1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 15 August 2012

ሕድሽ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት እስልምና መንግስታዊ ሃይማኖት ምዃኑ ዝገልጽ ሕጊ ምጽዳቑ ክኹነን ኣለዎ!!!

ሕድሽ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት እስልምና መንግስታዊ ሃይማኖት ምዃኑ  ዝገልጽ ሕጊ ምጽዳቑ ክኹነን ኣለዎ!!!
          ናይ ምስልምና ኣኽራርን ኣብ ግዜ ስልጣነ መንግስቲ ሙባርክ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረን  መሓመድ ሙርሲ ናብ ስልጣን መጽዩ ካብ ዝተባህለሉ  ግዜ ኣትሒዙ፡ ናይ ግብጺ ክርስትያናት ኣብ ከቢድ ፍርሕን ሸቀልቀልን ኣትዮም ይርከቡ።ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ 18 ሚሊዮን ይበጽሑ። (2) ክልተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ኣብ ወጻኢ ስደት ክርከቡ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ኣብታ ብ ኣመንቲ ምስልምና ኩሉ ግዜ ደም ክርስትያናት እተፍስስ ግብጺ ይርከቡ።።
ግብጺ ክሳዕ 640 ዕ/ም 100% ኮፕቲክ (ተዋህዶ) ኦርቶዶክ ተኸተልቲ ዝነበሩዋ ጥንታዊት ክርስትያናዊት ሃገር ክትነብር ከላ፡ኣብ ግዜ ወራር እስላም ግን ብግዲ ናብ እስልምና ህዝባ ብሰይፍን ብ ተፈላለየ ግፍዕን ገለ ጸኒቱ ገለ ድማ ሞይቱ፡ዝተረፈ ኸኣ ሃይማኖቱ ቀይሩ፡እስላም ኣብ ሓንቲ ወቅቲ ጥራሕ (35,000) ሳላሳን ሓሙሽተን ሽሕ  ኦርቶዶክሳውያን ተዋህዶ ቀቲሎም።ካብኡ ድማ  ብዙሓት ሃይማኖቶም ቀይሮም!።ቁጽሪ ክርስትያናት እውን እንዳወሓደ መጺኡ ይርከብ።እዚ ኮይኑ ክቅጽል ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ ግብጺ ኣምላኽ ኣይገደፋን እቲ ግፍዒ ካብ ግዜ  ጀማል  ዘይሓይሽ እኳ እንተኾነ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሙባርክ ዝሓሸ ምዕባለ  ነይሩ። ፡ካብዚ ናይ ግብጺ ምንቅስቃስ ኣትሒዙ ዝመጽእ ጸረ ሞባርክ ግን ነገራት ይቃያየር ኣሎ።ኩሎም ክርስትያናት ኮፕቲክ ሶርያ ኦርቶዶክስ፡ግሪኽ ኦርቶዶክስ፡ሮማ ካቶሊክ፡ፕሮቴስታንት፡ ካልኦት ናእሽቱ ግሩብ ክርስትያናትን ኣብ ሓደገኛ ጉዳይ ወዲቆም ይርከቡ።
ነዚ መጻወድያ እዚ ኣብ ምርቃቅ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ግብጺ   መንግስቲ  ዓንቀጽ2፡ እስልምና ናይ መንግስቲ ሕጊ ምዃኑ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብምቕማጡ እዩ።እዚ ማለት ኣብ ግብጺ ብዘይካ ናይ እስልምና ናይ ካልእ ምንቅስቃስ ካልእ ኣይፍቀድን ማለት እዩ።ክርስትያን ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ከም ዝመዝገቦ  ከምዝ ክብል ይገልፅ ።”ሕጊ ዝጸድቅ ብ እልምና ሃይማኖት ዝብሎ፡እዩ። ማለቶም እዩ። እታ ሃገር ብናይ ሸሪዓ ሕጊ ክትመሓደር ኣለዋ ማለት እዩ።ክርስትያናት እውን በዚ ናይ ሸሪዓ ሕጊ ብዝፈቅደሎም ክንቃሳቀሱ ኣለዎም ማለት እዩ።በዚ መጠን  ግብጻውያን ኦርቶዶክሳውያን ከም ዜይጋታት ዘይኮነ ከም  ባራዩ ኣብታ ቅድሚ እስልምና ዝተፈጠሩላ ሃገር በቶም ስደተኛታት ኮይኖም ዝመጹ እስላም ከም ባራዩ ክነብሩ እዮም ማለት እዩ”።ይብል ክርስትያን ፖስት።
መሓመድ ሙርሲ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክተክል እየ ኢሉ እዩ ቃል ኣትዩ ኣብ ስልጣን ደይቡ።እንተኾነ ነቲ ኣብ ግዜ ሙባርክ ነበረ መሰል ፍጹም ደምሲሱዎ ይርከብ።ዘሕዝን ፍጻመ ንዓና ን ኤረትራውያን ክርስትያናት እውን ሓደ ዓቢ መምሃሪ ኮይኑና ኣሎ፡”መለበምን ኣይኽላእካ መለበምን ከ ኣይግበርካ” ከም ዝበሃል ከምዚ እዩ።
ኣደናቒ ዝኾነ ኣማኒ ኣምላኽ ይጥቀመሉ እዩ ፡ኢልካ ዘይትሓስብ ሕጊ ሸሪዓ!፡ንዝሰረቀ ኢዱ ምቅራጽ፡ብዝሙት ንዝተረኽበ ብዳርባ እሞኒ ምቅታል፡ካብ እስልምና ናብ ክርስትና ንዝኣተወ  ድማ ኣይምለስን ተደኣ ኢሉ፡ ምሕራድ፡ምጉሱቋል፡ እዩ ዝብል።ሰላፍን ዋላኳ “ክርስትያናት ናብ እስልምና ክኣትዉ ኢዮም” ኢሎም ፡እምነት ተዘይብሎም ፡ክርስትያናት ነታ  ሃገር ገዲፎም ናብ ካልእ ንኽስደዱ ተጽዕኖን  ጸቅጥን ምፍሪራሕን ይገብሩ ኣለዉ ።
ግብጻውያን “ግብጺ ትኣክል ዓባይ ዓረባዊት ሃገር ኣብ ውሽታ ክርስትያናት ከንብሩ ከመይ ገይሩ ይኸውን” ዝብል ስነ ሓሳብ እዩ ዘለዎም።ኣሕመድ ዲዳት ዝተባህለ ናይ እስልምና ቀንዲ ሰባኺ ኣብ ሓደ ወቅቲ ኣብ ዝሃቦ ትምህርቲ ፡”ናይ (ዓረብ ሊግ)ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዋና ሓያል ዝኾነት ግብጺ ኣብ ውሽጣ ሚልዮናት  ክርስትያናት ምህላዎም ናይ ሞስሊማዊ ዓለም ስንፍና ውጽኢት እዩ” ብምባል ብቁጠዐ ይዛረብ።
ኣብ ሊባኖስ ሒዝቦላ፡ኣብ ፍሊስጠም ሓማስ፡ኣብ ግብጺ ሞስሊም፡ብራዘርስ፡ኣብ ኢትዮጵያ ሰላፍን፡ኣብ ኤረትራ እውን ናይ መጃሂዱን ምንቅሲቃሳትን፡ከም እኒ ኣልናህዳ ዝበሉን ኩሉ ዝተኣሳሰረ ፖሎቲካዊን ሃይማኖታውን ርክብ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ።ኣብዚ ናይ ማእከላ ምብራቅ ኣከባቢ፡ ኣብታ ዓንድን መበቆል ተዋህዶን ዝኾነት ግብጺ ሞርሲ ምቅማጡ ጽባሕ ንግሆ ንክርስትያናት ዓቢ ስግኣት እዩ።ብጣዕሚ እዩ ጾምን ጸሎትን ዘድሊ።
እዚ  ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ንዓና ን ኤረትራውያን፡ዓቢ መለበሚ እዩ።”ጎረበትካ ጭሕሙ ክላጸስ፡ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ከም ዝበሃል።ዋላኻ መንግስቲ ኤረትራ ደው ኢልና ተተቃወምናዮ፡ከቢድ ግፍዒ ኣብ ልዕሌና ይፍጽም ተሎን፡ ክንጥንቀቅ እዩ ዘሎና።ኣተሓሕዛ ኦርቶዶክሳውያን ኣብዚ ጉዳይ ብጣዕሚ እዩ ጥንቓቀ ዘድልዮ!።ገለ ሰባት ን መንግስቲ ኤረትራ እንዳ ተቃወምና ን ተቃወምቲ ኤረትራ ከነተባብዕ ጸኒሕና ኣለና።ግን  ተቃወምቲ ኤረትራኸ ንዝብል፡ ህድእ ኢልካን ኣስተውዒልካን መልሲ ዘድልዮ እዩ።ን ኦርቶዶክስ ብጣዕሚ እዩ ስግኣት ዘለና ዝገደዱ እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።ኣብ ሞንጎ ተቃወምቲ ኤረትራ  ኣኽረርቲ እስላም ኣለዉ። ኤረትራ ብሸሪዓ ክትመሓደር ኣለዋ፡ ኤረትራ ዓረብ እያ፡እስላማዊት ሃገር እያ ዝብሉ ምህላዎም።መጻኢት ኤረትራ ክሳዕ ክንደይ እያ ፡ን ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ን ኦርቶዶክስ ውሕስቲ ትኸውን ዝብል ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከነስተውዕል፡ ናበይ ንጓዓዝ ኣለና ክንፈልጥን የድሊ።
እቶም ትማሊ” እስላምን ክርስትያንን ሓደ ኢና” ዝብሉ ነበሩ ሰልፈኛታት ጎደና ኣልታሕሪር ሎሚ ናበይ ኣበሉ።ኣብ ግብጺ “ክልተ ሃይማኖት እየን ዘለዋ” ኢሎም ይጭርሑ ነሮም ሎሚ ኸ እንታይ ኮይኖም ዘይወጹ??።መንግስቲ ኤረትራ ን ቤተ ክርስትያና መሰላ ይገፍፍ ፡ፓትሪያርክ ዘለዎም ክንደይ ሓያላት ሙሁራን ካህናትን፡ ሞነኮሳትን፡ከምኡ እውን ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሲሩ ኣሎ።ኮይኑ ግን ዝመጽእ ከ ምናልባሽ ንኹልና  ዝኣስር ይኸውን??።
ስለዚ መንግስተ ኤረትራ መሰል ሃይማኖት፡ መሰል ሰባት፡ ከኽብር ጥራሕ ኢዩ ጸቅጢ ዘድልዮ።፡እንተ ፖሎቲከኛታት ኤረትራ ግን ኩሎም ውሽጦም ሪኢናዮምን ፈቲንዮምን ኢና።ኣምላኽ ተዘይ ረዲኡና ካብ ረምጽ ናብ ጓህሪ ክኸውን እዩ!!።ክሳዕ ህጂ ኣብ ልዕሊ መንግስተ ኤረትራ ከነቃልዕን ክንቃወምን ጸኒሕና። ተቃወምቲ ኤረትራ እውን ተሪኢኻዮም ዝገደዱ ሓደገኛታት ኣብ ልዕሊ ክርስትና እዮም።ስልጣኖም እንበር ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣይዕጅቦምን።
ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ጽልኢ ኣለዎም።ካብ መንግስተ ኤረትራ ብዘይንእስ፡ተቃወምቲ ኤረትራ ኣብቲ ዝገብሩዎ ሰለማዊ ሰልፊ ተኣሰሩ ሸኻትን ፖሎቲካውያን እሱራትን ሒዞም ሰልፊ ክገብሩ ነቶም ተኣሰሩ ካህናትናን ሞነኮሳትናን ግን ዘኪሮሞም ኣይፈልጡን።እተን ማዕከናት ዜይናኦም እውን ተንከረስ ኢለን ዝኹሉ እንዳፈተሻ እንዳ ኣቃለሓን ነቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተገብረ ዓለም ዝኾነነቶ ከም መንግስተ ኤረትራ ኣየምጽእኦን።”ተቃወምቲ ግብጺ እዚ ገበሩ” ክብላ ግን ኣጽሚመናና ነይረን ።ናይ ዓለም ምሉእ ማዕከናት ዜና ክዛረባ ከለዋ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ብ ቦምባ ዝጠፍኡ  ሰማእታት ኦርቶዶክሳውያን ኣልዒለንኦም ኣይፈልጣን፡ኣብዚ ኣብ ሶርያ ዝግበር ዘሎ ድማ ነዚ ኹሉ ዝዓኑን ፡ዝቅተልን፡ ዘሎ ኣምጺአንኦ ኣይፈልጣ፡ብተወሳኺ ድማ  ዝነዱ ዘለዉ ደብሪታትን ፡ዝቅተሉ ዘለዉ፡ ካህናትን ኣቃሊዐን ኣይፈልጣን።እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዘለዎም ጽልኢ ኢዩ።
ዋላኻ ክትሓቅፎም ተበልካ ንሶም ግን መሊሾም ዘንጋሕጥጡ፡ጠውዮም ጠዋውዮም መሳርሒ ፖሎቲካኦም ክገብሩኻ ዝጽዕሩ፡ካልእ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም እዮም።ተቃወምቲ ኤረትራ ክሳዕ ብ ማስምድያኦ ናይ ሃይማኖት ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና ዝብሉ፡ ስምዒታውያን እዮም።ነቲ ክንደይ ካህናት ዝገብሩዎ ዘለዉ።ስለ መሰልን ፍትሕን ክንዲ ዝርእዩ ድማ ኦርቶዶክሳውያን ኣቅሽቲ እዚ ገበሩ እንዳበሉ ጽባሕ ን ኦርቶዶክስ ንምቅጻዕ።ከምቲ ህግደፍ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ኦርቶዶክስ ጸረ ናጽነት ኤረትራ እዩ፡ዝብል ነበረ ንሶም እውን ነዚ እዮም ዝደግሙ ዘለዉ።ገሊኦም ከኣ ምስተን “ኤረትራ ብሸሪዓ ክትመሓደር ኣለዋ”። ኢለን ዝውዝቃ እስላማውያን ውዱባት ኪዳን ዝኣተዉ እውን እዮም።
ነዚ ቤተ ክርስትያን ስቅ ኢላ ክትርኢ ኣይግባእን ህዝባ ከተረድእ ኣለዋ።ደስ ከም ዝበሎም መታን ከጣፋፍኡን ክሰርቁን፡ንጽባሕ ድማ ክበልዑናን ስለ ዝምነዩ ድማ እዮም ኣብ ፖሎቲካ ሃይማኖታዊ ሰብ ክዛረብ የብሉን ዝብሉ ዘለዉ።ተቃወምቶም ይኹኑ ዋላ ህግደፎም ኣብ ልዕሊ ክርስትና (ኦርቶዶክስ )ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።፡ስለዚ ንሕና ፓርቲ ከነቅውም ምስኦም ኣብ ፖሎቲካ ክንውዕል ዋላኳ ተዘይ ተገበአ፡ ንህዝብና እንታይ ይመጾ ኣሎ ክንሕብር ግን ሓላፍነታውነትና እዩ።ተበለጽቲ ፖሎቲከኛታት ነዚ ብጣዕሚ እዮም ዝብለጽሉ።ስለዚ ህዝቢ ኤረትራ ትጽቢቱ ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።ናብ ኣምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሎሚ ክጽሊ ክኽእል ኣለዎ።ስቅ ተዘይ ኢሉ ግን ማሕረዲ ኣገልገልቱ ክርኢ ኢዩ።ምብራስን ምጥፋእን እምነቱ ክርኢ ኢዩ።
ኣብዚ ሰዓት እዚ ኢትዮጵያ ብ ሰላፍን ትህወኽ ኣላ፡ ንዓና ኸ ጽባሕ ዝብል ክንፈልጥ ኣሎና።ንዓና መን ነገሰ ኣይኮነን ሕማምና ሃይማኖትና ብኸመይ ትነብር ጥራሕ እዩ።ስለዚ ምምጻእ መሓመድ ሙርሲ ናብ ስልጣን ን ምብራቅ ኣፍሪቃን ከምኡ ኸኣ ን ማእከላይ ምብራቅ ሓድሽ ኣብ የእምሮ ኩሉ ሰብ ዘይተሓስበ ሽግር ከምጽኣሉ እዩ።ግብጺ ኣብ ዞባና ዘለዋ ሓይሊ ከቢድ ምዃኑ ክንዝንግዖ የብላናን ግብጺ ክሳዕ ዘላ ስገኣት ኣሎ።ስግኣት ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ጾሎት ከድሊ እዩ ።ድሕሪኡ ድማ መስቀልካ ምልዓል ን መስቀልካ ምስካም ድሉው ምዃን ከድሊ እዩ።።
ስለዚ ዋላ ኣብቲ ብ ሰንኪ መንግስተ ኤረትራ መጺኡና ዘሎ ሽግር እውን ነገርና ምስ ኣሕዋትና ባዕልና ደኣ እንበር ቤተ ክርስትያን መጺኦም ዘይፈልጡ ፖሎቲከኛታት ክፈትሑልናን ክኣትዉናን ከነፍቅደሎም የብልናን።መንግስተ ኤረትራ ከዛራሪበና ተደልዩ እውን ድሉዉነትና ብምርኣይ ነገርና ባዕልና ክንዛረበሉ ኣሎ።
ካብቲ ዘገርም ሓደ ናይ ቀደም ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ተቃወምቲ መንግስተ ኤረትራ ነበረ ቤተ ክርስትያን፡ በቲ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ፡ በቲ ኸኣ ነቲ ብዘይ ሕጊ ናብ ስልጣን ን ኦርቶዶክስ ንምህዋኽ ዝመጸ ኣርተፍሻል ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ከም ወግዓዊ ምቅባሎም ኢዩ።ነዚ ዘርእየካ ተቃወምቲ ኤረትራ ብዘይካ ስልጣንን ሰብ ከመይ ገርካ ትሕዝን ካልእ ፍጹም ሓሳብ ከምዘይብሎም እዩ።ስለዚ ዋላ ናይ ተቃወምቲ ኤረትራ ዕላመኦም እዚ ኢልካ ኣይፍለጥን።ምስ ናይዚ ኹሉ ከም ክርስትያናት ቤተ ክርስትያናት መጺኦም ዘይፈልጡ፡ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ይዛረቡ እዚ ህዝቢ ንምድህላልን ንምስራቅን ደኣ እንበር ፡ብዛዕባ ሃይማኖትና ሽጊሩዎም ኣይኮነን።እንተ እቶም እስላማውያን ተቃወምቲ ግን ኣብ ግዜ ስግዳኖም ኣብ መስጊድ ኢኻ ትረኽቦም።ስለዚ ኦርቶዶክስ ረዲኤታ ኣምላኽ  ጥራሕ እዩ።ነዞም ተቃወምቲ ክንኣምን የብልና ን መንግስተ ኤረትራ ክንኣምን የብልና።ን ኣምላኽና ኣሚና ናብኡ ጥራሕ ንጸሊ።
 እንተ ግብጺ “እስላማዊ ሃገር እያ” እንዳበለት ዳግማይ ንብዓት ክርስትያናት ከተፍስስ ትህንደድ  ኣላ፡ ጽባሕ ከ??። ኣምላኽና ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነ።(ኢሳ5፡27)(መዝ 12፡3)(መዝ 121፡4)።ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ።ግን ቃል ኣምላኽ ንኽፍጸም እዩ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝበሎከ ናበይ ክተርፍ።(ሉቃ21፡12)።ወይ እውን ነብይ ኢሳይያስ ዝበሎ ምዕራፍ 19 ደኾን ክፍጸም ኮይኑ ክርስቶስ ነቶም ደቁ ቅድም መከራ ብስደት ኣምሲሉ ከውጽኦም ደልዩ??።እታ መልሲ  ኣላ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ  ኸዓ ዝፈልጦ።
             ወለቱ ስብሃት
             ዘ-ማርቆስ
 ምንጩ ካብ ብሎግ  ድምጺ ኦርቶዶክስ ዝተወስደ http://dmstiorthodox.blogspot.it/2012/08/blog-post_15.html 

               haymanoteabewo@gmail.com

No comments:

Post a Comment