1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 8 October 2011


               ናይ ንግሆ ምስጋና
ቅድሚ ምዝራበይ ምስ ሰባት ምስጋናይ ንዓኻ
ንስኻ በይንኻ ኩሉ ኸኣሊ ስለዝኾንካ
ንስኻ ስለ ዝኾንካ ስለይ ተሰቀልካ
የሱስ ኩቡረይ ውሰዶ በይንኻ
                                  ንስኻ ቀዳማይ ንስኻ ዳሕረዋይ
                               ኣልሻዳይ ኣምላኽ ፍሉይ ኢኻ ንዓይ
                                  መን ዶ ኣሎ እዩ ከማኻ ንዓይ
                            ናይ ጎይታ ጎይቶት መራሒ መንግስተ ሰማይ
                                ንበይንኻ ክብር ልዕል ልዕል በለለይ
                                ጋና ክስብህየ ንስምካ ከለኹ ብሂወተይ
                                 ክሳዕ ዝመጸካ ናብ ሕቅፍኻ ፍቱዎይ
ምስጋና መስዋእቲ ንዓኻ ጥራሕ
ኣንታ ብኹሉ ፍጥረት እትፍራሕ
ስምኻ ይኽብረ ኣብ ኩሉ ይስፋሕ
ወንጌልካ ኣብ ኩሉ ኣጽናፋት ይዘርጋሕ
                        ሃሌ ሉያ ሰብህዮ ኣቲ ሃገር ንዕኡ ንዘምር
                         ንሱ ጥራሕ እዩ ዝግበኦ ንስሙ ክንዝምር
                          ንሱ ምስ መጸ ጽባሕ ከንይሓፍር
                       ብኡኡ እዩ ምድሓን ብዘይክኡ ኩሉ ነይሰምር
                 ኤረ ኢድኪ ዘርግሒ በልዮ መድሓኒየይ በይንኻ ክበር
                           በረኸትኪ ክበዝሕ ከልግስ እዚ ሽግር
ናይ ሰማይ መርሖ ሂወትን ሲኦልን ዘለዎ
መላእኽቲ ዝግዝእዎ ጻድቃን ዝሰበኹዎ
ንየሱስ ወዲ ዳዊት ፍሉይ ክብሪ ሃብዎ
ምስ ፍጡራን ደቂ ሰባት ኣይትደምርዎ
ንሱ ኣምላኽ እዩ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ዘለዎ
ንዝደለየ ዝኸልኦ ንዝደለዮ ዘእተዎ
ሃሌ ሉያ ጎይታ ንልበይ ንስኻ ምእዮ
                      ንሱ በይኑ እዩ እቲ በዓል ናዝረት
                       ፍጹም መድሓኒና  ኣፍ ደገ ናይ ሂወት
             ምስኡ ንፍጡራን ምውዲዳርሲ ኣይደልን እየ ሕፍረት
                          የኣኽላ እዩ ነፍሰይ ንሱ ካብ ረኸበት
                     ኣብ ሂወት ዘይብሉ ኣይደልን ክህውትት
                         ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጽዊጽዋይ ታሪኻት
                      ኣብይ ስልጣን የብሉን ተወዲኡ እዩ ትሰዓት
                         ኢየሱስ ጥራሕ እቲ ዝሰዓረ ን ሞት
ናይ ንግሆ ምስጋናይ ንዓኻ ኢየሱሰይ
ዘለኣለማዊ ንጉስ መድሓኒ ናይ ነፍሰይ
ዋላ እኳ ተጨደሩ ከይስብህ ንዓኻ ተጻረርተይ
ኣነስ ክዝምርየ ክባርኽ ንዓኻ ፍቱወይ
ምስኻ ምቅራብ ይሕሸኒ ኣብ ረፋድ ምስ ፍቱወይ
ንስኻ ስለ ትፈልጦ ንሓቂ ኣብ ሂወተይ
ንስኻ ጥራሕ ስለ እትኽእል ክትስከም ንጾሮይ
                        ንግሆ ምስ ተንሳእኹ ምሳኻ ጥራይ ምስኻ ሕሹኽሹኽ
                            ብኣኻስ የሱስየ ፍጹም ነይሓንኽ
                           ንዓኽ ጥራሕ ይጽናሕ ካሊእ ምውሳኽ
                           ቃንቋይ ወንጌካ እዩ ንዓኻ እየ ዝሰብኽ
                           ንስኻ ዘይትስበኸሉስ ኣይቀጽሮን ከም መድረኽ
ምስጋና ምስጋና ምስጋና ንየሱስ ጎይታና
ንሃቦ ንዕኡ ንግሆ ተንሲእና
ንሱ ጥራሕ እዩ ዝመተ ንሂወትና
ፍሉይ ኢኻ ንበሎ ናይ ባህሪ ትምክሕትና
ብኡኡ እዩ ኢየሱስና ትኹሉ ኮይኑልና
ግጅምጅም ንግሆ ምስ ክርስቶስ ኣምላኽና
ምስቲ ኣብ መስቀል ዝመተ  ዝደምሰሰ ሞትና
ዕረፍቲ ኣለዎ ዝፍውስ ንእህህታና
                          ኣየ ኣብኡ ዘሎ ክጥዕም ባህታ
                          ኢየሱስ ጥራሕ ንሂወትካ ክብሕታ
                          ንዕኡ ጥራሕ ክትቅበል ከም ጎይታ
                          ብርክኽ ኢልካ ክትህቦ ዘለካ እህህታ
                           ኣየ ወ ንግሆ ምስ የሱስይ ዘረባ ዘለዎ ባህታ
                           ምስቲ ሰማያት ዝፈጠረ ሰማያዊ ጎይታ
ናይ ክብሪ ንጉስ ናይ ክብሪ ፈጣሪ
ንዕኡ ሰብሂ ሂወተይ ዘምሪ
መን ዶ ሞይቱልኪ እዩ ንዕኡ ጥራሕ ዘምሪ
ልዕል ልዕል ንዕኡ፡ ንዕኡ ፍሉይ ክብሪ
       ውዳሴ ውዳሴ ንዕኡ ዘምሪ
                ለቱ ስብሃት ቀሺ ሙሴ

No comments:

Post a Comment