1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 9 February 2012

ዓለም ለኻዎ ሲኖዶስ ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ነቲ ብይፍታሀ ዝዝወር ዘሎ መንበሪ ፓትሪያርክ ኣስመራ ኮኒኑ!!!!።


ዓለም ለኻዎ ሲኖዶስ ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ነቲ ብይፍታሀ ዝዝወር ዘሎ መንበሪ ፓትሪያርክ ኣስመራ ኮኒኑ!!!!።
ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርተደክስ ማሕበር ነቲ ብ ይፍታሀን ዝተወገዙ ጳጳስ ኣቡነ ደስቆሮስ ዝምራሕ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ  ሲኖዶስ ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ፡ ብ ታሪኽ እኳ ኦርተደክሳዊ እንተኾነ ግን ዘይመንፈሳውን ቀይደበተኽን መንፈሳዊ ሲኖዶስ ክትብልን ኣጸጋምን እዩ ኢሉ ትንታነ ከም ዝሃበ ክረጋገዝ ተኻኢሉ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ሰዓት 6፡10 ጸብጻብ ዝሃብት  ወብሳይት ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ተዋህዶ.ኦርግ
http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1059:2012-02-09-00-12-45&catid=63:2008-08-24-02-53-16&Itemid=75  
 ብወገና ነዚ ዜና እዚ ብምርጊጋጽ ሓቂ ከም ዝኾነ ደጊማ ኣረጋጊጻቶ ኣላ።
እቲ ብይፍታሀ ዝዝወር ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ በቲ ዘዘውትሮ ቅዳሴ፡ትውፊት ይኹን፡ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ታሪኻዊ ይኹን እንበር በተን ኦርተዶክሳዊ ሕጊ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስትያናት ተቐባልነት የብሉን ክብል ገሊጹ ኣሎ።እዚ ሓቂ እንዳኾነ ግን እቲ ብይፍታሀ ዝምራሕ ቤተ ክርስትያን ግን ነዚ ኣገዳሲ ሃወርያዊ ሰንሰለት ዕሽሽ ኢሉ ክሽፍት እዩ መሪጹ ዘሎ።
3ይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኣቦ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብ ሃይለ ብረት መንግስቲ ካብ መዓርጎም ከም ዝወረዱ ድሕሪ ምሕባር።ዘይሕጋዊ ኣቡነ ደስቆሮስ ብ ዓመጽን ዕልዋን ናብ ስልጣን ዝተወጥሑ ሰብ እዮኢም ክብል እቲ  መግለጺ ሓዘኑ ገሊጹ።መንግስቲ ኤረትራን እቲ ብይፍታሀ ዝምራሕ ቤተ ክርስትያን ኤረትራን በቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኣነዋሪ ስራሕ ሰፊሕን ከቢድን ተቃዉሞን ብዙሕ ምንጻልን እኳ ተኣጓነፎም  ንሕናን ዕላማናን ዋላ ዓለም ትጸልምት ብ ዘስምዕ ይጓዓዙ ይርከቡ።መንግስቲ ኤረትራ ሓደ ካብቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝክሰሱ  ብምግሃስ ሃይማኖታዊ መሰል ኣብ ቅድሚት ምስ ሰመን ኮርያን  ዝስራዕ መንግስቲ ኮይኑ።ምስ ተን ከምኡ ዝበላ ኮምንስታውያን ሃገራት ድማ ዝምድና ከም ዘለዎ ይጥቀስ።
እዚ ብ ሲኖዶስ ሕብረት ኦርተደክሳውያን ኣብያተ ክርስትያናት ዝወጻ ዘሎ መግለጺ ፡እንበኣር ን ኻለኣይ ግዝየኡ  እዩ።ብዕለት 21 ትሪ 2012 ዓምሕረት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ቅዱስ ሲኖዶስ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ኦርተደክስ ጸዊዑ ከም ዝነበረ ዝዝኸርእዩ። http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1049:2012-01-24-22-31-53&catid=63:2008-08-24-02-53-16&Itemid=75 www.ecumenicalcanonicalorthodoxchurch.com
ዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ግን እቶም ብይፍታሀ ነተን ዝወሃቦኦም ቁሩብ ቁራቦ ከይሕደገኦም ንኸብዶም ዝነብሩ ገለገለ ካህናትን ዲያቆናትን ንስለ ፖሎቲካ ጥራሕ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ን መላለስ ኢና  ዝብሉ ዘመርቲ ተመላለስትን መንእሰያት ግን ቤተ/ክርስትያን ጽቡቅ እያ እንዳበሉ ንህዝቢ ተዛባዒ ሓበረታ ኣብ ምሃብ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ የዒንትና ዝዕዘቦ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።እዚ ዘሕዝን ምርጫ እዚ ነታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ኸፊሉ ብደገ ድማ ከም ትድፈርን፡ ከም ትነዓቅን ገይሩ ሰፈር ፖሎቲከኛታት ከም ትኸውን ገይሩዋ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሓቂ ድማ ቀንዲ ሽግር ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ዘሎ ክንዲ ብሓደ ምምካት ገሊእካ መሳርሒ ክትከውን ፊቃደኛ ምዃን እዩ። ዓለም ምሉእ ኦርተደክሳውያን እንዳ ተዛረቡ ነቶም ኤረትራውያን ኦርተደክሳውያን እዚ ሓቂ እዚ ተሓቢእዎም ምህላዉ ዘሕዝን ጸሊም ታሪኽ እዩ።ብእምነት ዝመስላና ዓለም-ለኻውያን ኣብያተ ክርስትያን ተዋህዶ ነዚ ሓቂ'ዚ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘለዋ እዋን፣ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብዘይካ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ከምዘይብላ  ኣሚኑ ዝጓዓዝ ዘሎ እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ መንበረ ጵጵስና  ጥራሕ ምካኑ ብ ዓለም ሓቆፍ ዝተራጋገጸ እዩ ፡ ሓደ ኣምላኽ ምስቶም ንሓቂን ንፍትሕን ዝተዓጥቁ ሰባት ይጸምብረናሰላም ንቤተ ክርስቲያንን ንመራሒኣ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ይሃብ
ንህዝብና ፍትሒ የውርደሉ!

                                                    ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment