓት ከም ፀሓይ ቀትሪ በሪሁሎም ይርከብ ኣሎ።

ንምዃኑ ስለምንታይ ኢዮም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ን6ተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ቤት ዘለዉ?

<!--[if !supportLists]-->1. <!--[endif]-->ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብጭዋ ሰብ ብኣቶ ዮፍታሄ ክትመሓደር ፈጺመ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብማሕላ ዝተቐበልክዎ ሕድሪ ኣይጠልምን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->2. <!--[endif]-->መንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ውልቀ ሰብ ክመሓየሽ ወይ ንረብሓኡ ክቕየር ኣይግባእን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->3. <!--[endif]-->ብትምህርቲ ሰንበት ንዝተኣከቡ መንእሰያት ደቅና ካብ ቤተ ክርስቲያን ክብተኑ (ፋሕ ክብሉ) ኣይፈቅድን ኣይእዝዝን ብምባሎም፥

<!--[if !supportLists]-->4. <!--[endif]-->ምእንቲ እሱራት ውሉደ-ክህነትን ኣመንትን ካብ ምልማን ኣየቋርጽን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->5. <!--[endif]-->ምእንቲ ብዘይ ሕጊ ዝተገፍዑ ኣገልገልቲ መድኃኔ-ዓለም ካብ ምጥባቕ ኣይቁጠብን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->6. <!--[endif]-->ኣነ ናብ ኣሜሪካ ዘይለኣኽክዎም ጳጳሳት ኣባ ሉቃስን ኣባ ሲኖዳን ልኢኸዮም ኢለ ኣይሕሱን ስለ ዝበሉ ጥራይ እዩ። ንዝያዳ መብርሂ ደብዳቤ ከሰስቶም ኣብዚ ርአዩ።

ዝኾነ እሱር ኩሉ ተስፋኡ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ። እቶም ንእሱራት ዝጭክኑ ሰባት ድማ ኣምላኽ ጨካናት ሰባት ክልእከሎም ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ስለምንታይሲ “ብዝፈረድክምዎ ፍርዲ ኪፍረደኩም፥ ብዝሰፈርክምዎ መስፈር ኪስፈረልኩም እዩ” ዝብል ጥቕሲ ስለ ዘሎ። ማቴ 7፡1 ስለዚ እምበኣር 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ካልኦት ብዙሓት መነኮሳት፥ካህናት፥ ዲያቆናትን ምእመናንን ስለ ስም እግዚኣብሔርን ምእንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ክብሉ መከራ፥ ግፍዒ፥ ማእሰርቲ፥ ውርደትን ስደትን ይበጽሖም ከም ዘሎ ተረዲእና ብጾምን ጸሎትን ክንዝክሮም ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ምእንታና ክብል ዝተገፍዐ፥ ዝተጸፍዐ፥ ዝተጸረፈ፥ ዝተገረፈ፥ ዝተሰደን ዝተሰቕለን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና መንፈስ ሓቅን ጽድቅን ከንግሥ፥ ፍትሕን ቅሳነትን ከፍስስ ሠናይ ፍቓዱ ይኹን!!!

መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ!

ደቂቀ እንጦንዮስ ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮጅ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ::
ካብ ተዋህዶ.ኦርግ ዚተወስደ