1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 24 August 2012


ን ሎሚ ብ ቐሺ ሙሴ ሽሻይ ኣብ ልዕሊ ኩቡር ኣቦና  ፕሮፈሰር ቐሺ ኣትናቴዎስ ኣብ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ተዋህበ ሕቶን ርኢይቶን   ከነቅርበልኩም ኢና ።
ብቐዳምነት ናይቲ ሰማያዊ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ምስ ኩላትኩም ክኸውን እተስፎ! ቀጺለ ድማ ነቲ ካብ ዕለት 2-5 ነሓሰ 2012 ኣብ ኣትላንታ ዝተገብረ ዓመታዊ ጉባኤ ብዝምልከት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ብኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ ዝቀረበ ትምህርቲ ዘለኒ ርእይቶን ሕቶን ከቕርብ ደስ ይብለኒ።
ጉባኤ ብሓቂ ጽቡቕ ኔሩ ዝብል ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ’ዩ ዘለኒ። ንመበል 13 ግዜ ብዘይምቍራጽ ክጋባእ ምኽኣሉን፡ ብምኽርን ጸሎትን ናይ ብጹእ ኣቦና ተማእኪሉ ምክያዱን ድማ ነቲ ጉባኤ ርዝነት ሂብዎ ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ እንተኾነ’ውን እቲ ብኣቦና ቀሺ ሓለፎም ዝቐረበ ትምህርትን፡ እቲ ብብጹእ ኣቦና ዝወሃብ ዝነበረ ኣገዳሲ መልእኽትታትን ብሓቂ ደስ ዘብል’ዩ ኔሩ።
እቲ ብኻልኦት ኣቦታት ዝቐረበ ትሕዝቶ ትምህርቲ ግን ሓውሲ ምጕርምራምን ሻቕሎት ዘበገሶ ዘይህዱእ ትምህርቲ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ እምበር ዕላማ ወንጌል ዝሓዘለ ኮይኑስ ኣይተሰምዓንን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ’የ ንኽጽሕፍ ተደሪኸ ዘለኹ።
1. ናይ ውሽጢ ቤተክርስቲያንና ጉዳይ ሓዲግና ካብ ኦርቶዶክስ ወጻኢ ብምኻድ ንኻልኦት ከምዚ ይብሉ፡ ከምዚ ይብላ፡ ከምዚ ተዛሪቦም፡ ከምዚ ተዛሪበን፡ ወይስ ከምዚይብሉና፡ ከምቲ ይደግሙና፡ ከምዚ ኢዮም፡ ከምቲ እዮም ወዘተ ምባል፡ ብፍላይ ኣነ ከም ዕሸል ናይ ወንጌል ተመሃራይ፡ ካባኹም ካብ መማህራነይ ወንጌል ጥራሕ እየ ዝጽበ ኔረ። ኣብ እምነት እንዳማትካ ኣቲኻ እዚ ተባህለ፡ እዚ ተገብረ ምባል ወይ ምፍራድ ግን ድኻም ጥራሕ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።1 ቆሮ45/ሉቃ637/ማቴ536
2. ንስርዓት ኣምልኾና ብዘይትንክፍ፡ ምስ መንእሰይ ግን ዝኸይድ ሰሓቢ መደባት ኣዳሊና፡ ነዚ መንእሰይ ከነዕግበሉ እንኽእል ሰፋሕቲ ጉባኤታት ካብ ኣእምሮና ካብ ዝስወር ዓመታት ኣቝጺሩ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ከሎ ግን፡ ኦርቶዶክሳውያን ካህናት ከም ናይ ጋዜጠኛ ጸብጻብ ብዝመስል፡ ንሕና ብዛዕባ ካልኦት ክንዛረብ እዋኑ ድዩ?!! ቀጽሪታትና ግን ይፈርስ’ዩ ዘሎ። ኣባጊዕ’ውን ይውሰዳ’የን ዘለዋ። ስለዚ ኣብ ዘረባ ግዜና ካብ ነጥፍእ፡ ከመይ ጌርና ነዚ መንእሰይ ንሕዞ ግዳ ዘይንበላሓት፡ ወይ ከኣ በዚ ኣርእስቲ እዚ ናብ ኣምላኽ ዘይንቀርብን ምስ ሕልናና ኸኣ ዘይንዛረብን። ካብ ብድኽመታት ካልኦት ንዛረብ ድማ ድኽመታትና ዘይነለሊ’ሞ ብጸሎት ድማ ዘይንነቅሕ!!??1 ቆሮ512-13።ገላ64-5
. ስለምንታይ እዩ መንእሰይ ኦርቶዶክስ ዝሓድጋ ዘሎ ??
.እንታይ እዩ ፈውሱ ኢልካ መድሃኒት ምድላይ ኣይመሓሸን??
ናይቲ ጉባኤ ሓፈሻዊ ዘዋህለልክዎ ስእሊ ከምዚ ዝበልክዎ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ናብቲ በቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ ዝተዋህበ ትምህርቲ ከብል። ቀሺ ኣትናቴዎስ ዘቕረብዎ ትምህርቲ፡ ምስቲ ዛጊት ኣዋህሊለዮ ዝጸናሕኩ ትምህርቲ ዝተጋራጨወ ኮይኑ እዩ ረኺበዮ ዘለኹ።
1. ብቐዳምነት እታ ሓድሻትኒ ዘላ ትምህርቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ትውፊት እዩ ትብል’ያ። ከምኡ’ውንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ትውፊት እንበር፡ ካብ ትውፊት ወጻኢ ኣይኮነን ዝብል’ዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንዓይ ከምዝርድኣኒ፡ ትውፊትዘይኮነስ እቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከምዝኾነ እዩ።መጽሓፍ ቅድስ ትውፍፊ እንተኾይኑ’ሞ ከም ውዳሴ ማርያም፡ ወይስ ከም ካልኦት ናይ ቤተ ክርስትያን መጻሕፍቲ ከም ቅዳሴን ሓይማኖተ ኣበው ወዘተ፡ ከም ሓደ ካባታቶም እዩ ማለት እዩ ክኸውን። እንታይ መፍለዪ ሽም ደኣ’ሞ ክንረኽበሉ!??
ኣነ ካብ የነታ ኣከሎም ዘብሄረ ሎጎ ሳርዳ (ጾሮና ) ከም ዝተመሃሩና ግን መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ፡ ትውፊት ከኣ በይኑ ከምዝኾነ’ዩ። በዚ መሰረት፡ ዝኾነ ትውፊት ከም ትውፊት ክንቅበሎ እንኽእል፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋራጮ ምስ ዘይከውን ጥራይ እዩ። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝገራጮ ግን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነ እቲ ትውፊት’ዩ ዝስረዝ፡ ወይ ዝጓሓፍ።
2. ነታ ኣብ ወንጌለ ማርቆስ 76-8፡ ዘላ ምህሮ ስርዓት ሰብ ትብል ድማ ትውፊት ሰብ እያ ትርጉማ ኢልኩምና ኣለኹም፡ ትውፊት ኣምላኽን ትውፍት ሰብን ተባሂሉ ዝፈላለ ትውፊት ኣሎ ድዩ??
3. እታ ኣብ 2 ተሰሎንቄ215 ዘላ ጥቕሲ ኣብ ቅንፍ (ትውፊት) ትብል ዘላ እታ ትውፊት ትብል ካበይ መጸት ናይ ዝብል ሕቶ’ውን መብርሂ ክወሃበኒ ይሓትት?
4. መስረት እምነትና ትውፊት እዩ ዝበልኩሞ ድማ መብርሂ ክትህቡሉ እምሕጸን??።
ንዓይ ከምዝርድኣኒ መሰረት እምነትና መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ እምበር፡ መሰረት እምነትናስ ፍጹም ትውፊት ኣይኮነን!! እቲ ትውፊት ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ብሰንሰለታዊ ምርክኻብ ኣቢሉ ኣባና ዝበጽሐ ውርሻ ኣበው ኣይኮነን ?? እዚ ውርሻ ኣበው እዚ ድማ ገለ ብጽሑፍ ገለ ድማ (ዘይበ )፡ ማለት ብቓል ኣባና ዝበጽሐ’ዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ እቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተረኣእዩ ምንም ዘጋጩ ዘይብሉ ኮይኑ ዝተረኽበ ጥራይ ከም ትውፊት ክንቅበሎ ከምዝተሓድገልና ከምኡ እዩ ዝርድኣኒ።
ስለዚ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስንሲ ንፈላልዮ ደኣ! ከምኡ እንተዘይጌርና ግን እቲቀንዲ ኣርእስትና ፋሕ ክብለና ይኽእል’ዩ። ምናልባት ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ካብቲ ቀንዲ ንቤተክርስቲያን ዘፍርሳ ዘሎ ግጉይ ትምህርቲ ድማ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ትውፊት’ዩ ዝብል’ዩ። ናይ ማሕበረ ቅዱሳን ተመሃሮ በዚ ትምህርቲ እዚ ስለዝጸደፉ ሕጂ ክወጹሉ ናብ ዘይክእሉ ዓዘቕቲ ኣትዮም ነቲ ክቡር ካብቲ ሕሱር ምፍላዩ ሸጊርዎም ይርከብ። ስለዚ ከየስተብሃልናሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኦርቶዶክሳውያን ዝተፈልየ ትምህርትን ኣካይዳን ሒዝና ክንከይድ ንፍትን ከይንህሉ ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። ኣብ ቃል ኣዋድና ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ ሓሳባት ግን መሰረት እምነትና 81 መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝብል እዩ ትውፊት ኣይበለን። ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዓንቀጽ ሓደ ቁጽሪ ሓደ።
5. ቅዱስ ጴጥሮስ መጽሓፍ ቅዱስ ክብል ከሎ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝዛረብ ዝበልኩማ ድማ ከተብርሁለይ ብትሕትና ይሓትት ኣለኹ’ሞ ስለዚ ክቡር ኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ መብሪሂኹምን ብሃረርታ ይጽበ።
እግዚኣብሔር ሰላሙ ይሃበና።
                                    ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
                               ካህን ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን 

No comments:

Post a Comment