1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 27 August 2012

ሓወልቲ ዶክተር ኣቡነ ጳውሎስ መን ኣስርሖ??




ሓወልቲ  ዶክተር ኣቡነ ጳውሎስ መን ኣስርሖ??

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ  ጳውሎስ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዘ ኢትዮጵያ ካብቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ፓትሪያርካት ኢትዮጵያ  ጽፉፍ ስራሕ ዝሰርሑ ኣቦ ተባሂሎም እንክጽውዑ ከለዉ፡ገለ ገለ ሰባት ግን ዝገበሩዎን ዘይገበሩዎን ነገራት ሃሰስ እንዳበሉ ከካፍኡ ዝውዕሉ ሰባት ኣይተሳእኑን።ብፍላይ ን ባዕሎም ማሕበር ቅዱሳን ኢና ኢሎም ካብ ዝሰየሙ ማሕበረ ምትሃተኛታት ጀሚርካ ማለት እዩ።ነገር ግን ሓቂ ቀስ ብቀስ ትወጽእ ኣላ።
እቲ ባዕሉ ማሕበር ቅዱሳን እየ ኢሉ፡ብምስያም ንኻልእ  ማሕበር ምስኡ ንዘይ ሓበሩን ትጋገ ኣለኻ ንዝበሉዎን፡ ካበየ ኣልቦ እንዳ ኣምጸአ ናብ ማሕበር ሰጣን ንምምሲሳል ከጸልም ዝውዕል ማሕበረ ምትሃተኛታት ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ጳውሎስ እውን ምስ ገለ ከም እኒ በዓል ቅንጅት ዝኣመሰሉ ፖሎቲካውያን ውዱባት ብምዃን ብዙሕ  ሓያል ጸለመ እዩ ከካይድ ጸኒሑ።ሓደ ካብኡ ድማ ኣቡነ ጳውሎስ  ሓወልቲ  መዘከርታ ዝኾኖም ሃኒጾም ዝብል ጸለመ እዩ!!።
እዚ ሓወልቲ እዚ ግን ኣቡነ ጳውሎስ ባዕሎም ከም ዘይገበሩዎ ወ/ሮ እጅጋየሁ በየነ ምስ መጽሔት  ቁምነገር ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ኣብሪሃ ኣላ።ንብቱ ቃለ መጠየቅ እስከ ነብል።
 ሕቶ ፡መጽሔት ቁምነገር ፡- ወ/ሮ እጅጋየሁ ዕድመኽን ክንደይ እዩ??።
ወ/ሮ ፡እጅጋየሁ፡- እግዚኣብሔር ይመስገን ዕድመይ (66 )ሱሳን ዕዱሽተን ዓመት ወዲአ ኣለኹ።
መጽሔት ቁምነገር፡-ናብ ቅዱስ ፓትሪያርክ ክትከዲ ኣይከብደክን ?።
መልሲ:እጅጋየሁ፡-በፍጹም፡ማንም ኣይብለንን።እዚ ትብሎ ዘለኻ ጉዳይ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ተጻሒፉ ኣንቢበ ኣለኹ።ብ መጀመርታ ናብ ቤተ ክህነት ዝኣቱ ኣነ ጥራሕ ኣይኮንኩን።ብዙሓት ኣንስቲ እየን ዝኸዳ፡ኣነ ግን ናበይ ከም ዝኣቱ ይፍለጥ። ኣነ ናይ ማንም ደላሊት ወይ ድማ ወረ መቀባበሊት ኣይኮንኩን።እዚ ከረጋግጸልካ ይኽእል እየ።ነዚ ንምግባር ዕድመይ፡ ሃይማኖተይ ኣተዓባብይያይ ኣይፈቅደለይን እዩ።ብኽልተ ዝበልዕ ሰበይቲ ኣይኮንኩን።ኣነ ዝኣትዎ ቦታ ዝተፈልጠ እዩ፡ዝሽፈን እውን የለን።እግዚኣብሔር ካብ እሱር ቤት ኣውጺኡ  መሪጹ ካብ ስደት መሊሱ”ወደይ እስኻ ኢኻ፡መንበረይ ንዓኻ እዩ”ኢሉ ናብ ዘቀመጦ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ እየ ኣነ ዝኣቱ።ዝኣቱ ድማ ካብኦም ቡራከን በረኸትን ምርካብ እዩ።ዝኾነ ማንም ወረ ንኸመማላልስ ኣይኮንኩን ዝኣቱ።እዚ ዝተፈልጠ ነገር እዩ።ስለዚ ብሰንከይ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተላላዕለ ነገር የለን።
 ሕቶ፡መጽሔት ቁመንገር፡- ኣባላት ማሕበረ ቅዱሳን ኣብ መንጎ ኣቦታት ስምምዕ ንኸይፍጠር  እትሰርሕ ዘላ ፡እሳ ብትገብሮ እዩ ይብሉኽን ?፡
 መልሲ፡ወ/ሮ እጅጋየሁ፡- እዚ ትብሎ ዘለኻ ማሕበር ኣነ ኣይፈልጦን እየ።ናይ ነበራየ ነበረ ማሕበር ድዩ ዋላስ ካልእ ኣነ ኣይፈልጥን።ማሕበር ማርያም፡ማሕበር ግሻን ዝበሃሉ ይፈልጥ።ንርእሱ ቅዱስ ኢሉ ዝሰይም ማህበር ግን ኣይፈልጥን።ዘይኮነ ዘናፍስ ናይ ኣጋንንቲ ማሕበር ከይኮነ ናይ መን ክኸውን ይኽእል?።ናብዚ ከይኣቱ ዝኽእል ክኽልክልኒ ዝኽእል ብዘይካ ኣቡነ ጳውሎስ ድማ የለን።
መጽሔት ቁመንገር ሕቶ፡ ምስ ብጹእ ወቅዱስ ዝምድና ኣለክን ዶ?።
መልሲ  ወ/ሮ፡ እጅጋየሁ፡- የብለይን።መጀመርታ ደረጃ ዝምድና ዝበሃል የብለይን ምስኦም።ዝምድና እኳ ተዘይሃለወኒ ግን ናይ መንፈስ  ኣቦይ እዮም።ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ድማ ቀሪበ ርእየዮም ኣለኹ።ለዋህ፡ቅኑዕ፡ርህሩህ፡ደገኛ ሰብ፡ይቅረ በሃላይ፡ ሓሶት ዝበሃል ካብ ዘረበኦም ዘይስማዕ ኣቦ ምዃኖም ፈሊጠ ኣለኹ።ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ሓደ ዓቢ ኣቦ ምርካባ ናይ እግዚኣብሔር በረከት እዩ።
መጽሔት ቁምነገር፡-ምስ ኣቡነ ጳውሎስ መዓስ ነይሩ. ተፋለጥኩምሉ?
መልሲ ወ/ሮ  እጅጋየሁ፡-ቅዱስ ኣቦና መጀመርታ ፓትሪያርክ ከይኮኑ ከለዉ እየ ዝፈልጦም።
መጽሔት ቁምነገር፡ ኣበይ?።
መልሲ ፡ወ/ሮ ኣጅጋየሁ ፡-ኣመሪካ ሎሳንጀለስ
ሕቶ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ኣጓኒፉዎም ዶ ይፈልጥ?።
መልሲ፡ ናተይ ኣቦ  ኣባታችን እዮም ዝበሃሉ፡ዝኸበሩ ፍሉይ ኣቦ እዮም።ኣብ ሎሳንጀለስ ማርያም ዘቆሙ ንሶም እዮም።ኣብ ኣመሪካ (7 )ሸውዓተ ቤተ ክርስትያን ኣቂሞም ኣለዉ።
መጽሔት ቁም ነገር፡ ሕቶ፡- ኣብዚ 200 ዝኾና  ኣብያተ ክርስትያን ምስርሖም ይንገር?
መልሲ፡-እንታይ ዘይሰርሕዎ ኸ ኣሎ።ልምዓትስ፡ቤት ትምህርትስ፡ዞም ኩሎም ካህናት ደመወዞም ክመሓየሽ ብምግባር ዘመሓየሹ እሶም እንበር መን ዲዩ እሶም እንድዮም።30 ቅርሺ ዶ ኣይኮነን ነይሩ ደመወዝ ሓደ ኻህን።
መጽሔት ቁምነገር፡ሕቶ፡-፡ ብዙሕ ስለ ዝሰርሑ እዮም ብዙሕ ተቃዉሞ ኣጓኒፍዎም ማለት እዩ?
መልሲ፡- ጻድቅ ሰብ ኩሉ ይወርዶ፡ይስደድ፡ጌታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ከመራ ተቀቢሉ ጽቡቅ ስራሕ ሰሪሑ።
 መጽሔት ቁምነገር ሕቶ፡-ናይ ኣቡነ ጳውሎስ ሓወልቲ ንምቋም ካብ ዝሓሰቡ ውሽጢ ንስኺ ሓንቲ ዲኺ?።
መልሲ፡ ህጂ እዚ ሕቶ እዚ ምሕታትካ ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዩ።እዚ ሕቶ ነይሩ ኣነ ዝመጻእኩ። ሓቂ ንኸወጽእ ደልየ ኣለኹ።በመጀመርታ ደረጃ ሓወልቲ ቅዱስ ኣቦና ይሰረሓሎም ኢለ ዘመንጨኹዎ  ሓሳብ የለን።
መጽሔት ቁምነገር ሕቶ ፡- ናይ መን ሓሳብ ደኣ?፡
ወ/ሮ መልሲ፡- ህዝቢ እዩ።ቃሊቲ ዘሎ ቁስቋም ማርያም ጽላት ኣብ ጥቅምጢ ምስ ወጸ ኣይኣቱን ኢሉ ኣይምለስን በለ።ንብዙሕ ግዜ ተቀሚጡ ህዝቢ ብምህለላን ልቅሶን በችንቀት ነበረ እሞ።ሓድ ሰብ ግን ቤተ ክርስትያን ክሰርሕ እየ ኢሉ ስርሐ፡ንሱ ምስ ተሰርሐ እውን ምእትው ኣይትኻእለን፡ድሕሪ ብዙሕ ምህለላ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቦታ በጽሑ።ነዚ ክሳዕ ህጂ ዘይተኻእለ ህጂ ከእትዊዎ ማለት እዩ።ብ ሓንቲ ብራከ ፡ድፍእ ኢልም ወዲቆ ጸሎቶም ምስ ኣብጽሑ ።ኩሉ ኮይኑ።
በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዝነበሩ ህዝቢ በምልኡ “ሓወልቲ ክስርሓሎም ይግብእ ፡ብ ሕይወቶም ከለዉ ተቀሪጹ ኽርእይዎ ኣለዎም” ኢሉ ህዝቢ ዘተንሰኦ እንበር ኣነ ዘምጻእኩዎ ሓሳብ የለን።ኣነ ዘውጻእኩዎ ሳንቲም እውን የለን።
ሕቶ፡-ብ ናይ መን ገንዘብ ተሰርሑ?።
ወ/ሮ ፡-መልሲ እዚ ብ ህዝቢ ዘዋጽኦ ገንዘብ እዩ።
ሕቶ፡-?ህዝቢ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኣዋጺኡ ?
ወ/ሮ መልሲ ፡-ኣስታት (400,000 )ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ተዋጺኡ።
ሕቶ፡-ስለዚስ ኣብዚ ሓወልቲ  ውሽጢ ኢድ የብልክን ማለት እዩ?
ወ/ሮ ፡መልሲ፡- እዚ ነገር እዚ ክሰምዕ ከለኹ፡ ናቶም ክብሪ ምርኣይ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ  ስለ ዝነበረኒ።ናቶም ክብሪ ምርኣይ ምንዮተይ ብምንባሩ ተሓጊሰ  ክደምቀሉ ብዝኽእል መገዲ ክሕግዝ ጀሚረ።
ሕቶ፡- ን ምሳሌ እንታይ ንምግባር?
ወ/ሮ እጅጋየሁ ፡-ቅዱስ ኣቦና ከይሰምዑ ሰርፕራይዝ ንምግባር ኢለ ድምቀት ንኽነብሮ፡ሰሪሐ
ሕቶ፡-ስለምንታይ ቦሌ መድኃኒዓለም  ተመሪጹ?

መልሲ፡- ኣብ ቅድመ ጭቃ  ደው እንዳበሉ፡እንዳ ተኸሰሱ ዘስርሕዎ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾነ
ሕቶ፡- ሓወልቲ ካበይ  ተሰሪሑ?
መልሲ ወ/ሮ፡-ሓሙሽተ ሚኢቲ ዓመት ክጸንሕ ዝኽእል ፋይበር ዝበሃል ነገር ኢዩ ተሰሪሑ።
ሕቶ፡-ሓወልቲ ምስርሑ ኣባታችን ሓንቲ ኣይፈልጡን ኢልክኒ ይመስለኒ?
መልሲ ወ/ሮ፡- መድሓኒ ዓለም ምስክረይ እዩ። እመቤትን ይብለካ ኣለኹ ።ዝኾነ ነገር  ኣይፈልጡን።
ሕቶ፡- ዝመረቁ ግን ንሶም እዮም?
መልሲ ወ/ሮ፡- ጉዳይ ከይፈለጡ እዮም ገረሞ።
ሕቶ፡- እንታይ  ?
መልሲ ወ/ሮ፡- ንኽመጹ በቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ተመሃሮ ስለ ዘለዉና ፡ይምጹኡና ሙጹና መርቁልና በሉልና ተባሂሎም እዮም ዝመጹ።
ሕቶ፡- ከይፈለጡ?
መልሲ ወ/ሮ፡- ፍጹም ዝፈለጡዎ ነገር ኣይነበረን።
ሕቶ ፡- ምስ ረኣዩዎ እንታይ ኢሎም?
መልሲ፡ወ/ሮ፡- ሓቂ ንምዝራብ ምስ መጹ ሪቫኑን  ብ መቀስ ቆሪጽኩም ኣብዚ ዝተሸፈነ ኣሎ ክፈቱዎ ኢልናዮም።ምስ ረኣዩዎ ብጣዕሚ እዮም ሰንቢዶም ደንጺይዎም፡ደንጊጾም መስቀሎም ኣብ ዓይኖም ገይሮም፡ዝተከዙላ ፎቶ ግራፍ ኣለኒ ከርእየካ ይኽእል እየ ከም ጭብጢ።
ሕቶ፡- ካብኡ እንታይ ኢሎም?
መልሲ፡ ወ/ሮ፡- “ኣይግባኣንን እዮም ዝበሉ”እዚ ነገር እዚ ንዓይ ኣይግባእን እዮም ዝበሉ፡እንታይ ስለ ዝገበርኩ?፡መን’የ  ኣነ?፡ኢሎም ርእሶም ዘትሓቱ ኣቦ እዮም።
ሕቶ፡- ህጂ ናይ ሓወልቲ መጠረሽታ እንታይ እዩ?።
መልሲ፡ወ/ሮ እጅጋየሁ፡- ሓወልቲ ህጂ ኣሎ።ክነብር እዩ፡ክቅጽል እዩ።ዝፈርስ ሓወልቲ የለን’።

ኩቡራት ህዝቢ ክርስትያን  እሞኸ እዚ ኹሉ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቅቡእ ኣምላኽ ስለምንታይ??።፡ቅኑዓት ወብሳይታት ተዋህዶ እንብለን ከማን ብዘይ ጭብጢ “ኣቡነ ጳውሎስ ዘስርሕዎ ሓወልቲ” ብምባል መሳርሒ ጸለመ ማሕበረ ቅዱሳን ብምዃን ብዘይ ጭብጢ ከምዚ ምግባረን ኣየሕዝንን ዶ?!!፡ስለምንታይ ግን ደቂ ኦርቶዶክስ ኢና ዝብሉ  ማሕበር ምትሃተኛታት ነዚ መሪጾም።ሓሶታት ምሂዞም፡ን ብጹእ ኣቦና ሽሞምን ዘይሽሞምን ከሰክምዎም መሪጾም።ቤተ ክርስትያን ሓበሻ ዳግማዊት ኢየሩሳለም መሳደዲትን፡ሰቃሊትን ቅዱሳን ካብ ምዃን መዓስ እያ ተዕርፍ። ክንዲ ናይ መዋእል ቤት ትምህርቲ ካብ ግዜ ሃጸይ ዘርዓ ይዓቆብ ክሳዕ ህጂ። ምናልባሽ ነገረ ትምህርቲ መለኮት ዘይፈልጡ ከም ማሕበረ ቅዱሳን ነቲ ትምህርቲ ዜማ ትምህርቲ ይወስዱዎ ይኾኑ፡ግን ዜማ ጥራሕ ሚሂርካ ንዘምልኾ ዘይፈልት ህዝቢ ሒዝካ ምንባር ክርስትና ዲዩ።
ዘሕዝን እዩ፡እቶም ኣቡነ ጳውሎስ ሓወልቲ ኣስሪሖም እንዳበልኩም መሳኽን ክንዲ ጸሎትን ሓጢኣትኩም ትሓስቡን ተውሪዩ ግን ካብ ሎሚ ንደሓር ሓቂ ነጊርናኩም ኣለና እሞ፡ካብ ሕሜታ ደኣ ተቆጠቡ። ዝወዓለ ይንገርካ እዩ እሞ፡ካብ ኣፍ እዛ ደገኛ ኣደ ሰሚዕኩሞ ኣለኹም እቲ  ሓቂ።ከድኩም ኣዲስ ኣበባ እውን ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም።ስለምንታይ ግን ዓለማውያን ዘይተቃወሙስ ሓወልቲ ኣቡነ ጳውሎስ ን ማሕበረ ቅዱሳን ኮርኲሑዎም??፡ ጽቡቅ ስለ ዘይፈቱ እቲ ምሰኦም ዘሎ መንፈስ ዶ ይኸውን።ዶ ዋላስ እተን ንጹህ ደም ቅዱስ ኣስቲፋኖስን ክንደይ ቅዱሳን መነኮሳትን  ዘፍሰሳ የእዳው ነዚ ክሰርሓን ከውሪያን ስለ ዘይዓርፋ ፡ክሳዕ መዓስ እዩ ኸ ኣብያተ ክርስትያናት ናይ በልዓካን ለኽዓካን ዝኸውን።ንምኻኑ ኢትዮጵያውያን ኩኑ ኤረትራውያን ደድሕሪ እዚ ዝነፈሰ ማሕበር ካብ ትነፍሱ ከምዛ ደገኛ ሰበይቲ ደገኛ ሓሳብ መዋእልኩም ስለምንታይ ዘይተማዕበሉ?!።
                ሃይማኖተ ኣበው
                haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment