1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 5 March 2012

ኣቡነ እንጥእንዮስ ብከቢድ::

                       ኣቡነ እንጥእንዮስ ብከቢድ

ብሕማም ይሳቀዩ  ኣለዉ !!!::
ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤረትራ  ካብ 2006 ክሳዕ ህጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ  ብሕማም ይሳቀዩ ከም ዘለዉ መዓልታዊ ዝመጽእ ዘሎ ሓበረታ ይሕብር ፡እዞም ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝገበሩ ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጥእንዮስ ተባዕ ለዋህ ንሃይማኖቶም ገርሀኛ ከም ኣብ ስርሖም ንጡፍን ንዕቤት ቤተ ክርስትያን ዝሓስቡን ኣቦ ከም ዝኾኑ ዝፈልጥዎም ይሕብሩ።ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጥእንዮስ  ብዘይ ገበን ብ መንግስቲ ኤረትራ ካብ ዝሕየሩ ናይ ሕክምና መሰል ተነፊጉዎም ኣብ ገዛእ ወላዲት ሃገሮም ብሕማም ይሳቀዩ ኣለዉ።እዚ ብንዕቀት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርተደክስ ኣብ ልዕለኦም ዝተፈጸመ ሰፍ ዘይብል ገበን ግን ዝውዳእ ኣይመስልን ዘሎ።
ክሳዕ ህጂ ኤረትራውያን ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትና ይእሰር ስለምንታይ!??፡ ኣብ ዓለም ዘይተገብረ ክሕከም ዘይፍቀዶ፡እታ ነቶም ቢቦምባታት ከጥፍእዋ  ብ ነፈርቲ ን በዓል በዛብህ ጴጥሮስን ካልኦት ህዝቢ ዘህለቁ ምሉእ ሕክምና  ዘፍቀደት ኤረትራ ሎሚ ንዘይጋታት ሕክምና ዘይተፍቅደሉ ንምንታይ እዩ!!!። ስለምንታይ ከ ህዝቢ ኤረትራ ስቅ ዝብል ዘሎ።ብፍላይ ድማ እቶም ማሕበር መንእሰያት ኢና ዝብሉ መንእሰያት ሰዓብቲ መንግስቲ ስለምንታይ ነዚ ነቶም ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ዝመጹ ዘለዉ ሰበስልጣን ኤረትራ ዘይሓትዎም!!!???። ብጣዕሚ እዚ ኣብ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝግበር ዘሎ ዘነውር ኢድ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ  ነታ ሃገር ካብ ልዑል ፈጣሪ ሰፍ ዘይብል መቅጻዕቲ ዘውርድ እዩ።ሰባት ብሕማም እንዳ ተሳቀዩ ሕክምና ክኽልከሉ ዋእ ንምንታይ ?!!!!!። እዚ ዘሰቅቅ ገበን ነቶም ተግበርቱ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ነቶም ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ ዓገብ ዘይብሉ ዜይጋታት  ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዓለም ፡ብጸሊም ታሪኽ ንነፍሲ ወከፍ ነቲ ነዚ ጉድ እዚ ዘይቃወም ዘሎ።ክወቅሶ ክነብር እዩ።ከምቲ ንብይ ኢሳይያስ
ንጉስ ዕዝያን ንኻህን ኣዛርያ ኣነ ማዕረኻ እየ ኢሉ ናብ ቤተ መቅደስ ክኣቱ ክብል ከሎ እሞ። ካህን ኣዛርያ ምስ ተቃወሞ ስቅ ኢሉ ብምርኣዩ ብ ለምጺ ዝተቀጽዐ ብ ናይዚ ዘበን እዚ ለምጺ ሰባት ካባና ከም ዝርሕቁ ብለምጺ ክንቅጻዕ ምኻና ንፍላጥ!!።
ስለዚ ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጥንዮስ ጥራሕ ዘይኮኑስ ኩላቶም እሱራት ናይ ሕክምና መሰል ክረኽቡ ኣለዎም። መመሊሹ ኣገሪሙናን  ሕቶ ዝኾነናን ዘሎ ግን ን መኮነናት ደርግ ህዝብታት ዘህለቁ ሕክምና ዝህቡ ነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤረትራ፡ ሎሚ ን ደቂ ሃገር ምማት ተኣብዩዎም ብሕማም ክሳቀይ ሕክምና ክኸልእዎም ከለዉ ምስ ምንታይ ይቁጸር !!!!!????።ነዚ ድዩ ሃገርና እንዳበልና እንግዕር።ሎሚ እቶም ነዚ ከይትዛረቡ ኣብ ፖሎቲካ ኣይንኣቱን እንዳበልኩም የእዛንኩም ከምዘይሰምዓ ኣጽቂጥኩም ትኸዱን ነዚ ስለምንታይ ንዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ፖሎቲካ ይዛረብ ኣሎ እንዳበልኩም ብጉልባብ ሃገርን ሃገራውነትን ሰብ ክሳቀ ትገብሩ ዘለኹም ኤረትራውያን ሰብ ክዕልል ንስኹም ግን ኣብ ልዳት ገዛኹም ዘየቃርጽ ንብዓት ክፈስስ ምካኑ ፍለጡ!።ኣብ ቤትኩም ሓዘን ክህሉ ምኻኑ ኣይትዘንግዑ!። ብፍላይ ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እና እንዳበልኩም ፡ክንዲ ከምቲ ቅዱሳን ዝገበሩዎ ዓገብ ትብሉ እዚ ፖሎቲካ እዩ ብምባል ንንብዓት ኤረትራውያን ሸለል ኢልኩም ትኸዱ ዘለኹም ኣምላኽ ብናይ ሸለልታ መቅጻዕቲ ክቀጽዓኹም ምኻኑ ሎሚ ከተስተውዕሉ ይግባኣኩም።።
ወዮ ደኣ ሰዓት ጻዋዒት ኣምላኽ ኣይኣኸለን እንበር ፡መንግስቲ ኤረትራ እዚ ሕቶ እዚ ምስ መጸ ን ኣቡነ እንጥንዮስ ንምጥፋእ ዘይገበሮ ተንኮል ኣይነበረን ክሳዕ ዝተመረዘ መግቢ ሂቡ ክቀትሎም ፈቲኑ እዩ።ብምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ብ ኣምላኽ ምስ ተነግሮም ግን ንሶም እውን ነቲ ተሰርሐ መግቢ ምስ ተሓሰሙዎ ነገር ከም ተፈለጠ ምስ ተረድኡ ነዚ ናይ ሕክምና መሰል ናብ ምኽላእ ኣትዮም ዘሕዝን ምርጫ እዩ መንግስቲ ኤረትራ ኢዋእ ተግበርቱ ሰብ ክበርሆ ከሎ ክጽልምቶም እዩ።ግን ካብቲ ብ ኣምላኽ ተዳሊዩ ዘሎ ቁጥዓ ክድሕኑ ንጽሊየሎም።በዚ ኣጋጣሚ ዝበሃል እንድሕሪ ሃልዩ ግን ሰብ ዝዘርኦ ክዓጽድ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ ንብል። ቃል ኣምላኽ እውን ከምኡ ስለ ዝብል።ኣብ ዓለም ምሉእ እትርከቡ ክርስትያናት በዚ ኣጋጣሚ ኣብ እንገብሮ ጻዊዒት ድማ ስለ ኣቡነ እንጥእንዮስ ብጾሎት ክትተግሁ ኣብዚ ጎይታና ዝጸሞ ጾም ብጥብቂ ንጽውዓኩም።
                  እግዚኣብሄር ሞቁሕ ኩሎም እሱራት ይስበር።
                        ንብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጥእንዮስ ድማ ምሕረት የውርድ።




No comments:

Post a Comment