1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 20 January 2012

1st መልሲ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን ።

መልሲ  ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።
ካሓድቲ መቸስ ከምቲ ቅዱሳን ሃወርያት ዝብልዎ ከምቲ ጎይታና ዝበሎን ከምኡ እውን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎን 2 ጴጥሮስ21-3 ግናኸ ሓሰውቲ መማህራን ኣብ ማእከል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተንሲኦም ዝነበሩ ፡ኣብ ማእከልኩም እውን ሓሰውቲ መማህራን ክትንስኡ እዮም።ንሳቶም ብሕቡእ ጥፍኣት ዜስዕብ መናፍቕነት ኬምጽኡ እዮም።ነቲ ዝተበጀዎም ጎይታ እውን ብምኽሓድ ውን ኣብ ልዕልሊኦም ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም።ብዙሓት ድማ በታ መገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም ።ብሰሮም እውን እታ መገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ።ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብርኹም እዮም ከም ዝበሎ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ግዜ ፍልይ ዝበለ ትምህርቲ ከጓንፍ ጸኒሑ እዩ። እዚ ነቲ ሱርን እምኒ መኣዝንን ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ብምኽሓድ እዩ።ካብቲ ዘገርም ንሕና ንቅዱሳን ነኽብሮም ንክርስቶስ ስለ ዘገልገሉ ጥራሕ እዩ።ካሊእ ምስጢር የብሉን።ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እውን እነፍቅራን እነኽብራን ንክርስቶስ ስለ ዝወለደትን እቲ መልኣኽ ከኣ ካብ ሰማይ መጺኡ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ ኢሉ ስለ ዝመስከረላን ኢና ብከምኡ ምኽንያት ድማ እያ ኤልሳበጥ ኣደ ጎይታይ ናባይ ክትመጺኸ ከመይ ኢሉ ኮነለይ ዝበለት።

ካብቲ ቀንዲ መጋበርያ ሓሶትን መናገድን ዝኾነት ወብሳይቶም ድማ እታ ኣብ ማዕዶት እትብል ዋላ ሓንቲ ዲቁና ይኹን ክህነት ዘይብሉ ልኡኽ ይፍታሀ ቤተ/ክርስትያን ንምዝራግ ዝተላእከ ዓወት ፍረዝጊ እዩ።ዓወት ኣብ ማዕዶት ገጹ ሓቢኡ ገሊጽዎ ከም ዘሎ ፡ፎቶ ናይ ሓደ ሰብ ገሩ ገሊጽዎ ዘሎ ነገር ግን ዕላሙኡስ እንታይ እዩ።ኣዳለውቲ መነፍቃዊት ብሎግ ማዕዶት ዘገርም ቤተ/ክርስትያን ወኪሎም ነዚ ዝኣምኑ ካብ መናፈቃን ፈሊና ኣይንሪኦምን ክብሉ መዲሮም ኣለዉ።ዘገርም እዩ። እስከ መንዩ ለኣኺኦም መዋፈሪኦም ብዘየገድስ ዲያብሎስ ንበሎ ግን ነቲ ኢሎሞ ዘለዉ መልሲ ክንህበሉ።

መጀመርታ ስለምንታይ እዮም እዞም ቤተ/ክርስትያን ዘይለኣኸቶም መንእሰያት ብሽም ቤተ/ክርስትያን ገሮም ኦርተደክሳዊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክምህሩና ዝፍትኑ ዘለዉ። እስከ ቤተ/ክርስትያን እንታይ ትምህር ንርአ። ኣየናይ ኣርስቲ ጀምር እንድሕር ኢልና ድማ  በቲ ንሶም ዝሽቅጥሉ እስከ ንጀምር። ንሶም  ሎሚ ኣብ ህዝቢ ክርስትያን ልቡ ህዝቢ ክርስትያን ይሰልቡሉ እዮም ንዝበልዎ እዮም ዝጥቀምሉ።ንሱ ድማ በቲ ቅድስቲ ቅዱሳን ዝግበር ሸቀጥ እዩ።

ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት የብላን ዝብል ካተሊካዊ ትምህርቲ ብምምጻኣ ድማ  ይነብሑ ይርከቡ።ግን እቲ ሓቂ ኣየናይ እዩ እንድሕሪ ኢልና እቲ ሓቅስ ሃወርያት ዝሰበኹዎ እንበር ዝብል ኢና ንረክብ።ቅድስት ንጽሕት ድንግል ማርያምን ኣዳማዊ ውርሻ ኃጢኣትን ብናይ ኦሬንታልን ምሥራቕን ኦርቶዶክሳውያን ዶግማ

ናበይ እዩ ዝኹሉ ዶብ ምጥሓስ ናበይ እዮም ደልዮም ካበይ ዝመጸ ትምህርቲ እዩ ኦርተደክሳውነትና ዝፈታተን ትምህርቲ ጋሻ ትምህርቲ ንሰምዕ ዘለናስ  ካበይ መጸ!!!።ወረ ዓገብ ንበል ቅድሚ 1500 ዝነበረ ድግማ ቤተ/ክርስትያን ሎሚ ተጣበቅቲ እነመሰሉ ከፍርስዋ ዝፍትንዎ ብትምህርቲ ኻልኦት ዝሰኻሩ ተመሃሮ ልዮን ናበይ ገጾም ።ንምኻኑ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ሎሚ ነዚ ትምህርቲ ትቅይረሉ ስለምንታይ እዩ።ከምዚ ተኾይኑ ኣብ እዝንና ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ትምህርቲ ክንሰምዕ ስለ ዘይንደሊ ኣብ ርእሲ ዝነበረታ ተወሰከታ ከም ዝበሃል ኣብ ርእሲ ዝነበረ ጸገም ጸገም መጺኡ እዚ ምቅያር እምነት ቤተ/ክርስትያን እንተ ደኣ ተወገዘ ሲኖዶስ ኤረትራ ተቀቢልዎ ኣብ ኤረትራ 2 ተዋህዶ ክህሉዩ።ተሓለቅቲ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምምሳል ዝግበር ንረብሓ ርስኻ ሸቀጥ ንኹንኖ ኢና ኣደና እውን ከምኡ ትኹንኖ እያ ብሓቂ ድማ ኣደና ተዛሪባቶም እያ ወዮ ደኣ ከይሰምዑ ኣዝኖም ኣጽመሙ ከይሪኡ ድማ የዒንቶም ዓዊሩ ኾይኑ እንበር።

ኣብ ዝሓለፍ ምስ ሓደ ሰብ ተራኺበ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለምንታይ መይታ ተበልክዎ ስለ እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ነፍሳት ሰብ ኢሉ መሊሱለይ ዘሕዝን ነገር።ብዙሓት ብተለፎን ከምዚ ከም ዝኣምኑ ምስ ነገሩኒ ከይደቀስኩ ክነብዕ ሓዲረ ስለምንታያሲ ጸረ ምድሓን ዝኾነ ሰባት መንግስተ ሰማይ ከየኣትዉ ኣፍ ደገ ረጊጹ ዝዓጹ ስለዝኾነ ።እቲ ኣፍ ደገ መንግስተ ሰማዝ የሱስ ክርስቶስ እዩ እንዳበለስ ነደና ንስለ ፖሎቲካ ፈተውቲ ኣደና ንምምሳልን ።ነቶም ክርስቶስ ጥራሕ ደሙ ዘፍሰሰሎም ፍጡራን ኣደና ማርያም መይታትልኩም እያ ኢልካ ክትሰብኩምሶ ዋእ ነቲ በይኑ መድሓኒና ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ምቅዋምዶ ኣይኮነን።ባጃ ኮይናትሉ ምባል ብሓቂ ድማ ከምዚ ዝኣምን መናፍቅ ጥራሕ ዘይኮነስ ካሓዲ እዩ ግን እንታዩ ትሓቂ መጻሕፍትና ይዛረቡ እዮም ቅዱሳን ዝጸሓፍዎም ቅድሚ ኣሸሓት ዓመታት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ።ብዘይካ ክርስቶፍ ፍጹም መድሓኒ የብላን ተዋህዶ።ስለዚ ድማ እያ ንዕኡ ጥራሕ መድሓኒ ዓለም ኢላ ትጽውዖ።ካሊእ ብዘይካኡ መድሃኒ የለን ካልኦትሲ ብኡኡ ደኣ ደሓኑ።

ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ወላዲት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዓለማዊት ድንግልን ንጽሕትን እያ። ብኽብርን ግርማን ካብ ኪሩቤል ትዓቢ። ድንግል ብሕሊና ድንግል ብሥጋ ስለ ዝኾነት ድማ ድንግል በክልኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈልየት ብርኽቲ እያ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ክልተ ቅዱሳን ሰባት ካብ ቅዱስ ኢያቄምን፡ ቅድስት ሓናን ብሩካቤ ሥጋ ዝተወልደት እምበር ካብ ፍጥረት ሰብ ወጻኢ ብካልእ ዝመጸት ወይ ኣርያማዊት ኣይኮነትን።

እመቦ ዘይብል ከመ ድንግል ቅድስት ይእቲ ኃይል ኣርያማዊት ውጉዘ ለይኩን፡ ሃይ.ኣበ ምዕ. 123 8

ቅድስት ድንግል ማርያም ሰማያዊት ኃይሊ እያ ዚብል እንተሎ ርጉም ይኹን። ምዕ. 123 8

ከም ኩላትና ደቂ ሰብ ኃይል ኣርያማዊት ስለ ዘይኮነት ከም ኩሉ ሰብ ሞተት።

ወካዕበ ይቤ በውስተ ሣልስ ድርሳን ዘደረሰ በእንተ ቅድስት ሥላሴ እንዘ ያስተሓፍሮሙ ለኣርዮሳውያን ኢይከውን ግብረ ሥጋ በዘኢሥግው፡ ወዳዕሙ  እስመ ነሥኣ ሥጋ መዋቴ እስመ ቅድስት ድንግል ማርያም እንተ ነሥኣ እምኔሃ መዋቲት ይእቲ። ሃይ. ኣበ. 2711

ዳግም ኣብቲ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ንሣልሳይ ጊዜ ዝደረሶ፡ ንኣርዮሳውያን ኬሕፍሮም ክምዚ በለ፡ ሰብ ኣብ ዘኮነ ኣካል ተግባር ሰብነት ኣይፍጸምን እዩ። ከመይ እታ ካብኣ ሥጋ ዝወሰደ ቅድስት ድንግል ማርያም መዋቲት ስለ ዝኾነት መዋቲ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ  ሃይ. ኣበ. 2711 ስል።ስለዚ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም  ከም ኩሉ ሰብ መይታ ናታ ሞት ካብናይ ካሊእ ዝፈልዮ ድማ የለን።

ግጉያት ኣይሁድ ንቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ቤት መቕደስ ኦሪት ከውጽእዋ እንከለዉ ደመ ትክቶ (ወርኃዊ ጽገ) ከይርኣያ ብዚብል ነገር ምዃኑ ጽሑፋት ይሕብር። እዛ ቅድስቲ ኣደ ርስሓት፡ ልማደ ኣንስቲ ዘይብላ፡ ዘለዓለማዊ ማኅተመ ድንግልና ዘለዋ እያ።በከመ ይቤ ትሩፍ ሠናየ ግዕዝ ወበሊሐ ልሣን ወልቦና መምህር ቄርሎስ በመልእክቱ ቀዳማዊት እንተ ጸሓፋ ወፈነዋ ኀበ ሰብአ ሱክንሲስ፡ ወበእንተዝ ዐቀባ ለድንግል ንጽሕት ማርያም እንዘ ኢያርኁ ማኅተመ ድንግልናሃ እምድኅረ ልደተ ሕፃን እምኔሃ እስመ ለሊሁ ስቡሕ ገባሬ መንክራት ዐበይት ወውእቱ ይእዜ ንጹሕ እምሠለስቱ ግብራት እለ ሥሩዐት በእጓለ እመሕያው ወእሙራት ቦሙ ዘውእቶሙ ሩካቤ፡ ወዘርእ፡ ወሰስሎተ ድንግልና። ሃይ.ኣበው ምዕ 110 29

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሠናይ ዝኽሪ በሊሕ ልሣን መስተውዓሊ ልቦና ዘለዎ መምህር ቅዱስ ቄርሎስ፡ ናብ ሰብ ሱክንሲስ ኣብ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቱ ከምዚ በለ። ስለዚ ሕፃን ክርስቶስ ካብኣ ምስ ተወልደ፡ ንንጽሕት ድንግል ማርያም ማሕተም ድንግልናኣ ከየርሓወ ሓለዋ። ከመይ ንሱ ምስጉንን ገባሪ ዓበይቲ መንክራትን እዩ። ሎሚውን ንሱ ብሰብ ስሩዓት ዝኾኑ ካብ ሠለስተ ግብርታት ብኣኣቶምውን ፍሉጣት ዝኾኑ ንጹሕ እዩ። ንሳቶም ድማ ሩካቤ ( ርክብ ሥጋ) ዘርኢ፡ ምልዋጥ ድንግልና እዮም። ሃይ.ኣበው ምዕ 110 29

እዚ ማለት ግና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ኩልና ፍጥርቲ ዘርኢ ኣዳም እያ፡

ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መንጎ ኩለን ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት (ኦሬንታልን ምሥራቅን) በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ  ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሎሚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኪፈትሕዎ ዘይከኣሉ ከቢድ ውግዘት ኣሎ።  1st part

No comments:

Post a Comment