1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 10 February 2012

እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7። 3ይ ክፋል።


እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7። 3ይ ክፋል።
ነዚ ህዝቢ ምሓረት ዘምጸኣሉ ንንገሮ።እቶም መዋእልኩም ፈቀዶ ኣኸባታትን ፖለቲካን ዓንገዘው ትብሉ  ነበርኩም ከኣ እቲ ብዘይ ኣምላኽ ዝፍረ ፍረ ከምዘየለን ሪኢኹሞ ኣለኹም።ስለዚ ኣምላኽ ንሃገርና ክባርኽ ቤት/ኣምላኽ ነቀድም።ኣብ ቤትና ንእግዚኣብሄር ነንግሶ።የእጋርና ህጂ እውን ናብ ቤት ጾሎት የምርሓ ። እንድሕሪ ዘየለ ግን እቲ ቅዱሳን ንጹህ ኣምልኾ ዘልመድዎ ኣምላኽ ን ነገሩ ብሸለልታ ከምዝይሓልፎ ክንፈልጥ ኣለና።እግዚኣብሄር ዘየኹሪ ኣለዎ ድዩ።ኣብ ሓይልና ኣሚና፡ ብትዕቢት ንሕና ኢና ኢልና፡ምስ ኣምላኽ ከ እንታይ ዘራኽብ ኣለና ንሕና ኣምላኽ ከ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብዚ ብትዕቢት ዝተተትዐ ሂወትና ክሓድር ከመይ ገይሩ እዩ ኸ ሰላም ክህበና ንጽበ።ን መግናሕቲ ኣምላኽ ለሚድናዮ፡ ብትዕቢት ተጨንዲሕና ዋጋና ድማ እዚ ንሪኦ ዘለና ሰላም ዘይብሎም ህዝቢ ኮይና ኣለና።
ስለዚ እቲ ቅዱሳን ንጹህ ኣምልኾ ዘልመዱዎ ኣምላኽ እቲ፡ ቅዱሳን ናይ ምህለላ ናይ ጾሎት ግዜ ፈልዮም ዘልመዱዎ ኣምላኽ ን ተግባርና ክጻወሮ ኣይከኣለን ዘሎ።ትንቢት ኢሳይያስ 9፡11-21።ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ፌጺን ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡ ንጸላእቱውን ኬለዓዕሎም እዩ፡፲፪ - ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።፲፫ - እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።፲፬ - ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራን፡ ንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጾ እዩ።፲፭ - እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።፲፮ - መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዚምርሑውን ኪጠፍኡ እዮም።
፲፯ - ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምንእዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።፲፰ - ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእቕ።፲፱ - እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን።፳ - ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።፳፩ - ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሐቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ። እዚ እዩ እቲ ቃል ኣምላኽ ።ኲናት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ምኽንያት መምጺኢኡስ ቁጥዐ ኣምላኽ ዶ ደኣ ኣይኮነን እዩ ።ነዚ ተጻሒፉ ዘሎ ብህድኣት ሓሲብና ተንቢብናዮስ ብዛዕባና ከም ስእሊ ደኣ ይዛረብ ኣሎ።
ስለዚ ን መለስ ኣብ ክርስቶስ ኣይኮናን ዘለና። ኣብ መገዲ ቅዱሳን ኣይኮናን ዘለና ፡  ክንዲ ጾም ጋይላን ዳንከራን ፡ናጽነት ተረኺቡ ኢልካ ክንዲ ተመስገን ኣምላኽ ብጽፍርና፡ ብሓይልና፡ ተመስገን ኣምላኽ ተረሲዑ። ካብ የማን ተመንጠልና ካብ ጸጋም ተመንጠልና ንዓግብ ኣሎና ዲና፡ ኩልና ብቅልጽማና ዶ ንበልዕ ኣየለናን ኢና።ኣቦታትና ንእሽቶ በሊዖም ተመስግን ይብሉ ነሮም፡ ንሕና ግን እቲ ብዘይ መባእን ዕሽርን ዘጥረናዮ ገንዘብና ን ደለልትን ን ጨወይቲ ሰብን ዶ ኣይጠፍን ኣሎ እዩ እቲ ገንዘብና፡ ኣሸሓት ከፊልና ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዶ ንጠፍእ ኣየላንን ኢና፡ እዚ ኸ እቲ ካብ ኣምላኽ ሰሪቅና ዘምጻእናዮ ዶ ኣይኮናን ኢና። ቤት ጾሎታት ዓንዩ እንከሎ ን መጋየጽን  ወዲ ክስቶ ከምዚ ዝበለ ፖላሶ ሰሪሑ ኣነ ኸኣ ክሓልፎ ክንበሃልዶ ንጓየ ኣየለናን ኢና። እዝስ እቲ ፍጹም ዘይ ክርስትያናት ምኻና መረጋገጺ ዶ ኣይኮነን። እቶም ቅዱሳን ከም በዓል ኣቦና ዳዊት ግን። 1ይ መጽሓፍ ዜና መዋእል17፡1-2።  ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡በሎ።  ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ።  ኢሎም ን ነበያት ጸዊዖም እንታይ ክገብሩ ከም ዝግበኦም ዝሓቱ ዶ ኣይኮኑን  ኣቦታትና ቅዱሳን።ይቅጽል,,,,,,,,,

No comments:

Post a Comment