1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 13 November 2011

ውዲታት መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ይከሻሕ !!!።


ውዲታት መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ይከሻሕ !!!።
ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን መቸስ ካብተን ብጽድቂ ዝፍለጣ ኣብያተ ክርስትያናት ሓንቲ እያ።እዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ኣገልገልታ ብፍቅርን ሰላምን ዝፍለጡ  እያ ነይራ እንተ ኾነ በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ናይ ኤረትራ መንግስቲ ዝረኽባ ዘሎ ሽግርን ውዲትን እዚ ኢልካ ኣይጽብጸብን እዩ።ግን በዓል መን እዮም እቶም ን ተዋህዶ ንምፍራስ ብ ዶላር ሃይማኖቶም ዝተሸጠ ሰባት። መርበብ ጊጅለ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ካብ ኣስመራ ክሳዕ  ኣመሪካ ኤስያ ኣውረጳ ተዘርጊሖም ን ቤተ/ክርስትያን ኣብ ኣገልገልታ ዘይ ምትእምማንን ዘይ ምውህሃድን ንምስፋን ካብ ዝሰርሑ እንሆ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።ብሓቂ ድማ መርገም እዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ነቶም ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢሎም ዘዋፍሩ ዘለዉ ደቂ መርገም  ሰላም ኣይሃቦምን እንሀቶ ዓለም ብዓለማ ክትውሕጦም ትዋዳደ!!!።
እስከ ንሎሚ ካብቶም ኣብ ተዋህዶ ተነዚሖም ዘለዉ ሓድነታ ንምምህማን ፡ፍቅራ ንምዝራግ፡ሊቃውንታ ንምብስባስ ተሰሪዕም ዘለዉ ከነቃልዕም።መጀመርታ ኣዳላዊ  መኣዶተ ዝኾነ ዓወት ፍረዝጊ ኮይኑ ዲቁና ኣይብሉ፡ ዋላ ክህነት የብሉ ኣብ ካብ ሱዳን ናብ ኤረትራ ዝነግድ ነበረ ልኡኽ ህግድፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዩ። ዓወት ኣበየንቲ ቤተ/ክርስትያን ትማላለስ ነርካ ተልካዮ ኸማን ሓደ ንሽቶ ጭብጢ ከምጽእ ኣይኽእልን ስለምንታይ ኩሉ ሂወቱ ምስ  ስልየዋኢ ስራሕ ህግድፍ ስለ ዝተሓሓዝ።
2.ይ ሺሞንዲ ሰለሙን እዩ።ሽሞንዲ ካብታ ካብ ኤረትራ ናብ ኢትዮጵያ ስልያዊ ስራሕ ከካይድ ዝኣተወላ ሰዓት ኣትሒዙ ዝገብሮም ነበረ ድራማትት  መቸስ ኣዝዮም ኣደነቅቲ እዮም እዚ ብሽም ተዋህዶ ተጸጊዑ እኩይ ፖሎቲካዊ ተልእኾኡ ንምስራሕ ተበገሰ ሽመንዲ  ኣብ ቤት/ትምህርቲ ሰውራ ዝዓበየ ካብ 2005 ዓመት ምሕረት ድማ ኣብል ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዝነበረ  ኣብ 2008 ዓ/ም ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ፡ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መጸ ድማ ናብ ማሕበር ማርያም ብላተ ተጸንቢሩ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ድማ ተልእኸኡ ንምፍጻም ዲቁና ከምጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ሰበኻ ጉባኤ ኣኸባ ገሮም ብ መራሒ ቤተ/ክርስትያን ተማእኪሎም ሽሞንዲ ዲቁና ከምዘይግበኦ ከም ዘይብሉን ዝተቃለዐ ። ፡ ቤተ/ክርስትያን ዘይትፈልጦ  ዲቁና ኣሎኒ እንዳበለ ዘታልልን ብሽም ዲቁና ዝሽቅጥን ፡ ግን ከ ወሃቢኡ ዘይፍለጥ ወረቀት ክህነት ኣለኒ ዝብል። ቀንዲ ጸላኢ ቤተ/ክህነት ካህናት ብወንጌል ኣይኸዱን እንዳበለ ኣብ ልዕሊ ካህናት ብዙሕ መሰናኽል ዝፈጥር ነበረ ጸላኢ ቤተ/ክህነት እዩ።እዚ ጸላኢ ቤተ/ክርስትያን ህጂ እውን ዝተረፈ መስፈሩ ብምላእ ኣብ ኣመሪካ ካብ መንግስቲ ኤረትራ እንዳ ተላእከ ኣብ ልዕሊ እቶም ስለምንታይ ሕጊ ተዋህዶ ይቅየር ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ካህናት ሰልያዊ ስራሕ ኣብ ምክያድን ሽሞም ኣብ ምጽላምን ካብ ህግድፍ ዱቦማ እንዳወሰደ ዝነብር ምስ ከሙ ዝበሉ ገለገለ ማሕበር ማርያም ብለተ ተወዲቡ ዝሰርሕ እዩ።ማሕበር ማርያም ብላተ መን እዮም እንድሕሪ ኢልና ኣብ ከም በዓል እስራኤል ኮፍ ኢሎም ከምኡ እውን ኣብ ካሊእ ሃገራት ናይ ፎቶን ቪዶን ሃበረታ ናብ መንግስቲ ኤረትራ ዝምግቡ እዮም። እዚ ዲቁና ዘይብሉ ሽሞንዲ እንበኣር ሎሚ ነታ መን እዩ ወሃቢኡ በየናይ ፍቃድ ሰበኻ ጉባኤ ኸ ኣምጺእዋ ዘይትፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ድያቆን እየ እንዳበለ ከታልልን ንህዝቢ ከናዕብን ነቶም ከምኡ ርኳን ፖሎቲካ ኣይንጭልጥን ዝበሉ ድማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ከም ሳሚኤል ዓወት ፍረዝግን ን ገለ ኣባላት ማሕበር ብላትን ኣብ ምህዋኽ ይርከብ!!!! ይቅጽል ።ይቅጽል 2ይ ኪፋል ተኻታተሉና።
ብተወሳኺ ንሕና ነዚ ከነቃልዕ እኳ ተኸበደና ግን ካብ ኣበዩን ንሶም ድማ ነቦታቶም ምጽራር ከምዘይገደፉን። ንዝሃብናዮ መጠንቀቅታ ዕሽሽ ካብ በሉን ክቅጽል ከም ዝኾነን ናይ ዝተረፉ ድማ ክስዕብ ምኻኑ ንሕብር!!!!። ተዋህዶ መጋበርያ ፖሎቲካ ኣይትኸንን እያ!!!!!!!!።
                                                       ዘብሀረ ዲያቆናት

No comments:

Post a Comment