1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 15 October 2011

መግለጺ ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ ኦርቶዶክስ!!!::

 

መግለጺ ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ ኦርቶዶክስ!!!::

ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ህልውናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘሕፍርን ዘጸይፍን ተግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምኽሳቱ፣
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብዝተፈጥረ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ፣ ተጠርኒፉ ንዝጸንሐ ምእመን ከፋፊልዎ እዩ ብፍላይ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘፍርስ ሽመት ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ግና ኣብ እዛ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ዕንወት ኣኸቲሉ ኣሎ። ንናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መንፈሳዊ ክብርን መዓርግ ቅድስናን ድማ ኣብ ኣተሓታቲ ኩነታት ኣውዲቑዎ ይርከብ። እቶም ሓቀኛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና፣ ጽድቅን ስርዓትን ዝኽተሉ ኣመንቲ፣ ናይዚ ከቢድ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ምስዓርን ውግዘት ስም ሥላሴ ምርጋጽን ድማ ንኽብሪ ቅድስና ቤተ ክርስቲያንን ውግዘታን ታራ ቃል ከም ዝኸውን ገይሩ እዩ።
ንኡስ ሃገረ ስብከትና ነዚ “ፓትርያርክ ብህይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዝብል ዓለም ለኻዊ ቀኖና ናይ 2000 ዓመት ሕጊ ሃይማኖት፣ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብዝተኣከቡ 318 ቅዱሳን ኣቦታት ዝቖመ፣ ከምኡውን ነቲ ኣብዚ ቀኖና እዚ ተመስሪቱ ዝቖመ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እናፈረሰን እናተጣሕሰን ብዝኾነ መንገዲ ተዓሚትና ክንቅበሎ ሃይማኖታዊ እምነትና ኣይፈቕደልናን ጥራይ ዘይኮነ ደው ኢልና ክንከላኸለሉ መንፈሳዊ ሓላፍነትና እዩ።
 ስለዚ፣ ኩሉ ወዲ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ክፈልጦን ክርድኦን ንሃይማኖቱ ደው ኢሉ ክከላኸልን ነዘኻኽር። ብተወሳኺ፣-
  1. ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ፓትርያርክ ኣይሽየምን ዚብል ቀኖና ብምስዓሩ።
  2. ኩሎም ጳጳሳት ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ፓትርያርክ ከይሾሙ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ውጉዛት ብምዃኖም።
  3. 3.ናይዚ ከቢድ ገበን እዚ ብዝለዓለ ተሓታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ገበነኛን ብውግዘትቓለ ሃዋርያት፣ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተፈልዩ ክነሱ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ እኳ እንተ ኾነ፣ እቶም ብቅድስና ሃይማኖትና ኮነ ብሕይወት ቅዱስ ፓትርያርክን ኣብዚ ውግዘት እንተ ብፍላጥ እንተ ብድፍኢት ኢዶም ዝሕውሱ ዘለዉ ሰባትውን ተሓተቲ ምዃኖም ክፍለጥ ኣቐዲምና ንሕብር።
    4.ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናት ምእመናን፣ ነዚ ኣብ ሓዋርያዊትን ቅድስትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ድፍረትን ምፍራስ ቀኖናን ከቢድ ግህሰትን ተገንዚብኩም ንሃይማኖትኩም ደው ኢልኩም ክትከላኸሉን፣ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት፣ ብተራዳኢነት መላእኽቲ፣ ብኣማላድነት ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ብትንቢት ነቢያት፣ ብስብከት ሃዋርያት፣ ብጸሎት ጻድቃንን ብመስዋዕቲ ሰማዕታትን ንኣስታት 2000 ዓመት ዝጸንሐት ሓዋርያዊት ቅድስት ቤተክርስቲያን፡ ኩልኹም ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ሃይማኖትኩም ኣጽኒዕኩም ክትሕዙን ብትግሃት ክትከታተሉን 
    ሃይማኖተ ኣቦው ዋዒቱ የመሓላልፍ።
    ብተወሳኺ ኣቡነ ደስቆሮስ ክሳዕ ብንስሓ ናብ ቅዱስ ኣቦኦም ዝምለሱ  ንሶም ዝገብሩዎ ውግዘትን ባርኾትን ከምቲ ኣብ ተኣምር ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ዉጉዝ ዝርከብ በረኸት መርገም እዩ ከም ዝበሃል ፡ዝኾንኩም ብሻራን ፖለቲካን እትስዕብዎምን ከም ሕጋዊ ፓትሪያርክ እትቅበሉዎምን  ካህናት ኩኑ ዲያቆናት  ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ 318 ሩቱኣነ ሃይማኖት ብዘቆሙዎ መሰረት ፡ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ/ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠንቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185 ስለ ዝብል  ፍጹም  ከም ኣሬመን ደኣ እንበር ከም ክርስትያን  ከም ዘየቅጽረኩም ክትፈልጡ ይግባኣ ሃይማኖት ብሻራን ፡ብህልኽን ኣይትነብረሉን ኢኻ ሃይማኖት ብፍቅርን ትሕትናን ደኣ እንበር ።ስለዚ ካብ ወዲ ተዋህዶ ተመሲልካ ምምጽዳቅ ስራሕ ተዋህዶ ክንሰርሕ ሕግን እምነትን ኣቦታትና ክንሕሉን ንጽውዕ።
    ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ብጹእን ቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ዝተገብረ ግፍዕን ብድዐን ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛን ፍጻመ ንኹንን።ብፍላይ ዲማ እቶም ካህናት ተመሲሉ መስቀል ዝሓዙ ገለ ካህናት ሽጉጥ ተተሪሶም ዝሓድሩ ኣብ ገዛ ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኣትዮም ዝገበሩዎ ንኽንን።ከም ኩሉ ዝፈልጦ ኣቶ ዮፍታሀ ድመጥሮስ ዝለኣኾም ክልተ ኣቕሽሽቲ ዝርከብዎም 3 ሰበ ስልጣን ናይ ሃገራዊ ድሕነት ምሉእ ንብረት ናይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳም ወጋሕታ 20 ጥሪ 2007 ገፊፎም ወሲደሞ። ካብቲ ዝተገፈፈ ንብረት ናይ ቅዱስ ፓትርያርክ፡ 1. ናይ ፓትርያርክ ናይ ቅብኣት መዓርግ ልብስታት፡ 2. ናይ ፓትርያርክ ናይ ሓዋርያዊ ቅዱስ ማርቆስ ሰንሰለት ልብሰ ግርማ፡ 3. ናይ ፓትርያርክ በትረ ሙሴ ናይ ቅድስና ጉስነትን በትሪ። 4. ናይ ፓትርያርክ መቐጸልታ ሜሮን ቅዱስ ማርቆስ ጳጳሳት ዝቐብኡሉ ቅዱስ ቅብኢ፡ 5. ናይ ፓትርያርክ ናይ መበል 120 ካብ ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ሓብለ ማርቆስ 6. ካልእ ናይ ውልቆም ቅዱስ ንብረትን ራስዮም ወሲደሞ። ካብቶም ብዮፍታሀ ተላኢኹም ክብረት ቅድስና ሃይማኖት ዝገፈፉ። ቀሺ ፍጹም ተስፋይን ቀሺ ገብረታትዮስ ኪዳነን ዝተባህሉ ክልተ ኣቕሽሽትን ሰለስተ ናይ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ሰበ ስልጣን እዮም። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ በቶም ሰበ ስልጣን ናይ መግስቲ እንተ ተሃሪሞም እንተ ወዲቖም ብርኮም ተሰይሮም ኣብታ ተኣስሮምሉ ዘለው ገዛ ኣብ ከቢድ ቃንዛን ብኽያትን ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ዝግበር ዘሎ ግፍዓ ካብ ዓለም ተሓቢእካ ዝግበር ሽፍትነትን ምድንጋርን ምዃኑ ብኣግኡ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ሓቂ ኮይኑ: ነቶም ሕጊን ውግዘትን ረጊጾም ንሽመት ተዳልዮም ዘለዉ ኣባ ደዮስቆሮስ ብዘይ ሕጊን ቅብኣትን ክሽየሙ ተባሂሉ እዩ። ፓትርያርክ እንጦንዮስ ወዲ 5 ዓመት ንገዳም ዝተወፈዩ፡ ኣብ 1993 ካብ ዝተመርጹ ጳጳሳት ዝለዓለ ድምጺ ኣምጺኦም ቀዳማይ ጳጳስ ዝተቐብኡ፡ ኣብ 1997 ካብ ኩሎም ጳጳሳት ብዝለዓለ ድምጺ ተመሪጾም ናይ መጀመርታ ሊቀ ጵጵስና መዓርግ ዝረኸቡ እዮም። ኣብ 2004 ዝተገብረ ናይ ፓትርያርክ ምርጫ ብመላእ ጉባኤ 98 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቦም፡ ካብ ናይ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120 ፓትርያርክ ሰንሰለት ዝሓዙ ቅዱስ ኣቦን ትሑትን ጸሎተኛን፡ ብዙሕ ዘረባ ዘይፈትዉ፡ ኣስተውዓልን ርዱእን ፓትርያርክ እዮም። ስለ ዝኾነ ዲማ እዮም እቶም ን ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ምዝዋራን ናይ ግሊ ቤቶም ንምግባራን ዝተበገሱ  ፖለቲከኛታት ኤረትራ ፡ነገራቶም ከም ዘይሳኻዕ ምስ ፈለጡ ክሕየሩ ገሮሞም ዘለዉ።
    ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ 
እግዚኣብሔር ሰላምን ቅሳነትን ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የውርድ።

No comments:

Post a Comment