1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 20 January 2012

nd part መልሲ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።


 2nd part መልሲ  ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።
እዚ ድማ፡ ኣብ 1854 .. ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን (Immaculate conception) እዚ ማለት ኃጢኣተ ኣዳም ዘይብላ ዘይተንከፋ ማለት እዩ።ካተሊካውያ  ነዚዕለት በዓል እዚ                            ብክብ ዝበለ ኣብ ኣውረጳ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ኢታሊ ብሃገር ደረጃ ይበዓል።እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ኣብ ናይ ሓዋርያውያን ኣቦታት ፈጺሙ ተጠቒሱ ዘይፈልጥ፡ ቅድሚ 150 ዓመት ዝኣተወ ዶግማ እዩ። ንርእሲኦም ሊቃውንቲ ናይ ሮማ ካቶሊክውን ኣብቲ http://www.justforcatholics.org/immaculate.htm  እንተ ርኢና ፈጺሙ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኮነን መርትዖ ዘይብሉን ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ ሓሳብ እዚ ምሉእ ሰብነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክሒድና ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኣ ዚለበሶ ሥጋ ፍጹም ሰብ ምስ ፍጹም መለኮት ተዋሓሓደ ዚብል ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ፡ ፍጹም ሰብ ንዚብል ምሉእነት ክርስቶስ ዚትንክፍ ብምዃኑ፡ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኩለን ብዘይኣፋላላይ ነዚ ቃል እዚ ወገዛኦ ፈጺመን ድማ ኣይቅበላኦን።ሎሚ ግን ብድሓረይ ግን ነተን መጋሰ ዘይንሕፉ ተኻሉ መጹ እዮም ከም ዝበለ ሕፍር ከይበሉ ኣብ  ኣፍደገ ኦርተደክስ ተዋህዶ ከስምዑና ከለዉ።ትንቢት ንኽፍጸም ስለ ዝኽዕነ እዩ ጥራሕ ኢና ንብል እንበር ካሊእ ዘምጸኦ ለውጢ የለን ብሓቂ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ካብዚ ክፈልይዋ ተደልዮም ድማ እታ ሓንቲ ኦርተደክሳዊት ዘይኮነት ቤተ/ክርስትያን ኣብ ምብራቅ ክትከውን እያ።ትዘህዝነኒ ቡዙሓት ካህናትን ምስ ተሓቶም ብፍርሓት  ህዝቢ ክላዓለናዩ ወይ ድማ ከይኽሰሱን ከይስደዱን ፈሪሖም ዘጽቅጡ ምህላዎም እዩ።ናይ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ክሳዕ ህጂ መርገጺኻ ኣፍልጥ ተባሂሉ ከፍልጥ ኣይካለን ።ሲኖዶስ ኤርትራ ግን ክሳዕ ህጂ በዚ ከም ዝኣምን ከምዘሎ ኢና ንፍልጥ ሎሚ ከምቲ ሕጊ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ቀይሮሞ ዘለዉ። ውግዘት ሲዒሮም ድማ ይኸዱን ስለ ዘለዉ ሓጢኣት ምእታው ዘይተርፈና ኢሎም ነዚ እውን ተቀየሩ ከምቲ ንልዮን ኣቦታትና ቅዱሳን ደው ኢሉ ዝተቃወሞ ደኣ ንቃወም እንበር ነዚ ትምህርቲ እዝስ ፍጹም ኣይንቅበሎን ኢና።ስለምንታይሲ ኦርተደክስ ማለት ቅኑዕ ዘይቅየር ማለት እዩ ትምስጢሩ ሎሚ ምቅያር ግን ናበይ ገጽ ህዝቢ ኤረትራ መንእሰያት ኤረትራ መን ኣንታይ ይምህረኩም ኣሎ ተጠንቀቁ።ኣሳእንካን ይመስላ ኣብ እግርኻን ዘይኣትዋ።ኦርተደክሳውያን ዝመስሉ ግን ንትምህሪ ኦርተደክስ ዝጥምዝዙ!!!

ከምቲ ቅዱስ ጰጥሮስ   -  ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተወየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። 2ይጰጥሮስ21 ንዝበሎ ቅዱስ ጰጥሮስ ትንቢት ንምፍጻም ጥራሕ እዩ እንበር ብገለ ናይ ኣጻብዕቲ ስነ ሓሳብ ነታ ጥንታዊት ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ከፍርሳ ኣይኽእልን እዩ።ግን ከምዚ ትንቢት ዝብሎ ዘሎ ነዚ ናይ ምምፍልላይ ጥፍኣት ዘስዕብ ትምህርቲ ኣስሊኾም ምፍልላይ ብምምጻእ ነቲ ተበጀዎም ጎይታና መድሓኒና ክርስቶስ ተኸሓድዎ ናቶም ሓሳባት ባዕሎም ደኣ የጥፍኦም እንበር ንሰብ ኣይልክምን እዩ ክሳዕ ዘለና ኣብ ሙሉእ ሂወትና እናተቃወምናዮ ክንሓልፍ ኢና፡ስለምንታይሲ ቅድመና ነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት እናተቃወሞዎ ስለ ዝሓለፉ ነዞም ቅዱሳን ኣቦታት ዝተቃወምዎ ከይንቅበል ድማ ሰብ <ሕድሪ ኢና። ተዋህዶ ተኣምነሉ ከምኡ እውን ኩለን ኦርተደክስ ኦርየንታል ኣብያተክርስትያናት ዝኣምናሉ ግን፡ብጀካ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይዘርኢ ሰብኣይ ዝተወልደ ፍጡር ሰብ የለን። ንሱ ንበይኑ ድማ ዘርኢ ኣዳም ስለ ዘይኮነ ኣበሳ ኣዳም ኣይሓለፎን።ኣበሳ ዝበሃል ዘሎ ድማ ከምቲ ንሶም ዝገብርዎ ዘለዉ ንሰብ ንምፍልላይ ነዚ ዘረባ ኣዚ ድማ መልክዑ ብምቅያር ዚዛረብዎ ዘልለዉ ሞት እዩ። ኣምላኽ ንኣዳም ኣብ ገነት ክፈጥሮ ኸሎ   ዝበሎ ተነይሩ ኣብ ዘፍጥረትምዕራፍ ክልተ ጥቅሲዓሰርተው ሽውዓተ/ዘፍጥረት217 ተንቢብና  ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን  እተፍልጥ  ኦም ግን ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ኣይትብላዕ በሎ ተጠንቀቁ ህዝበይ  ደቂ ቅዱስ ደስቆሮስ ክገርመኩም እዚ ነዛ ስነ ሓሳብ ኣዚኣ ንምፍራስ ክኸውን ይኽእል ኣብዛ ሓዳሽ ትርጉም ኣብ ምትርጋማ ከይተረፈ እዮም እቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝኣምኑሞት ክትመውት ኢኻ’’ንትብል ሓሊፎም ኣብ መጽሓፍ ቅድሱ ከይተረፍ ቶም ሊቃውምንቲ  ብገጋ ተርጊሞም  ኣለዉ ኣብ ካሎት መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ግእዝ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ ኢያ ትብልንሶም ግን።ብርግጽ ክትመውት ኢኻ ኢሎም ሓሊፎማ ታጽሕፍቲ ግን ሞት ክትመውት ኢኻ ኢያ ትብል እዛ ሞት ኢና ንሕና ኣበሳ ወይ ድማ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ብምባል ገሊጽናያ ዘለና። ሞት ማለት ሓጢኣት እያ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ዝመተት ሓጢኣት ስለ ዝተንከፈት ወይ ድማ ስለ ዝፈጸመት ዘይኮነስ እዛ ሞት ትበሃል ካብ ኣዳም ስለ ተወልደት ናብኣ ድማ ስለዝሓለፈት እያ።ንሕና ንሓደሽቲ መማህራን ኣብ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ንገለ በዚ ዝብረዙ ዘለዉ ኣብ ኤረትራን እን ሓቶም ሕቶ ኣሎ ክምልሱልና ፍቃደኛታት ተኾይኖም?ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያምሲ እንታይ ኮይና ሞይታ።ኣብዚ ተሪእናዮ ብስጋ ይኹን ብመንፈስ ከይ ከይገለጸ ሞት ክትመውት ኢኻ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።ግን ስለምንታይ ከምቲ መሰልቲ ክብሉ ንዝብኢ ክትወቅዕሲ ኣብ ኣድጊ ተጸጋዕ ዝተባህለ ኮይኑ  ንህዝብና ከተስሕቱ ልብስናን  ሽምናን ምውሳድኩም ኣይደንቀን እዩ።ቅዱስ የውሃንስ ኣፈወርቂ እውን ኣብ ሃይማኖት ኣቦው እታ ካብኣ ስጋ ዝተወስዳ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ መዋቲት እያ ኢልዋ ኣሎ።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ከም ዝመተትን ሓመድ ኣዳም ከም ዝለበሰትን  ደሓር ግን ከም ዝዓረገትን ኣብ ታኣምራ የረድእ።ስለ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምቲ ሽም ከይጠቀስና ክንሓልፈኩም ኣብ ቆይቂ ክንኣቱ ድማ ስለ ዘይንደሊ  ነቲ ታኣምራ ከይተረፍ ትኽሕድዎ ከም ዘለኹም ክንሕብረኩም ንደሊ ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ልዕሊ ክርስቶስ ምስራዕ ግን ናይ ሞት ሞት ዘምጽእዩ።ክርስቶስ ንባዕላ ብወዳ ብጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዲሒና እያ መድሓኒኣ እዩ ክርስቶስ ንሳ እውን በቲ ሓቂኛ ስማ ክንጽወዓ ኢያ ትደሊ እንበር ካብ ዘይናታ ንላዕልስ ኣይትቅበሎን እያ ባህሪ ቅዱሳን ስለ ዝኾነ። ብሓቂ ድማ ነቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ክንስዕቦም ክርስትያናዊ ግዴታና እዩ።ምኽንያቱስ ቃል ኣምላኽ ዕብራውያን፡137ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝመቱን  ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ ስለ ዝብለና።ወሲኹ ድማ ኣብ እብራውያን139 በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ ድማ ስለ ዝበለና ነቶም ቅድሚ 1500 ክፍለ ዘበን ነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ደኣ ንስዕብ እንበር  ብጋሻ ትምህርቲ  ክንስሕት ፍጹም ኣይግበእን። ምምሕረቱ ይልኣኽእግዚኣብሄረ ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና። እግዚኣብሄር ይደግፍ ኣሜን 2nd  part

No comments:

Post a Comment