1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 30 November 2011

መንፈሳዊ ወብ ሳይት እውን ዶ ይሕሱ!!!!!!።

            መንፈሳዊ ወብ ሳይት እውን ዶ ይሕሱ!!!!!!።
ኣነ ኣብ ከባቢ ሚላኖ እየ ዝነብር እዚ ኣብ ኦፍሻል ወብሳይት መንበረ ፓትሪያርክ ተጻባቢቁ ወጹ ዘሎ ዜና ድማ ብዓይነይ እየ ርእየዮ ።ዕለት 18/04/2010 እዩ። ኣብቲ ብህግድፍ ዝምራሕ ቤተ/ክርስትያን ቅዳሴ እንዳ ተኻየደ ከሎ ካብ ስእሊ ናይ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደም ዛርዩ። እዚ ደም ምስ ተራእየ ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ኣገልገልቲ ነዚ ሪኤን ንዝሰንበዳ ኣደታት ስቅ ክብላ ከም ዝነገሩወን ኣየን እተን ኣቡ ዝነበራ ኣደታት ዝዛረባ ሰበይቲ ኣቦይ ቀሺ በየነ ከም እትብሎ።ዋእ እንታይ ኮይና እዛ ስእሊ ደም ትዛሪ ኣላ ተበልኩ ስቅ በሊ ኢሎምኒ እያ ትብል።እዚ ስቅበላ ተባሂለን ኣደታት ክርሳዕ ዝተሓስበ ነገር ግን  ፡ናይቲ ቤተ/ክርስትያን ሩስያዊ ቀሺ ምስ መጹ ደም ካብ ስእሊ ጸረር ክብሉ ምስ ረኣዩ ብስንባደ እንታይ ተረኺቡ ብምባል ነቶም ናይ ኤረትራ ቀሺ ጸዊዖም ነፍሶም ክምርምሩ እዮም ተዛሪቦምም። ቀጺሎም ድማ ነቶ ኣቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት እዚ ናይ ሎሚ ኣዝዩ ዘፍርሕን ዘሰንብድን እዩ፡ ከምዚ ሪኢና ኣይንፈልጥን ፡ምናልባሽ ካብ ስእሊ ኣደና ማርያም ከምዚ ደም ምፍሳሱ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ኤረትራውያን ናብ ፓትሪያርኮም ክምለሱን ምስ ብጾቶም ሰላም ክገብሩን ዲማ ምዒዶምን ቤተ/ክርስትያኖም ክገድፍሎም ኣዚዞም።በዚ ተዳፋፊኡ ድማ እዩ ነቲ ኩሉ ግዜ ዝወሃብ መጠንቀቅታ ቤተ/ክርስትያን ሩስያ ናብ ጽርግያ ከይወጸ ንምሽፋን ካብ ህዝቢ ገንዘብ ኣዋጽኡ እንዳተባህለ ብግዴታ ቤተ/ክርስትያን ቀይሮም ዘለዉ።ነዚ ነገር እዚ ፖሎቲካዊ ሓሶት ዘይኮነ መታን ክትፈልጡ ነዚ ወብሳይት ኣዚ ጠዊቅኩም ክትፈልጡ ትኽእሉ።ኣርእስቲ እቲ ጽሑፍ እውን ስለምንታይ ኣደና ማርያም ደም ነቢዓ ደኣ ይብል ነበረ። በፍጹም ድማ ሞትሮፖሊታን ምስ ኣመንቲ ኤረትራውያን ኮይኖም ብኣንኩሮ ኣይተዓዘቡዎን http://www.youtube.com/watch?feature=related&v=VK231zHTRCU&gl=IT።http://www.google.it/#q=milano+perche+la+madonna+piangeva&hl=it&prmd=imvns&ei=qI7WTvL4EcPJsgaurPWYDg&start=10&sa=N&bav=on.2,or.r_gc.r_pw.,cf.osb&fp=636b39331a910b16&biw=1366&bih= http://www.youtube.com/watch?v=VK231zHTRCU // http://www.youtube.com/watch?v=ZOr5CmpNSzk // http://www.google.it/#q=milano+perche+la+madonna+piangeva&hl=it&prmd=imvns&ei=qI7WTvL4EcPJsgaurPWYDg&start=10&sa=N&bav=on.2,or.r_gc.r_pw.,cf.osb&fp=636b39331a910b16&biw=1366&bih=642  ወጽዩ ኣሎ። ነዛ ካብ የዒንቲ ዝፈሰሰ ደም ነዚ ግን እታ ብ ይፍታሀን ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ዝውንንዋ ልሳነ ፕረሲደንት ኢይሳይያስ ዝኾነት ወብሳይት ግን ካብ ስእሊ ቅብኣ ዘይት ፈሲሱ ኢላ እያ ገሊጻቶ። ዘገርም እዩ ኣብ ኣስመራ ን ደም ካልኣይሽሙ ግዲ ኮይኑ እንበር ።ብኸምዚ ምቅራባ ብልቢ እንዳ ሓዘና ማዕሮ ክንደይ ኢና ነፍስና ከነዕሹን ንሰባት ከነታልልን መሪጽና ዘለና ንብል።ቅዱይ ቅብኢ ካብ ስእሊ ድንግል ውሒዙ ቅዱይ ቅብኢ ካብ ኣዒንቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥዕለ ኣድኃኖ ውኂዙ ኣብ ከተማ ሚላኖ/ኢጣልያ ቪያ ሳንግረጎርዮ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኒኮላይ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብቲ ዝተፈቕደሎም ግዜ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ቅዳሴ ኣናቀደሱ ከለው ካብ ሥዕለ ኣድኃኖ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱይ ቅብኢ ውኂዙ። ነዚ ዘደንቕ ተኣምር መትረፓሊትን ሊቀ ጳጳስ ኤቮሉጊ ጳጳስ ኣቦንድዩ ምስ ቤተ ክህነትን አመንትን ኤርትራውያን ኮይኖም ብተመስጦን ብኣንክሮን ተዓዚቦምዎ ፣፣ እዚ 10/08/2002 .. (18/04/2010 ..) ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ናይ ኤርትራውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝተገብረ ተኣምር ብማዕከናት ዜና ተለቪዥናትን ጋዜጣታትን መርበብ ሓበሬታን ሬድዮን እናተቃልሐ ይርከብ ፣፣ ብኣሽሐት ዚቍጸሩ ሕዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢጣልያን ኤውሮጳን ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ይበጽሑ ስለ ዘለው'ውን እቲ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝቢ ክፉት ኮይኑ አሎ ፣፣ 4 ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁእ ወቅዱስ አቡን ዲዮስቆሮስ ነዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብታሕስስ 2008 ባሪኾም አብ ሚላኖ ቀዲሶም ምንባሮም'ውን ድማ ይዝከር ፣፣ርኣዩ በሉ። http://www.lisantewahdo.org/news/metawynews.php ። ዘገርም ነገር እዩ።ኣብቲ ሰብ ፍርሒ ተዋሒጥሉን ድሕሪ ህጂ ኣብዚ ኣይትቅድሱን ንስኹም ገለ ጸገም ስለ ዘለኩም እዩ ደም ካብ ዓይኒ ናይ ሓደ ስእሊ ክወጽእ ኣይክልን እዩ፡ኢሎም ዝሓዘኑ፡ግን ብኣንኩሮ ተዓዚቦም። ኣየ ድንቂ ነገር።ካብቲ ዘገርም ግን መትሮፓሊትን ጳጳስ ኤቮሉጊ ዝበሉዎ ተነይሩ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም መጻ ብጥልያን መናፈስታስዮነ፡ማለት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዳ ኣንጻር ናይዚ ኹሉ ዝግበር ኣብ ኤረትራ ሃዘና ገሊጻ ኣዮም ኢሎም።ነዚ ግን ቀይርካ ንህዝቢ ከተዕሹ ምፍታን እንታይ ይበሃል።መሳኺን እተን ኣቦም ዝኸዳ ዕራ እርግ ዝበላ ወብሳይታት ገንጺለን ዘይካታተላ ስለ ዝኾና። ከቅጽሎም ይኽእል እዩ።ንፖሎቲካዊ ሃልኪ፡እቶም ኣብ ሚላኖ ምሉእ ሰብ ከም ዝስዕቦም ገሮም ዝገልጹ ድማ ኣብዚ ዩቱብ 50 ሰብ ጥራሕ ከምዝኾኑ ገሊጽዎ ኣሎ።
ብሓፈሻ ግን ወግዓዊ ኦፊሳዊ ወብሳይት መንበረ ፓትሪያርክ ሓቂ ክትጽሕፍ ይግባእ።ሃይማኖታውያን ሓቂ ዘይተዛረብናስ መን እዩ ነታ ሓቂ ክጥቀመላ።ወግዓዊት ወብሳይት ልሳነ ፕረሲደንት ኢይሳይያስ እውን ጋና ነቲ ሓሶትን ፡ንጎይታኣ ንምሕጋስ ትገብሮ ዘላ ጉዕዞን፡ብምኽንያት ሞት ኣቡነ ማቴዎስ ታሪኽ ሂወቶም ኣብ ትገልጸሉ ነበረት ሰዓት፡ ኣዘዝታ መታን ከይቁጥዑ ግዲ ኢላስ ን ኣቡነ ማቴዎስ ብ ኢድ ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ተባረኹ ገይራ እያ ኣቅሪባቶም። ሓሳውን ፈራሕንሲ ፍጹም ዘይሓፍር!!!ነቶም ሽዑ ታራ ጳጳስ ዝነበሩ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ከም ዝባረኹዎም ገይራ፡ነቶም ዝባረኹ ኣብ ቤት/ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ግን ከይቁጥዕዑ ጎይቶታ ኢላ ካብ እቲ ዘበርከቱ ታሪኽ ምሕካኻ ማዕሮ ክንደይ ኣብ ኣባላት ኦርተደክስ ርኡይ ንዕቀት፡ከም ዘለዋ እዩ ዘርኢ።ታሪኽ በይኑ እዩ ጽልኢ በይኑ እዩ ብፍላይ ምእንቲ ሰብ ኢልካ ዝግበር ሓሶት ዋላ በቲ ከተሕጉሶ ኢልካ ትሰርሕ ዘለካ ሰብ ኣውን ዘምዝን እዩ ነዚ እውን ሓሲና ከይመስለኩም ሃያ ርኣይዎ http://www.lisantewahdo.org/news/histryabunematiewos.php ~~~(ኣብቲ ካብ ሓላፍነት ናብ ልዑል መንፈሳዊ መዓርግ) ኣብ ዝብል ኣንብብ ኣቡነ ማቴዎስ ብ22/ግንቦት1996 ግእዝ።ብ 30/05/2004 ፈረንጂ በዓል መንፈስ ቅዱስ እዮም ምስ ኣርባዕተ ጳጳሳት ብ ኢድ ኣቡነ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቀቢኦም።ነታ  ኣቡነ እንጠዮስ እትብል ሽም መታን ከይትለዓል ግን ረጊጹዋ ዝሓለፈ ዋና ወብሳይት ምስ ብጾቶም ሰለስተ ኣቦታት መዓርገ ጵጵስና ተቀቢሎም ኢሉ ሓሊፉዋ።መን ወሃቢኦም ግን ስለ ዘይነበረ ድዩ ኮይኑ ዋላ ከምቲ ዝጠቀስናዮ ን ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ከየቆጥዕ ዱጎማ ከይተርፎ ኣይተረደኣናን ዘሎ።ብሓቂ ሕሱር ወብሳይት።ካብቲ ዘገርም ድማ ቤተ/ክርስትያና ንዝኾነ ዕዮ ቤተ/ክርስትያን ኣገልግሎት ኢላ ደኣ ትገልጾ እንበር ሓላፍነት ኢላ ኣይትገልጾን ሓላፊ ማለት ገዛኢ፡ኣገልጋሊ ማለት ግን ተለኣኣኺ ስለ ዝኾነ።ጸሓፊ ናይዛ ወብሳይት ግን መንፈሳዊ ዘይኮነስ ፍጹም ንምትላል ተዓጥቀ ዕሉልል ፖሎቲካዊ ምኻኑ በቲ ኣስፊሩዎ ዘሎ ይበርሃልካ።ካብ ሓላፍነት ናብ ሓላፍነት ኣይበሃልን፡ካብ ኣገልግሎት ናብ ኣገልግሎት ደኣ ንሕናስ ንብሎ ስለምንታይ ኣቦው ዝለኣኹና ንሰባት ሓለፍቶም ዘይኮነስ ኣገልገልቶም ተለኣኣኽቶም ክንከውን እንበር ክሳዕ ክንደይ ስለ ንምትላል ተዓጠቁ እዩ ግን ኣብ ክንዲ ስእሊ ዝባረኹ ኣቡነ እንጥእንዮስ ዘቅርቡስ ስእሊ ኣቡነ ደስቆሮስ ክመጽእ ተደልዩ።ዘገርም ነገር እዩ።ኣቡነ እንጠንዮስ ግን ካብዚ ወብሳይት ልሳነ ኢይሳይያስ ደኣ ይተሓኸኹ እንበር ኣብ ምሉእ ወብሳይታት ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም ናይ ዘበና ሃወርያ እንዳተባህሉ ይጽለየሎም ኣሎ። ኣብ ጎደነታት ድማ ህዝቦም ፎቶ ናቶም ሒዙ ቀደማዊ እንጥእንዮስ ናጻ ይውጽኡ ይብል ኣሎ።
ብዝኾነ ንብሎ ተልዩ ህዝብን መንእሰያትን ተዋህዶ ነዚ ንምስሊ ቤተ/ክርስትያን ዘሕፍር ስራሕ ኪቃወሞን።ናይ ቀሳር ን ቀሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ክብልን ይግባእ።ኣቦዊነ ቅዱሳን ዘመሃላለፍዎ መልእኽቲ ደኣ ንምፍጻም ንጋየ እንበር ናይዚ ዓለም እዚኣ ሰበስልጣናትሲ ወደቅቲ እዮም።
                                               ለቱ ስብሓት
                         ሃይማኖተ ኣውቦ

Saturday 26 November 2011

Abba Seraphim ordains priest for Eritrean Orthodox

Abba Seraphim ordains priest for Eritrean Orthodox.
At the request of His Grace Bishop Makarios, Overseer of the North American Archdiocese of the Eritrean Orthodox Church and Bishop of the Eritrean Orthodox Church in diaspora, Abba Seraphim ordained Deacon Habtom Ftuwi, to serve the Medhane Alem Eritrean Orthodox community in Manchester.
Abba Seraphim’s contact with the Manchester community goes back to 10 April 2006 when he chaired a meeting at Cheetham Hill to find ways of establishing the incipient community in a regular place of worship. Since then the congregation has grown and maintained regular worship but they have depended on occasional visits (sometimes six monthly) from Eritrean clergy in London for the sacraments.
Following Bishop Makarios’ request, Abba Seraphim invited Deacon Habtom and representatives of the Manchester community to meet with him at the British Orthodox Church Secretariat in London and required supporting documentation to ensure the the proposed ordination conformed to canon law.
On 19 November the ordination took place at St. Mark & St. Hubert’s Orthodox Church in Cusworth Village, South Yorkshire. During the Liturgy Abba Seraphim was assisted by Fathers Simon Smyth and David Seeds, Archdeacon Alexander Astill, Deacons Christopher Barnes and Johannes Gebrhiwet. A large contingent of the congregation attended from Manchester, so that the church was full. After the kiss of peace, Archdeacon Alexander read out the letters from Bishop Makarios delegating Deacon Habtom’s ordination to Abba Seraphim, before Abba Seraphim asked those present if they wanted Deacon Habtom to be their priest, to which the response was a resounding assent. Finally Deacon Habtom was asked if he accepted this call and his wife, Arsema, whether she agreed to his ordination and would support him in his ministry, to which both assented. Immediately prior to the ordination Deacon Habtom swore the pledge taken by all ordinands to maintain the Orthodox Faith and to serve the people, after which he knelt and bowed to all present.
In his homily Abba Seraphim spoke of the Providence of God and our need to bring our wills into conformity with His in the same way that the Mother of God did when confronted by the Archangel. He also spoke of the continuity of priestly ministry throughout the generations and in different places. This very day the funeral was taking place in Dublin of a dear friend, Archimandrite Serge Keleher of the Greek Catholic Church, who died after a long and fruitful priestly ministry. This year also marked the 40th anniversary of Abba Seraphim’s own priestly ordination. On the day of his ordination he had come straight from the funeral of another priest, whose ministry had been over 70 years. Such was the Providence of God that as some priests departed to their reward, others answered the call and served in their place. Abba Seraphim highlighted two scriptural texts, our Lord telling the Apostles, “Ye have not chosen me, but I have chosen you, and ordained you, that ye should go and bring forth fruit” (John X:16) and St. Paul writing about ministers as servants of Christ and stewards of the mysteries of God, “Moreover it is required in stewards that one be found faithful.” He spoke of the prime importance of fidelity to the Faith and to the ministry of service.
At the conclusion of his ordination, Father Habtom was invested with his priestly robes and the congregation enthusiastically acclaimed Axios as well as joyful ululations ! At the end of the Liturgy Abba Seraphim gave the new priest the Holy Breath and the traditional charges to a newly ordained priest were read. Afterwards both British and Eritrean joined together in a traditional Eritrean meal in the Battie-Wrighton Memorial Hall, followed by traditional church dances by the choir. As the weather was unseasonably mild this took place in the courtyard in front of the church. The debteras in their white robes and holding their sistra and prayer sticks swayed rhythmically to these ancient traditional Christian chants from the Horn of Africa while the haunting sounds and the solemn beating of a drum wafted across the sleepy Yorkshire village. thanks God .

Friday 18 November 2011

2ይ ክፋል ውዲታታ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን!!!!።

2ይ ክፋል ውዲታታ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን!!!!።
ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ። ዓወት  ፍረዝጊ ኣብ ካሊፎርኒያ ሕቡራት መንግስቲታት ኣመሪካ ዚነብር ኮይኑ ዲቁና የብሉ ዋላ ክህነት  ኣብ ደስ ዝበሎ ይዕንድር ነሩ፡ን ተዋህዶ ውሽጣ ንምብልሻውን ኣብ ኣገልገልታ ምትእምማን ከም ዝሰኣንን ንምግባር ዝተመዘዘ ሰብ እዩ።እዚ ሰብ እዚ ነዚ እኩይ ስራሕ ንምፍጻም ዲማ እዩ። ገጹ ሓቢኡን መኣዶተ ተዋህዶ ዝብል ወብ ሳይት ብምኽፋት ስርሑ ዝጀመረ።ዓወት ናይ ህግድፍ ልኡኽ ን ኤረትራ ረቢሹስ ን ኢትዮጵያ ንምርባሽ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ኢትዮጵያ  ንምንዋጽ ምስ ቅንጅት እንዳ ተራኸበን ምስ ገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ማሕበራት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንዳ ተራኸበን ን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕማስ ን ቤተ.ክርስትያን ዘሕጉል ዘሎ  ምስ በዓል ሶፍያ ዝውዕል ኣብ ኢምባሲ ኤረትራ ኣብ ኣመሪካ እንዳ ኸደ ሰልያዊ ስራህ ዘካይድ ውልቀ ሰብ እዩ።ዘገርም ነገር ግን እዚ ኣይ ካህን ኣይ ዲያቆን ዝኾነ ዓወት ስለምንታይ ኮን ይኸውን ክሳዕ ክንድዚ ኣተኪሩ ክሰርሕ ዘገደዶን ኣብ ልዕሊ ሊቃውንቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ክለዓል ዘገበሮን እንታይ ኮን ይኸውን። ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ዝኾነ  ቀረባ ዘመድ ይፍታሀን ምስኡ ዝመክር ዓወት በየናይ ሓልፍነት እዩ ኣብ  ነዚ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ክወስድ ኪኢሉ ዘሎ።
ዓወት ስርሑ ጽቡቅ ሰሊጡሉ እዩ ካብ እቶም ዘዋፍሩዎ እውን ከም ተናእደ ይዝረብ ።ብሓቂ ድማ እዩ ምስቲ ባዕሉ ዲያቆን እየ ዝብለና ዘሎ ሽሞንድን ምስቲ ንሓደ ሻዕ መነኮስ ንሓደ ሻዕ ከኣ ዲያቆን ዝኸውን ሳሙኤል ኣርኣያን ኮይኑ ምስቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣባላቱ ብ ቪዶ ቀዲሑ ናብ ሃገራዊ ድነት ዝልእኽ ምስ ማሕበር ማርያም ብላተ እንዳ ተራኸበ ኣጸያፍን ኣስቀያምን ስራህ ዘካይድ ዘሎ ሰብ እዩ።ብ ዓይኒ ዓወት ኩሉ ን መንግስቲ ኤረትራ ዝቃወም ዝኾነ መናፍቅ እዩ።ንእኡ  ዘገድሶ ነቲ ተመዘዘሉ ፖሎቲካዊ ዕላማ ምውቃዕ ደኣ እንበር ሃይማኖታዊ ኣይኮነን።
ምስኡ ዝተሓባበር ዘሎ ድማ ሳሜል  ኣርኣያ እዩ።ሳሜል ኣብ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ዘደንቅ ድራማ  ዚሰርሕ ዘሎ ሰብ እዩ። ሳምኤል  ኣርኣያ ኣብ ኤረትራ ኣብ ዝነበረሉ መንኪሰ ኢሉ ኣባ ተስፋማርያም እንዳ ተባህለ ዝጽዋዕ ነበረ  ንፍንትኡ ዝነብር ኢዩ።ሳሚኤል መንኪሰ እየ ኢሉ ተተስኪሩ ግን ኢትዮጵያ ተኸደስ ንኽህነት እውን ዓዲ እንተ ቀየረ ክቅይሮ እዩ መሪጹ።ኣባ ተስፋማርያም ኣብ ኤረትራ ኣብ ኣምመሪካ ዲያቆን  ሳሜል እንዳበለ ዝጽዋዕ ዘሎ ሳምኤል ን ዕኡ ረብሓ ስለ ዝኾነ ቀዳማይ ነታ ዝተዋህባ ምንኩስና ተሓሲሙ።ግምጥል ኢሉ ኸኣ ምስጢረ ተኽሊል ካብቶም ዘይድገሙ ምስጢራት ክንሱ ካልኣይ መዓርገ ዲቁና ዝተሸመ ህጂ ኸኣ መዝሙር ኣውጺኡ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ዘሎ። ሳሚኤል  ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኻህናት ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ኣብ ምኽሳስን ክሳዕ ን ኤረትራውያን ኻህናት ኦርተደክስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቅ ዝሰርሕ ነበረ።ተልእኸኡ ኣብ ኢትዮጵያ ከሎ ዝጀመረ ሰብ እዩ።ሳምኤል  ኣርኣያ ካመራ ካብ ኢዮብ ዝተባህለ ዓርኩ ብ 50 ቅርሺ ንግዝየኡ  ብምውሳድ ፎቶ ብምልዓል እዚኦም ን ካተሊካውያን ቀቢሮም ኢሉ ን ኤርትራውያን ካህናት ኣብ ስደቶም ዘካላበተን፡ ዘጋፈዐን  ፍጹም ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሉን
ውልቀ ሰብ እዩ።ግን ስለምንታይ እዩ ክሳዕ ካመራ ገንዘብ ከፊሉ ነቶም ኤረትራውያን ካህናት ኣብ ስደቶም ከጋፍዕን ዝመረጸ?????።እዞም ምምስ ማሕበር ብላተ እንዳተራኸቡ ዘይግብበር  ዝገብሩ ሰባት ዛጊት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ጸለይትን ሃይማኖታውያንን ኮይኖም ብምቅራብ ንሰብ ዘታልሉን እዮም።እዞም ን ተዋህዶ ንምፍራስን ን ሊቃውንታ ንምውራድን ዝተበገሱ  ሰባት ታሪኾምን ስርሖምን እዚ ክንሱስ ኣብ ሎሚ በጺሖም ኣብ ቤተ/ክርስትያን ክከተኩሩ ዝገበሮን ጉዳይሲ ሱሳ ኣላታ።ምስዚም ሰባት እዚኦም ኣብ ምጥፋእ ሽም ቤተ።ክህነት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ከም ዲያቆን ኣሽመላሽ ድማ ።ትማሊ ኣብ ደብሪ ኮይኖም ብ 30.000 ሽሕ ንሰብ ዘስግሩ ነበሩ ን ቤት/ኣምላኽ ናብ ቤት ንግዲ ዝቀየሩ ገንዘብ ዝኣምላኾም ሰባት እዮም።ዲያቆን ኣሽመላሽ ኣብቲ ምስ ኣባ እመሃ ዝነበረሉ ቅዱስ ኣቦና ኣባ እመሃ ወንጌል ይሰብኩ ንሱ ኸኣ ጽድቂ ይሰርሕ ኣለኹ እንዳበለ ናይ ቤተ/ክርስትያን ጉልባብ ገይሩ ኣብ ስግረ ዶብ ዝዋሳእ ዝነበረ ሰብ እዩ። እሞ ኸ ታሪኽ ዶ ደኣ ክደግማ ደልዩ። ህጂ እውን ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ኮንካ ናይ ብዝነስ ስራሕ ዝተተሓሓዞ እዩ ዝመስ።ብተወሳኪ ንሕና ክሳዕ ህጂ ዶኮምንቲ ኣብ ኢድና ኣትዩ ከም ዘሎ።ክሳዕ ኣብ ተፋላለየ ናይ ዝሙት ዝነበሩ ሰባት ከም ዝኾኑ ነዚ ዝገብሩዎ ዘለዉን  ነዚ ምዕግርጋርን ረበሻን ዝገብሩ ዘለዉ ኸኣ  ቤተ/ክርስትያን ሰላም ተረኺባ ግብሮም ከየግሕፎም ስለ ዝፈርሑ እዩ።ብሓቂ ድማ ከምዚ ኢሉ ኩሉ ኣይክቅጽልን እዩ። ጋና ድማ ስርሖም በቢ ሓደ ኪቃላዕ ምኻኑ ነፍልጥ።

                                             ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,።

                                           ዘብሀረ ዲያቆናት።

                              

Monday 14 November 2011

ተናገሪ ድንግል !!!!!


                      ተናገሪ ድንግል   !!!!!
መንዩ እቲ ቅኑዕ ዘሎ ኣብ እምነቱ
መንከ እዩ ዝነብር ዘሎ ካብ ሓቂ ሸፊቱ
እንዳ ኣጸለመ ዝነብር ነሕዋቱ
ክንዲ ወንጌል ምስባኽ ደርፊ ዓለም ዝፈቱ
መን እዩ እወ ዘሎ ቆይሙ ኣብ ሃይማኖት ኣቦታቱ
ተነገሪ ድንግል  መን እዩ እቲ ኾንቱ
                                                      መንዩ?
                                     እቲ ንቤትኪ ዝሸጠ ብ ረብሓ
                               ክሕሱ ዘሎ ከምዛ ዘይትወግሕ ወጊሓ
                              ን ተዋህዶ ቀይሩዋ ዘሎ ከም ኣቅሓ
                                   ኩላ ስቅ ኢላ ትሪኦ ዘላ ፈሪሓ
                       ን ቤተ/ክርስትያና ዘትርፋ ዘሎ ጥርሓ
                     ተናገሪ ድንግል  
ተናገሪ ድንግል
መንዪ እቲ መግዚት ፖሎቲካ ክኸውን ዝመረጸ
ብ ሕግን ስርዓትን ተዋህዶ ከይኸይድ ዘቅበጸ
መንዩ ህጂ ንሕዝቢ ንምትላልል ዝንሆለ ዚቃጻጸ
ን ኮሚንስቲ ክትሽየጥ ተዋህዶ ዝሓንጸጸ
ን ሓቅን ፍትሕን ብ ቅልጽም ሄሮዶስ ዝረገጸ
ዝነብር ዘሎ ሓሲቡ ክኸብር ተጋየጸ
ተናገሪ ድንግል በልዮ ዕላማኻ ይቆጸ
                                            ተናገሪ ድንግል!!!!
                              እቲ ንሓው ዝፈርድ ብዘይ ጭብጢ ዘጸል
                               ብስስዕቲ ስልጣን ዝዓወረ ዝመረጸ ገሃንም
                       ሰብ ሸጓጕጥ ተኾልዂሉ ዝዛወር ዘሎ ዘስደምም
                           ኣይትጋገ ንዝበሎ ኸኣ ዘብሎ መናፍቅ ኣሰክም
                                     ካብ ን ኣምላኽ ዝመረጸ ንንጉስ ክኽድም
                                       ህዝቢ ንምትላልል ዝሓድር ክሓልም
                                                  ተናገሪ ድንግል መንዩ እቲ ርጉም
ኣብ ጸርፊ ዝሓይሉ ብ ዘለፋ ዝልለ
ውዳሰ ንኽርስቶስ ዝረሰዖ ዝመረጸ ተሓንበለ
ውግዘት ጢሒሱ ዝነብር ዘሎ እንዳ ኣታላለ
ኣብ እሱር ቤት እንዳ የእተወ ዝነብር ዘሎ ኣይፋል ንዝበለ
ዝነብር ዘሎ ንቤተ/ክርስትያን ፋሕፋሕ እንዳ ኣበለ
ተናገሪ ድንግል መንዩ ካብ መገዲ ወድኺ ዝዘንበለ
ጸረ ክርስቶስ ብ ስብከቱ ዝልለ
                                           ተናገሪ ድንግል፡
                                ከመይ ድዮም ነይሮም ትፈልጥዮም ቅዱሳን
                                            ን ዓለም ዝነዓቁ ዘይትምነዩ ስልጣን
                    ተናገሪ እስከ ከመይ ድዩ ነይሩ ቀደም ካህን ምኻን
                                   ከምዚ ንሪኦ ዘለና ድዩ ወገን ዓለም ምዃን
                                 ብቅንእን ቅርሕንትን ጽልእን ምጭኽኻን
                         ን ኣቦኻ ኣውሪድካስ ብዕልዋ ፓትሪያርክ ምኻን
                               ንኽርስቶስ ኣሕሊፍካ ሂብካስ ምስ ባርባን ምውጋን
                       ንዘይ ሰዓቡኻ ኸኣ ኣሽማት እንዳ መረጽካ ምጥቃን
                            አረ ተናገሪ ድንግል እንታይ በጻሕና ሕማቅ እዋን
ከም ድዩ ክሕነት ንህዝቢ ምንቋት
ክንዲ ምንሳሕ ምግባር ጾሎት
ክንዲ ወንጌል ምስባኽ ፈቀዶ ዓለማት
ንሕናን ዕላማናን ኮይኑ በቃ ምስ ነገስታት
ውረ ተናገሪ ድንግል ከመይ ነሩ ሕሉፍ ሂወት
ፓትሪያርክ ከሎዶ ኤረትራ ፓትሪያርክ ምገበረት
ኣብ ገዛ ሰብ ዓጺኻ ዶ ም ተገብረ ጸሎት
ሓቂ ከተምስል እንዳበልካ የውርደልና ምሕረት
በቲ ኸኣ እንዳ ዓገትካ ከይመጽእ ምሕረት
ብተሳልቆ እንዳ ነበርካ እንዳ ተሳቀዩ ናይ ኣምላኽ ወገናት
ተናገሪ ድንግል እንታይ ወሊዳ እዛ መረት
                           ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ዘብሀረ ተዋህዶ

                             ስብሃት ለእግዚኣብሄር።


Sunday 13 November 2011

ምርጫና ኣይኹን!!!!!::


                                   ምርጫና ኣይኹን!!!!!::
እዝስ ዘነውር እዩ ዘሕፍር
ክንዲ ንስብከተ ወንጌል ምውፋር
ኦይ ዕላማኻ ረሲዕካስ ምጥሓል ኣብ ዘነውር
እንበኣር ተጸዋዕናስ ነዚ ኢና ኽንገብር
ም ሃይማኖትና ተዋሪዱ በቲ ናትና መጋብር
መሊሽና ኸኣ ንውስኸሉ ኣሎና ክንዲ እንሓፍር
                        ክንዲ ጸግዒ ሽጉራትን ጭኑቃትን ምኻን
                        እንታይ እዩ ጸሊኡልና ክንሰርሕ ዘፈንፍን
                          ተጸሪፉ ሃይማኖት ክንዲ ተዋህዶ ዝኸውን
                    ተሸይጡ እምነትና ሞግዚት ፖሎቲካ ክኸውን
                      ወረ ንሕሰብ ክሳዕ ክንደይ መዐንቀፊ ክንከውን
                       ቅዱስ ኣቦና ሕይርናስ መጋበርያ ክንከውን
                  ትሃይማኖት እባ ከይረግመና ከንጥእፍእ ምናምን
ንሕናስ ክርስትያን ኢና ካሕናት ኣገልገልቲ
ከመይ ገይሩ ወጺኡ ካብ ኣፍና  ዘኾንን
ንሕናንሱ ንሱ ንሕና ፍጹም ዘይከውን
ኣየ ፈጸምቲ ትንቢት ካህናት ሎሚ ዘበን
ከምዚ እንዳገበርኩምስ ከመይ ኢሉዩ ክወግሕ ዝእዋን
ሓቁ እዩ ፈጣሪ ጾሎትና ክንፍንፍን
ቀጽርታትና ክፈርስ መስሓቅ ጸላእትና ክንከውን
ግን በዓል ሰፍ ይመጸኩም ኣሎ ን ተዋህዶስ ኣይሓድጋን
ን ዓኹም ግን ኸጥፍኣኩም ካብ በልኩም ኣረሚ ክንከውን
ክነብር ስለ ዘይኽእል ትቅዱስ ምስ ርኹስ ዘፈንፍን
ግን ሓሰቡ እዝስ ኣይንጽበዮን ንሽምና ዝድውን
                                  ኩሉ ዝረኣየ ክድነቅ ብስራሕና
                         ካህናት ተዋህዶ ርኣይዎም ተባሂልና
                             ብኣኹም ክጽረፍ ትጥንታዊ ጎደና
                ብሰማእትነት ትፍለጥ  ክብርቲ ሃይማኖትና
                      ብኣኹም ክትምንዝር በቃ ፈሪድኩማ
                            ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ኮይኑ ትዕላማ
               ኣይገድፋን እዩ ኣምላኽ ንስኹም እንተጠለምኩማ
ኣብ ክንዲ ስእሊ ክርስቶስ ምንልክት ናይ ምድሓን
ኣብ ጎደና ወጺእካ ነቲ ልዑል ምልማን
መሪጽኩም ኲናት ክትናፍቁ ንምፍሳድ ደም ንጹሃን
እዚ ኹሉ ዕልወትሲ መርገም እንጥእንዮስ ዶ ይኸውን
ክትሰርሑ ኣብ ኣደባባይ ልቢ ከሊእኩም
ክኸውን ኣሎዎ ግድን  ዘውጸኦ ንዕርቃንኩም
ሂወት ንጹህ ሰብ ኣሕሊፍኩም ብምሃብኩም
ተቆጢዑ ፈጣሪ ዘንውር ክትሰርሑ ፈንይኩም
መንፍ እታ ቤተ/ክርስትያን ፍጹም ኣይሰደደኩምን
ክትነብሩ ኣይፈቀደን ግብሪ ደቂ ኤሊ እና ሰራሕኩም
ክትፍንፈኑ ገይሩ ክትሰርሑ ዘኽዕበኩም
በሉ ታይ ይበሃል ኮይኑ ንንስሓ ዝከውን ዕድመ ይሃብኩም
                         ኣብ ክንዲ ኣቦኹም ኣብ ክንዲ ምሕላቅ
                     መሪጽኩም ን ሓቂ ምስ እኩያት ምጭፍላቅ
                     ክንዲ ፈርዖን ተንሲእኩም ስም ዓለም ምቁያቅ
                                 ክንዲ ብጸሎት ስለ ሓቂ ምጥላቅ
                   ዝኹሉ መቅዘፍትን ሰደትን ካብ ሃገርና ክርሕቅ
                             ሆ ክትብሉ ን ሓሶት ንምጽዳቅ
                      ሓሶት እዩ ሓቂ ኢልኩማ ንዓለም ኮንኩም መስሓቅ
                       መሪጽኩም ምስ ቀዘፍቲ ምሕንቅናቅ
                   ሽም ሃይማኖትና ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዓለም ምጽያቅ
እቲ ሃይማኖት ቅዱስ ጀወርግስ ሰማእቲ
እቲ ናይ ቅዱስ እስቲፋኑስ  ሰማእቲ
ሎሚ ገርኩማ በቃ መጻወቲ
እውይ በሊ ተዋህዶ እንታይ ተሪፉኪ
ሃይማኖተ ጽድቂ ኣምላኽ ዝኸብረልኪ
ሽምኪ ኣኽፊኦሞ ሎሚ ዝመስሉ ወገናትኪ
ስም ይሕጭጩ ህዝብና ይበኪ
እውይ በሊ ተዋህዶ ኣባልሽዮሞ ምስልኺ
ምርጫና ኣይኹን  ዘነውር ንስምኺ
                                                           ለቱ ስብሃት።  ሃይማኖተ ኣቦው

ውዲታት መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ይከሻሕ !!!።


ውዲታት መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ይከሻሕ !!!።
ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን መቸስ ካብተን ብጽድቂ ዝፍለጣ ኣብያተ ክርስትያናት ሓንቲ እያ።እዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ኣገልገልታ ብፍቅርን ሰላምን ዝፍለጡ  እያ ነይራ እንተ ኾነ በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ናይ ኤረትራ መንግስቲ ዝረኽባ ዘሎ ሽግርን ውዲትን እዚ ኢልካ ኣይጽብጸብን እዩ።ግን በዓል መን እዮም እቶም ን ተዋህዶ ንምፍራስ ብ ዶላር ሃይማኖቶም ዝተሸጠ ሰባት። መርበብ ጊጅለ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ካብ ኣስመራ ክሳዕ  ኣመሪካ ኤስያ ኣውረጳ ተዘርጊሖም ን ቤተ/ክርስትያን ኣብ ኣገልገልታ ዘይ ምትእምማንን ዘይ ምውህሃድን ንምስፋን ካብ ዝሰርሑ እንሆ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።ብሓቂ ድማ መርገም እዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ነቶም ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢሎም ዘዋፍሩ ዘለዉ ደቂ መርገም  ሰላም ኣይሃቦምን እንሀቶ ዓለም ብዓለማ ክትውሕጦም ትዋዳደ!!!።
እስከ ንሎሚ ካብቶም ኣብ ተዋህዶ ተነዚሖም ዘለዉ ሓድነታ ንምምህማን ፡ፍቅራ ንምዝራግ፡ሊቃውንታ ንምብስባስ ተሰሪዕም ዘለዉ ከነቃልዕም።መጀመርታ ኣዳላዊ  መኣዶተ ዝኾነ ዓወት ፍረዝጊ ኮይኑ ዲቁና ኣይብሉ፡ ዋላ ክህነት የብሉ ኣብ ካብ ሱዳን ናብ ኤረትራ ዝነግድ ነበረ ልኡኽ ህግድፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዩ። ዓወት ኣበየንቲ ቤተ/ክርስትያን ትማላለስ ነርካ ተልካዮ ኸማን ሓደ ንሽቶ ጭብጢ ከምጽእ ኣይኽእልን ስለምንታይ ኩሉ ሂወቱ ምስ  ስልየዋኢ ስራሕ ህግድፍ ስለ ዝተሓሓዝ።
2.ይ ሺሞንዲ ሰለሙን እዩ።ሽሞንዲ ካብታ ካብ ኤረትራ ናብ ኢትዮጵያ ስልያዊ ስራሕ ከካይድ ዝኣተወላ ሰዓት ኣትሒዙ ዝገብሮም ነበረ ድራማትት  መቸስ ኣዝዮም ኣደነቅቲ እዮም እዚ ብሽም ተዋህዶ ተጸጊዑ እኩይ ፖሎቲካዊ ተልእኾኡ ንምስራሕ ተበገሰ ሽመንዲ  ኣብ ቤት/ትምህርቲ ሰውራ ዝዓበየ ካብ 2005 ዓመት ምሕረት ድማ ኣብል ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዝነበረ  ኣብ 2008 ዓ/ም ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ፡ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መጸ ድማ ናብ ማሕበር ማርያም ብላተ ተጸንቢሩ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ድማ ተልእኸኡ ንምፍጻም ዲቁና ከምጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ሰበኻ ጉባኤ ኣኸባ ገሮም ብ መራሒ ቤተ/ክርስትያን ተማእኪሎም ሽሞንዲ ዲቁና ከምዘይግበኦ ከም ዘይብሉን ዝተቃለዐ ። ፡ ቤተ/ክርስትያን ዘይትፈልጦ  ዲቁና ኣሎኒ እንዳበለ ዘታልልን ብሽም ዲቁና ዝሽቅጥን ፡ ግን ከ ወሃቢኡ ዘይፍለጥ ወረቀት ክህነት ኣለኒ ዝብል። ቀንዲ ጸላኢ ቤተ/ክህነት ካህናት ብወንጌል ኣይኸዱን እንዳበለ ኣብ ልዕሊ ካህናት ብዙሕ መሰናኽል ዝፈጥር ነበረ ጸላኢ ቤተ/ክህነት እዩ።እዚ ጸላኢ ቤተ/ክርስትያን ህጂ እውን ዝተረፈ መስፈሩ ብምላእ ኣብ ኣመሪካ ካብ መንግስቲ ኤረትራ እንዳ ተላእከ ኣብ ልዕሊ እቶም ስለምንታይ ሕጊ ተዋህዶ ይቅየር ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ካህናት ሰልያዊ ስራሕ ኣብ ምክያድን ሽሞም ኣብ ምጽላምን ካብ ህግድፍ ዱቦማ እንዳወሰደ ዝነብር ምስ ከሙ ዝበሉ ገለገለ ማሕበር ማርያም ብለተ ተወዲቡ ዝሰርሕ እዩ።ማሕበር ማርያም ብላተ መን እዮም እንድሕሪ ኢልና ኣብ ከም በዓል እስራኤል ኮፍ ኢሎም ከምኡ እውን ኣብ ካሊእ ሃገራት ናይ ፎቶን ቪዶን ሃበረታ ናብ መንግስቲ ኤረትራ ዝምግቡ እዮም። እዚ ዲቁና ዘይብሉ ሽሞንዲ እንበኣር ሎሚ ነታ መን እዩ ወሃቢኡ በየናይ ፍቃድ ሰበኻ ጉባኤ ኸ ኣምጺእዋ ዘይትፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ድያቆን እየ እንዳበለ ከታልልን ንህዝቢ ከናዕብን ነቶም ከምኡ ርኳን ፖሎቲካ ኣይንጭልጥን ዝበሉ ድማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ከም ሳሚኤል ዓወት ፍረዝግን ን ገለ ኣባላት ማሕበር ብላትን ኣብ ምህዋኽ ይርከብ!!!! ይቅጽል ።ይቅጽል 2ይ ኪፋል ተኻታተሉና።
ብተወሳኺ ንሕና ነዚ ከነቃልዕ እኳ ተኸበደና ግን ካብ ኣበዩን ንሶም ድማ ነቦታቶም ምጽራር ከምዘይገደፉን። ንዝሃብናዮ መጠንቀቅታ ዕሽሽ ካብ በሉን ክቅጽል ከም ዝኾነን ናይ ዝተረፉ ድማ ክስዕብ ምኻኑ ንሕብር!!!!። ተዋህዶ መጋበርያ ፖሎቲካ ኣይትኸንን እያ!!!!!!!!።
                                                       ዘብሀረ ዲያቆናት

ናይ ሓደራ ኣደ!!!!።

                                    ናይ ሓደራ ኣደ!!!!።
መሕደር መንፈስ ቅዱስ ጸዋሪተ ወንጌል
መን ደኣሉ መጽዩ ኣብቲ ቤትኪ ዘሎ ዘሽካዕልል
ብሽምኪ ዝሽቅጥ ዚፈላሊ ዘታልል
ብዳርባ እምኒ ነሕዋቱ ዝቀትል
ን ህዝብኺ ክንዲ ዝእክብ ፋሕፋሕ ዘብል
ኣደየ ናይ ሎምስ ገሪሙና እኮ ትዝበሃል
ኣደ ጎይታና ጠፊኡና እንታይ ከም እንብል
                                      ክንዲ ተኾልኲሉ ዝኸይድ መልኣኽታት
                                             ብየማነ ጸጋሙ ወቂቡ ብ ነገስታት
                                  ከመይ ኢሉ እዩ ኣኺሉ ትናይ ጥፍኣት ሰዓት
                                      መምህርካ ሸጥካስ ተመሪጹ ዓለማዊ ክብረት
                                  ከመይ ድዮም ነሮም ቶም ትፈልጥዮም ጳጳሳት
                                  ከመይ ዲዮም ነሮም ቶም ትፈልጥዮም ካህናት
                              ካበይ ደኣ በቆሉ ዞም ንሪኦም ዶክረሽን ነገስታት
                                       ንንጉስ ንምሕጋሲ ክድምሰሱ ጽሑፋት
                                          እመ ብርሃን ገሪሙና እኳ እዚ ሰዓት
ሽም ሓቀናታት ካህናትኪ ጸሊሙ
ከሓዲ ኣብ ቅዱስ መንበርኪ ተኾዲሙ
ከምስል ኣኽሊል ኣስከማ ተሰኪሙ
ግን ከ እከይ  ንምብራስ ትሕልሙ
ሎምስ ገሪምዎ እኮ ኣደየ ዓለም ብዓለሙ
ናይ ሓደራ ኣደ እንታዩ ዝኹሉ ትርጉሙ
ክንዲ ወንጌል ምስባኽ ን ዓለም ክኽድሙ
መሪጾም በቋ ምስ ዲያብሎስ ክጓዝሙ
                                     ወዮ ንስኺ ዝበልክና ንሱ ዝበለኩም ግበሩ
                                        ሎሚ ግን እቲ ወንጌል ተቀይሩ ብስሩ
                                             ቃል ንጉስ ከቢሩ ካል ወድኺ ሓሲሩ
                                             ወድኺ እንጠንዮስ ኣብ ገዛ ተሓይሩ
                                          እቶም ዝሰዓብዎ ኸኣ እንሀለዉ ይባረሩ
                                   እዚ ኹሉ ስቃይሲ መኣስ ክውዳእ እዩ ብስሩ
ኣደየ
ገለን  ከም ጻውዒትኪ ትነብር ካብ ተወገዛ ዝርከብ በረኸት እዩ ኢላ
ገለን ከኣ ትነብር ንረብሓ ጥራሕ ይጥዓመና ኢላ
ሽሙ እንዳ ኣጸለመት ትጋገዪ ኣለኺ ንዝበላ
ሓረድቲ ቆረጽቲ ጸላእቲ ወንጌል ተኾልኲላ
ወዮ ኣምላኽ ከሎ ትሰንደቅ ዕላማ
እንዳ ኣንበልበለት ዓለማዊ ሰንደቅ ዕላማ
ነቲ እግዚኣብሄር ሰንደቅ ዕላማይ እዩ ዝብል ተሓሲማ
ጥራሕ ንዓለማዊ ምባር መሪጻ ክጥዕማ
ኣደዋ ገሪሙና እኮ ዝናቶም ዕላማ
                                         ተመሪጹ ን ዓለማዊ ፍትወት
                    ንሽሙ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ናይ መስቀል ኣብነት
                               እንታይ እዋኑ በጺሕና ዘሕዝን ኩሉ ነገራት
                                           ተናዊጹ ቤትኪ ብ ስራሕ ቆራሓት
                                           ኣባህልና እስከ ናብ ፈጣሪ ኣብየት
                              ሓውኻ ኣእሲርካ ዶ ይዕለል ምስ ፈርዖናት
                                   ዕድልና ግን ኣይኹን ትናቶም ዕድሎት
                                 ሰዓታት ቀባሕባሕ ናይ መወዳእታ ሰዓት
                          ሰዓተ ምሕርቃም ኣስናን ሰዓታት በሪር ብኽያት
                                ሰማዒ ዘይብሉ ናይ ተሳለቅቲ ኣውያት
ግን ኣደየ
ስለምንታይ እዩ ኾን ዝኽሉ ዝኸውን
እቲ ተጸወዐ ኣገልጋሊ ወንጌል ክኸውን
ክሓሪ ምስ ኣበሰሎም ደጋፊ ዕልዋ ኪኸውን
ብሽምኪ እንዳ ኣታለለ እንዳ ቀየረ መኣዝን
ይፈርሓሉ ኣነስ ከይጠፍእ ምናምን
ን ኣምላኽ ገዲፉ ንንጉስ ካብ ዝኣምን
ኣደየ ዘሕዝን እዩ እዝስ ምርጫና ኣይኹን!!!
                             ወስብሓት ለእግዚኣብሄ
             ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ኣገልጋሊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን።